ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ፍትሓዊ ውክልና ክህልወን ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 12, 2026 67
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ፍትሓውን ተሰማዕነተን ዘረጋገፀን ውክልና ክህልወን ከም ዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ህምዲ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከም ዝበልዎ፤ ሃፍቲ መዓድን ንስግግር ኢነርጂ፣ ዝለዓለ ማኑፋክቹሪንግን ዲጂታል ኢኮኖምን ወሳኒ እዩ። ኣፍሪካ ወናኒት ብርክት ዝበሉ መዓድናት ከም ዝኾነት ብምሕባር፤ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ድማ ኣማራፂ ካፒታል፣ ቴክኖሎጂን ዕዳጋን ከም ዘለወን ሓቢሮም። እዞም ሃፍትታት ኣዋዲድካ ንምጥቃምን ኣብቲ ጥረ ሃፍቲ ፀጋ ንምውሳኽን ጥምረት ብሪክስ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም። ኢትዮጵያ ኣብ መዓድናት፣ ተሓዳሲ ሓይልን ዝዓቢ ዘሎ ኢንዱስትርን ዓቕማ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ምሕዝነታት ንምፍጣር ድልውቲ ከም ዝኾነተ ኣረጋጊፆም። ኢትዮጵያ ንኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ምትእስሳር ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ልዑል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ምስ ዓለም እናራኸበ ከም ዝርከብ ከም ኣብነት ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ብሪክስን ሕብረት ኣፍሪካን ዘለዎም ምትሕብባር ምስ ኣጀንዳ 2063 ዝተጠዓዓመ ንክኸውን ድጋፍ ከም ትህብ እውን ኣረዲኦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዘልዓልዎ ሓሳብ፤ ኢትዮጵያ ሪፎርም ኢኮሚ ከም ዝገበረትን ናይ ወፃኢ ዕዳኣ ንምምጥጣንን እናሰርሐት ከም ዝኾነትን ገሊፆም። ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘለወን ውክልና ፍትሓዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ውክልና ጭቡጥ ውፅኢት ከምፅእ ኣለዎ ኢሎም።
ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዓብይ እጃም ከበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Sep 12, 2026 77
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ቁልፊ እጃም ከም ዘበርክ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ ኔው ዴልሂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መደረ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደርኦም፤ ዓለም ለኸ ቅልውላዋት ዘስዕብዎ ጉድኣት ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራ ከይተገደቡ ተደራራቢ ምትእጉጓል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም። ሃገራት ቅልውላዋት ቅድሚ ምፍጣሮም ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ክሃንፃ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ፈተና ምፅዋር ዘኽእሉ ስርዓታት እናሃነፀት ከም ትርከብ ኣረዲኦም። መንግሥቲ ኣብ ውሕስና ምግቢ ብዘሳለጦ ስራሕ ኢትዮጵያ ካብ ፅግዕተኛነት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ምውፃእ ክኢላ እያ ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ነቲ ዝተሓሰበ ማዕቐፍ ልውውጥ ዝራእቲ ብሪክስ (BRICS Grain Exchange) ከም ኣፍራይትን ኣቕራቢትን ንምስታ ድልውቲ ከም ዝኾነት ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ንምፅዋር ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር እናዕበየት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ መፍረይቲ ፋርማሲዩቲካልን መድሓኒትን እናስፋሕፍሐት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ስርዓታት ክፍሊትን ልውውጥ ሓበሬታን ብሰፊሑ እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም። ሓበሬታታት ድሕንነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ብኣግባብ ሕጊ ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ነዚ ለውጢ ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽሮ ፀሪሖም። ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንምምራሕ ዓቕሚ ምርምር፣ ኮምፒውቲንግ፣ ክእለትን ትካላትን ከም ዘድልያ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ትሃንፆ ዘላ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር እውን ኣፍሪካ ዝወጠነቶ ሽቶ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዝውክል ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ምስ ትካላት ብሪክስ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከም ዘለዋ እውን ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ንሰባት ማእኸል ዝገበረ ምምሕዳር ሰብ ስራሕ ብልሒ ክድገፍ ከም ዘለዎን ፅቡቕ ምም ምስ ብቕዓት ምጥዕዓም ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቪየትናም ሌ ሚን ሁንግን ዘትዮም
Sep 12, 2026 103
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቪየትናም ሌ ሚን ሁንግን ዘትዮም። እቶም ቀዳማ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጎና ጎኒ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቪየትናም ሌ ሚን ሁንግን ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቪየትናምን ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብን ሓባራዊ ምትሕብባርናን ብዝበለፀ ምስፋሕ ኣብ ዝከይ ጉዳያ ዘቲና ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም
Sep 12, 2026 84
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ ኣፍሊጦም። ኣብ ዘተኦም እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እቲ ዘተ ኣብ ዓውድታት ምክልኻልን ድሕንነትን፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ትምህርትን ዓውዲ ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ምልውዋጥ ልምድታት ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ፣ ኣብ ባህልን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ዘለና ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለና ሓባራዊ ቆራፅነት ዳግማይ ዘረጋገፅናሉ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ንኮፕ 32 ኣብ ንገብሮ ምድላው ዘለና ምሕዝነት ሓዊሱ ኣብ ሽቶታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ልምዓትን ምትሕብባራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ልውውጥ ንግድን ኢኮኖምን ብዝበለፀ ንምስፍሕፋሕ እውን ብሓባራ ንምስራሕ ተስማዕሚዕና ክብሉ ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ወራሲ ኣልጋ ኣቡዳቢ ልዑል ሼህ ኻሊድ ቢን ሙሀመድ ቢን ዛይድ አል ናህያን ዘትዮም
Sep 12, 2026 114
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ወራሲ ኣልጋ ኣቡዳቢ ልዑል ሼህ ኻሊድ ቢን ሙሀመድ ቢን ዛይድ አል ናህያን ዘትዮም ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ወራሲ ኣልጋ ኣቡዳቢ ልዑል ሼህ ኻሊድ ቢን ሙሀመድ ቢን ዛይድ አል ናህያን ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከም ዝበልዎ፤ ጎና ጎኒ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ምስ ወራሲ ኣልጋ ኣቡዳቢ ልዑል ሼህ ኻሊድ ቢን ሙሀመድ ቢን ዛይድ አል ናህያን ዘቲና ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ወራሲ ኣልጋ ኣቡዳቢ ልዑል ሼህ ኻሊድ ቢን ሙሀመድ ቢን ዛይድ አል ናህያን ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከም ዝበልዎ፤ ጎና ጎኒ መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ምስ ወራሲ ኣልጋ ኣቡዳቢ ልዑል ሼህ ኻሊድ ቢን ሙሀመድ ቢን ዛይድ አል ናህያን ዘቲና ኢሎም። ኣብ ዘተኦም እውን ኣብ ዋና ዋና ቅድመ ኣጀንዳታት ብሪክስን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስን ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ ከይድታት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።። ኣብ ዘተኦም እውን ኣብ ዋና ዋና ቅድመ ኣጀንዳታት ብሪክስን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስን ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ኣብ ዘጠናኽሩ ከይድታት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
ፖለቲካ

መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 12, 2026 85
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣካል “ፅንዓት፣ ፈጠራ፣ ምትሕብባርን ዘላቕነትን ምህናፅ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ጉባኤ ብሪክስ ብምዃንና ኩርዓት ይስመዓና ኢሎም። ኣብ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ሃፍቲ፣ ቴክኖሎጂን ሰፊሕ ዕዳጋን ኣለና እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሕዚ ዘሎ ሰናይ ዕድል እዞም ፀጋታት ብምትእስሳር ዝለዓለ ፀጋ ምፍጣርን እዚ ፀጋ ድማ እቲ ሃፍቲ ኣብ ዝርከበሉ ቦታ ምፍራይን ንክኽእል ምግባር እዩ ክብሉ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ብልምዓት መዓድን፣ተሓዳሲ ሓይልን እናዓበየ ኣብ ዝርከብ መሰረት ኢንዱስትሪኣን እዞም ምሕዝነታት ንምህናፅ ድልዉቲ እያ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ስርዓታት ኣሰራርሓና ፅንዓት ምህናፅ፣ ሰብ ስራሕ ብልሒ ንድሌት ኣህጉርና ንከገልግል ምግባር፣ከይዲ ዘተኣማምንን እፎይታ ዕዳ ምዕባይ ከምኡ እውን ስራሕቲ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምስ ስግግር ኢኮኖሚ ክነተኣሳስሮ ኣለና ክብሉ ገሊፆም። መድረኽ ብሪክስ ሓባራዊ ምትሕብባር ናብ ሓባራዊ ፀጋ፣ ፅንዓትን ዘላቒ ዕቤትን ናይ ምልዋጥ ሰፊሕ ዓቕምን ቆራፅነትን ከም ዘለዎ እውን ኣረዲኦም።
ምሕዝነት ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያን ብራዚልን ናብ ሓዱሽን ተስፋ ዘለዎን ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ
Sep 12, 2026 129
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 2/2017 (ኢዜኣ)፦ ምሕዝነት ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያን ብራዚልን ናብ ሓዱሽን ተስፋ ዘለዎን ምዕራፍ ይሸጋገር ከምዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብራዚል ዣንዲር ፈሬራ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብራዚል ዣንዲር ፈሬራ ዶስ ሳንቶስ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ብራዚልን ዘሎ ሽርክነት ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ስትራቴጂካዊ ዓውድታትን እናሰፍሐ መፂኡ እዩ። በዙይ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ሓዱሽን ተስፋ ዘለዎን ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ ኢሎም። ብራዚል ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ቤት ፅሕፈት ኤጀንሲ መፋለጢ ንግድን ኢንቨስትመንትን (Apex Brasil) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸፈተት ምዃና ብምጥቃስ፤ እዙይ ድማ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ንግድን ፖለቲካን ብዝለዓለ ኩነታት ከምዘጠናኽሮ ገሊፆም። ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ዕድላት ኢኮኖሚን ዓቕሚ ዓውዲ ውልቀን ኢትዮጵያ ን ክረድኡ፣ ከምኡ እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጠበቐ ክልተኣዊ ምትሕብባር ክፈጥሩ ዘኽእል እዩ ኢሎም። ዓውዲ ሕረሻ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅል ትኹረት ተዋሂብዎ ካብ ዝሰረሓሎም ዋና ዋና ዓውድታት ምትሕብባር ሓደ እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ ብራዚል ኢትዮጵያ ትትግብሮ ካብ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓቢዪ ተሞክሮ ከምትወስድ ኣመላኺቶም። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብታ ሃገር ዝተመዝገቡ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ፣ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክርን ዕብየት መሰረተ ልምዓታትን ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ዘትዮም
Sep 12, 2026 93
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ከም ዝዘተየ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣንዋር ኢብራሂም ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝገበርዎ ዑደት ዝተረኸበ ሰናይ ዕድል ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘቲና ክብሉ ገሊፆም። እቲ ዘተ ምሕዝነት ኢንቨስትመንት፣ ቱሪዝምን ተሓዳሲ ሓይልን ምስፍሕፋሕን ናብ ኮፕ 32 ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዘለና ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ጠመተ ዝገበረ እዩ ኢሎም ብተወሳኺ እውን ካብ ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ መፍረያይነትን ዓውዲ መፍረያይን ማሌዢያ ተሞኩሮታት ምውሳድ ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ከም ዝዘተዩ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያን ማሌዢያን ጠንካራ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ንምስራት ዘኽእል ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለወን ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ማዕቐፍ ኢንቨስትመንት፣ ቴክኖሎጂ፣ ክእለትን ዘላቒ ልምዓትን ሓደሽቲ ዕድላት ዝፈጥር ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዘትዮም
Sep 12, 2026 109
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ መድረኽ ቤተሰብ ብሪክስ ፕላስ ምስ ፕሬዚዳንት ኢራን መስዑድ ፔዜሽኪያን ዘቲና ኢሎም። ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ዝገበርናዮ ዘተ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘለዉ እዋናዊ ኩነታትን ሓፈሻዊ ኣብ ድሕንነት እቲ ዞባን ጠመተ ዝገበረ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣድላይነት ዘተን ምርግጋዕ እቲ ዞባን ጋህዲ ምግባር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እውን ከም ዝዘተዩ ሓቢሮም።

ማሕበራዊ
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተወሰዱ ውፅኢታውያን ስጉምትታት ምምሕያሽ ኣብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ጭቡጥ ውፅኢት የርከቡ ኣለዉ
Sep 12, 2026 93
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተወሰዱ ውፅኢታውያን ስጉምትታት ምምሕያሽ ኣብ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ጭቡጥ ውፅኢት የርከቡ ምህላዎም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም። ሚኒስትር ትምህርቲ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ መንግስቲ ዝተማለአ ዜጋ ናይ ምፍራይ፣ መዐቀኒታት ስነ ምግባርን ፍልጠትን ናይ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣወሃህባ ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ናይ ምስግጋር ሰፊሕ ስራሕቲ ሪፎርም ኣካይዱ እዩ። ኣብ ዓውዲ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፅሬት ዘለዎን ብፍልጠት ዝተሃነፀን ወለዶ ንምፍራይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት የርእዩ ምህላዎም እውን ኣመላኺቶም።
ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሹ ስራሕቲ ልምዓት ዝፋጠኑሉ ክኸውን እዩ
Sep 11, 2026 211
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 1/2019 (ኢዜኣ)፦ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ጉዕዞ ብልፅግና ብምስፋሕ ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሹ ስራሕቲ ልምዓት ዝፋጠኑሉ ዓመት ከምዝኸውን ከንቲባ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ብምክንያት ብምግባር ኣብ ልደታ ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ማኣዲ ኣካፊለን። ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ማእኸል ኩሉ ግዘ ምገባ ዝግበር ዋላ እንተኾነ፣ ሎሚ መዓልቲ ብምኽንያት እቲ በዓል ኣብዚ ዘለና ንዓኻትኩም ዘለና ኣኽብሮት፣ ፍቕርን ቤተሰባውነትን ንምግላፅ እዩ ኢለን። ሓዱሽ ዓመት እውን ዝበለፀ ንደጋገፈሉ፣ ብሓድነት ንብልፅገሉን ዝበለፀ ህይወት ንሃንፀሉን ዓመት ይኹን ብምባል ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን። ሓዱሽ ዓመት ጉዕዞ ብልፅግና ብምስፋሕ ህይወት ዜጋታትን ኩነታት መነባብሮን ዘመሓይሹ ስራሕቲ ልምዓት ዝፋጠኑሉ ከምዝኸውን ተዛሪበን። ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ብምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ዝተሳተፉ ወገናት እውን፣እተን ከንቲባ ኣብዚ በዓል ምስኦም ብምሕላፈን ዓብዪ ክብርን ደስታን ከምዝተሰመዖም ተዛሪቦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ንሓዱሽ ዓምት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Sep 11, 2026 231
ኣዲስ ኣበባ፤መስከረም 1/2019 (ኢዜኣ) ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንሓዱሽ ዓምት 2019 ዓ/ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መልእኽቶም፤ ንመላእ ህዝብን መንግስትን ኢትዮዕያ እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ኣብፀሐኩም ክብሉ ልባዊ ትምኒቶም ገሊፆም። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓድነት ጠጠው ምባሉ ከም ዝቕፅለሉ ብምግላፅ፤ እታ ሃገር ንሓድነት፣ ነፃነትን ዕዉትነት ሓባራዊ ጅማሮታትን ኣፍሪካ ዘለኣኣ ታሪኻዊ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም። እቲ ሓዱሽ ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘበነ ሰላም፣ ፍቕርን ብልፅግናን ንክኸውን እውን ተመንዮም። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓድነታ ዝተሓለወ፣ ሰላማዊትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ንምህናፅ ብቆራፅነት ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Sep 11, 2026 191
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 1/ 2019 (ኢዜኣ) ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣብደላ ኣል ሸምሲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ኣብ መንጎ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስን ኢትዮጵያን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኣብ ሓባራዊ ድሌትን ምክብባርን ዝተመስረተ እዩ ኢሎም። ፈፃሚ ጉዳይ ኤምባሲ ማሌዥያ ኣብ ኢትዮጵያ ሞህድ ኣፈንዲ ኣቡበከር ብግደኦም፤ ንኢትዮጵያውያን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ኣብፀሐኩም ኢሎም። እቲ ሓዱሽ ዓመት ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ናይ ብልፅግና፣ ጥዕናን ሓጎስን ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገዛ። ኣምባሳደር ሲሪላንካ ኣብ ኢትዮጵያ ኒርማላ ኢንዱማቲ ዲያስ ፓራናቪታና፤ ሓዱሽ ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነትን ብልፅግናን ከምኡ እውን ንትካላታ ጥንካረ ሒዙ ንክመፅእ ተመንየን። ኣብ መንጎ ሲሪላንካን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነትን ምትእስሳር ባህልን ብዝበለፀ እናዓበየ ከም ዝኸይድ እውን ዘለዎም ፅኑዕ እምነት ገሊፀን። ተጠባባቒ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ቮን ዌይሄ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ንኢትዮጵያ ዓመተ ሰላም፣ ሓድነትን ብልፅግናን ንክኸውን ተመንዮም። ኣብ ኤምባሲ ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ሚሲዮን መሪ ፒርጆ-ሊሳ ሄይኪላ፤ እቲ ሓዱሽ ዓመት ዲሱ ዓመት ንኢትዮጵያውያን ናይ ደስታን ብልፅግናን ዓመር ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነት ከም ዝጠናኸር ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም። ኣብ ኤምባሲ ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ሚሲዮን መሪ ሚርጃ ክሮኔ፤ ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፅኑዕ ምሕዝነት ዝጠናኸረሉ ንክኸውን ተመንዮም። ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብርሃም ንጉሴ (ዶ/ር) ብግደኦም ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን እስራኤልን ናይ ነዊሕ ዓመት ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት እየን። እዚ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ኣጠናኺርና ብምቕፃል ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። መላእ ኢትዮጵያዊያንን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ኣብፀሐኩም፤ እቲ ሓዱሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ዕቤትን ፍቕርን ንክኾነሎም እውን ልባዊ ትምኒቶም ገሊፆም። ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ኣብቲ ሓዱሽ ዓመት ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዝገለፁ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኤምስበርገር፤ ንሓዱሽ ዓመት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም። ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ሩሲያ፣ ቻይና፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ኢራን፣ ፓኪስታን፣ሜክሲኮ፣ኣውስትራሊያን ካናዳን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ቁጠባ
ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተቐረፁ ዓውድታት ንኹለመደያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ኣለዉ
Sep 12, 2026 80
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተቐረፁ ዋና ዋና ዓውድታትን ካልኦትን ንኹለመደያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣስተዋጽኦ የበርክቱ ምህላዎም በዓል ሞያ ኢኮኖሚ ኣይተ ዘመደነህ ንጋቱ ገሊፆም። ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF)ኣብ ቐረባ እዋን ዘውፅኦ ሓበሬታ፣ ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ብርኪ ፈጣን ዕብየት ኢኮኖሚ የመዝግባ ካብ ዘለዋ ሒደት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣልዒሎም። እዙይ ድማ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተተግብሩ መዋቕራዊ ምምሕያሻት ኢኮኖሚን ካብ ዝተከተለቶ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂ ልምዓትን ዝምንጩ ምዃኑ ኣመላኺቶም። እቲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተተግብረሎም ዓውድታት ማለት እውን ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ማዕድንን ቴክኖሎጂን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝበረታትዑ እዮም ኢሎም። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ማዕድን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብርኪ ዝለዓለ ኣታዊ ኤክስፖርት ወርቂ ምመዝገቡ ብምጥቃስ፤ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ ጥራሕ 5 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ዶላር ክረክብ ምኽኣሉ ዓብዩ ዓወት እቲ ሪፎርም ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ጎስጓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ" ካብ ዝጅምር ዓቕሚ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምዕባይን ከይዲ ምፍራይ ኣብ ምጥናኽርን መዳይ ካብ ዝነበሮ መበገሲ ተላዒሉ ዝለዓለ ዕብየት ምራኣዩ ጠቒሶም። ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ካብቲ ዝለመደ ባህላዊ ኣሰራርሓ ናብ ዘመናዊን ሜካናይዝድ ዝኾነ ኣሰራርሓ ብምስጋር፣ ኣቐዲሞም ብዝለዓለ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ይኣትዉ ዝነበሩ ፍርያታት ምትራፍ ዝተኽኣለ ኾይኑ፣ ነቶም ፍርያት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዝተጀመረሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ምኽፋቱ እውን ተዛሪቦም። ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ቴክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ንሰብ ስራሕ ብልሒ (AI) ዝሃበቶ ዝለዓለ ትኹረትን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምፍራያ ብኦፊሴላዊ መንገዲ ብብርኪ ኣፍሪካ ተወዳዳሪትን መሪሕን ዘግበራ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም። ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ፕሮጀክትታት ገበታ ሓዊሱ ኣብ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር ብዝተሳለጡ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ልምዓት መባፅሒታትን ዓውዲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት የበርክቶ ዘሎ ኣስተዋጽኦ ዝለዓለ ምዃኑ ኣመላኺቶም። ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ብርኪ ብኣትራፊነቱ፣ ብምስፍሕፋሕ ኔትወርክን ብውፅኢታውነትን ምቕፃሉ ጠቒሶም። ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ እውን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ውልቀ ባንክታት ዝመዝገብዎ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ትርፊ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ምህላዉ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም። እታ ሃገር ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘለዋ መሰረት ብምጥንኻር ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓታትን ፕሮጀክትታትን ጋዝን ምጀማሮምን ምዝዛሞምን ዝለዓለ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ከምዝፈጠሩ ኣመላኺቶም። ንኣብነት ዓቕሚ ምምንጫፍ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ሺሕ ሜጋዋት ናብ 10 ሺሕ ሜጋዋት ሓፍ ብምባል ብዕፅፊ ምዕባይ ምኽኣሉ ኣፍሊጦም። ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓሊፎም ኣብ ሃገራት ወፃኢ ኢንቨስት ክገብሩ ዝሕግዙ ምቹዋት ኩነታት ምፍጣሮም ጠቒሶም። ዓውዲ ውልቀ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሙ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ዞባን ኣብ ዓለም ኣለኻዊ ብርክን ተወዳዳሪን ጠንካራን ዝኾኑ ዓበይቲ ኩባንያታት ምፍጣር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 10, 2026 269
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስፍሕፋሕ ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)) ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ዝተመዝገቡ ብርክት ዝበሉ ዓወታት ንናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብሩ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢሮም። ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዜጋታት ድምፂ ብምሃብ ንቀፃሊ 5 ዓመታት ዝመርሖም መንግሥቲ ዝመረፅሉ፣ ካብ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ 4 ሽሕ ዜጋታት መፃኢ እዋን ኢትዮጵያ ዝወሰንሉ፣ 8 ነጥቢ 2 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ብሓፈሻ 56 ቢልዮን ምብፃሕ ዝተኽኣለሉ ዓመት ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። እዞም ዓወታት ተዋዲዲም ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ንክተመዝግብ ኣኽኢሎማ እዮም ኢሎም። ከም ኢትዮጵያ ሰፊሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ንምዕባይ ሎጂስቲክስ ልዑል ጉልበት ከም ዘለዎ እውን ኣረዲኦም። ሎጂስቲክስ ካብ ትራንስፖርት፣ ወደብ፣መሰረተ ልምዓት ባቡር መሰረተ ልማት ናብ ሓረስታይ ክሳብ ምብፃሕ ዘሎ ሰንሰለት ዝሓዘ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንዕቤት ኢትዮጵያ ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም። ፀገም ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓኒቑ ዝፀንሐ ምዃኑ ብምልዓል፣ ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ ነዞም ፀገማት ከምዝፈትሖም ገሊፆም። ማእኸል ሎጂስቲክስ ሞጆ ዓቕሚ ምሓዝ ኮንቴነር ካብ 500 ሺሕ ናብ ሓደ ሚልዮን ከም ዘዕብዮ ሓቢሮም። ዕብየት ኢትዮጵያ ዝተመላአ ኽኸውን ኩሎም መኣዝናት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምርኻብ ከምዝግባእ እዮም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም። 2018 ዓ.ም ናይ ብዙሕ ዓወት፣ ውፅኢታትን ፍፃመታትን ዘመን ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ ኣብ 2019 ዓ.ም ዝበለፀ ንፍፅመሉ ዓመት ከምዝኸውን ተዛሪቦም። ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝመሓየሽ ብምሕባር፤ ካብ ዝጀመርናዮ ዕብየትን ልምዓትን ደው ከብሉና ዝፍትኑ ሓይልታት ምስ ዘይክእልዎ ጎቦ እናተላተሙ ምህላዎም ብተግባር ክነርእዮም ኢና እውን ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣፍሪካ ንምግባር ዘኽእሉ ተግባራት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣረጋጊፆም። ደቅና ዝሓሸት ሃገር ንኽርከቡ ዘሎና ሓደራ ብሙሉእ እምነትን ብቕዓትን ክንፍፅም ኢና እውን ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሞጆ ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቖም
Sep 10, 2026 171
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሞጆ ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ኣብ ሞጆ ተረኺብና ንኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንዕዉትነት ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ልዑል እጃም ዘበርክትን ኣብ ልዕሊ 60 ሄክታር መሬት ዝተሃነፀን ፈላማይ ምዕራፍ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ማእኸል ሎጂስቲክስ መሪቕና ኢሎም። እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት ክሳብ 1 ሚልዮን በዓል 20 ጫም ኮንቴነራት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎም ጣብያታትን ዘበናዊ መኽዝናትን ዘለውዎ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብቱን ደረቕ ፅዕነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምእሻግ ዘኽእል፣ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምቑጣብ ብተወሳኺ ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ገሊፆም። ቅልጣፈ ኣሰራርሓ እቲ ማእኸል ንፈለማ እዋን ዝተተኸለ ኣብ ልዕሊ ክሬን ባቡር ካብ መስመር ባቡር ዝግበር ዝውውር ኮንቴነር ብልዑል ቅልጣፈ ዘሳልጥ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ሙሉእ ኣሰራርሕኡ ብዘበናዊ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ንተገልገልቲ ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ዘቀላጥፍ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ማእኸል ኣካል ካብ መስመር ኢትዮ-ጂቡቲ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ፣ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዘተኣሳስር ኮሪደር ‘ደሱ' ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃገርና ኣብ ዓለም ለኸ ብርኪ ሎጂስቲክስ ዘለዋ ስፍራ ዘመሓይሽን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዕቤት ዘሰጋግርን ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም።
ቅልጡፍ ለውጢ ከተማነት ኣዲስ ኣበባ ዘደንቕ እዩ - ጀርመናዊ ዲፕሎማት
Sep 10, 2026 157
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየዱ ዘለው ኩሉ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ እታ መዲና ብልዑል ፍጥነት ክትልወጥ ከምዝገበሩዋ ኣብ ኢትዮጵያ ተጠባባቂ ኣምባሳደር ጀርመን ፈርዲናንድ ቮን ዌይሄ ገሊፆም። ዘመናውያን ኮሪደራት፣ መሊሶም ዝሓወዩ ወሰናት ሩባ ፣ ቦታታት መዘናገዒ ህዝቢ እናሰፍሑ ዝኸዱ ዘለው ሓምለዋይ ቦታታትን ነታ ከተማ ሓድሽ መልክዕ ከምዝሃብዋ እቶም ኣምባሳደር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ኣብታ ከተማ ዝተርእዩ ለውጥታት፣ ብፍላይ ድማ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ምስፍሕፋሕ ክፍቲ ቦታታት መዘናገዒ ህዝቢን ሓዊሱ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ብቐረባ ከምዝተኸታተልዎ ተዛሪቦም። ኣብ ፃንሒቶም ዝርኣዩ ጭቡጣት ለውጥታት ከምዝተረኣዩ እውን ገሊፆም። ፍጥነት እቲ ለውጢ፣ ቆራፅነትን ጥንኻረን ስራሕን ኣስደናቒ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩን ሰፊሕ ትልሚ ፕላን ከተማ መሰረት ዝገበሩን ምዃኖም ምግንዛብ ከምዝክኣል ኣመላኺቶም። ኹሎም ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምንቅስቓሳት ልምዓትንን ሓደ ምስቲ ሓደ ተጠዓዒሞምን ተዋዲዶምን ዝካየዱ ምዃኖም እውን ዘድንቕ እዩ ኢሎም። ኣብ ኸባቢ ሩባ ቀበና፣ ካብ ጥቓ ኤምባሲ ጀርመን ጀሚሩ ክሳብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ዘለው ቦታታት ብምጥቃስ፣ እዞም ቦታታት ምስሊ እታ ከተማ ናይ ምልዋጥ መግለፂታት ምዃኖም ጠቒሶም። እቶም ለውጥታት ኣብ ህንፀትን መሰረተ ልምዓትን ጥራሕ ዝተወሰኑ ከምዘይኮኑ ኣልዒሎም፡፡ ሐዚ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ድሕሪ ቀትሪ ግዜኦም ካብ ገዛ ወፃኢ ብምሕላፍ፣ ኣብ ወሰናት ሩባ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባርን ህፃናት እውን ኣብቶም ሓደሽቲ መንገዲታት ብስክሌት እናተጠቐሙ ምኳኖም ዓቢዪ ለውጢ እዩ ኢሎም። እቶም ኣምባሳደር ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ምስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣረዲኦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ፣ ልምዓት ኣግራብን ሓለዋ ከባቢን ምስ ኣጀንዳታት ልምዓት ሃገር ዝተዋደዱ ምዃኖም እውን ኣድኒቖም። ብውልቀኦም ብኣማኢት ዝቖፀሩ ፈልስታት ከምዝተኸሉ እውን ኣዘኻኺሮም።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዓብይ እጃም ከበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Sep 12, 2026 77
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ቁልፊ እጃም ከም ዘበርክ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ ኔው ዴልሂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መደረ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደርኦም፤ ዓለም ለኸ ቅልውላዋት ዘስዕብዎ ጉድኣት ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራ ከይተገደቡ ተደራራቢ ምትእጉጓል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም። ሃገራት ቅልውላዋት ቅድሚ ምፍጣሮም ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ክሃንፃ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ፈተና ምፅዋር ዘኽእሉ ስርዓታት እናሃነፀት ከም ትርከብ ኣረዲኦም። መንግሥቲ ኣብ ውሕስና ምግቢ ብዘሳለጦ ስራሕ ኢትዮጵያ ካብ ፅግዕተኛነት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ምውፃእ ክኢላ እያ ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ነቲ ዝተሓሰበ ማዕቐፍ ልውውጥ ዝራእቲ ብሪክስ (BRICS Grain Exchange) ከም ኣፍራይትን ኣቕራቢትን ንምስታ ድልውቲ ከም ዝኾነት ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ንምፅዋር ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር እናዕበየት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ መፍረይቲ ፋርማሲዩቲካልን መድሓኒትን እናስፋሕፍሐት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ስርዓታት ክፍሊትን ልውውጥ ሓበሬታን ብሰፊሑ እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም። ሓበሬታታት ድሕንነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ብኣግባብ ሕጊ ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ነዚ ለውጢ ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽሮ ፀሪሖም። ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንምምራሕ ዓቕሚ ምርምር፣ ኮምፒውቲንግ፣ ክእለትን ትካላትን ከም ዘድልያ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ትሃንፆ ዘላ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር እውን ኣፍሪካ ዝወጠነቶ ሽቶ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዝውክል ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ምስ ትካላት ብሪክስ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከም ዘለዋ እውን ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ንሰባት ማእኸል ዝገበረ ምምሕዳር ሰብ ስራሕ ብልሒ ክድገፍ ከም ዘለዎን ፅቡቕ ምም ምስ ብቕዓት ምጥዕዓም ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።
ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር እዩ
Sep 10, 2026 269
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ)፦ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ ቨርስ) ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ 50 ሚልዮን ምብፅሑ 'ውን ተዛሪቦም። እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መዓልቲ ፅባሕ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ መለለዪ መንነት ፋይዳ “ሓደ ሰብ ሓደ እዩ” ብዝብል መሪሕ ስራሕቲ ምምዝጋብን ምርግጋፃን ዲጂታል መንነት እናተሳለጠ እዩ ኢሎም፡፡ እዙይ 'ውን ገበን ንምክልኻል፣ ኣገልግሎታት ብዲጂታል ብምትእስሳር ንምቅልጣፍን ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ፣ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘተኣማምን ምትእስሳር ንምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም። ፋይዳ ምስ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ምትእስሳር ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ክሳብ ሐዚ 150 ትካላት መንግስቲ፣ ውልቀ፣ ስታርታፕን ካልኦትን ብፋይዳ ምትእስሳር ምግባሮም ገሊፆም። ብኣገልግሎት ሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ 200 ሚልዮን ንላዕሊ መንነት ናይ ምርጋፅ ተግባራት ከም ዝተኻየዱ ጠቒሶም። ኣገልግሎት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ የምፅኦ ብዘሎ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ልዑል ትኹረት ከም ዝረኸበ ኣረዲኦም። እዙይ ድማ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ተመክሮታት ኢትዮጵያ ክቐስሙን ብምትሕብባር ንምስራሕ ካብ ድልየት ሃሊፉ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ህንፀት ዓቕምን፣ ምኽሪን ዲጂታል ስርዓት ኣብ ምህናፅን ብዙሓት ሃገራት ሓገዝ ንምርካብ ድልየት ከም ዘርኣያ ገሊጾም። ድልየት ካብ ዘርኣያ ሃገራት ምስ ዝተወሰና ስምምዕነት ተፈራሪመን ናብ ትግበራ ፕሮጀክት ፈተነ ንምስጋር ዝተዳለዋ ሃገራት ከም ዘለዋ ኣመላኺም። በዙይ እውን ቴክኖሎጂ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብፈተነ ደረጃ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ተግባራዊ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ 'ውን ኣብ ሓህጉራዊ ኢኒሼቲቫት ትግበራ ኣርኣያነት ዘለዎ ڕۆላ ክትህነፅ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Sep 10, 2026 196
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ) ፅባሕ ዝውሰን በቲ ሎሚ ንሰርሖ ስራሕ እዩ! ዓወትና ናይ ፅባሕ ድማ ብፃዕርና ናይ ሎሚ ይቐረጽ። ካብ ጽባሕ ትማሊ ጽቡቓት ተሞክሮታት ብምውሳድ፣ ንሎሚ ብትኽክል ብምግምጋምን ብምርዳእን፣ ራእይ ናይ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ምህናጽ፣ ጽኑዕ እምነትን መለለዪ ባህርን መንግስትና እዩ። ፍልጠት ወለዶታትና ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር፣ ንጽባሕ ንምቕባል ምድላው፣ ካብዚ ወለዶ ዝጽበ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ ኢሉ መንግስቲ ብጽኑዕ ይኣምን። ስለዚ እዩ ዲጂታላይዜሽን ከም ኣክኣሊ መሳርሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ሓደ ክፍሊ ኢኮኖሚ እውን ብምውሳድ፣ ዓቢይ ትኹረት ተዋሂብዎ እየ ዝስራሕ ዘሎ። ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ወለዶ ዕዳ ዘይኮነስ ፀጋ እያ እተውርስ። ንዝሓተቶ ጉዳይ እዋኑ ከሎ ምላሽ ክትህብ ዘይምኽኣል ግን ዕዳ ወለዶ እዩ።ስለዚ እዩ ሃገርና ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ እናመገበት እተምህሮም ዘላ፤ ስለዚ እዩ ንሚልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብነጻ ስልጠና ኮዲንግ (Coding) እናሰልጠነት እተኽእሎም ዘላ፤ ስለዚ እዩ እውን ናይ መጀመርታ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎን (Artificial Intelligence) እናተመስረተት ዘላ። ጽባሕ ብዘይ ፍልጠት ቴክኖሎጂ፣ ጽባሕ ብዘይ ሳይበር ድሕንነት፣ ጽባሕ ብዘይ ሉዓላውነት ሓበሬታ፣ ሓደጋ ህልውና ክኸውን ከምዝኽእል መንግስትና ይግንዘብ፤ ነቲ ወለዶ እውን ነዚ ንምምካት ይዳለው ኣሎ። ንዘመናት ድሑር ኢኮኖሚያዊ ዘርፊ ተባሂሉ ዝጸንሐ ሕርሻ፣ ጽባሕ ብዘይ ቴክኖሎጂ ህልውናኡ ኣብ ሓደጋ እዩ። ንተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ዲጂታላይዜሽን ወሳኒ እዩ። ኣገልግሎታት መንግስቲ ብጽሬትን ብቕልጡፍን ንዜጋታት ተበጻሒ ንምግባር፣ እቶም ካብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝመጹ ኣሰራርሓታት ኣይኮነን ንጽባሕ፣ ሎሚ እውን ዘዋፅኡ ኣይኮኑን። ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተወዳደርትን ስራሕ ፈጠርትን መንእሰያት ንምፍራይ፣ ዲጂታላዊ ክእለት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኢትዮጵያ ንኹሎም እዞም ጉዳያት ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ስለዘላ እዩ “ኢትዮጵያ ጽባሕኣ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ” እንብል። መዓልቲ ጳጉሜን ሓምሸይቲ መዓልቲ ጽባሕ ብምባል እነብዕላ እውን፣ ዝመጽእ ዘመን ተወዳዳርነት ቴክኖሎጂ ዝሓትት፣ ኣብ ትንተና ሓበሬታ ዝተመስረተ ውሳነ ዝውሰነሉ፣ ካብ ሕርሻ ክሳብ ምርምር ሳይንስ ህዋ ብዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ዝድገፍ ዘመን ኣብ ዋዜማኡ ስለዘለና፣ ነዚ ዘመን ዝምጥን ወለዶ ንምፍራይ እንሰርሕ ምዃንና ንምግንዛብ እዩ። ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ጽባሕ” ብዝብል ስያመ ምኽባሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ንምህናጽ ኢትዮጵያ ናይ ጽባሕን ንሉዓላውነታ ንምኽባርን ወሳኒ ምዃኑ፣ ሃገርና ድማ ናብ ምዕራፍ ስግግር ዲጂታላይዜሽን እናኣተወት ከምዘላ ንምብሳር እዩ። 5 ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣዲስ ኣበባ
ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 10, 2026 201
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018(ኢዜኣ) ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ን5 ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ ብዝምልት ካብ ወረቐት ናብ ዲጂታል፣ ካብ ተጠቃምነት ናብ ፈጣሪነት ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ኢሎም። ንግድን ኣገልግሎትን የቀላጥፍ፣ ሓበሬታታት ተበፃሒ ይገብር፣ ንዓውድታት እውን የማዕብል ክብሉ እውን ሓቢሮም። ጎስጓስ ኮደራት 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያ መናእሰይ ፈጠርቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምግባር ናብ 7 ሚልዮን ሽቶና እናምረሐ እንትኸውን ተበፃሕነትን ፅሬትን ዲጂታል ኣገልግሎት ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም። ብሃገር ቦቆል ዓቕሚ ዝማዕበለ ናይ ሳይበር ሉኣላዊነትና ድማ ካብ ፅግዕተኛነት ዘይንቆፃፀሮም ቴክኖሎጂታት ብምልቓቕ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጠጠው እትብል ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነት ዘበስር እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስፖርት
ትፅቢት ዝግበረሎም መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ፡ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ታውን፣ ቼልሲ ምስ ብራይተን
Aug 30, 2026 1471
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ካልኣይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ቀፂሎም ክካየዱ እዮም። ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ እዮም። ካብቶም መርሃ ግብሪታት ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ታውን ምሽት 12 ሰዓትን 30ን ኣብ ኦልድትራፎርድ ስታዲየም ዘካይድዎ ፀወታ ዝጥቀስ እዩ። ዩናይትድ ኣብ ናይ መጀመሪያ ሰሙን ፀወታኡ ብዘይተፀበዮ ኩነታት ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ብሁል ሲቲ 2 ን 0 ምስዓሩ ዝዝከር እዩ። ብኣንፃሩ ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ኢፕስዊች ታውን ንሰንደርላንድ 2 ን 1 ብምስዓር ዓመቱ ብዓወት ጀሚሩ እዩ። ማንችስተር ዩናይትድ ሕዚ እውን ምስ ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ክለብ ተራኺቡ ኣሎ። እቲ ክለብ ናይ መጀመሪያ ዓወቱ ንምርካብ ክፃወት እዩ። ኢፕስዊች ታውን ተኸታታሊ ዓወቱ ንምምዝጋብ ሓያል ንሕንሕ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ። ብኻልእ መርሃ ግብሪ ቼልሲ ካብ ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ስታዲየም ንብራይተን ከአተኣናግድ እዩ። ቼልሲ ኣብ ናይ መጀመሪያ ፀወታኡ ካብ ሜዳኡ ወፃኢ ንፉልሃም 3 ን 2 ረቲዑ እዩ። ናይ ምብራቕ ኤሴክሱ ብራይተን ንኣስቶንቪላ 4 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ናይ ሸቶ ፍልልይ ስዒሩ እዩ። ኣብ መጀመሪያ መርሃ ግብሪ ፀወታኦም ድንቕ ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓስ ዘርኣዩ ክልቲኦም ክለባት ሎሚ እውን ማራኺ ፀወታ ንተመልካቲ ከርእዩ ትፅቢት ይግበር። ሊድስ ዩናይትድ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሰንደርላንድ ምስ ፉልሃም ብተመሳሳሊ ሰዓት 10፡00 ፀወታኦም ከካይዱ እዮም።
ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ዝገብሩ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ
Jun 29, 2026 8835
ዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲፕሎማስን መሰረተ ልምዓትን እናተሳለጡ ምዃኖም ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መኪዩ መሓመድ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ድሕሪ ለውጢ ንልምዓት ዓውዲ ስፖርት ብዝተውሃበ ትኹረት ኩለመዳያዊ ለውጢ ምምዝጋብ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ውክልና ኢትዮጵያ ብምዕባይ ምስሊ ኢትዮጵያ ንምህናፅን ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምጥንኻርን እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። በዙይ ድማ 14 ኣመራርሓታት ሃገር ለኸ ማሕራት ስፖርት ብብርኪ ኣህጉሩን ዓለምን ኣመራርሓ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘለዉን እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ውድድር ስፖርት ዘለዎም ተሳትፎን ውፅኢታውነትን እናዓበየ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣህጉራውያንን ዓለም ለኻውያንን ስፖርታዊ ፍፃመታት ተተኣናግድ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ምስሊ እታ ሃገር ንምህናፅ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ገሊፆም። ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፍፃመታት ኣፍሪካን ዓለምን ብምግባር ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ተረባሒት ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም። ነዙይ ድማ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ደረጃኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓት ስፖርት እናተሳለጡ ምዃኖም ብምልዓል፣ ሓሙሽተ ዓበይቲ ስታዲየማት ዓለም ለኸ ረቛሒታት ንኸማልኡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርቲ ፀረ-ዶፒንግ ንምድላው ተመሪፃ
Jun 13, 2026 11580
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 6/2018 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ እ.ኤ.አ በ2027 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን ፀረ-ዶፒንግ ክተዳሉ ከም ዝተመርፀት ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ንልምዓት ስፖርት ብዝሃበቶ ቆላሕታ ልዑል ፋይዳ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ፍፃመታት ስፖርት ንምድላው ፃዕሪ እናገበረት ትርከብ። እ.ኤ.አ በ2027 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን ፀረ-ዶፒንግ (Global Education Conference) ክተዳሉ ከም ዝተመርፀት እቲ ሚኒስቴር ኣመላኺቱ፡፡ ብዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ፀረ-ዶፒንግ (WADA) ኣሰናዳእነት በብእዋኑ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኣብ ምንቅስቃስ ፀረ-ኣበራታዕቲ ቐመማት (ዶፒንግ) ልዑል ትርጉም ዘለዎ ምንቅስቓስ ምዃኑ እውን ተገሊፁ። ቅድም ኢሉ እ.ኤ.አ በ2018 ኣብ ቻይና ቤጂንግ፣ በ2022 ኣብ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ከምኡ እውን በ2024 ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ። እቲ ጉባኤ ብደረጃ ኣፍሪካ ክካየድ ንመጀመሪያ ግዜ ብምዃኑ ንህንፀት ምስሊ ኢትዮጵያን ንዕብየት ቱሪዝም ስፖርትን ካብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ብተወሳኺ፣ ብኣህጉር ደረጃ ፀረ-ኣበራታዕቲ ቐመማት ብዝበለፀ ንምጉልባትን ንፁህ ስፖርት ንምስፍሕፋሕን ልዑል ግደ ከም ዝፃወት ተመለኺቱ። እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ምስ ኣበራታዕቲ ቐመማት ወይ ዶፒንግ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣብ ስሩዕ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣእቲኻ ምትግባር፣ እኹል ሕጋዊ ማዕቐፋት ብምውፃእ ተግባራዊ ምግባር፣ ከምኡ እውን ሓያል ናይ ምርመራን ቁፅፅርን ስርዓት ምዝርጋሕን ምትግባርን ሓዊሱ ዘመዝገበቶም ብዙሓት ውፅኢታት ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ብግቡእ ንምፍላጥ ተወሳኺ ዕድል ከም ዝፈጥር ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።
ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ ዝዓለመ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Jun 10, 2026 9621
ኣዲስ ኣበባ/ሰኔ 3/2018 (ኢዜኣ) ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ ዝዓለመ መበል 4ይ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዲፕሎማት 6 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። እቲ ውድድር፤ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ኤምባሲታት ዩናይትድ ኪንግደም፣ካናዳን ሜክሲኮን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ እዩ። ተወከልቲ እቲ ፌዴሬሽንን እቶም ኤምባሲታትን ብዛዕባ ዕላማ እቲ ውድድር ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ውድድር ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ልዕሊ 30 ኤምባሲታት፣ሚሲዮናት ዲፕሎማሲ፣ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙትን ክሳተፉ እዮም። እቲ ውድድር ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ፣ዓለም ለኸ ርክብን ልውውጥ ባህልን ንምጥንኻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም። እቲ ውድድር 6 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ስታዴም ኣበበ ቢቂላ ከምዝካየድ ብምግላፅ፤ ኣብቲ መዓልቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኤምባሲታትን ትካላትን ዝወከሉ 25 ጉጅለታት ኩዕሶ እግሪ ከም ዝወዳደሩ ኣፍሊቶም። ኣብቲ ውድድር ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ተሳተፍቲ ከም ዝርከቡ ትፅቢት ከም ዝግበር እውን ሓቢሮም።
ሓለዋ ኸበቢ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ተኸላ ፈልሲ ብምክያድ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣሳሊጦም
Sep 10, 2026 275
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ብምዃን ብሓባር ተኸላ ፈልሲ ብምክያድን መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከም ዘሳለጡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ምዝዛም ተኸላ ፈልሲ 2018 ዓ/ም እንትነብስር ዝተተኸለ ሕድ ሕድ ፈልሲ ህያው ምልክት ሕብረትና፣ሕዳሰናን ዘላቒ ዕቤትናን ከም ዝኾነ ብምዝካር እዩ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ። ብፅኑዕ ሓድነትናን ሓባራዊ ፃዕርናን ዝተሃነፀት፣ዝማዕበለትን ብሩህትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሙሉእ ተስፋ ሰኒቕና ንቕድሚት ክንግስግስ ኢና ክብል እውን ገሊፁ።
ኣፍሪካ ንለውጢ ኣየር ንብረት መፍትሒ ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ይግባእ — ክላቨር ጋቴቴ
Sep 7, 2026 563
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 2/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘተታትን መፍትሒታትን ለውጢ ኣየር ንብረት ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ገሊፆም። መበል 14 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረትን ልምዓትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ "ካብ ቃል ተስፋ ናብ ተግባር፤ ፍኖተ ካርታ ቤሌም-አንታልያ-ኣዲስ ኣበባ" ብዝብል መሪ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ብከላ ኣየር ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ኣርባዕተ ሚኢታዊ (4%) ጥራሕ እንተኾነ እውን ዝለዓለ ሳዕቤን እቲ ችግር ትሸከም ኣላ። ኮይኑ ግና እዚ ሓቂ ንኣፍሪካ ታሪኽ ተጎዳእነት ጥራሕ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይብሉ ብምግላጽ፤ ኣፍሪካ ዘለዋ ዝለዓለ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ሃፍቲ ማዕድን፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰብን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋን ብምጥቃም ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ መፍትሒታት ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ገሊፆም። ኣፍሪካ ከም ኣቖፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣየር ንብረት ንምትግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 277 ቢሊዮን ዶላር ዘድልያ እንተኸውን፣ ትረኽቦ ዘላ ግን ካብቲ ዘድልያ 11 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዃኑ ገሊፆም። ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምስ ተበፃሕነት ሓይሊ፣ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተኣሳሲሮም ክሳለጡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ልዕሊ 600 ሚሊዮን ኣፍሪካውያን ሕዚ እውን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይረኸቡ ብምዃኖም ምሰፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ መሰረት ኢኮኖሚ ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡።
ኣብ ኣፍሪካ ሓደጋታት ንምፅዋር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ
Sep 2, 2026 1068
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ። ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ዞባ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሃና ኣበበ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ኣፍሪካ እዋናውን ግቡእን እዩ። ኣፍሪካ ብምኽንያት ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ድርቂ፣ውሕጅን ካልኦት ሓደጋታትን ብተደጋጋሚ እናተኣናገደት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ውሽጣዊ ዓቕሚ ፋይናንስን ትካላዊ ሓድነትን ምጥንኻር ከም ዝግባእ ተዛሪበን። ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ እውን ኣረዲአን። ኢትዮጵያ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣካል ብሄራዊ ትልሚ ልምዓታ ከም ዝገበረት ብምሕባር፣ ኣብ መንጎ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ቴሌኮሙኒኬሽን፣ፋይናንስን ካልኦት ትካላትን ጠንካራ ምትሕብባር ምፍራጥ ይግባእ ኢለን። ዝኾነት ሃገር በይና እቲ ስትራቴጂ ቅነሳ ሓደጋ ውፅኢታዊ ምግባር ከም ዘይትኽእል ብምሕባር፣ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላትን ኣብ ኩለመዳያዊ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ብሓብር ንምስራሕ ቆራፅ ከም ዝኾነት ገሊፀን።
ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ እዩ - ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ
Sep 1, 2026 942
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ ምዃኑ ተመራማሪ ሃፍቲ ማይን ነበር ኣባል ጉጅለ ሰልስቲኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ገሊፆም። ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣካቢ ጉጅለ ኣማኻሪ ዶብ ተሻገርቲ ማያትን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ (GERD) ፣ ከምኡ’ውን ዋና ዳይሬክቴር ኣህጉራዊ ኮሜቴ ቴክኒክ ምብራቕ ናይልን እዮም፡፡ እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ጉባታትን ዓሚቝን ሸለቆታት ኢትዮጵያ ማይ ንምሓዝ ኣዝዮም ምቹዋት ምዃኖም ገሊፆም። ኣብዞም ዝሑላት ኣከባቢታት ማይ ምውህላሉ ንሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዝጠቕም ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም። እዚ ኵነታት ኣብ ግብፂ ምስ ዝርከብን ኣብ በረኻ ከባቢ ብምህናፁ ዝለዓለ ትነት ማይ ምስ ዘጋጥሞ ግድብ ኣስዋን ብምንፅፃር ኣቕሪቦምዎ። ካብ ግድብ ኣስዋን ኣብ ዓመት ጥራሕ ካብ 15 ክሳብ 16 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝተንን ከምዝባኽንን ኣልዒሎም። ማይ ኣብ ዓሚቝ ፣ ፀቢብ ሸለቆታትን ምችው ኣየር ዘለዎን ከባቢታት ኢትዮጵያ ምውህላሉ መጠን ትነት ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም። ዋና መውህለሊ ማይ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብሙቐት ክባኸን ዝኽእል ብዝሒ ማይ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ፣ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዝልቀቕ መጠን ማይ ዘተኣማምንን ዝተረጋገዐን ከምዝኸውን ይገብሮ ምህላዉ ገሊጾም፡። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2005 ኣብ ግብፂ ሓያል ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን መሃንዲሳት እታ ሃገር 'ዌስተርን ስፒልዌይ' ዝበሃል መስመር ብምኽፋት ብቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ዝልካዕ ማይ ናብ ኣንፈት ሸለቆ ቱሽካ ከምዝቐይርዎ ኣዘኻኺሮም። እዙይ ድማ ዓቕሚ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ምውስኹ ኣብቲ ተፋሰስ ዘሎ ልዕሊ መጠን ዝኾነ ብኽነት ማይ ንምቕናስን ናይ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ መሰረተ ልምዓታት ንሓደጋ ውሑጅ ከይቃልዑ ንምክላኽልን ከምዘኽእል ብኣብነት ኣረዲኦም። ብሓፈሻ ኣብ ጎቦታትን ሾለቖታትን ኢትዮጵያ ዝእከብ ማይ ምውሳኹ ኣብ ግብፅን ሱዳንን በቢዓመቱ ዝባኽን ማይ ብዝለዓለ ኩነታት ንምቕናስ እውን ከም ዘኽእል ተዛሪቦም፡። ረብሓ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ማይ ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ እውን እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ገሊፆም። መሰረተ ልምዓታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ድልየት ውሽጢ ዓዲ ሓሊፎም ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ንፁሁን ብተመጣጣኒ ዋጋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም። ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ኢነርጂ ኣብ መንጎ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም። ካብዞም ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ተጠቃሚ ንምዃን ኣብ ሩባ ኣብ ሃባራዊ ተረባሕነት ምትእምማንን ዝተመሰረተ ጠንካተራ ምትሕብባር ክፈጥር ከምዘለዎ ኣይተ ፈቅ ኣተሓሳሲቦም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ሲ ኤን ኤን ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ
Aug 4, 2026 3024
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ): - ፍሉጥ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ሃገራት እቲ ዞባ ተረባሕቲ ኢነርጂ ዝገበረ ዓብይ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ። እቲ ግድብ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዘባፅሐ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺቱ። ኣብ ሲ ኤን ኤን ፀብፃቢት ዝኾነት ቪክቶሪያ ሩባዲሪ ናብ ጉባ ብምጉዓዝ ሓቃውነት እቲ ግድብ ፀብፂባ። በዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰብ ሞያ ምህንድስናን ሰብ ሞያ ህንፀትን ነቲ ሽንጥሮ ዝበዝሖ ከባቢ ናብ ዓብይ ግድብ ኣፍሪካ ከም ዝቐየርዎ ሓቢራ። እቲ ግድብ ልህቀት ምህንድስና ዝተርኣየሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ፃንሒት ህንፀት 14 ዓመታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ከም ዝተመረቐ ገሊፃ። እቲ ግድብ ብደገፍ ኢትዮጵያውያን፣ፋይናንስ መንግስቲ፣ቦንድታትን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ውሽጢ ሃገርን ብዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሃነፀ እውን ተዛሪባ። እዚ ዓብይ ግድብ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዝህብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጎረቤት ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክባፃሕ ዝገብር እዩ ኢላ። በዚ ድማ እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ማእኸል ምትእስሳር ዞባዊ ሓይሊ ከምኡ እውን መባፅሒ ቱሪስት ብምዃን ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኣ። ሲ ኤን ኤን ኣብ ፀብፃቡ ንመካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ብምቕራብ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዘይጎድእ መልክዑ እቲ ግድብ እናተጠቐመትሉ ከም ትርከብ ኣፍሊጦም። ግብፂ ብምኽንያት እቲ ግድብ ዝበፅሓ ማይ ቀኒሱ ብዝብል እተቕርቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ከም ዝኾነ እውን ኢንጂነር ክፍሌ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝርከቡ 13 ተርባይናት ብዘፈልፍልዎ ሓይሊ 6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝኾኑ እን ኣረዲኦም። እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ንሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ታንዛኒያን ሓይሊ ምብፃሕ ከም ዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ሓይሊ ንምሻጥ ምድላው ከም ዝተገበረ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተፈጠረ ንጋት ሃይቅ ዝተፈጠራ ደሴታት ንመስሕብ ቱሪስት ዓብይ ዓቕሚ ከም ዝኾና ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ንመባፅሒ ቱሪስት ዘገልግሉ መሰረተ ልምዓታት ከም ዝህነፁ ሓቢሮም።
ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሐይልን ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ ፃውዒት ኣቐሪቡ
Jun 27, 2026 9518
ኣዲስ ኣበባ /ሰነ/20/2018/ኢዜኣ/፡- ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሕይልን ኣቦ መንበር ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ኣቦ መንበር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ውድብ "ሓምለዋይ ሰውራ" ምኽንያት ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝብገስ ምዃኑን፤ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ክውንነታት ኤርትራ ኩለመደያዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ምዃኑን ኣመላኺቶም ። "ሓምለዋይ ሰውራ" ዝብል ስያሜ ምስ ህይወትን ተስፋን መናእሰይ ዝተኣሳሰረ ምሳልያዊ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፤ እቲ ምንቕስቓስ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ታሪኻዊ ምዝብዓት ዝገተአን ሓድሽ መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ዘለዎ ባህጊ ዘንፀባርቕ እዩ ኢሎም። እቶም ኣቦ መንበር መሳርሒታት ለውጢ እንትዛረቡ ፤ ናቶም ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ራእይን ተግባራት በረኻን ዘጣመረ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ውድባዊን ወተሃደራዊን ድሉውነቶም ዘረጋገፀ ምኹኑ እዩ ኢሎም ። ኣስዒቦም "ንሕና ኣብ መወዳእታ መስመር ዘለና ወተሃደራት ኢና፤ ባህሪ ናይዚ ስርዓት እዚ ኣፀቢቕና ንፈልጦ ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ብስምምዕን ብዲፕሎማሲን ዘይኣምን፣ ቋንቋ መሳርሒኲናት ጥራሕ ዝርዳእ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እዩ"ክብሉ ኣገንዚቦም ። እቲ ምንቕስቓስ ህወከት ከምዘይደሊ ነገር ግን ባህርይ እቲ ቃልሲ እቲ ኻልእ ወገን ብዝርድኦ መንገዲ ክትጥቀም ከምዘገድድ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቲ ምንቕስቓስ ንኹሎም ክፍልታት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ማዕቀፍ ውሽጢ ንምውካል ዘኽእል ባዕሉ ዝኸኣለን ዝተወደበን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ወተሃደራዊን መሓውር ንምህናፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይገሊፆም መሓውራዊ ምዝባዓት ኣብ ዘዕሪ ሃገራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ናይቲ ምንቕስቓስ ቀንዲ ሸቶ ምዃኑ እውን አስሚሮምሉ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክልቲአን ሃገራትን ዘሎ ታሪኻዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ክሕለፍ ዘይኽእል መሰረት ምዃኑን እቲ ዝድለ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ምህናፅ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም። “ፅምዶ” ዝተሰመየ ጥምረት ሻዕብያን ነበር ጉጅለ ሕወሕትን ምህላዉ ዘመልክቱ እቶም ኣቦ መንበር እዚ ጥምረት ምርግጋዕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምድኻምን ዞባዊ ፀጥታ ንምፍራስን ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮይኑ፤ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሚዛን ዞባዊ ፀጥታ ኣሉታዊ ፀልዋ ከምዘለዎ ፀሪሖም ።ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ።
ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ -ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ
Jun 26, 2026 6615
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/19/2018/ኢዜኣ/ ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ ክብሉ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ ገሊፆም። ምንቅስቓስ "ሓምለዋይ አብዮት" ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጲያ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት መመሓላለፊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዞባ ጎንፂ ናብ ዞባዊ ምትሕብባርን ውህደት ኢኮኖሚን ንምቐያር ዘኸእል ስትራቴጂካዊ ራዕይ ንክቐረፅ ፃውዒት ኣቐሪቡ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ብወታደራዊ ሓይሊ ንምምካትን ንዘመነ ስልጣኑ ንምብቃዕ ዘለዎ ትብዓት ዝገለፁ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ አቲ ስርዓት ንቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ቀንዲ ስግኣት ምኹኑ ኣገንዚቡ ። እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንክፀንሕን ዕድምኡ ንምንዋሕን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ወጥርን ንረብሑኡ ንምውዓል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝኸሰሱ እቶም ኣቦመንበር ናይ እዋኑ ስርዓት ኣስመራ ምርግጋእ ዘይምድላዩ ኣብ እቲ ዞባ ዘለዉ ዓመፅቲ ሐይልታት ዝድግፍ ምኹኑ እቲ ሓደ መርአያ እዩ ኢሎም ። ከምኡ እውን " ስርዓት ኤርትራ ህልውንኡ ዝተመስረተ ኣብ ቐልውላውን ዘይምርግጋእን እቲ ዞባ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦመንበር ንዕጡቐትን ዓመፅትን ዝገብሮ ደገፍ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም "። ብመዳይ ፖለቲካ ኣይተ መሐመድ አሕመድ ሰናይ ኢትዮጲያ ንጉዳያት ፍትሒ ብምድጋፍ ዝላዓለ ታራ ሒዛ ሐዚ እውን ንክትዋሳእ ፃውዒት ዘቐረቡ እንትኾኑ ፥ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ምርግጋእ ንምዕሳል ንቐልውላው ኤርትራ ንምፍታሕ ቀዳምነት እትህቦ ተግባር ምኹኑ ፀሪሖም ። ምችው ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወደብ፣ ትራንስፖርትን ዘፈራት ንግድን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባይ ከምዝካኣል ዝገለፁ እቶም ኣቦመንበር ፤መፃኢ ዕድል እቲ ዞባ ብሓበራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣፅንዖት ሂቦም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ህወሓት ማዕቐብ ቪዛ ኣንቢራ
Jun 18, 2026 8916
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ጒዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ማዕቀብ ዝተነበረ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(a)(3)(C) ብዝተዋህቦም ስልጣን ምዃኑ ገሊፆም። እቲ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ዘዕንቅፉ፣ ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ፅንፈኛታት ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶምን ዝቐንዐ እዩ። ኣሜሪካ ብሰላምን ብክብርን ክነብር ምስ ዝደሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጐኒ ደው ከምትብል ኣፍሊጣ። ዋሽንግተን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበ-ስልጣናት ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ተግባራት ንምቅላዕን ከምኡ እውን ተሓታትነት ንምስፋንን ዘለዉዋ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ ኣማራፂታት ምጥቃም ክትቅፅለሉ ምዃና ገሊፃ።
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 38918
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 16315

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 21265
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 21724
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ-ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ትግራይ
Mar 21, 2025 41526
ዕለት/12/መጋቢት/2017/ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዐልባት ረኺቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሐዚ ዘድልዮ ኩናትን ጎንፅን ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ሰላም ዘስእን ምዃኑ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመራኸቢ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም’ዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግልፂ ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ‘ዩ ይብሉ።ይኹን እምበር ሕጋዊ ተቐባልነት ዝሰኣነ ሓደ ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ መራሕቲ ዕጡቓት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምምንጣል እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ይሕብሩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝደልዩ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምዕላው ብዝፈጠሮ ፀገም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ይብሉ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽን ዝተጀመረ ፃዕሪ ‘ውን በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተኣጓጎለ የረድኡ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ህወሓትን ሰራዊትን ከምዝኾኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብግልፂ ክፈልጥ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ኢሉ ናብ ኩናት ናይ ምእታው ድሌት የብሉን። ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ህልው ኩነታት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፣ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩ ናይ በዓሉ ግደ ዋላ እንተሃለዎ ኮይኑ ግና ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ህውከት እቲ ጉባኤ ኣካይደ ኣላኹ ዝብል ጉጅለ ምዃኑ ይሕበሩ። ብተወሳኺ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ እዋኑ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ዝነበረ እዋን እውን በዚ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ብምግላፅ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ከንቲባ ከተማ ማሕተም እናሕደገ ዘሎ ጉጅለ፣ እቲ ዝደልዮ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘይኮነስ ንውልቃዊ ስልጣን ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ይብሉ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ይብሉ። መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ፣ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣቦወንበር ትዴፓ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቕፋት ካብ ምዃን ክቑጠብ ኣለዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድሌታት ህዝቢ ዘኽበረን ፀገማት ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ በሪ ዝኸፈተን ታሪኻዊ ስምምዕ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዘኣከቦ ሃፍቲ ክስእኖ ‘የ ካብ ምባል ፍርሒ ዝተለዓለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማለአ መልክዑ ከይትግበር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ይግባእ። ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ነቲ ንውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮም ዘለዉ ስራሕቲ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ ዝግበር ከይዲ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እንትኾኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓንኬል ጎንፂ ብምፅማድን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣርን ባህጊ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ዝንቀሳቐሱ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣካይደኦም ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስራሕቲ ሰላም ንከይስርሑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ለይቲን ቀትሪን ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ግልፂ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እቶም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብረብሓ ዝምድና ብምፍጣር ሃፍቲ ይወሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ዳግማይ ጎንፂ ንምውላዕን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደሊዩ ኣካላት ብስፍሓት ይረአዩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ባህጊ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ፤ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኢሉ’ውን መናእሰይ እቶም ሓይሊታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይተቐበሎ ንበይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘይህሊ ኣገንዚቦም ‘ዮም። ህዝብና ካብ ፀገም ዘይወፅአን ኣብ ልዑል ሓዘን ዝርከብን ማሕበረሰብ ‘ዩ ብምባል፣ ባህጊ ህዝቢ ካብ ዝበፅሖ ፀገም ምውፃእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ዘእንትኾኑ፤ ጥፍኣተኛታት ሓይሊታት ፈሊዩ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብዝተማልአ ኩነታት እናገለፀ ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ንክህብ ይሓትት ከምዘሎን ገሊፆም ‘ዮም። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝገለፅዎ፣ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነፃፀል ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን። ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ ድሌቱ። ምኽንያቱ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ስለ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ነቲ ኵነት ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ክሳብ ሕዚ ኣይተፈትሐን፤ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂእኻ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምዕሳል የድሊ ክብሉ የርድኡ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይርዳእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ሰላም ትግራይ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኵናት ብዝተፈጥረ ቑፅሪ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ብዝግባእ ይርዳእ ‘ዩ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓት ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላሙ ክዝረግ ኣይደልን። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ለውጢ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እቲ ለውጢ ሪኢዎ ‘ዩ። እዚ ፈፂሙ ንደሓር ክምለስ ኣይደልን። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ፖለቲከኛታት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክኸዱ የብሎምን ክብሉ ይመኽሩ።/ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ/መግለፂ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 16398
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ምግታእ ኵናት’ዶ ጽሕተራ ተፃብኦ….?
Dec 4, 2024 16546
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም መራሒ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኖም ቅልቐል ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ኣብ’ቲ ቃለ-መሕትት ካብ ጉዳያት ንኻልኣይ ግዜ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁዋማት አሜሪካን ዓለምን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ስጋብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱሉስ ኪዳንን አመልኪቶም ክትንትኑ ፈቲኖም’ዮም። ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጸገማት ኤርትራ ንምእላይ ዘኽእሉ ዘቤታዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ከምዘይብሎም ግን ተጋሂዱ’ሎ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣድሂቦም ዝሃብዎ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዲጋን ዒላን ዘይሓለፈ ከንቱ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነት ዝፍለጥ’ዩ። ካብ’ተን ሓሙሽተ መትከል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ካብ ምትእትታው ምቑጣብ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ፕሪዚደንት ኢሳያስ ነዚ መትከል ጥሒሶም ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦትን ክዕምጡቑ ዘምሰዩ ኢልካ ምሕታት ንብሩ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን ፀገማት ኤርትራ መበጊሲኦም ንሶም ዝመርሕዎ መንግሥቲ ዝኽተሎ ገባቲን ጉጉይን ምሕደራ ከምዘይኮነ ንምእማን ዘድሀበ ግዳማዊ ምኽንያታት ኣብ ምቕራብ ዝህቅን’ዩ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ክዛረቡ ኸለዉ ብሰንኪ ሰኣኖ ሸቕልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ነኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊኦም ከም ጥረ ጨው ፋሕፋሕ ኢሎም ባዶ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ኣይመስሉን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል መረሒ ሓያል ሃገር እዮም ዝመስሉ። ነታ ማይ፣ መብራህቲትን ካልዖት ቐረባት አገልግሎታት ሓረሚዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥጡሕ ፖሊሲ ዕበየትን ቁጠባን ኣታኣቲዮም ኣብ ክንዲ ዝድብስዎ ሕጂው’ን ኣብ ካልእ ቆይቁይ ንምሽኻል ምህቃኖም ዘጉይ’ዩ። እዚ ኸኣ ንምፍታሕ ፀገማት ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም ዘራጋግፅ’ዩ። ብፍላይ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኵናት ከምዘይእቶን "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዝኽተሉን ምግላጾም ብወዝቢ ንዝሰምዖ አዎንታዊ እንተመሰለ’ኳ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘረጋግፆ ግን ፕሬዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ኵናት ክነብሩ ዘክእሉ መራሒ ከምዝኾኑ’ዩ። ኤርትራ ካብ ምፅሕታር ተፃብኦታት ወፂኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክትገብር ናይ ብሓቂ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ’ዩ ዝኸውን።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 35393
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
ፍሉይ ፀብፃባት
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም
Sep 9, 2025 27502
ኣዲስ ኣበባ/ ጳጉሜን/4/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡ መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡
ፅሑፋት
ዘበን ተሳጋርን ዶብ ተሳጋርን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን
Dec 17, 2025 22948
ኢትዮጵያን ህንድን ነዊሕ ክፍለ ዘበናት ዘቑፀረ ምሕዝነትን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ኣለወን። በዚ ድማ ፀጋታት ስልጣነ ይካፈላ። ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ንግዲ ካብ ዝፈጠራሉ ልዕሊ 2 ሽሕ ዓመታት ከምዘቑፀረ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ። መሰረት ዘበናዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ከምዝኾነ እውን ይግለፅ። ኢትዮጵያን ህንድን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዝጀመራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1948 እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1950 ሳርዳት ሳንት ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣምባሳደር ህንዲ ብምዃን ተሸይሞም። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ህንድን ኤምባሲአን ብምኽፋት እቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ብተግባር ገሊፀን እየን። ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ከም ኣቆፃፅራ ኣቅቶፓ ኣብ 1956ን 1958ን ኣብ ህንዲ ዝገበርዎም ዑደታት ብቀዳምነት ዝግለፁ እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መወዳእታ 1960ታትን መጀመርያ 1970ታትን ፕሬዚዳንትታት ህንዲ ዝነበሩ ሳርቬፓሊ ራድሃክሪሽናንን ዛኪር ሁሴንን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሮም እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ቅድሚ ሓደ ዓመት ሂወቶም ዝሓለፈ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ማንሞሃን ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ እውን ዝፍልጥ እዩ። ነበር ፕሬዚዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2017 ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ኣብ ዑደቶም ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽንን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ዘኽእሉ ሓባራዊ ስምምዓት መረዳድኢ ተፈራሪሞም እዮም። ደቡብ አፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ዘዳልውውቶ መበል 15 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም እዮም። መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብቲ እዋን ኣብ ዙርያ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ምክልኻል፣ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ግብርና፣ምጥንኻር ክእለት መናእሰይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዘትዮም እዮም። ኣብቲ እቃን ህንዲ ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ “Voice of Global South Summit”ኣብ ዝተብሃለ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሳትፎ ገይሮም እዮም። ኣብ 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ህንዲ ሓፈሻዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ምዕዋቶም ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም ኔሮም። ቀዳምይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ እውን ንመልእኽቲ ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምቕባል ኣብ ሓዱሽሽ ዘበነ ስልጣኖም ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምዝዓቢ ምግላፆም እውን ዝዝከር እዩ። ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪካን ምትሕብባርን ደቡብ ደቡብን ዘለወን ምሕዝነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ልዑል ትኹረት ከምትህብ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣፍሊጦም እዮም ኣብቲ እዋን። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ትርጉም ዘለዎን ውፅኢታውን ዘተ ምግባሮም እውንገሊፆም። ህንዲ ኣባል ጉጅለ 20 ምዃና በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ እተን ሃገራት ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ዘጠናኽሩ ተኸታተልቲ ዘተታት ገይረን እየን። ኣብቲ እዋን ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ንግዲ፣ልምዓት፣ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎም ዑደታት ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርእዩ እዮም። ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ትራንስፖርት ኣየር፣ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምክልኻል፣ ተደራራቢ ታክስ ምትራፍ፣ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽን ሳይንስ፣ባህሊ፣ትምህርትን ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ምጥያሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ። ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንትገብሩ ንፈለማ እዋን እዩ። ድሕሪ ማንሞሃን ሲንግ ንኢትዮጵያ ዝጎብነዩ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም። እቲ ዑደት ህንዲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝዘተዩ እንትኸውን ንኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽን ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም መደረ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።