ሓለዋ ኸባቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ኸበቢ
ኣፍሪካ ንለውጢ ኣየር ንብረት መፍትሒ ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ይግባእ — ክላቨር ጋቴቴ
Sep 7, 2026 292
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 2/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘተታትን መፍትሒታትን ለውጢ ኣየር ንብረት ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ገሊፆም። መበል 14 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረትን ልምዓትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ "ካብ ቃል ተስፋ ናብ ተግባር፤ ፍኖተ ካርታ ቤሌም-አንታልያ-ኣዲስ ኣበባ" ብዝብል መሪ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ብከላ ኣየር ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ኣርባዕተ ሚኢታዊ (4%) ጥራሕ እንተኾነ እውን ዝለዓለ ሳዕቤን እቲ ችግር ትሸከም ኣላ። ኮይኑ ግና እዚ ሓቂ ንኣፍሪካ ታሪኽ ተጎዳእነት ጥራሕ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይብሉ ብምግላጽ፤ ኣፍሪካ ዘለዋ ዝለዓለ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ሃፍቲ ማዕድን፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰብን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋን ብምጥቃም ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ መፍትሒታት ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ገሊፆም። ኣፍሪካ ከም ኣቖፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣየር ንብረት ንምትግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 277 ቢሊዮን ዶላር ዘድልያ እንተኸውን፣ ትረኽቦ ዘላ ግን ካብቲ ዘድልያ 11 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዃኑ ገሊፆም። ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምስ ተበፃሕነት ሓይሊ፣ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተኣሳሲሮም ክሳለጡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ልዕሊ 600 ሚሊዮን ኣፍሪካውያን ሕዚ እውን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይረኸቡ ብምዃኖም ምሰፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ መሰረት ኢኮኖሚ ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡።
ኣብ ኣፍሪካ ሓደጋታት ንምፅዋር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ
Sep 2, 2026 863
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ። ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ዞባ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሃና ኣበበ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ኣፍሪካ እዋናውን ግቡእን እዩ። ኣፍሪካ ብምኽንያት ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ድርቂ፣ውሕጅን ካልኦት ሓደጋታትን ብተደጋጋሚ እናተኣናገደት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ውሽጣዊ ዓቕሚ ፋይናንስን ትካላዊ ሓድነትን ምጥንኻር ከም ዝግባእ ተዛሪበን። ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ እውን ኣረዲአን። ኢትዮጵያ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣካል ብሄራዊ ትልሚ ልምዓታ ከም ዝገበረት ብምሕባር፣ ኣብ መንጎ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ቴሌኮሙኒኬሽን፣ፋይናንስን ካልኦት ትካላትን ጠንካራ ምትሕብባር ምፍራጥ ይግባእ ኢለን። ዝኾነት ሃገር በይና እቲ ስትራቴጂ ቅነሳ ሓደጋ ውፅኢታዊ ምግባር ከም ዘይትኽእል ብምሕባር፣ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላትን ኣብ ኩለመዳያዊ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ብሓብር ንምስራሕ ቆራፅ ከም ዝኾነት ገሊፀን።
ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ እዩ - ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ
Sep 1, 2026 751
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ ምዃኑ ተመራማሪ ሃፍቲ ማይን ነበር ኣባል ጉጅለ ሰልስቲኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ገሊፆም። ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣካቢ ጉጅለ ኣማኻሪ ዶብ ተሻገርቲ ማያትን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ (GERD) ፣ ከምኡ’ውን ዋና ዳይሬክቴር ኣህጉራዊ ኮሜቴ ቴክኒክ ምብራቕ ናይልን እዮም፡፡ እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ጉባታትን ዓሚቝን ሸለቆታት ኢትዮጵያ ማይ ንምሓዝ ኣዝዮም ምቹዋት ምዃኖም ገሊፆም። ኣብዞም ዝሑላት ኣከባቢታት ማይ ምውህላሉ ንሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዝጠቕም ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም። እዚ ኵነታት ኣብ ግብፂ ምስ ዝርከብን ኣብ በረኻ ከባቢ ብምህናፁ ዝለዓለ ትነት ማይ ምስ ዘጋጥሞ ግድብ ኣስዋን ብምንፅፃር ኣቕሪቦምዎ። ካብ ግድብ ኣስዋን ኣብ ዓመት ጥራሕ ካብ 15 ክሳብ 16 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝተንን ከምዝባኽንን ኣልዒሎም። ማይ ኣብ ዓሚቝ ፣ ፀቢብ ሸለቆታትን ምችው ኣየር ዘለዎን ከባቢታት ኢትዮጵያ ምውህላሉ መጠን ትነት ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም። ዋና መውህለሊ ማይ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብሙቐት ክባኸን ዝኽእል ብዝሒ ማይ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ፣ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዝልቀቕ መጠን ማይ ዘተኣማምንን ዝተረጋገዐን ከምዝኸውን ይገብሮ ምህላዉ ገሊጾም፡። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2005 ኣብ ግብፂ ሓያል ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን መሃንዲሳት እታ ሃገር 'ዌስተርን ስፒልዌይ' ዝበሃል መስመር ብምኽፋት ብቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ዝልካዕ ማይ ናብ ኣንፈት ሸለቆ ቱሽካ ከምዝቐይርዎ ኣዘኻኺሮም። እዙይ ድማ ዓቕሚ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ምውስኹ ኣብቲ ተፋሰስ ዘሎ ልዕሊ መጠን ዝኾነ ብኽነት ማይ ንምቕናስን ናይ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ መሰረተ ልምዓታት ንሓደጋ ውሑጅ ከይቃልዑ ንምክላኽልን ከምዘኽእል ብኣብነት ኣረዲኦም። ብሓፈሻ ኣብ ጎቦታትን ሾለቖታትን ኢትዮጵያ ዝእከብ ማይ ምውሳኹ ኣብ ግብፅን ሱዳንን በቢዓመቱ ዝባኽን ማይ ብዝለዓለ ኩነታት ንምቕናስ እውን ከም ዘኽእል ተዛሪቦም፡። ረብሓ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ማይ ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ እውን እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ገሊፆም። መሰረተ ልምዓታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ድልየት ውሽጢ ዓዲ ሓሊፎም ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ንፁሁን ብተመጣጣኒ ዋጋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም። ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ኢነርጂ ኣብ መንጎ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም። ካብዞም ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ተጠቃሚ ንምዃን ኣብ ሩባ ኣብ ሃባራዊ ተረባሕነት ምትእምማንን ዝተመሰረተ ጠንካተራ ምትሕብባር ክፈጥር ከምዘለዎ ኣይተ ፈቅ ኣተሓሳሲቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ
Aug 28, 2026 726
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ኢትዮጵያ ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላዉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቢሮ ተወከልቲ ግሎባል ፈንድ ኣፍሪካ ዶክተር ሄንሪ ፎሙንዳም ገሊፆም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ዝተኻየደ መበል 76ይ ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪካ ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን መራሕቲ ጥዕና ዝተሳተፉሉ መድረኽ፣ ኢትዮጵያ ብዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሒን ብዝተደገፈ ህንፀት ስርዓት ጥዕና ዓቕሚ ምክልኻል ሕማምን ሓኪምካ ምድሓንን ንኣፍሪካውያን ኣብነት ዝኸውን ፃዕሪ ትገብር ምህላዋ ተመላኺቱ እዩ። ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ልዕሊ 50 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ኣብ መፍረያይነት ሕርሻ፣ ምድላው መድሓኒትን ደሓንነት ኣየር ንብረትን ውፅኢት እናመዝገበት ምዃኑ ተገሊፁ፡። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ሄንሪ ፎሙንዳም ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ፅኑዕን ዘላቒን ውሕስና ዘለዎ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ምትሕብባር ወሳኒ እዩ። ፍልጠት ኣፍሪካውያን፣ ተፈጥሮኣዊ ፀጋን እኹል ሓይሊ ሰብን ስርዓት ምሕደራ ፋይናንስ ብምዘማን ናይ ባዕሎም ጠንካራ ትካላት ጥዕና ንምፍጣር ከምዘኽእሎም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ምስ ለውጢ ኣየር ንብረት ተተሓሒዞም ዘጋጥሙ ፀገማት ጥዕና ብምቕናስ መጠን ብሂወት ምንባር ዜጋታት ከምዘመሓይሽ ተዛሪቦም። በዙይ እውን ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምላይ ኣሰር ኣፍሪካዊት ግንባር ቀደም ሃገር ብምዃን ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ትገብር ምህላዋ ገሊፆም። ኣፍሪካውያን ስርዓት ጥዕናኦም ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ንምህናፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝህሎዎም ምትሕብባር ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ እምበር ናይ ወሃብን ተቐባልን ጥራሕ ክፈቕዱ ከም ዘይግባእ ኣገንዚቦም፡፡
መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ እዩ
Aug 10, 2026 1533
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ) መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ ከም ዝኾነ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኢንስቲትዩት ፈፃሚ ስራሕ መራሒ ስራሕ ካርታ ቴዎድሮስ ካሳሁን ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብሳይንሳዊ ቴክኖሎጂ ጂኦስፓሻል፣ብጂፒኤስ (GPS)ን ብትንተና ምስሊ ሳተላይትን ምስጋፍ ብምጅማሩ ኣብ ፅሬትን ውፅኢታውነት ሓበሬታታት ልዑል ለውጢ ኣምፂኡ እዩ። ቴክኖሎጂ ጂኦስፓሻል ብዋናነት ኣበይ፣ከመይን መዓዝን ዝብሉ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ብትኽክል ንምምላስ ከም ዝሕግዝ ተዛሪቦም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጥራሕ 291 ሽሕ ሄክታር መሬት ሙሉእ ብሙሉእ ብጂፒኤስ ተለኪዑን ስፍሓት እቲ ቦታ ተሰሊሑን ከም ዝተዳለወ ኣረዲኦም። እዚ ኣሰራርሓ ቅድሚ ሕዚ ንዝረኣዩ ዝነበሩ ምድግጋምን ምስሕሓትን ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ዘትረፈ እዩ ኢሎም። ሕዚ ተግባራዊ ብዝተገበረ ኣሰራርሓ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቢሮ ምስ በፅሐ ብሳተላይት ምስሊ ከም ዝረጋገፅ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተመረፁ ቦታታት ሰብ ሞያ ብኣካል ብምርካብ ስራሕቲ ምርግጋፅ ንክሰርሑ ከም ዝተገበረ ሓቢሮም። ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ሽቶ ከም ዘይኮነ ብምሕባር፤ ስራሕ ትንተና ዝተተኸሉ ፈልስታት ከም ዝዓበዩን ሓምለዋይነት እቲ ከባቢ ከም ዝቐየሩን ንምክትታል ቴክኖሎጂ ርሕቐት (Remote Sensing) እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኢንስቲትዩት ዘዳለዎም ክትትል ሓበሬታ ደኒ፣ዝራእትን ከተማን ሓዊሱ 10 ማእኸላት ብምጥቃም ሓበሬታታት ንወሃብቲ ውሳነን ሚኒስቴር ግብርናን ተበጻሒ እናገበረ ከም ዝርከብ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንዕዉትነት ጉባኤ ኮፕ 32 ሓባራዊ ምትሕብባሮም ከም ዘጠናኽሩ ገሊፆም
Aug 5, 2026 1207
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 29/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ 32) ብዓወት ንክሳለጥ ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ሎሚ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም። እቲ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምድላው ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ 32) ትኹረት ዝገበረ እዩ። ዓወት እዚ ዓብይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኣዳላዊት ኢትዮጵያን ዘሎ ምውዳድ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከም ዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም ምዝታዮም እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት።
ኢትዮጵያ ክብረወሰን ዝሰበረትሉን ዝሓሰበቶ ክትፍፅም ከም እትኽእልን ደጊማ ዘረጋገፅትሉ እዋን እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
Aug 4, 2026 1327
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ):- ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ 805 ነጥቢ 3 ሚልየን ፈልሲ ብምትካል ክብረወሰን ዝሰበረትሉን፣ ህዝባ ብሓባር ክወፍር እንተሎ ዓበይቲ ውፅኢታት ከምዘመዝግብ ደጊማ ዘርኣየትሉን ግዘ እዩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መዛዘሚ መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብሓንቲ ፀሓይ ከም ዝገለፅዎ፥ እቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርሃ-ግብሪ 26 ሚልየን ዜጋታት ብድልየት ተሳቲፎም፣ ንወለዶ መፃኢ ተስፋ ዝኸውን ታሪኻዊ ተግባር ፈፂሞም ። እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ክሰርሑ እንተለዉ ክጭበጥ ዝኽእል ዓብዪ ውፅኢት ንዓለም ብተግባር ዘርአየ ተግባር እዩ ኢሎም። 26 ሚልየን ዜጋታት ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ከይሓተቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝናብ ሙሉእ መዓልቲ ብምስራሕ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ብቐሊሉ ክድገም ዘይኽእል መርአያ ሃገራዊ ዓቕሚን ሓድነትን እዩ ክብሉ ኣስሚሮምሉ። ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ምስታፎም ጠንካራ መርኣያ ሃገራዊ ሓድነት ምዃኑ ብምፅራሕ፥ ዓበይቲ፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ዜጋታት ጉድኣት ኣካልን ካልኦትን ብሓባር ንሃገሮም ዘርኣይዎ ቆራፅነት ዓብዪ ተስፋን ሞራልን ዝሃበ እዩ ኢሎም። ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 6 ነጥቢ 5 ቢልየን ፈልሲ ከም ዝተተኸለ ገሊፆም። እቲ ዝተረፈ 1.5 ቢልየን ፈልሲ ድማ ኣብተን ዝተረፋ ኣዋርሕ ክትከል ምዃኑ ኣመልኪቶም ። እዚ ድማ ንሓፈሻዊ ዓመታዊ ዕላማ መርሃ-ግብሪ ንምዕዋት ጠንካራ መሰረት ዝገበረን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ዳግማይ ዘረጋገፀን ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ምድላው ፈልሲ፣ ምድላው ጉድጓድ፣ ብጂኦ-ሎኬሽን ቴክኒካዊ ደገፍ፣ ኣብ ፀብፀፃብ ሓበሬታን ኣብ ተኸላ ስራሕን ዝተሳተፉ ኩሎም ዜጋታት ካብ ልቢ ዝመንጨወ ምስጋና ኣቕሪቦም። ኣብ መፃኢ እዋን እውን እቲ መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተመሳሳሊ ደረጃ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ምትሕብባርን ቆራፅነትን ብምቕፃል ሃብታም፣ ሓምለዋይን ዘላቒን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኩሎም ወገናት ብሓባር ክቕፅሉ ፀዊዖም።
ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Aug 3, 2026 1193
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። እቲ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓ ብዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሙሉእ መልእኽቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡- እንትንተሓባበር ምፍፃም ከም ንኽእል ደጋጊምና ንዓለም ዘርኣናሉ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሎሚ እውን ብዓወት ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ። መንግስቲ ዘላቒ ረብሓ እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዘድልዩ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት እንተቕምጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ሃገራዊ ድሌቱ ብሓባራዊ ተበግሶ ጋህዲ ናይ ምግባር ልምምድ ዘበናት ዘለዎ እዩ። ብፍላይ ድማ መንግሥቲ ንሓምለዋይ ልምዓትን ሃሀራዊ ልዕልናን ንዘቕርቦ ፃውዒት እቲ ህዝቢ ብዝለዓለ ተሳትፎ ምላሽ ናይ ምሃብ ቆራፅነቱ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብነት ዝኸውን እዩ። መንግሥቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝባደሙ ከባብታት ብብርቱዕ ኣእዳው ደቃ ንክሕከሙ፣ እናተስፋሕፈሐ ዝመፀ ድርቅን በረኻነትን ብዘላቕነት ንክግታእን ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንባርን ዝተሃነፀ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምዃን ግልፅን ፅኑዕን ቅዋም ብምሓዝ ፃውዒት ከቕርብ ፀኒሑ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ተሳትፎ ህዝብን ብመሪሕነት መንግስትን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጋህዲ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ምድሮም ምልባስ ባህሎም ገይሮሞ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጥራሕ ብጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም እዮም። ሎሚ ዓመት እውን ኣብ 8ይ ዓመት እቲ ጎስጓስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብቲ ክረምቲ ብሓፈሻ ድማ 8 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል መንግስቲ ቆራፅ ቅዋሙ ብዕሊ ኣፍሊጡ እዩ። ንሃገራዊ ፃውዒት መንግስቲ ቅኑዓት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን እውን ነቲ ፃውዒት ብሙሉ በዓል ዋንነት ተቐቢሎም ንዕውትነቱ ልዑል ርብርብ ገይሮም እዮም። በዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል እቲ ዝተሓሰበ ሽቶ ልዕሊ ትልሚ ኣዐዊቶሞ እዮም። እዚ ድማ መንግስትን ህዝብን እንትተሓባበሩ እንታይ ክሰርሑ ከም ዝኽእል ዘርኢ፣ ዝኾነት ኣብ ዓለም ዘላ ሃገር ክተዕውቶ ዘይትኽእል ዓብይ ዓወት እዩ።እዚ ውፅ ሊት ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያን ስትራቴጂካዊ ቅዋም መንግስትን ኣብ ሓደ ኣንፈት ከም ዝርከቡ መረጋገፂ እዩ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ቁሪ፣ ዝናብን ፀሓይን ከየሰኮኖም መሬት ከልምዑ ውዒሎም፤ በዚ ፅኒዕ ምንቅስቓስ እውን ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም። ኢትዮጵያ ብደቃ ኮሪዓ እያ፤ መንግስቲ እውን ልዑል ቆራፅነት እቲ ህዝቢ ኣብ ዝረኣየሉ ኣብዚ ታሪኻዊ ፍፃመ ልዑል ኩርዓትን ክብርን ይስንዖ። እዚ ድማ መንግሥቲ ነዚ ዓብይ ህዝቢ ብዝበለፀ ሓላፍነትን ተኣማንነትን ናይ ምግልጋል ፅኑዕ እምነቱ ንከጠናኽር ተወሳኺ ጥንካረ ኮይንዎ እዩ። ክቡራት ኢትዮያውያን፣ክቡራት ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣካላት ዲፕሎማቲ ማሕበረሰብን ሎሚ መዓልቲ እዚ ሃገራዊ ራኢ ብሓባር ጋህዲ ምግባር ንክንኽእል ንዝገበርኩሞ ልዑል ርብርብ መንግስቲ ብሽም ኢትዮጵያ ዝለዓለ ምስጋና የቕርብ። ሓፈሻዊ ትልሚ ተኸላ 8 ቢልዮን ፈልስታት እቲ ክረምቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕዋት ዝተጀመረ ሃገራዊ ተሳትፎን ፅኑዕ ቅዋምን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ። 27 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ኣሎ
Aug 3, 2026 657
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ከምዘሎ ዋና ስራሕ ፈፃሚ እቲ ትካል ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም። "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊዮን ፈልሲታት ካብ ንግሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ተኻይዱ። ኢዜኣ ምስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲን ኣመራርሓ ወረዳ 6ን ብምዃን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ። ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ትካል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ.ም ንሳልሳይ ግዜ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ እዩ። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ተካል ከምዝተሳተፉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ነቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ስራሕቲ ምክንኻን ከምዝሰራሕ ተዛሪቦም። ኢዜኣ ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ስራሕ ፈፃሚ ወረዳ 6 ኣይተ ኣለማየሁ መርጋ ብወገኖም፤ ነባሪ እቲ ወረዳ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብንቕሓት ክሳተፍ ከምዝፀንሐ ገሊፆም። ነበርቲ እቲ ወረዳ በቢእዋኑ እዋን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብሩዎ ተሳትፎ እናዓበየ ምምፅኡ ዝሓበሩ ኣይተ ኣለማየሁ፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ነዙይ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም። ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዝለዓለ ምንቕቓሕ ተጀሚሩ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ወፂኡ ክተክል ከምዝወዓለ ዝተዛረባ ድማ ናይቲ ክፍለ ከተማ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ቅድስት ንጋቱ እየን።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ኮይና ኣላ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Aug 3, 2026 290
ኣዲስ ኣበባ/27 ሓምሌ /2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ከም ዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ታሪኻዊ ዓወት ከም ዘመዝገበት ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ሃገርና ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንመላእ ኣፍሪካ ዓብይ መርኣያ ኮይና እያ ኢሎም። በዚ ድማ ኣብቲ ድሙቕ ጎስጓስ ተኸላ ፈልሲ 26 ነጥቢ 2 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፉ ገሊፆም። ኢትዮጵያውያን ንዘርኣይዎ ርብርብን ቆራፅነትን ዘለዎም ናእዳ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ናይ ሓንቲ ፀሓይ ተሳትፎ 291 ነጥቢ 4 ሽሕ ሄክታር መሬት ሓምለዋይ ኣሰር ምልባስ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ሚኒስትር ግብርና ባዲሱ ኣረጋ
Aug 3, 2026 421
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ኣፊሱ ኣረጋ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 2018 ዓ/ም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስትታት ከም ዝትርተኸሉ ኣፍሊጦም። እዚ ድማ 96 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከም ዝተተኸለ ብምግላፅ፤ 24 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሐዚ 700 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም - ሚኒስትር እናትኣለም መለሰ
Aug 3, 2026 321
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሐዚ 700 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኽሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ገሊፀን። ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተካየደ ይርከብ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ክሳብ ሐዚ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኽሉ ገሊፀን። ከምኡ እውን 22 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተሳትፎ ምግባሩን ኣብ 256 ሺሕ ሄክታር መሬት ኣሰሮም ከም ዘዕረፉን ኣመላኺተን።
ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ
Aug 3, 2026 132
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ ከም ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም። “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰሮም እናንበሩ እዮም ዝርከቡ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ንምዕባይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ ኢሎም።
ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና - ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ
Aug 3, 2026 141
ሰመራ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ዶብ ሃገርና እናሓለና ንወለዶ ዝሰጋገር ኣሰርና ብሓባር ኣንቢርና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛሪቦም። ኣመራርሓን ኣባላትን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ተሳቲፎም። መራሒ ስራሕ ፋይናንስ እዚ ሰሜን ምብራቕ ኮሎኔል ብርሃን ጥላዬ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገራዊ ልእኽቶኡ ካብ ምውፃእ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ልምዓት እናተሳተፈ ይርከብ። ብፍላይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሕብረተሰብ ዓብዪ ረብሓ የጎናፅፍ ብምህላዉን ንወለዶ ዝሰጋገር ተግባር ብምዃኑን እጃሞም እናተዋፅኡ ምዃኖም ኣብሪሆም። ሓላፊ ሚዲያን ርክብ ህዝብን እዚ ሰሜን ምብራቕ ሻለቃ ፀጋዬ ገብሬ ብወገኖም፤ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኩሎም ወሰናት እታ ሃገር ህዝባዊ ውግንናኡ ብምርኣይ ግቡኡ እናተዋፀአ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ጎና ጎኒ ዶብ ሃገር ምሕላው እውን ንሕብረተሰብ ዓብዪ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ዘምፅኡ ስራሕቲ ልምዓት ኣሰሮም እናኣንበሩ ምዃኖም ገሊፆም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብምስታፍ ኣሰረን ዘዕረፋ ምክትል ሓለቓ ሚኢቲ ሃና ተካ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዜጋታት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ስራሕቲ ብምስታፍ ህዝባዊ ውግንናኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን፡፡ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብምስታፍ እታ ሃገር ዝሓዘቶ ስራሕ ምክልኻል ለውጢ ኣየር ንብረት ብምሕጋዝ ናይ ባዕለን ግደ እናተዋፅኣ ምዃነን እውን ገሊፀን። እቲ መርሃ ግብሪ ፅልዋ ኣየር ንብረት ንምፅዋርን ንምቕናስን ዘለዎ ረብሓ ዓብዪ ስለዝኾነ ኣብቲ ተኸላ ፈልሲ ኣሰሮም ከም ዘዕረፉ ዝገለፁ ድማ ምክትል ዓሰርተ ሓለቓ መሐመድ ዛኪር እዮም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓድነት ንምጥንኻር ኣርኣያ ዝኾነ ኸይዲ እዩ
Aug 3, 2026 155
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓድነት ንምጥንኻር ኣርኣያ ዝኾነ ኸይዲ እዩ ክብሉ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ገሊፆም። ተመኻኸርቲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ተሳቲፎም። ኣብዚ እዋን እቶም ዋና ኮሚሽነር ከም ዝበልዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ምትካል ፈልስታት ዝሓለፈ ተግባር እዩ። ኣብቲ ምኽክር ምዝራብን ምድምማፅን እናስፈንና ሓሳባት እናተከልና ኢና ዝበሉ ፕሮፌሰር መስፍን፣ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ሓሳብ ንምትካል፣ ሓድነትን ሓባራዊ ሃገር ንምህናፅን ኣርኣያ ከም ዝኸውን ገሊፆም፡።
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ - ርእሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)
Aug 3, 2026 345
ወልቂጤ ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ከም ዝተኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ተዛሪቦም። ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ካብ ንግሆ ጀሚሮም እናተሳተፉ ይርከቡ። በዙይ እውን ርእሰ ምምሕዳርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስት እቲ ክልልን ኣብ ዞባ ጉራጌ ፍሉይ ወረዳ ቀቤና ጣብያ ፈረጀቴ ኣብ ተፋሰስ ሬቡ ብምርካብ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም እዮም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ተኻኢሉ እዩ። ዝትከሉ ፍራምረን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎምን ፈልስታትን ተፈጥሮ ብምሕላው ውሕስነት ምግቢ ብምርግጋፅ ዓወት እናመዝገቡ ምዃኖም እውን ወሲኾም ገሊፆም።
ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሎሚ ወለዶ ምስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ብሓለዋ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር ሓባራዊ ሓደራ እዩ - ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
Aug 3, 2026 159
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሎሚ ወለዶ ምስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ብሓለዋ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር ሓባራዊ ሓደራ እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም። ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተካየደ እዩ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣሰሮም ኣንቢሮም ። እቶም ኣፈ-ጉባኤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ፍልልያት ንላዕሊ ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ብሓባር ደው ዘብልን ዘራኽብን ሃገራዊ ወፍሪ ምዃኑ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን እቲ መርሃ ግብሪ ብብርኪ ዓለም ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ ቆራፅነት ዘመላኽት እናዀነ ምምፃኡ ኣመላኺቶም። እቶም ኣፈ ጉባኤ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ናይቲ መርሃ ግብሪ መወዳእታ ዓወት ከም ዘይዀነ ብምግላፅ፣ ድሕሪ ተኸላ ንፈልስታት ብኣግባቡ ምሕብሓብ፣ ምሕላውን ናብ ፍረ ምብፃሕን ንዘላቒ ዓወት እቲ መርሃ ግብሪ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ እናርከበ እዩ
Aug 3, 2026 111
ጅግጅጋ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ክልል ሶማሌ ምብዳም መሬት ብምክልኻል ዝልዓለ ረብሓ የርክብ ምህላዉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ኢብራሂም ኡስማን ገሊፆም። ኣብቲ ክልል ’’ተስፋ ንትከል’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተካየደ ይርከብ። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተሳለጡ ተግባራት ዘበረታትዑ ውፅኢታት እናተረኸቡ ምህላዎም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብቲ ክልል ምብዳም መሬትን ምሸርሸር ሓመድን ብምክልኻል መፍረያይነት ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ኢሎም። ሽፋን ኣግራብ ብምዕባይ ፅልዋ ለውጢ ኣየር ንብረት ኣብ ምክልኻል ዘበረታትዕ ውጽኢት እናተመዝገበሉ ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ጉዕዞ ብልፅግናና እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Aug 3, 2026 138
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ጉዕዞ ብልፅግናና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ሓደ ሰሙን ወፍሪ ወይ ናይ ሓፂር እዋን ሸቶ ኣብ ግምት ዘእተወ ነፀላ ስጉምቲ ዘይኰነስ፣ ከም ሃገር ኣካል ጉዕዞ ምብልፃግን ኩለመዳያዊ ዕብየትን እዩ ኢሎም። ስልጣነ ውፅኢት ነፀላ ተግባር ብዘይምዃኑን ዕቤት ሓደ ዓውዲ በይኑ እውን ስለዘየሰልጥንን፣ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኣካል ዓብዪ ሃገራዊ ዕላማን ካልእ መሰረት ስልጣነን ምዃኑ ኣመላኺቶም። ስልጣነ ኣብ ባዶ ኣየር ከም ዘይህነፅን ጠንካራ መሰረት ከም ዘድልን ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መሰረት ኸይፀንዐ ዝህነፅ ነገር ብቐሊሉ ፈራሲ ከም ዝዀነን ከም ዘይዘልቕን ተዛሪቦም። ዘበናት ዝሳገር ስልጣነ ብዕመቆት ሰረቱ ከም ዝፍለጥ ብምግላፅ፣ ናይ ሎሚ ሓምለዋይ ኣሰር ልክዕ ከም ልምዓት ኢነርጂ፣ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ህንፀት ኽእለት ወዘተ ካብቶም ብዙሓት መሰረታት ስልጣነ እቲ ሓደ ምዃኑ ኣብሪሆም። ብተወሳኺ እውን ንጠንካራ ስልጣነ ኣገዳስነት ዘላቕነት ስነ-ምህዳራዊ ኣስሚሮምሉ እዮም። ህንፀት ሃገረ-መንግስታዊ ንምጥንኻር ትካላት ከም እንሃንፆ፣ ሓድነትና ንምጥንኻር ኣብ ሃገራዊ ዕርቅን ምይይጥን ከም ንረባረቦ፣ ኣብ ኢኮኖሚና መዋቕራዊ ስግግር ንምምፃእ ኣብ ኢንዱስትሪን ዲጂታል ዓወድታትን ከም ነትኩሮ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳራዊ ልህቀት ከም ንሰርሖ ኵሉ፤ ስነ-ምህዳራዊ ዘላቕነት ንምምፃእ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ምስራሕ ከም ዝግባእ እውን ኣገንዚቦም። ሕብረት እንተዘይተሃልዩ፣ ኢኮኖሚያዊ መዋቕራዊ ስግግር እንተዘይተኻይዱን ህንፀት ሃገረ-መንግስቲ እንተዘይጠንኪሩን ስልጣነ ከም ዘይዕወትን ከም ዘይቕፅልን ኵሉ፤ ስነ-ምህዳራዊ ዘላቕነት እንተዘይመፂኡ እውን ስልጣነ ክቕፅል ከም ዘይኽእልን ምጉዳል እቲ ሓደ ንስልጣነ ምሉእ ከም ዘይገብሮን ጠቒሶም። ጠቕላይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) "ተስፋ ብምትካል መሰረትና ነፅንዕ" ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብቲ ክልል ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ኣለሚቱ ኡሞድ
Aug 3, 2026 90
ጋምቤላ/ሓምለ 27/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን። “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክልል ጋምቤላ ይሳለጥ ኣሎ። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ስራሕቲ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ብምጥንኻር ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለወይ ኢኮኖሚ ክንሃንፅ ይግባእ ኢለን። ንዕዉትነት ሎሚ መዓልቲ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እውን ተሳትፎ ህዝቢ እቲ ክልል ንክጠናኸር ሓቲተን።