ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ንረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ንክብሪ ዜጋታት ዝሕልውን ጭቡጥ ውፅኢት ዘምፅእ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና - ከንቲባ አዳነች አቤቤ
Oct 11, 2026 79
ኢዲስ አበባ/ ጥቅምት/ 1/2019 (ኢዜአ)፦ ንረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ንክብሪ ዜጋታት ዝሕልውን ጭቡጥ ውፅኢት ዘመዝግብን ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ክብላ ከንቲባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን ። ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ከነካይዶ ዝፀናሕና ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ምምሕዳር ከተማና ዛዚምና ኢለን። ኣብ ገምጋምና ድማ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ነበርቲ ከተማና ዝሃቡና እምነትን ዝሃቡና ሓላፍነትን ብተኣማንነት ንምፍፃም ብመሰረት ዝኣተናዮ ቃል፤ ኣብ ኩነታት መነባብሮን ተረባሕነትን ነበርትና ለውጢ ዘምፅኡ፣ ንቀፃሊ ስራሕትና ጉህድ መሰረት ዝኾኑ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ተግባራት ምፍፃም ከም ዝኸኣልና ገምጊምና ክብላ እተን ከንቲባ ኣመልኪተን ። ስራሕቲ መንግስቲ መደመር ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብዝፈጥር መገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፣ እቲ እዋን ዝሓቶ ኣወዳድባ ብምምሕያሽን ውፅኢት መሰረት ብምግባርን ሓደሽቲ ወዳበታት ኣመራርሓ ምክያድ ተኻኢሉ ኢለን ። ንዕውት ኣፈፃፅማና መሰረት ዝኾኑ ኣብ ከተማና ዝተፈጠረ ትግሃት ስራሕ፣ ብተኣማንነት ናይ ምግልጋል ባህሊ፣ ብኣምር መደመር ብቕልጡፍን ብፅፈትን ናይ ምፍፃም ልምዲ ከምኡ እውን ግዘ እንተየባኸነ ትልሚ ናብ ተግባር ናይ ምልዋጥ ዓቕምና ምኹኖም ፀሪሐን። ኣብ ትልሚ 90 መዓልታት ወለንታ ስራሕቲ ክረምቲ፣ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ህንፀት ኣባይቲን ኣብ ዝተበላሸዉ ከባቢታት ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲን ኣካይድና ኢና ብምባል ኣዘኻኺረን። ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎምን ብምኽንያት ልምዓት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉን ዜጋታት ፅሩያትን ክብሪ ዜጋታት ዝሕልዉን ኣባይቲ ክረኽቡ እውን ከምተሰርሐ ኣገንዚበን። ትሑት እቶት ንዘለዎም ነበርቲ ፀቕጢ መነባብሮ ንምንካይ መኣዲ ናይ ምክፋል ስራሕቲ ኣካይድና ኢና። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋን ክረምቲ ህንፀት ኣይካየድን እዩ ዝብል ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ብምልዋጥ፣ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ክነካይድ ክኢልና ኢና ብምባል ገሊፀን ። ስራሕቲ መንግስቲ መደመር ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብዝፈጥር መገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ፣ እቲ እዋን ዝሓቶ ኣወዳድባ ብምምሕያሽን ውፅኢት መሰረት ብምግባርን ሓደሽቲ ወዳበታት ኣመራርሓ ምክያድ ተኻኢሉ ኢለን ። ኣብ ዘፈር መሰረተ-ልምዓት ትራንስፖርት እውን ኣርባዕተ ዓበይቲ ማእኸላት መዕረፊ መካይንን ተርሚናላትን ናብ ስራሕ ኣእቲና ኢና። ሓደሽቲ መንገድታት፣ መገድታት እግረኛን ብሽክለታታትን፣ መስመራት መውፅኢ ማይን ፈሳሲ ርስሓትን ብምህናፅ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ውሕጅ ንምንካይ ኣብ ህይወት ሰባት ዝበፅሕ ዝነበረ ሓደጋ ሞት ንምክልኻልን ጭቡጥ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና። ኣብ እዋን ክረምቲ ዝህሉ ፀቕጢ መነባብሮ ንምንካይ ኣብ ሸውዓተ ማእኸላት ዕዳጋ ሰፊሕ ቀረብ ፍርያት ናብ ከተማና ክኣቱ ብምግባር፤ ምኽባር ናብራ ንምንካይ ሰሪሕና ኢና። ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን እውን ደረጀኦም ክነዕቢ ክኢልና ብምባል ሓቢረን ። እዚኦም ሓዊሱ ኣብ ዘፈራት ልምዓት ሰብ ማእኸል ዝገበሩ ዘካየድናዮም ተግባራት ማሕበራዊ ፍትሒ ንምዕሳል ልዑል ግደ ነይሩዎም። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ መንጎ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝረኣዩ ኣፈላላይት ኣፈፃፅማ ብመስርሕ ደገፍን ክትትልን ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ክብላ ኣረዲአን ። እንሰርሖም ኩሎም ስራሕቲ ብመንፅር ህንፀት ትካላት ልዑል ትኹረት ዝሓቱ እዮም። ዝተበታተነ ዓቕሚ ራኢ ኣየሳኽዕን እዩ፤ ሃገር እውን ኣይሃንፅን እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ብግልፂ ዝተነፀረ ግደ ስራሕን ተሓታትነትን ክህልዎ ብኣምር መደመር ተዋዲዱ ዝሰርሐሉ ኣሰራርሓ ምጥንኻር ይግባእ ክብላ ኣፅንዖት ሂበን ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና-ተጠቀምቲ
Oct 11, 2026 64
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ) ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና ክብሉ ተጠቀምቲ ተዛሪቦም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ 1 ይቅምቲ 2019 ዓ/ም ናብ ከተማ መቐለ ዳግማይ በረራ ከም ዝጅምር ብዝገለፆ መሰረት ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሎሚ ጀሚሩ። ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣውሮፕላን እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዓሪፋ። ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ስዒቡ እውን ብርክት ዝበሉ ነበርዪ ከተማ መቐለ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ዝተሰምዕ ታሕጓስ ገሊፆም እዮም። ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማን ካልኦት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎትን እቲ ትራንስፖርት ዳግማይ ብምጅማሩ ከም ዝተሓጎሱ ሓቢሮም። እዚ ድማ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ንምቅልጣፍን ዘለዎ ቆራፅነትን ተግባራዊ ስጉምትን ብግልፂ ዘርኢ እዩ ኢሎም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ምጅማሩ ኣብቲ ክልል መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንዝግበር ፃዕሪ ከም ዘቀላጥፎ እውን ተዛሪቦም። ኣይተ ኣሸናፊ ፀጋይ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ንስራሕ ጉዳይ ናብ መቐለ ኣብ ዝኸድሉ እዋን እቲ በረራ ብምቛረፁ ምኽንያት ንፀገም ዋላ ተቓሊዖም እንተፀንሑ ሐዚ እቲ ኣገልግሎት ብምጅማሩ ዓቢዪ ደስታ ተሰሚዕዎም እዩ፤ ተስፋኦም እውን ለምሊሙ እዩ። ምጅማር ኣገልግሎት በረራ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ኩለ መደያዊ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ስጉምትታት ሓደ ምዃኑ እውን ገሊፆም። እቲ ክልል ንሕፅረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ኣቑሑት ተቓሊዑ ምፅናሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣሸናፊ፤ መንግስቲ ፌደራል ሐዚ ዝጀመሮ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ከም ዘፅንዕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም። ኣይተ ናትኤል ሰለሞን ብወገኖም፤ ኣገልግሎት በረራ ዳግም ብምጅማሩ ኣዝዮም ሕጉስ ምዃኖም ተዛሪቦም። ወሲኾም እውን ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ህዝቢ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝተጀመረ ዘበረታትዕ ኣገልግሎት በረራ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነቶም ገሊፆም። ኣይተ ሃድራት ኮት ኣገልግሎት በረራ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ልዑል ደስታ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ንህዝቢ እቲ ክልል ዝለዓለ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንክልተ ኣመራርሓ ሹመት ሂቦም
Oct 11, 2026 75
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ነዞም ዝስዕቡ ክልተ ኣመራርሓ ሹመት ሂቦም። በዚ መሰረት ድማ፦ 1. ኣብዱልዋሳ ኣብዱላሂ (ዶ/ር) - ዋና ዳይሬክተር ኢንስትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ (IFA) 2. ካፒተን ተፈራ ካሳ - ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሸይሞም። #PMOEthiopia #መንግሥቲ_መደመር
መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዘላቒ ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 11, 2026 60
ኣዲስ ኣበባ ፤ ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዝለዓለን ዘላቒን ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ነዚ ዝበላ ሎሚ ንግሆ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ነበርቲ እታ ከተማን ብምዃን ኣብ ዘካየዳኦ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ እዋን እዩ። ሙሉእ ጥዕንኡ ዝተሓለወን ኣፍራይን ወልዶ ንምህናፅ ኣብታ ከተማ ብዙሓት መዘወተሪ ቦታታት ስፖርት ምህናፆም ገሊፀን። ነባሪ እታ ከተማ ነዞም መሰረተ ልምዓታት ኩሉ ግዘ ብዝግባእን ብበዓል ዋናነት ስምዒትን ክጥቀመሎም ከምዝግባእ እውን መኺረን። ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩ ፃዕርታትን ዝሰርሑ ስራሕቲን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምግላጽ፣ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ደው ዘብል ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ተዛሪበን። ሉኣላውነት ሃገርና፣ ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ከተማና ንምሕላው ኩሉ ሰብ ብሓባርን ብምትሕብባርን ክሰርሕ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን።
ፖለቲካ

ኣብ ትግራይ ምስ ጉጅለ ህወሓት ተዓጢቖም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣብቲ ክልል ናብ ዝተዳለዉ መቐበሊ ማእኸላት ከይዶም ንክምዝገቡ ፃውዒት ቀሪቡ
Oct 10, 2026 157
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /30/2019(ኢዜኣ) ኣብ ትግራይ ምስ ጉጅለ ህወሓት ተዓጢቖም ዝነበሩ ዕጡቓት ኣብቲ ክልል ናብ ዝተዳለዉ መቐበሊ ማእኸላት ከይዶም ንክምዝገቡ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ፃውዒት ኣቐሪቡ። ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣብ ዝሃብዎ መገለፂ፤ ምስቲ ጉጅለ ተዓጢቖም ዝነበሩ፣በቢ ከባቢኡ ተሓቢኦም ዘለዉ፣ሕዚ እውን ምስ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ናብ ጫፋት ትግራይ ዝወፁን ካብ ትግራይ ዝወፁን ዕጡቓት፤ መንግሥቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዘዳለዎ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ናብ ስሩዕ ሂወቶም ንምምላስ በቢ ከባቢኦም ናብ ዘለዉ ማእኸላት መቐበሊ ነበር ዕጡቓት ብምኻድ ቀልጢፎም ክምዝገቡን ሪፖርት ክገብሩን ከም ዘለዎም ኣታሓሳሲቦም። ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እውን ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናብቶም መንግሥቲ ዘዳለዎም ማእኸላት መቐበሊ ዕጡቓት ኢዶም ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ህዝቢ ትግራይ እውን ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ምትሕብባርን ቃልስን ዝናኣዱ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ፤ ሕዚ እውን በቢ ከባቢኻ ዘለዉ ዝተሓብኡ ዕጡቓት ኢዶም ንክህቡ ብምምዓድን ንመንግሥቲ ሓበሬታ ብምሃብን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም። ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣስዒቦም፤ ልኡኽቶ ብሄራዊ ተሃድሶ ኣንፃር መንግሥቲ ተዓጢቖም ዝነበሩ ዜጋታት ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም ስልጠና ተሃድሶ ብምሃብን ዘላቕን ዝተረጋግዐን ሂወት ንክነብሩ ምምችቻውን ናብ ሰላምን ልምዓትን ንክምለሱ ምግባርን እዩ ኢሎም። ኣብ ትግራይ እውን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ተዓጢቖም ዝነበሩ ዜጋታት ስልጠና ተሃድሶ ብምሃብ ከይዲ ዕጥቂ ምፍታሕን ዳግማይ ምጥያሽን እናተሳለጠ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ስምምዕ ሰላምን ነቲ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያሽን ከም ዘተዓናቐፎ ገሊፆም። እቶም ምክትል ኮሚሽነር ሰብ ዋና እቲ ኲናት ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ግብፅን ሻዕቢያን እዮም ክብሉ ኣብ መግለፂኦም ከይፀርሑ አይሓለፉን ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ምትሕብባርን ቃልስን ዝናኣዱ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎ ፤ ሕዚ እውን በቢ ከባቢኻ ዘለዉ ዝተሓብኡ ዕጡቓት ኢዶም ንክህቡ ብምምዓድን ንመንግሥቲ ሓበሬታ ብምሃብን ቃልሱ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም። ከተማታት ማይጨው፣ መኾኒ፣ መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ውቕሮ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓብይ ዓዲን ሽረን ማእኸላት መቐበሊ ዕጡቓት ከም ዝኾኑ እውን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ገይሮም ሸይሞም
Oct 10, 2026 130
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 30/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ገይሮም ሎሚ ዳግማይ ሸይሞም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ገይሮም ሎሚ 30 መስከረም ከም ዝሾሙ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካር ዘትዮም
Oct 9, 2026 175
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካርን ጉጅለ ልኡኾምን ዘትዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንካርን ጉጅለ ልኡኾምን ሎሚ ረኺበዮም ኢሎም። ፃንሒቶም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ህንድን ዘሎ ጠንካራን ዝፀንሐ ምሕዝነትን ዳግማይ ዘረጋገፀ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ህንዲ ምስ ዝገበርኩዎ ዑደትን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ብዝነበረኒ ፃንሒትን ስዒቡ ኣብ ዝተጠናኸረ ምትሕብባርን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ተዘራሪብና ክብሉ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተፈላለዩ ሹመታት ሂቦም
Oct 9, 2026 133
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29 /2019 (ኢዜኣ) ምስረታ መንግሥቲ መደመር እናቐፀለ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ እው ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተፈላለዩ ሹመታት ከም ዝሃቡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። በመሰረት እዚ ድማ፡- 1. ዳንኤል ክብረት - ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብመዓርግ ሚኒስትር-ሓላፊ ዘፈር ክትትል ዴሊቨሪ 2. ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ -ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብመዓርግ ሚኒስትር ሓላፊት ዘፈር ክትትል ENFI 3. ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ - ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ 4. ኣይተ ፍሰሃ ደሳለኝ - ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ 5. ዶ/ር ደረጀ ድጉማ - ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ 6. ኣይተ ተስፋሁን ጎበዛይ - ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ 7. ኣይተ ሃብታሙ ሲሳይ - ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ #መንግሥቲ_መደመር #PMOEthiopia
መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ክኽበር እዩ
Oct 9, 2026 131
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/29/ 2019/ኢዜኣ/ መበል 19 ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድምቀት ክኽበር እዩ፡፡ እቲ ዕለት “ሰንደቕ ዓላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ሕድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኽበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ በዓል ኢትዮጵያውያን ወሰንን ክብሪን ሃገር ንምሕላው ደምና ረሃፆምን ኣፍሲሶም፣ ዓፅሞም ከስኪሶም ዘኽበሩዎ ሰንደቅ ዓላማ ብሓባር ዝኽበረሉ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ መዓለቲ ሰንደቕ ዓላማ እዚ ዓመት ብኣተሓባባራይነት እቲ ባይቶ ኣብ መላእ ሃገር እዋናዊ ሃገራዊን ህሉውን ኩነታታት ብዘገናዘበ መልክዑ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ፡፡ ኣብቲ ዕለት ፕሬዚዳንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ብማርሽ ባንድ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብክብሪ ተዓጂቦም ሰንደቕ ዓላማ ናይ ምስቃል ስነ ስርዓት ከካይዱ እዮም፡፡ እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን፣ ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላታትን ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ሰዓት ከምዝኽበር ሓበሬታ እቲ ባይቶ ኣመልኪቱ፡፡ ብሔራዊ መዓልቲ ሰንደቅ ዓላማ ብብዓመቱ ኣብ ፈላሚ ዕለት ወርሒ ጥቅምቲ ይኸበር እዩ።
ክልትኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻር ሓበረዊ ቁሩብነቶም ኣረጋጊፆም
Oct 9, 2026 124
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም /29/2019 (ኢዜኣ)፦ ክልትኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ህንድን ንምጥንኻርን ንምስፋሕን ሓበረዊ ቁሩብነቶም ገሊፆም ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራማንያም ጃይሻንካር (ዶ/ር) ኣብ ክልተኣዊ ርክብን እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም መኺሮም። እቶም ሚኒስትራት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ባህሊ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ወፍርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዲጂታላይዜሽን ብዝያዳ ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ተመያይጦም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣሰናዳእነት እታ ሃገር ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኢትዮጵያ ንዝነበራ ዕዉት ተሳትፎ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ማሕበራዊ
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና-ተጠቀምቲ
Oct 11, 2026 64
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ) ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና ክብሉ ተጠቀምቲ ተዛሪቦም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ 1 ይቅምቲ 2019 ዓ/ም ናብ ከተማ መቐለ ዳግማይ በረራ ከም ዝጅምር ብዝገለፆ መሰረት ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሎሚ ጀሚሩ። ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣውሮፕላን እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዓሪፋ። ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ስዒቡ እውን ብርክት ዝበሉ ነበርዪ ከተማ መቐለ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ዝተሰምዕ ታሕጓስ ገሊፆም እዮም። ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማን ካልኦት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎትን እቲ ትራንስፖርት ዳግማይ ብምጅማሩ ከም ዝተሓጎሱ ሓቢሮም። እዚ ድማ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ንምቅልጣፍን ዘለዎ ቆራፅነትን ተግባራዊ ስጉምትን ብግልፂ ዘርኢ እዩ ኢሎም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ምጅማሩ ኣብቲ ክልል መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንዝግበር ፃዕሪ ከም ዘቀላጥፎ እውን ተዛሪቦም። ኣይተ ኣሸናፊ ፀጋይ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ንስራሕ ጉዳይ ናብ መቐለ ኣብ ዝኸድሉ እዋን እቲ በረራ ብምቛረፁ ምኽንያት ንፀገም ዋላ ተቓሊዖም እንተፀንሑ ሐዚ እቲ ኣገልግሎት ብምጅማሩ ዓቢዪ ደስታ ተሰሚዕዎም እዩ፤ ተስፋኦም እውን ለምሊሙ እዩ። ምጅማር ኣገልግሎት በረራ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ኩለ መደያዊ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ስጉምትታት ሓደ ምዃኑ እውን ገሊፆም። እቲ ክልል ንሕፅረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ኣቑሑት ተቓሊዑ ምፅናሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣሸናፊ፤ መንግስቲ ፌደራል ሐዚ ዝጀመሮ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ከም ዘፅንዕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም። ኣይተ ናትኤል ሰለሞን ብወገኖም፤ ኣገልግሎት በረራ ዳግም ብምጅማሩ ኣዝዮም ሕጉስ ምዃኖም ተዛሪቦም። ወሲኾም እውን ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ህዝቢ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝተጀመረ ዘበረታትዕ ኣገልግሎት በረራ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነቶም ገሊፆም። ኣይተ ሃድራት ኮት ኣገልግሎት በረራ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ልዑል ደስታ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ንህዝቢ እቲ ክልል ዝለዓለ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ይርከብ
Oct 10, 2026 76
መራ /መስከረም/ 30/2019ዓ/ም/ኢዜአ/ አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጲያ አፍሊጡ። ካብ መአኸል መኸዘኒ እኸሊ አዳማ ተጻዒኑ ህጹጽ ሰብአዊ ሓገዝ ናብ ክልለ ዓፋር አብ ምጉዕዓዝ ከምዘርከብ እቲ ኮምሽን ገለጹ። ንዘጋጥሙ ተፈጥራዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ክልላት ብናይ ባዓለን ዓቅሚ ምላሽ ንምሀብ እናተረባረባ እንትኾና እቲ ኮምሽን እውን ቀዳምነት ንዝሓረየን ከባቢታት ተወሳኺ ሰብአዊ ሐገዝ እናገበረ ይርከብ። ብ መሰረት እዚ አብ ክልል ዓፋር ብቀዳምነት አብ ዝተሓረዩ ድጋፍ ንዘድልዮም ወገናት እቲ ሓገዝ ኣብ ምብፃሕ ከምዝርከብ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ ኣሎ ። ክልል ዓፋር እቲ ብባዓሉ ዓቅሚ ዝገብሮ ሓገዝ ክትትልን ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ኮምሽን ናይ ቀረባ ድጋፍን ክትትልን እናገበረ ምኻኑ ገሊፁ ኣሎ። ካብ አዳማ መሕለውታ ናይ እኽሊ መኻዝን ሐገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ዓፋር ተንቀሳቂሰን አለዋ።
ቁጠባ
ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ስልጣነ ንምግባር ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 10, 2026 116
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 30/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣዲስ ኣበባ ማእኸልን መርኣያን ስልጣነ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትካላት ናይ ምፈፃም ዓቕሞም ብምዕባይ ዝተደመረ ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2019 የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንሕብረተሰብ ካብ ዝተኣተወ ቓል ንላዕሊ ብምፍፃምን ብዓወት ብምዝዛም፣ ብዝበለፀ መገዲ ንምስራሕ ዘኽእል ዳግማይ ዕድል ከምዝተረኽበ ተዛሪበን። ኣብ ዝቕፅል እውን ስራሕቲ ብዝበለፀ ብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመትን ትልሚ በጀት ዓመት 2019 ተዳልዩን ተገምጊሙን ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፀን። ለውጢ ኣወዳድባን ኣመራርሓን ከምዝተገብረን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተተግበረ ትልሚ 90 መዓልቲ ብምድላው ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ዝሓበራ እተን ከንቲባ፤ ብዙይ እውን ዝንኣድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣረዲአን። ዝተኻየዱ ተግባራት ካብ ቑፅሪ ንላዕሊ ምርኣይን ውፅኢታት ምስ ምቅላል ፀቕጢ መነባብሮ ሕብረተሰብን ከምኡ’ውን ምስ መንፅር ምምሕያሽ መነባብሮ ምምዛን ከምዝግባእ ኣገንዚበን። ዘለና ዓቕምን እታዎታትን ንግቡእ ስራሕ ምውዓል ይግባእ ዘበላ እተን ከንቲባ፤ ከም መንግስቲ ኣንፈት ምህናፅ ስልጣነ መደመር ኢትዮጵያ ንኽተል ኣለና ኢለን። ስልጣነ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተጀመረ ምዕባይን ምድማርን ከምዝሓትት ብምሕባር፤ ነዙይ እውን ዓቕሚ ምፍፃም ትካላትን ባህሊ ስራሕ 24/7 ምዕባይ ከምዝግባእ ተዛሪበን። ብተተናፀላዊ ስራሕ ትካላት ዝድለ ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዘይክኣል ብምግላፅ፣ ስራሕቲ ብሓባርን ብዝተዋደደ መገድን ምፍፃም ኣሰራርሓ ኾይኑ ንኸቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።
ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን መሰረት እዩ
Oct 10, 2026 84
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 30/2018 (ኢዜአ)፦ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ቁልፊ ግደ ዝፃወት ስትራቴጂካዊ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ጉዳያት ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ገሊጾም። ኣምባሳደር ዘሪሁን ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘጋጥሙ ከም ድንገተኛ ሓደጋ ውሕጅን ድርቅን ዝመመሰሉ ምስ ምዝባዕ ኣየር ንብረት ዝተኣሳሰሩ ተደራረብቲ ፈተናታት ንምፅዋር ዓቢይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም። ኢትዮጵያ ንምትሕብባር፣ ንዞባዊ ምትእስሳር ከምኡ’ውን ንፍትሓውን ምኽንያታውን ተጠቃምነት ማይ ዓባይ ዘይቀያየር ቅዋም ከምዘለዋ ተዛሪቦም። እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተሞርኮሰ ምትእስሳር ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦምሉ። ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ እንተሃንፅ ረብሓ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ዳይሬክተር ጄነራል፤ ንዞባዊ ልምዓት፣ ለውጢ ኣየር ንብረት ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ንምህናፅን ውሕስነት ኢነርጂ ንምርግጋፅን ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም። እቲ ግድብ ኣብ ዓውዲ ተሓዳሲ ሓይሊ ዝተገብረ ዓቢዪ ኢንቨስትመንትኣፍሪካ እዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ ፈተናታት ኣየር ንብረት ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ዕድላት ሒዙ ምምፅኡ ኣመላኺቶም። እቲ ግድብ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው፣ ማይ ብምኽዛንን ሓደጋ ውሕጅ ብምቕናስን ንሱዳንን ንግብፅን ዝበለፀ ረብሓ ከምዘረክብ ኣብሪሆም። እቶም ኣምባሳደር ወሲኾም ከምዝገበልዎ፣ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ኣከባቢ ምስ ናይ ግብፂ ግድብ ኣስዋን እንተነፃፀር ትሑት ትነት ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ብምኽንያት ትነት ዝባኽን መጠን ማይ ብዓቢይኡ ከምዝቕንሶ ገሊፆም። ብተወሳኺ እቲ ግድብ ዋሕዚ ማይ ብዝግባእ ኣብ ምቁፅፃር መዳይ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለብ ምዃኑ፣ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ንብረት፣ ህይወት ሰብን ኣብ መንበሪ ዜጋታትን ዝበፅሕ ሓደጋ ውሕጅን ዕንወትን ንምክልኻል ከምዘኽእል ኣመላኺቶም። ከይዲ ምፅዋር ድርቂ ብዝተመልከጽ፣ ኣብ ግድብ ህዳሸ ዝኽዘን ማይ ኣብ ነዊሕ እዋን ድርቅን ሕፅረት ማይን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ዝበለፀ ምትሕግጋዝ ከምዝፈጥርን ውሕስነት ማይ ከምዘረጋግፅን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም። እቲ ግድብ ናይቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ዘምንጭዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድልየት ኢነርጂ ጎረባብቲ ሃገራት ንምምላእ ከምዘኽእል ተዘሪቦም።
ኢትዮጵያ ብኹለመደያዊ ጉዕዞ ልምዓታን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናትብዘመዝገበቶ ዓወትን ንኣፍሪካ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ እዩ
Oct 9, 2026 120
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 29/2019 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ብኹለመደያዊ ጉዕዞ ልምዓታን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ብዘመዝገበቶ ኣስደናቒ ዓወትን ንኣፍሪካ ከተኣሳስር ዝኽእል ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ ምዃኑ ምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ገሊፆም። ብምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ዝምርሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት የካይድ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ሎሚ ምስ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ አበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዙሪያ ዕብየት ህፃናትን ልምዓት ከተማን መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ኣካይዱ። ምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ኣብቲ ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኣዲስ አበባን ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ልምዓትን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ንዝተመዝገቡ ውፅኢት ናእዶም ገሊፆም። ዕብየት ኢትዮጵያ ዝረአን ዝጭበጥን ምዃኑ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ህፃናትን ንልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ዝሃቦ ትኹረት ኣሞጊሶም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ኣሰራርሓ ሓለዋ ህፃናትን ንምምሕያሽ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዓቢዪ ኣበርክቶ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንተጠቃምነትን ድሕነትን ህዝቦም ቀዳምነት ሂቦም ምስራሖም እውን ንኢዶም። ናይጄሪያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብሓባር ብምስራሕ ኣወንታዊ ፅልዋ ክፈጥራ ተኽኢለን እዚ ክፍለ ዘመን ናይ ኣፍሪካ ዘመን ከም ዝኸውን እምነቶም ገሊፆም። ኣፍሪካ ካብ ነባር ዘመን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ሓሊፋ ሐዚ ኣብ ፍልጠት ናብ ዝተመስረተ ሰብ ስራሕ ብልሕን ዘመን ዓበይቲ ሓበሬታታትን ክትኣቱ ዓቕሚ ኣእምሮ መንእሰያት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም። መንግስትን ህዝብን ናይጄሪያ ካብ ውፅኢታዊ ዓለምለኻዊ ተሞክሮታት ንምምሃርን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻርን ድሉው ምዃኑ ተዛሪቦም።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክኽበር እዩ
Oct 9, 2026 113
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019 (ኢዜኣ) ግንዛበ ድሕንነት ሳይበር እቲ ማሕበረሰብ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1-30 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ከም ዝኽበር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ “ንቑሕ ዜጋ ድሕንነታ ንዝተሓለወት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንቀፃሊ ሓደ ወርሒ ዝኽበር መበል 7ይ ሃገር ልኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሃሚድ ኣብ መገልፂአ፤ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ ምዕባዩ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፣ ትካላትን ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን መጥቃዕቲ ሳይበር ዝውስኸሉ ኩነታት ከም ዝረአ ገሊፀን። ስለ ዝኾነ ድማ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ትካላትን ማሕበረሰብን ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘለዎም ግንዛበ ብምዕባይ ዓርሶም ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ንክኽእሉ ወሳኒ እዩ ኢለን። ወርሒ ድሕንነት ሳይበር እዚ ዓመት ኣብ ሓለዋ በይነ መረብ ህፃናት ትኹረት ከም ዝገበረ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣጠቓቕማ በይነ መረብ ህፃናትን ተዛምድቲ ጉዳያትን ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝኽበር ተዛሪበን። ኣብቲ ወርሒ ሰገናትን መናእሰይን ዘሳትፍ ውድድርን ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሕን ሳይበርን መድረኽ ዘተን ከም ዝካየድ እውን ኣረዲአን። ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ድሕንነት ሳይበር ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው እጃሙ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ድሕንነት ሳይበር ኣብ ምሕላው ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ይግባእ ኢለን። ካብ 1-30 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ንሓደ ወርሒ ዝኽበርአበል 7ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብድሙቕ ምኽባር ዘኽእል ምድላው ከም ዝተገበረ እውን ኣፍሊጠን። ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብብርኪ ኢትዮጵያ ን7ይ ግዜ ብብርኪ ዓለም ድማ ንመበል 23 ግዜ ከም ዝኽበር እውን ተገሊፁ።
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ እዮም
Sep 29, 2026 429
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ ከም ዝኾኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም። እቶም ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ውፅኢታት ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ክጠናኸር ከም ዘለዎ እውን ኣገንዚቦም። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂ፣ ምርምር ፈጠራን ኢንተርፕረነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ የካይድ ኣሎ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ተግባራት ብልጽግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፀፉ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ ንሳይንስን ቴክኖሎጂ ምቹው ምህዳር ዝፈጥሩ ኣዋጃት ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ብሰፊሑ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ። ንኣብነት ኣዋጃት ኤሌክትሮኒክ ፊርማ፣ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፣ ንግዲ ኤሌክትሮኒክ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታን በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቖም ካብቶም ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ምዃኖም ጠቒሶም። እቲ ቤት ምኽሪ ሕጊ ምውፃእ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝወፁ ሕግታት ተግባራዊ ምዃኖም ስራሕቲ ምክትታልን ምቁጥጣርን ብልዑል ቆራጥነት ክሰርሕ ጠኒሑ እዩ ኢሎም።
ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ
Sep 29, 2026 306
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ሰብ ስራሕ ብልሕን ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር እዚ ዝገለፃ ዓውዲ ቱሪዝም ብፈጠራ ዲጂታልን ብሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምዕባይ ኣብ ዘተኰረ መበል 6 ሰሙን ቱሪዝም ኦሮሚያ “ፈጠራ ዲጂታል ንሓቛፋይ ቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ እዩ። ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ሰብ ስራሕ ብልሒ (AI) መባፅሒታት ቱሪዝም ዝፋለጡሉ፣ ጉዕዞታት ዝትለምሉ፣ ንግዲ ቱሪዝም ዝንቀሳቐስሉ ከምኡ እውን ዑደተኛታት ዝረኽብዎ ተሞክሮ እናቐየሮ ምምፃኡ ገሊፀን። ሽግግር ዲጂታል ክፉት፣ ሓቛፋይን ሰብ ተኮር ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግላፅ፣ ጥቕሚ ቴክኖሎጂ ብውሑዳት መባፅሒታት ቱሪዝምን መድረኻት ዲጂታል ጥራሕከይግደቡ ኣገንዚበን። ፖሊሲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብዓውዲ ብቴክኖሎጂ ዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምምሕያሽ ኣንፈት ከም ዝተሓዘ ብምግላፅ፣ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ቱሪዝም ኢትዮጵያ እውን ንዑደተኛታት ሓበሬታ መባፅሒ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ምስ ዑደተኛታት፣ ሆቴላትን ካልኦት ተወሳእቲ እቲ ዓውዲን ንምራኸብ የገልግል ኣሎ ኢለን። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተሓወሶ መርበብ ሓበሬታ ቱሪዝም ኦሮሚያን ካልኦት መድረኻት ዲጂታል ቱሪዝምን ዕላዊ ኰይኖም እዮም።
ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ዝርከብ ወለዶ ንምፍራይ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ እዩ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ
Sep 29, 2026 314
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ፦ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ምድላው ዝኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም። ኣብ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ፈጠራ፣ ዲጂታላይዜሽንን ኢንተርፕርነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ይካየድ ኣሎ። እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ከም ዝበልዎ፤ ጥቕምን ጉድኣትን ቴክኖሎጂ ብምምዝዛን ንዝተደለየ ዕላማ ብኣግባቡ ንምጥቃም ግቡእ ክእለትን ተሞክሮን ምጭባጥ የድሊ። እዙይ ንምዕዋት ክእለት ተበፃሒ ምግባር ቀንዲ ጉዳይ ብምዃኑ መፃኢ ምህዳር ሳይንስ ዝረከብ ወለዶ ምፍራይ ጉዳይ ህልውና ተገይሩ ብትኹረት እናተሰርሐሉ እዩ ኢሎም። ተምሃሮን መምህራንን ቴክኖሎጂ ከም መሳርሒ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓበሬታ ብግቡእ ናይ ምድላይ፣ ናይ ምግምጋምን ናይ ምፍጣርን ዓቕሞም ብምዕባይ ዓቕሚ ዲጂታል ከዕብዩ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም። እዙይ ንምግባር መንግስቲ ኣብ ኩሎም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲታት ላብራቶሪ ኮምፒዩተር ንምምላእ ዕላማ ተታሒዙ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም። እዙይ ድማ ተምሃሮ ክእሎት ኮዲንግ፣ ዲጂታልን ፈጠራን ንምዕባይ ምቹእዉ ኩነታት ዝፈጥር ምዃኑ ኣመላኺቶም። ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ንምድላው ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ስፖርት
መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዘላቒ ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 11, 2026 60
ኣዲስ ኣበባ ፤ ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዝለዓለን ዘላቒን ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ነዚ ዝበላ ሎሚ ንግሆ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ነበርቲ እታ ከተማን ብምዃን ኣብ ዘካየዳኦ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ እዋን እዩ። ሙሉእ ጥዕንኡ ዝተሓለወን ኣፍራይን ወልዶ ንምህናፅ ኣብታ ከተማ ብዙሓት መዘወተሪ ቦታታት ስፖርት ምህናፆም ገሊፀን። ነባሪ እታ ከተማ ነዞም መሰረተ ልምዓታት ኩሉ ግዘ ብዝግባእን ብበዓል ዋናነት ስምዒትን ክጥቀመሎም ከምዝግባእ እውን መኺረን። ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩ ፃዕርታትን ዝሰርሑ ስራሕቲን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምግላጽ፣ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ደው ዘብል ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ተዛሪበን። ሉኣላውነት ሃገርና፣ ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ከተማና ንምሕላው ኩሉ ሰብ ብሓባርን ብምትሕብባርን ክሰርሕ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን።
ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ሕፅይቲ ብልፅቲ ኣትሌት ዓለምና እዚ ዓመት ኰይና
Oct 6, 2026 225
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ)፦ ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ዝርዝር ሑፁያት ብሉፃት ኣትሌታት ኣትሌቲክስ 2026 ተኻቲታ። ዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ብኽልቲኡ ፆታታት ብተመሳሳሊ 10 ብሉፃት ሕፁያት ዓለምለኻዊ ኣትሌታት ሎሚ ዕላዊ ገይሩ፡። ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሕፁያት ብሉፃት ኣትሌታት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ትርከብ። ኣትሌት ትዕግስት ቅድሚ ሐዚ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2023ን ኣብ 2025ን ብደቂ ኣንስትዮ ብልፅቲ ዓለምለኻዊ ሕፅይቲ ኣትሌቲክስ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ። እታ አትሌት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን በርሊን ብጉድኣት ተፈቲና ብ2 ሰዓት ከ11 ደቂቃ ከ04 ሰከንድ ብምዝዛም ሳልሳይ ፈጣን ሰዓት ዓለም ኣመዝጊባ እያ። ብተወሳኺ ኣብ ማራቶን ለንደን 2026 ብ2 ሰዓት ከ15 ደቂቃ ከ41 ሰከንድ ብምዝዛም ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝኾነ ማራቶን ሓዱሽ ዓለምለኻዊ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ እያ።
ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም
Sep 15, 2026 2094
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ) ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም። መበል 18 ስሩዕን ሓፈሻዊ ጉባኤ መረፃን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ /ECA/ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሓፈሻ ጉባኤ በይኖም ብሕፁይነት ንዝቐረቡ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ንቀፃሊ 4 ዓመታት ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳንትነት ንክመርሑ መሪፁ። ኣይተ ኢሳይያስ ጅራ ካብ ዝተውሃቦ 88 ድምፅታት 81 ከም ዝረኸቡ እውን እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ቀዋሚ ኮሚቴ ፊፋን ዝኾኑ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ካብ ግንቦት 2010 ዓ/ም ጀሚሮም ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳትነት እናመርሑ እዮም ዝርከቡ። ብተወሳኺ እውን ኣይተ ኣለሙ መግራ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኮይኖም ተመሪፆም።
ሓለዋ ኸበቢ
ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ክትሰርሕ እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Sep 23, 2026 762
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። “ምትእምማን ዳግማይ ምህናፅን ሓደሽቲ ለውጥታት ብኣግባቡ ምምራሕን፣ ንኹሉ ዝሰርሕ ውሕመ ምፍጣር” መሪሕ ሓሳብ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ። ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ከም ተዳልው ሓቢሮም። ኮፕ 32 ዓውዲ ውልቀን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን ሓዊሱ ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ኢትዮጵያ ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ተዛሪቦም። ኩሎም መራሕቲ ዓለም ኣብ ጉባኤ ኮፕ 32 ንክሳተፉን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ኣሰሮም ንከዕርፉን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ
Sep 19, 2026 1364
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 9/2019 (ኢዜአ): - ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ክስተት ኤልኒኖ ብዓለም ለኸ ብርኪ ልዑል ወሰኽ ሙቐትን ምዝባዕ ኣየር ንብረትን ከምዘስዕብ ኣፍሊጡ። እዚ ክስተት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝለዓለ ደርቂ፣ ኣብ ካልኦት ድማ ዝለዓለ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓበሬታታት የመልኽቱ። ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣይዱሩስ ሓሰን ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፣ ኤልኒኖ ቅድም ኢሉ በቢዓሰርተን ሓሙሽተ ዓመታት ተደጋጋሚ ክስተታት ኣርእዩ እዩ። ቅድሚ ሐዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ኤልኒኖ ብርክት ዝበሉ ትምህርቲታት ከም ዝተወስዱ ገሊፆም። ሓበሬታታት ዓለም ለኸን ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያን ከም ዘመላኽትዎ፣ ኣብ 2018/19 ዓ.ም. ሓዱሽ ክስተት ኤልኒኖ ከጋጥም ትፅቢት ይግበር። ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ፀቕጢ ንምንካይ ዘኽእሉ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው የካይድ ኣሎ ኢሎም። እቲ ትካል ንእዋናዊ ፀገማት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ዝፈትሑሉ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ከም ዝርከብ እውን ኣፍሊጦም፡፡ ብብርኪ ሃገር ንክስተት ኤልኒኖ ዘሎ መጠን ተቓላዕነት ንምፍላይ፡ ምምንካይን ንምፅዋርን ስትራተጂ ምድላዉ እውን ገሊፆም። ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ዘጋጥሙ ጉዳኣታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብመተሓባራይነት እቲ ኮሚሽን ካብ ፈደራል ክሳብ ታሕተዋይ መዋቕር ምስ ዘለዎ ትካላት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም።
ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ኣሎ
Sep 17, 2026 1187
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 7/2019 (ኢዜኣ)፦ ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ምህላዉ ኮሚሽን ምምሕዳር ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ። በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ድልዉነት ኤልኒኖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ ዞባዊ ዝለዓለ መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣይድሩስ ሓሰን ኣብዚ እዋን፤ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ ካብ ዝግበር ርብርብ ንላዕሊ ኣብ ትንበያ ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ተመርኪስካ ዝውሰድ ስጉምቲ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ቅድመ ትንበያ ሓደጋ፣ ኣብ ድሉውነት ቅድመ ምክልኻልን ኣብ ቅፅበታዊ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን ውፅኢታዊ ዓቅሚ ድሉውነት ኣብ ምህናፅ ብትኹረት ይሰርሕ ምህላዋ ተዛሪቦም። ብፍላይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ሓደጋ ግንዛበ ብምዕባይ ዝተፈላለዩ ዓውድታትንን መዳርግቲ ኣካላትን ዘካተተ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምቕራፅ ተግባራዊ እናገበረ ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡ ፈንድ ምላሽ ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ንቅድመ ድሉውነትን ግምገማን ዝኸውን ምቹው ዓቕሚ ብምፍጣር ማዕቀፍ ፋይናንስ ይህብ ምህላዉ ገሊፆም። ኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)እውን ካብ ተግባር ብምቕዳም ዓቕሚ ምላሽ ሓደጋ ዘዕቢ መተሓላለዊ ኣሰራርሓ ፋይናንስ ክዝርግሑ ከምዘለዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ሲ ኤን ኤን ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ
Aug 4, 2026 5121
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ): - ፍሉጥ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ሃገራት እቲ ዞባ ተረባሕቲ ኢነርጂ ዝገበረ ዓብይ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ። እቲ ግድብ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዘባፅሐ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺቱ። ኣብ ሲ ኤን ኤን ፀብፃቢት ዝኾነት ቪክቶሪያ ሩባዲሪ ናብ ጉባ ብምጉዓዝ ሓቃውነት እቲ ግድብ ፀብፂባ። በዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰብ ሞያ ምህንድስናን ሰብ ሞያ ህንፀትን ነቲ ሽንጥሮ ዝበዝሖ ከባቢ ናብ ዓብይ ግድብ ኣፍሪካ ከም ዝቐየርዎ ሓቢራ። እቲ ግድብ ልህቀት ምህንድስና ዝተርኣየሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ፃንሒት ህንፀት 14 ዓመታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ከም ዝተመረቐ ገሊፃ። እቲ ግድብ ብደገፍ ኢትዮጵያውያን፣ፋይናንስ መንግስቲ፣ቦንድታትን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ውሽጢ ሃገርን ብዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሃነፀ እውን ተዛሪባ። እዚ ዓብይ ግድብ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዝህብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጎረቤት ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክባፃሕ ዝገብር እዩ ኢላ። በዚ ድማ እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ማእኸል ምትእስሳር ዞባዊ ሓይሊ ከምኡ እውን መባፅሒ ቱሪስት ብምዃን ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኣ። ሲ ኤን ኤን ኣብ ፀብፃቡ ንመካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ብምቕራብ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዘይጎድእ መልክዑ እቲ ግድብ እናተጠቐመትሉ ከም ትርከብ ኣፍሊጦም። ግብፂ ብምኽንያት እቲ ግድብ ዝበፅሓ ማይ ቀኒሱ ብዝብል እተቕርቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ከም ዝኾነ እውን ኢንጂነር ክፍሌ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝርከቡ 13 ተርባይናት ብዘፈልፍልዎ ሓይሊ 6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝኾኑ እን ኣረዲኦም። እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ንሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ታንዛኒያን ሓይሊ ምብፃሕ ከም ዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ሓይሊ ንምሻጥ ምድላው ከም ዝተገበረ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተፈጠረ ንጋት ሃይቅ ዝተፈጠራ ደሴታት ንመስሕብ ቱሪስት ዓብይ ዓቕሚ ከም ዝኾና ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ንመባፅሒ ቱሪስት ዘገልግሉ መሰረተ ልምዓታት ከም ዝህነፁ ሓቢሮም።
ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሐይልን ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ ፃውዒት ኣቐሪቡ
Jun 27, 2026 10785
ኣዲስ ኣበባ /ሰነ/20/2018/ኢዜኣ/፡- ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሕይልን ኣቦ መንበር ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ኣቦ መንበር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ውድብ "ሓምለዋይ ሰውራ" ምኽንያት ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝብገስ ምዃኑን፤ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ክውንነታት ኤርትራ ኩለመደያዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ምዃኑን ኣመላኺቶም ። "ሓምለዋይ ሰውራ" ዝብል ስያሜ ምስ ህይወትን ተስፋን መናእሰይ ዝተኣሳሰረ ምሳልያዊ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፤ እቲ ምንቕስቓስ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ታሪኻዊ ምዝብዓት ዝገተአን ሓድሽ መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ዘለዎ ባህጊ ዘንፀባርቕ እዩ ኢሎም። እቶም ኣቦ መንበር መሳርሒታት ለውጢ እንትዛረቡ ፤ ናቶም ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ራእይን ተግባራት በረኻን ዘጣመረ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ውድባዊን ወተሃደራዊን ድሉውነቶም ዘረጋገፀ ምኹኑ እዩ ኢሎም ። ኣስዒቦም "ንሕና ኣብ መወዳእታ መስመር ዘለና ወተሃደራት ኢና፤ ባህሪ ናይዚ ስርዓት እዚ ኣፀቢቕና ንፈልጦ ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ብስምምዕን ብዲፕሎማሲን ዘይኣምን፣ ቋንቋ መሳርሒኲናት ጥራሕ ዝርዳእ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እዩ"ክብሉ ኣገንዚቦም ። እቲ ምንቕስቓስ ህወከት ከምዘይደሊ ነገር ግን ባህርይ እቲ ቃልሲ እቲ ኻልእ ወገን ብዝርድኦ መንገዲ ክትጥቀም ከምዘገድድ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቲ ምንቕስቓስ ንኹሎም ክፍልታት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ማዕቀፍ ውሽጢ ንምውካል ዘኽእል ባዕሉ ዝኸኣለን ዝተወደበን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ወተሃደራዊን መሓውር ንምህናፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይገሊፆም መሓውራዊ ምዝባዓት ኣብ ዘዕሪ ሃገራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ናይቲ ምንቕስቓስ ቀንዲ ሸቶ ምዃኑ እውን አስሚሮምሉ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክልቲአን ሃገራትን ዘሎ ታሪኻዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ክሕለፍ ዘይኽእል መሰረት ምዃኑን እቲ ዝድለ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ምህናፅ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም። “ፅምዶ” ዝተሰመየ ጥምረት ሻዕብያን ነበር ጉጅለ ሕወሕትን ምህላዉ ዘመልክቱ እቶም ኣቦ መንበር እዚ ጥምረት ምርግጋዕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምድኻምን ዞባዊ ፀጥታ ንምፍራስን ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮይኑ፤ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሚዛን ዞባዊ ፀጥታ ኣሉታዊ ፀልዋ ከምዘለዎ ፀሪሖም ።ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ።
ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ -ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ
Jun 26, 2026 7696
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/19/2018/ኢዜኣ/ ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ ክብሉ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ ገሊፆም። ምንቅስቓስ "ሓምለዋይ አብዮት" ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጲያ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት መመሓላለፊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዞባ ጎንፂ ናብ ዞባዊ ምትሕብባርን ውህደት ኢኮኖሚን ንምቐያር ዘኸእል ስትራቴጂካዊ ራዕይ ንክቐረፅ ፃውዒት ኣቐሪቡ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ብወታደራዊ ሓይሊ ንምምካትን ንዘመነ ስልጣኑ ንምብቃዕ ዘለዎ ትብዓት ዝገለፁ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ አቲ ስርዓት ንቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ቀንዲ ስግኣት ምኹኑ ኣገንዚቡ ። እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንክፀንሕን ዕድምኡ ንምንዋሕን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ወጥርን ንረብሑኡ ንምውዓል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝኸሰሱ እቶም ኣቦመንበር ናይ እዋኑ ስርዓት ኣስመራ ምርግጋእ ዘይምድላዩ ኣብ እቲ ዞባ ዘለዉ ዓመፅቲ ሐይልታት ዝድግፍ ምኹኑ እቲ ሓደ መርአያ እዩ ኢሎም ። ከምኡ እውን " ስርዓት ኤርትራ ህልውንኡ ዝተመስረተ ኣብ ቐልውላውን ዘይምርግጋእን እቲ ዞባ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦመንበር ንዕጡቐትን ዓመፅትን ዝገብሮ ደገፍ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም "። ብመዳይ ፖለቲካ ኣይተ መሐመድ አሕመድ ሰናይ ኢትዮጲያ ንጉዳያት ፍትሒ ብምድጋፍ ዝላዓለ ታራ ሒዛ ሐዚ እውን ንክትዋሳእ ፃውዒት ዘቐረቡ እንትኾኑ ፥ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ምርግጋእ ንምዕሳል ንቐልውላው ኤርትራ ንምፍታሕ ቀዳምነት እትህቦ ተግባር ምኹኑ ፀሪሖም ። ምችው ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወደብ፣ ትራንስፖርትን ዘፈራት ንግድን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባይ ከምዝካኣል ዝገለፁ እቶም ኣቦመንበር ፤መፃኢ ዕድል እቲ ዞባ ብሓበራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣፅንዖት ሂቦም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ህወሓት ማዕቐብ ቪዛ ኣንቢራ
Jun 18, 2026 10166
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ጒዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ማዕቀብ ዝተነበረ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(a)(3)(C) ብዝተዋህቦም ስልጣን ምዃኑ ገሊፆም። እቲ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ዘዕንቅፉ፣ ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ፅንፈኛታት ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶምን ዝቐንዐ እዩ። ኣሜሪካ ብሰላምን ብክብርን ክነብር ምስ ዝደሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጐኒ ደው ከምትብል ኣፍሊጣ። ዋሽንግተን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበ-ስልጣናት ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ተግባራት ንምቅላዕን ከምኡ እውን ተሓታትነት ንምስፋንን ዘለዉዋ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ ኣማራፂታት ምጥቃም ክትቅፅለሉ ምዃና ገሊፃ።
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 41982
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 17378

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 22331
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 22800
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ካብ ኣባይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ
Oct 9, 2026 143
ካብ ኣባይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ መፅሄት ነጋሪ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይን ድልየት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ብሰፊሑ ተንቲናቶ ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 25 መስከረም 2019 ዓ.ም ኣብ ምስረታ መንግስቲ መደመር፣ " ስልጣነ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ጋህዲ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ" ብምባል እታ ሃገር ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ብትግሃት ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም እዮም። እዚ ፃዕሪ ብሰላማዊ ዘተ፣ ብሓባራዊ ተጠቃሚነትን ብመትከል “ሂብካ ምቕባልን” ከም ዝምራሕ ብምግላፅ፣ እቲ ጉዳይ ምስ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ቀይ ባሕርን ማእኸላይ ምብራቕን ይቀያየር ምስ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ኣዛሚዶም ኣቕሪቦምዎ እዮም። እታ መፅሄት ኣብ መስከረም 2019 ዓ.ም ሕታማ “መንገዲ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ፣ ካብ ኣባይ ክሳብ ፖለቲካ ቀይ ባሕሪ ዝዘለቐ ንሕንሕ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘቕረበቶ ትንታነ፣ ሃፍቲ ማይ፣ መባፅሒ ባሕሪ፣ ዓለምለኻዊ መስመራት ንግድን ዞባዊ ፀጥታን ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይሊ ዝፈጥሮ ፅልዋን ዳህሲሳቶ ኣላ። ከም ትንታነ እታ መጽሄት፣ ኣባይን ቀይ ባሕርን ብተፈጥሮ ፍሉያት አካላት ማይ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ዘመናዊ ጂኦፖለቲካዊ ስሌት ግን ኣብ ኣጠቓቕ ማይ፣ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ፣ ናይ ብመባፅሒ ባሕሪን ድሕነትን ዝተኣሳሰሩ እዮም። ሩባ ኣባይ ንኢትዮጵያን ነተን ተፋሰስ ሃገራትን ንሓይልን ልምዓትን ረብሓ ክህልዎ እንተሎ፣ ቀይ ባሕር ድማ ንኣፍሪካ፣ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ወሳኒ ዓለምለኻዊ መስመሪ ንግድን ባሕሪን እዩ። ብፍላይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ማይ ኣባይ ብፍትሓዊነትን ሓባራዊ ተጠቃሚነትን ናይ ምምሕዳር ሕቶን ድልየት መባፅሒ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ፖለቲካን ድሕነትን ስሌት ዘብፅሖ ፅልዋ እታ መፅሄት ብሰፊሑ ተንቲናቶ ኣላ። እቶም ውዕላት ማይ 1929ን 1959ን ነቲ ላዕለዋይ ተፋሰስ ሃገራት ረብሓ ብእኹል ከም ዘይሓወሶ ብምግላፅ፣ ኣጠቓቕማ ማይ እቲ ሩባ ብፍትሓዊነት፣ ብምትሕብባርን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝተመስረተ ማዕቐፍ ክምርሕ ከም ዘለዎ ኣመልኺታ ኣላ። ኢትዮጵያ ድሕሪ 1993 ዓ.ም መባፅሒ ባሕሪ ምስኣና ስዒቡ፣ እቲ ጉዳይ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ሓሊፉ ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ድልየት ልምዓት ነዊሕ እዋንን ከም ዝተሓሓዝ እታ መፅሄት ኣብራህሪሃቶ ኣላ፡፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ንምቕናስ ወፃኢ ንግዲ፣ ኣማራፂታት ወደብ ንምስፍሕን ዕብየት ኢኮኖሚ ንምድጋፍን ወሳኒ ምዃኑ’ውን በሲፉሑ ተንቲናቶ ኣላ። ብኻልእ ወገን፣ ቀይ ባሕሪ ምስ ኤስያ፣ ኣፍሪካን ኤውሮጳን መስመራት ንግዲ ዘራኽብ ስትራቴጂካዊ መተሓላለፊ ባሕሪ ብምዃኑ፣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ፀጥታ ካብ ከባባዊ ርክባት ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ዋሕዚ ንግዲ ዝፀሉ እዩ። እታ መፅሄት ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ቀይ ባሕሪ ምስ ቦይ ስዊዝን መተሓላለፊ ባሕሪ ባብ-ኤል መንደብን ኣዛሚዳ ዳህሲሳቶ ኣላ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝካየዱ ንሕንሓት ሓይሊ ስግኣት ንግድን ፀጥታን ከም ዘጋድዱ ተንቲናቶ ኣላ። እታ መፅሄት ኣብ ትንታኔኣ ድልየት መባፅሒ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲዊ መርገጺታት ሃገራት እቲ ዞባ ኣዛሚዳ ዝተፈላለዩ ትንታኔታት ኣቕሪባ እያ። ይኹን እምበር እዞም ኣብ እታ መፅሄት ዝቐረቡ ትንታነታት ፖለቲካ እንተኾኑ፣ እቶም ዝተጠቕሱ መርገፂታትን ክስታትን ካብ ዝተረጋገፁ ሓቅታት ምፍላይ የድሊ። እታ መፅሄት ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይን ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪን ዝለዓሉ ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብጎንፂ ዘይኮነስ ብዘተ፣ ብድርድርን ብመትከል ሓባራዊ ተጠቃሚነትን መፍትሒ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ኣጕሊሃ ኣርእያ ኣላ። ሃፍቲ ማይ ብፍትሓዊነት ምምሕዳርን ጉዳይ ኣገፍ ደገ ባሕሪ ብሰላማዊ ስምምዕነት ምፍታሕን ንዞባዊ ምርግጋዕ፣ ንኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ንዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ትንታኔኣ ኣመልኺታ ኣላ።
ካብ ድምፂ ክሳብ ሓደራ
Oct 5, 2026 248
ዓባይ ሃገር፣ ዓባይ ህዝቢ፤ ዓብይ ራእይ ካብ ድምፂ ክሳብ ሓደራ መረፃ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ መሰረት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ህዝቢ ኣብ መፃኢ ጉዕዞ ሃገሩ ዝውስነሉ ታሪኻዊ መድረኽ እዩ። ኢትዮጵያውያን ብቢእዋኑ ዘጋጥምዎም ዘመናት ዝተሳገሩ ፖለቲካዊ ውፃእ ውረዳት፣ ማሕበራዊ ፀቕጢታትን ሃገራዊ ፈተናታትን ብትዕግስትን ፅንዓትን ብምሕላፍ ንምዕራፍ ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ በቒዖም ኣለዉ። ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብ መረፃ ጣቢያ ብምርካብ ዝሃብዎ ድምፂ ቁፅሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ትርጉሙ ብዙሕ እዩ። ሃገራዊ ሓድነት ንምጥንኻር፣ ልዕልና ሕጊ ንምርግጋፅን ዘላቒ ተስፋን ዕብየትን ህዝቢ ንምዕዋትን ዝተውሃበ ዓባይ ህዝባዊ ውክልና እዩ። እዚ ብናፅነትን ሰላምን ዝተውሃበ ልዑል ድምፂ ህዝቢ ንብልፅግና፣ ሰላምን ልኡላዊነትን ሃገሩ ዘለዎ ፅኑዕ ድልየት ብግልፂ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ ነይሩ ። ሎሚ ዝምስረት ሓዱሽ መንግስቲ እውን ኣብዞም ብሚልዮናት ዝቑፁሩ ዜጋታት ድልየትን እምነትን ዝተመስረት ጠንካራ መሪሕነት ንምህናፅ ዘኽእል ሙሉእ ሕጋውን ህዝባውን ሓደራ ኣለዎ። ዜጋታት ብድምፆም ዘረከብዎ ሓደራ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ሃገራዊ ሰላም ከሰፍን፣ ቁጠባዊ ዕብየት ከቐልጥፍን ሕቶታት ህዝቢ ብፍትሓዊ መንገዲ ንክምልስ ዝተውሃቦ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ። ስለዝኾነ እዚ ታሪኻዊ እዋን ሓደራ ህዝቢ ብሓቀኛ ኣገልግሎት፣ ብትግሃትን ቅንዕናን ናይ ምፍፃም ሓዱሽ ምዕራፍ ስራሕን ታሪኽን መፈለምታ ዘበስር እዩ።
ዓሚቅ ታሪኸ፤ተብሃጊ ፀባይ አየርን ሰፊሕ ህዝብን ዝወነነት ሃገር እያ ኢትዮጵያ።
Sep 29, 2026 274
ዓሚቅ ታሪኸ፤ተብሃጊ ፀባይ አየርን ሰፊሕ ህዝብን ዝወነነት ሃገር እያ ኢትዮጵያ። ሓያል ማሕልኻታት ዘሕለፈ ነፃነት፤ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ዝዓቀበትን አብ ዓለምና በሪኸ ልዕልነት ዘላዎ ታሪክ ዝወነነትን ኩርዓት አፍሪካ እያ ኢትዮጵያ። እዛ ዓብይ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ካብ ናይ ትማሊ ዓሚቅ ታሪኸ ዝብገስ ንቅድሚት ዝሕምበብ ዓበይቲ ትልምታት ሒዛ እትስገም ዘላ ሃገር እያ። ንዘመናት ብብቅዓት ዝሃነፀቶም ዓበይቲ ምዕባለታትን ዓመቅቲ ስልጣነታትን መሰረት ባህግታታ እዮም። አብ ዝሓለፈ ይኹን ሕዚ ዝካአሉ ዘይመስሉ ግን ብትብዓት ዝተፈፀሙ ትልምታት ልምዓት ሒዛ ብምብጋስ ብብቅዓት ብምፍፃም ማንዛ ዘይብሉ ዓሚቅ ተመኩሮ ዘለዋ ሃገር እያ። ዓብይ ህዝቢ ዓብይ ባህጊ ክህልዎ ግድን እዩ።እዚ ባህጊ ተግባራዊ ዝገብር ዝገብር ህዝቢ ድማ አብ ጎኑ አሰሊፉ እዩ። አብ ውሽጡ ዝሓዞ ትዕግስቲ፤ፅንዓትን ሰዓራይነት መንፈስ ኩሉ ጊዜ ናብ ልዕል ዝበለ መንፈስ ክትሰጋገር ገይርዋ እዩ። ዓሚቅ ታሪኸ፤ተብሃጊ ፀባይ አየርን ሰፊሕ ህዝብን ዝወነነት ሃገር እያ ኢትዮጵያ። ሓያል ማሕልኻታት ዘሕለፈ ነፃነት፤ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ዝዓቀበትን አብ ዓለምና በሪኸ ልዕልነት ዘላዎ ታሪክ ዝወነነትን ኩርዓት አፍሪካ እያ ኢትዮጵያ። እዛ ዓብይ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ካብ ናይ ትማሊ ዓሚቅ ታሪኸ ዝብገስ ንቅድሚት ዝሕምበብ ዓበይቲ ትልምታት ሒዛ እትስገም ዘላ ሃገር እያ። ንዘመናት ብብቅዓት ዝሃነፀቶም ዓበይቲ ምዕባለታትን ዓመቅቲ ስልጣነታትን መሰረት ባህግታታ እዮም። አብ ዝሓለፈ ይኹን ሕዚ ዝካአሉ ዘይመስሉ ግን ብትብዓት ዝተፈፀሙ ትልምታት ልምዓት ሒዛ ብምብጋስ ብብቅዓት ብምፍፃም ማንዛ ዘይብሉ ዓሚቅ ተመኩሮ ዘለዋ ሃገር እያ። ዓብይ ህዝቢ ዓብይ ባህጊ ክህልዎ ግድን እዩ።እዚ ባህጊ ተግባራዊ ዝገብር ዝገብር ህዝቢ ድማ አብ ጎኑ አሰሊፉ እዩ። አብ ውሽጡ ዝሓዞ ትዕግስቲ፤ፅንዓትን ሰዓራይነት መንፈስ ኩሉ ጊዜ ናብ ልዕል ዝበለ መንፈስ ክትሰጋገር ገይርዋ እዩ።
ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ፡ ካብ ጉርብትና ክሳብ ስትራቴጂያዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ
Sep 25, 2026 616
ህዝብታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብታሪኽ፣ ብቋንቋ፣ ብባህልን ብማሕበራዊ ክብርታትን ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩን ብደም ዝተወሃሃዱን ኣሕዋት እዮም። ታሪኽ ምትሕብባር እተን ሃገራት ልዕሊሓደ ክፍለ ዘመን ዝተሳገረ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ዳግማዊ ኣፄ ምኒልክ ፈለማይ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኣብ ጅቡቲ ከፊታ እያ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ፈለማይ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ወፃኢ ሃገር ነይሩ። እ.አ.አ ኣብ 1897 ምምሕዳር ፈረንሳይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስምዕማዕ ጅቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ታሪኻዊ ህንፀት መገዲ ባቡር ሕንጻ ኣጀሚሮም እዮም። እዚ መሰረተ ልምዓት ንንግድን ህዝባዊ ምትእስሳርን ክልቲአን ሃገራት ካብ መበገሲኡ ድልዱል ክኸውን ዝገበረ ቀንዲ መሰረት እዩ። ህዝብታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብታሪኽ፣ ብቋንቋ፣ ብባህልን ብማሕበራዊ ክብርታትን ኣዝዮም ዝተተሓሓዙን ብደም ዝተወሃሃዱን ኣሕዋት እዮም። እዚ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ጠንካራ መሰረት ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ዝምድና ተገይሩ ዝውሰድ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዓበይቲ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ምህናፆም ነቲ ምትእስሳር ስትራቴጂካዊ መልክዕ ክሕዝ ኣኽኢሉዎ እዩ። እዚ ምትእስሳር ብዝበለፀ ዘላቒ ንምግባር ዘመናዊ መገዲ ባቡር ኤሌክትሪክ ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ፣ ፕሮጀክታት መስተ ማይ መቓረፂ ዶብ፣ መገድታት ፍጥነትን መተሓላለፊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተዘርጊሖም እዮም። እዚ ድማ ነተን ሃገራት ብስምምዕ ፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረተ ልምዓት እውን ኣተኣሳሲሩወን እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ምትእስሳሮም ብዝበለፀ እናዓበየ መፅዩ እዩ፡፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ልውዋጥ ዑደታት እውን ነቲ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ወሳኒ ግደ እናተዋፀአ ይርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ጅቡቲ ብምቕናዕ ከምኡ ድማ ፕረዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጊሌ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ንክልተኣዊን ዞባውን ምትእስሳራት ዘጠናኽሩ ዘተታት ገይሮም እዮም። ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንጎረቤት ብዝብል ፖሊሲ ውፃኢ ጉዳይ መንግስቲ መደመር ኣቢላ ኣብቲ ዞባ ኣብ ትገብሮ ምትእስሳር ልምዓት ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ብኣርኣያነት ዝለዓል እዩ። ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተመስረተ መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ ከም ስደትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዝበሉ ሓባራዊ ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ። ተሞክሮ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ እውን ተግባራዊ መርኣያ መርሃ ግብታት ምስታፍን ተኸላ ፈልስን እዮም። ትማሊ ድማ ነዚ ጠንካራ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገር ስትራቴጂካዊ ምትእስሳር ተበሲሩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ፕረዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጊሌን ኣፍሪካዊ ሃፍታም ኣሊኮ ዳንጎቴን ብሓባር ትማሊ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ኣጀሚሮም እዮም። እዙይ ድማ ፕሮጀክት ካብ ጅቡቲ ዳመርጆግ ክሳብ ኢትዮጵያ ደወሌ ዘራኽብ ሓዱሽ መስመር መተሓላለፊ ቱቦ ዝተፃረየ ነዳዲ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልቲአን ወሰናት ዝህነፁ ተርሚናላት መኸዘኒ ዘካተተ ኮይኑ፣ ብጥምረት ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ግሩፕ ዳንጎቴን ዝፍፀም እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ወፃኢ መጓዓዝያ ነዳዲን ምድንጓይን ብምንካይ፣ ቀረብ ኢነርጂ ምምሕያሽን ኮሪደር ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ ዝያዳ ምቕልጣፍን እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ከም ዝገለፅዎ፣ እቲ ፕሮጀክት ወፃኢ ሎጂስቲክስን ምድንጓይን ብምቕናስ ውሕስነት ኢነርጂ የጠናኽር፤ ቅልጡፍነትን ዘላቒነትን መገዲ ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ የዕብዮ። ኮይኑ ድማ እዚ መሰረተ ልምዓት ካብ መስመር ቱቦ ነዳዲ ንላዕሊ ዝረአ ትርጉም ኣለዎ። ካብ ንግድን ሎጂስቲክስን ሓሊፉ፣ ኣብ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካውያንን ሓባራዊ ልምዓትን ዝተመስረተ ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር ሓዱሽ ብርኪ ምትሕብባር ምትሕብባር እዩ። እዙ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር) ዝምራሕ መንግስቲ መደመር ዝኽተሎ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ቀዳምነት ንጎረቤት ንጅቡቲ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ሓባራዊ ተጠቃምነት ዘዕብዩ ዘተኣሳስሩ ልምዓታት ብምትግባር ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝኽተሎ ኣንፈት የርኢ። መፃኢግዘ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተጀመሩ ዓበይቲ ቁጠባዊን መሰረተ ልምዓታውን ምትእስሳራት ብዝበለፀ ናብ ዝተማለአ ዞባዊ ምትእስሳር ዝሰጋገርሉ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። መራሕትን ህዝብታትን ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘመን ተሻጋሪ ምሕዝነት፣ ሓባራዊ ህልውናን እምነትን መፃኢ ምሕዝነቶም ዝያዳ ዘተኣማምን ከም ዝገብሮ ይእመን።
ፍሉይ ፀብፃባት
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም
Sep 9, 2025 29711
ኣዲስ ኣበባ/ ጳጉሜን/4/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡ መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡
ፅሑፋት
ዘበን ተሳጋርን ዶብ ተሳጋርን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን
Dec 17, 2025 24984
ኢትዮጵያን ህንድን ነዊሕ ክፍለ ዘበናት ዘቑፀረ ምሕዝነትን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ኣለወን። በዚ ድማ ፀጋታት ስልጣነ ይካፈላ። ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ንግዲ ካብ ዝፈጠራሉ ልዕሊ 2 ሽሕ ዓመታት ከምዘቑፀረ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ። መሰረት ዘበናዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ከምዝኾነ እውን ይግለፅ። ኢትዮጵያን ህንድን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዝጀመራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1948 እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1950 ሳርዳት ሳንት ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣምባሳደር ህንዲ ብምዃን ተሸይሞም። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ህንድን ኤምባሲአን ብምኽፋት እቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ብተግባር ገሊፀን እየን። ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ከም ኣቆፃፅራ ኣቅቶፓ ኣብ 1956ን 1958ን ኣብ ህንዲ ዝገበርዎም ዑደታት ብቀዳምነት ዝግለፁ እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መወዳእታ 1960ታትን መጀመርያ 1970ታትን ፕሬዚዳንትታት ህንዲ ዝነበሩ ሳርቬፓሊ ራድሃክሪሽናንን ዛኪር ሁሴንን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሮም እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ቅድሚ ሓደ ዓመት ሂወቶም ዝሓለፈ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ማንሞሃን ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ እውን ዝፍልጥ እዩ። ነበር ፕሬዚዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2017 ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ኣብ ዑደቶም ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽንን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ዘኽእሉ ሓባራዊ ስምምዓት መረዳድኢ ተፈራሪሞም እዮም። ደቡብ አፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ዘዳልውውቶ መበል 15 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም እዮም። መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብቲ እዋን ኣብ ዙርያ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ምክልኻል፣ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ግብርና፣ምጥንኻር ክእለት መናእሰይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዘትዮም እዮም። ኣብቲ እቃን ህንዲ ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ “Voice of Global South Summit”ኣብ ዝተብሃለ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሳትፎ ገይሮም እዮም። ኣብ 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ህንዲ ሓፈሻዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ምዕዋቶም ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም ኔሮም። ቀዳምይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ እውን ንመልእኽቲ ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምቕባል ኣብ ሓዱሽሽ ዘበነ ስልጣኖም ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምዝዓቢ ምግላፆም እውን ዝዝከር እዩ። ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪካን ምትሕብባርን ደቡብ ደቡብን ዘለወን ምሕዝነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ልዑል ትኹረት ከምትህብ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣፍሊጦም እዮም ኣብቲ እዋን። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ትርጉም ዘለዎን ውፅኢታውን ዘተ ምግባሮም እውንገሊፆም። ህንዲ ኣባል ጉጅለ 20 ምዃና በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ እተን ሃገራት ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ዘጠናኽሩ ተኸታተልቲ ዘተታት ገይረን እየን። ኣብቲ እዋን ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ንግዲ፣ልምዓት፣ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎም ዑደታት ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርእዩ እዮም። ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ትራንስፖርት ኣየር፣ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምክልኻል፣ ተደራራቢ ታክስ ምትራፍ፣ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽን ሳይንስ፣ባህሊ፣ትምህርትን ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ምጥያሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ። ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንትገብሩ ንፈለማ እዋን እዩ። ድሕሪ ማንሞሃን ሲንግ ንኢትዮጵያ ዝጎብነዩ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም። እቲ ዑደት ህንዲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝዘተዩ እንትኸውን ንኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽን ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም መደረ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።