ሓለዋ ኸባቢ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለዋ ኸበቢ
ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ክትሰርሕ እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Sep 23, 2026 982
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። “ምትእምማን ዳግማይ ምህናፅን ሓደሽቲ ለውጥታት ብኣግባቡ ምምራሕን፣ ንኹሉ ዝሰርሕ ውሕመ ምፍጣር” መሪሕ ሓሳብ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ። ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ከም ተዳልው ሓቢሮም። ኮፕ 32 ዓውዲ ውልቀን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን ሓዊሱ ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ኢትዮጵያ ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ተዛሪቦም። ኩሎም መራሕቲ ዓለም ኣብ ጉባኤ ኮፕ 32 ንክሳተፉን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ኣሰሮም ንከዕርፉን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ
Sep 19, 2026 1585
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 9/2019 (ኢዜአ): - ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ክስተት ኤልኒኖ ብዓለም ለኸ ብርኪ ልዑል ወሰኽ ሙቐትን ምዝባዕ ኣየር ንብረትን ከምዘስዕብ ኣፍሊጡ። እዚ ክስተት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝለዓለ ደርቂ፣ ኣብ ካልኦት ድማ ዝለዓለ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓበሬታታት የመልኽቱ። ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣይዱሩስ ሓሰን ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፣ ኤልኒኖ ቅድም ኢሉ በቢዓሰርተን ሓሙሽተ ዓመታት ተደጋጋሚ ክስተታት ኣርእዩ እዩ። ቅድሚ ሐዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ኤልኒኖ ብርክት ዝበሉ ትምህርቲታት ከም ዝተወስዱ ገሊፆም። ሓበሬታታት ዓለም ለኸን ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያን ከም ዘመላኽትዎ፣ ኣብ 2018/19 ዓ.ም. ሓዱሽ ክስተት ኤልኒኖ ከጋጥም ትፅቢት ይግበር። ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ፀቕጢ ንምንካይ ዘኽእሉ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው የካይድ ኣሎ ኢሎም። እቲ ትካል ንእዋናዊ ፀገማት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ዝፈትሑሉ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ከም ዝርከብ እውን ኣፍሊጦም፡፡ ብብርኪ ሃገር ንክስተት ኤልኒኖ ዘሎ መጠን ተቓላዕነት ንምፍላይ፡ ምምንካይን ንምፅዋርን ስትራተጂ ምድላዉ እውን ገሊፆም። ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ዘጋጥሙ ጉዳኣታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብመተሓባራይነት እቲ ኮሚሽን ካብ ፈደራል ክሳብ ታሕተዋይ መዋቕር ምስ ዘለዎ ትካላት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም።
ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ኣሎ
Sep 17, 2026 1400
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 7/2019 (ኢዜኣ)፦ ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ምህላዉ ኮሚሽን ምምሕዳር ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ። በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ድልዉነት ኤልኒኖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ ዞባዊ ዝለዓለ መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣይድሩስ ሓሰን ኣብዚ እዋን፤ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ ካብ ዝግበር ርብርብ ንላዕሊ ኣብ ትንበያ ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ተመርኪስካ ዝውሰድ ስጉምቲ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ቅድመ ትንበያ ሓደጋ፣ ኣብ ድሉውነት ቅድመ ምክልኻልን ኣብ ቅፅበታዊ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን ውፅኢታዊ ዓቅሚ ድሉውነት ኣብ ምህናፅ ብትኹረት ይሰርሕ ምህላዋ ተዛሪቦም። ብፍላይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ሓደጋ ግንዛበ ብምዕባይ ዝተፈላለዩ ዓውድታትንን መዳርግቲ ኣካላትን ዘካተተ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምቕራፅ ተግባራዊ እናገበረ ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡ ፈንድ ምላሽ ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ንቅድመ ድሉውነትን ግምገማን ዝኸውን ምቹው ዓቕሚ ብምፍጣር ማዕቀፍ ፋይናንስ ይህብ ምህላዉ ገሊፆም። ኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)እውን ካብ ተግባር ብምቕዳም ዓቕሚ ምላሽ ሓደጋ ዘዕቢ መተሓላለዊ ኣሰራርሓ ፋይናንስ ክዝርግሑ ከምዘለዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።
በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ 17 መፃሕፍቲ ብራና ንሸውዓተ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣረኪቡ
Sep 15, 2026 941
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ካብ ኣሜሪካ ዝተመለሱ 17 መፃሕፍቲ ብራና ንሸውዓተ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣረኪቡ፡፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረከቡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ከምዝበልዎ፤ ንስራሕቲ ምምላስ ሓድጊ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ብዝተገበረ ፃዕሪ ብዙሓት ሓድግታት ምምላስ ተኻኢሉ እዩ። ሎሚ ክቡራት ሓድግታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገር ዝተመልሱሉ ዓብዪ መዓልቲ ምዃኑ ብምሕባር፤ ካልኦት ሓድጋታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፅልን ኣብ ዝቕፅል እውን ብዙሓት ሓድግታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገር ውሽጢ ከምዝኣትዉን ኣመላኺቶም። ኣተሓሒዞም እውን እቶም ሓድግታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ፃዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ብወገኖም፤ ካብ ኢትዮጵያ ወፂኦም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ሓድግታትን መፃሕፍትን ካብ ዝተፈላለዩ አካላት ተኣኪቦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግበር ኣሎ ኢሎም። ብመሰረት እዙይ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ካብ 67 ንላዕሊ ሓድግታት ናብ ሃገር ምምላስ ምኽኣሉን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰራሐ ገሊፆም። ሎሚ ዝተመልሱ መፃሕፍቲ ብራና ምስክራት ፍልጠት ታሪኽ ነዊሕ ዘመን ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣመላኺቶም። ኣባል ኮሚቴ መምለሲ ሓድጊ ዶክተር ኣሉላ ፓንክኸርስት ብወገኖም፤ እዞም 17 መፃሕፍቲ ብራና ብሓደ ምምላሶም ነቲ ፍፃመ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምግላፅ፣ ንዝተመልሱ ሓድግታት ፍሉይ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ አካላትን ጉጅለታትን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። እቶም ዝተመልሱ መፃሕፍቲ ብራና ዝተረከቡ ሸውዓተ ትካላት፦ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ፣ ኤጀንሲ ብሄራዊ መዛግብትን ቤተ መፃሕፍትን ኢትዮጵያ፣ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ፣ ትካል መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያ፣ ማሕበረ ቅዱሳን፣ ሴሚናሪ መካነ ኢየሱስን ኣካዳሚ ሃይሌ ማናስ እዮም።
ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዝፃወር ሓምለዋይን ዘላቒን ስርዓት ትራንስፖርት ንምህናፅ ብቆራፅነት ትሰርሕ ኣላ
Sep 15, 2026 644
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዝፃወር ሓምለዋይን ዘላቒን ስርዓት ትራንስፖርት ንምህናፅ ብቆራፅነት ትሰርሕ ከም ዘላ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ነዚ ዝገለፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ኖርዲክ-ኣፍሪካ ኤሌክትሪክ ተሽከርካሪ (Nordic Africa EV Summit) ተረኺቦም ኣብ ዘስመዕዎ መደረ እዩ። ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፣ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓምለዋይን ንለውጢ ኣየር ንብረት ዝፃወርን ስትራቴጂ ልምዓት ማእኸል ሃገራዊ ትልሚ ልምዓታ ገይራ እናሰርሐት ትርከብ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምስፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይሊን ፃዕሪታት ትሑት ካርቦን ዘለዎ ኢኮኖሚ ምህናፅ ናይዚ ቆራፅነነት መርኣያ ምዃኖም ኣብርሂም። ዓውዲ ትራንስፖርት ካብ ካርቦን ናፃ ምግባር ንህንፀት ዘላቒ ኢኮኖሚ ካብ ዝሳለጡ ዋና ዋና ተግባራት ሓደ ምዃኑ ብምሕባር፤ ነዚ ውሳነ ናብ ተግባር ንምቕያር ትራንስፖርት ኤሌክትሪክ ህዝቢ ፣ ኮሪደር ሓምለዋይ ከተማታትን ስርዓት ፅሩይ ኣየር ትራንስፖርት ምስ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣተኣሳሲራ ትሃንፅ ምህላዋ ገሊፆም። ሽግግር ትራንስፖርት ኤሌክትሪክ ንሓለዋ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢኮኖሚያዊ ትራንስፎርሜሽን፣ ንውሕስና ሓይሊ፣ ንፈጠራ ቴክኖሎጂን ንምምሕያሽ ፅርየት ሂወት ዜጋታት ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ጠቒሶም። ተሽከርከርቲ ጥራሕ ናብ ሃገር ምእታው ምህዳር ትራንስፖርት ኤሌክትሪክ ሙሉእ ንሙሉእ ክፈጥር ከምዘይኽእል ብምሕባር፤ ሙሉእ ውፅኢት ንምምዝጋብ መሰረተ ልምዓታትንን ኣሰራርሓታትን ምምላእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። በዙይ ድማ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓታት ቻርጅ መግበሪን ምዝርጋሕ ዲጂታል ኣሰራርሓን፣ ኩለመዳያዊ ስታንዳርዳት ምድላው፣ ዝሰልጠነ ዓቕሚ ሰብ ዓቕሚ ምፍራይ (ኢንጂነራትን ቴክኒሻናትን) ከምኡ'ውን ባትሪታት ደጊምካ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ስርዓት ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ጠቒሶም። ስለዝኾነ ዝተዋደደ ስርዓት ምህናፅ፣ ካብ ሸማትነት ቴክኖሎጂ ናብ ዓቖዒ ውሽጢ ሃገር ምህናፅ ምሕላፍ ከምኡ'ውን ዞባውን ኣህጉራውን ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝገእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ተኸላ ፈልሲ ብምክያድ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኣሳሊጦም
Sep 10, 2026 1108
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ብምዃን ብሓባር ተኸላ ፈልሲ ብምክያድን መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ሓመለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከም ዘሳለጡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ምዝዛም ተኸላ ፈልሲ 2018 ዓ/ም እንትነብስር ዝተተኸለ ሕድ ሕድ ፈልሲ ህያው ምልክት ሕብረትና፣ሕዳሰናን ዘላቒ ዕቤትናን ከም ዝኾነ ብምዝካር እዩ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ። ብፅኑዕ ሓድነትናን ሓባራዊ ፃዕርናን ዝተሃነፀት፣ዝማዕበለትን ብሩህትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ሙሉእ ተስፋ ሰኒቕና ንቕድሚት ክንግስግስ ኢና ክብል እውን ገሊፁ።
ኣፍሪካ ንለውጢ ኣየር ንብረት መፍትሒ ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ይግባእ — ክላቨር ጋቴቴ
Sep 7, 2026 1181
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 2/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ ዘተታትን መፍትሒታትን ለውጢ ኣየር ንብረት ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ገሊፆም። መበል 14 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረትን ልምዓትን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ "ካብ ቃል ተስፋ ናብ ተግባር፤ ፍኖተ ካርታ ቤሌም-አንታልያ-ኣዲስ ኣበባ" ብዝብል መሪ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ብከላ ኣየር ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ኣርባዕተ ሚኢታዊ (4%) ጥራሕ እንተኾነ እውን ዝለዓለ ሳዕቤን እቲ ችግር ትሸከም ኣላ። ኮይኑ ግና እዚ ሓቂ ንኣፍሪካ ታሪኽ ተጎዳእነት ጥራሕ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይብሉ ብምግላጽ፤ ኣፍሪካ ዘለዋ ዝለዓለ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ሃፍቲ ማዕድን፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰብን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋን ብምጥቃም ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ መፍትሒታት ብምሕንፃፅ ዝለዓለ ግደ ክትፃወት ከምዘለዋ ገሊፆም። ኣፍሪካ ከም ኣቖፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ዝተቐመጡ ሽቶታት ኣየር ንብረት ንምትግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 277 ቢሊዮን ዶላር ዘድልያ እንተኸውን፣ ትረኽቦ ዘላ ግን ካብቲ ዘድልያ 11 ሚኢታዊ ጥራሕ ምዃኑ ገሊፆም። ስጉምትታት ኣየር ንብረት ምስ ተበፃሕነት ሓይሊ፣ ልምዓት ኢንዱስትሪ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተኣሳሲሮም ክሳለጡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ልዕሊ 600 ሚሊዮን ኣፍሪካውያን ሕዚ እውን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዘይረኸቡ ብምዃኖም ምሰፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ መሰረት ኢኮኖሚ ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡።
ኣብ ኣፍሪካ ሓደጋታት ንምፅዋር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ
Sep 2, 2026 1494
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ። ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ዞባ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሃና ኣበበ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፎረም ቅድመ መጠንቀቕታ ኣፍሪካ እዋናውን ግቡእን እዩ። ኣፍሪካ ብምኽንያት ምዝባዕ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ድርቂ፣ውሕጅን ካልኦት ሓደጋታትን ብተደጋጋሚ እናተኣናገደት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ውሽጣዊ ዓቕሚ ፋይናንስን ትካላዊ ሓድነትን ምጥንኻር ከም ዝግባእ ተዛሪበን። ኣብ ኣፍሪካ ምዝባዕ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ንምፅር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ኣብ ምትሕብባር መሰረት ዝገበረን ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ እውን ኣረዲአን። ኢትዮጵያ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣካል ብሄራዊ ትልሚ ልምዓታ ከም ዝገበረት ብምሕባር፣ ኣብ መንጎ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ቴሌኮሙኒኬሽን፣ፋይናንስን ካልኦት ትካላትን ጠንካራ ምትሕብባር ምፍራጥ ይግባእ ኢለን። ዝኾነት ሃገር በይና እቲ ስትራቴጂ ቅነሳ ሓደጋ ውፅኢታዊ ምግባር ከም ዘይትኽእል ብምሕባር፣ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላትን ኣብ ኩለመዳያዊ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ብሓብር ንምስራሕ ቆራፅ ከም ዝኾነት ገሊፀን።
ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ እዩ - ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ
Sep 1, 2026 1272
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣጠቓቕማን ኣተሓሓዛን ማይ ግብፂ ንዝለዓለ ብኽነት ዝተቓለዐ ምዃኑ ተመራማሪ ሃፍቲ ማይን ነበር ኣባል ጉጅለ ሰልስቲኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ገሊፆም። ኣይተ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣካቢ ጉጅለ ኣማኻሪ ዶብ ተሻገርቲ ማያትን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ (GERD) ፣ ከምኡ’ውን ዋና ዳይሬክቴር ኣህጉራዊ ኮሜቴ ቴክኒክ ምብራቕ ናይልን እዮም፡፡ እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ጉባታትን ዓሚቝን ሸለቆታት ኢትዮጵያ ማይ ንምሓዝ ኣዝዮም ምቹዋት ምዃኖም ገሊፆም። ኣብዞም ዝሑላት ኣከባቢታት ማይ ምውህላሉ ንሃገራት ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ዝጠቕም ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም። እዚ ኵነታት ኣብ ግብፂ ምስ ዝርከብን ኣብ በረኻ ከባቢ ብምህናፁ ዝለዓለ ትነት ማይ ምስ ዘጋጥሞ ግድብ ኣስዋን ብምንፅፃር ኣቕሪቦምዎ። ካብ ግድብ ኣስዋን ኣብ ዓመት ጥራሕ ካብ 15 ክሳብ 16 ቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከምዝተንን ከምዝባኽንን ኣልዒሎም። ማይ ኣብ ዓሚቝ ፣ ፀቢብ ሸለቆታትን ምችው ኣየር ዘለዎን ከባቢታት ኢትዮጵያ ምውህላሉ መጠን ትነት ንምቕናስ ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም። ዋና መውህለሊ ማይ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብሙቐት ክባኸን ዝኽእል ብዝሒ ማይ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ፣ ናብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዝልቀቕ መጠን ማይ ዘተኣማምንን ዝተረጋገዐን ከምዝኸውን ይገብሮ ምህላዉ ገሊጾም፡። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2005 ኣብ ግብፂ ሓያል ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን መሃንዲሳት እታ ሃገር 'ዌስተርን ስፒልዌይ' ዝበሃል መስመር ብምኽፋት ብቢሊዮን ኪዩቢክ ሜትር ዝልካዕ ማይ ናብ ኣንፈት ሸለቆ ቱሽካ ከምዝቐይርዎ ኣዘኻኺሮም። እዙይ ድማ ዓቕሚ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ምውስኹ ኣብቲ ተፋሰስ ዘሎ ልዕሊ መጠን ዝኾነ ብኽነት ማይ ንምቕናስን ናይ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ መሰረተ ልምዓታት ንሓደጋ ውሑጅ ከይቃልዑ ንምክላኽልን ከምዘኽእል ብኣብነት ኣረዲኦም። ብሓፈሻ ኣብ ጎቦታትን ሾለቖታትን ኢትዮጵያ ዝእከብ ማይ ምውሳኹ ኣብ ግብፅን ሱዳንን በቢዓመቱ ዝባኽን ማይ ብዝለዓለ ኩነታት ንምቕናስ እውን ከም ዘኽእል ተዛሪቦም፡። ረብሓ ምውህላል ማይ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ማይ ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ እውን እቶም ተመራማሪ ሃፍቲ ማይ ገሊፆም። መሰረተ ልምዓታት ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ድልየት ውሽጢ ዓዲ ሓሊፎም ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ንፁሁን ብተመጣጣኒ ዋጋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረኽባ ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም። ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ኢነርጂ ኣብ መንጎ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም። ካብዞም ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ተጠቃሚ ንምዃን ኣብ ሩባ ኣብ ሃባራዊ ተረባሕነት ምትእምማንን ዝተመሰረተ ጠንካተራ ምትሕብባር ክፈጥር ከምዘለዎ ኣይተ ፈቅ ኣተሓሳሲቦም።
መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ
Aug 28, 2026 1112
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ኢትዮጵያ ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላዉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቢሮ ተወከልቲ ግሎባል ፈንድ ኣፍሪካ ዶክተር ሄንሪ ፎሙንዳም ገሊፆም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ዝተኻየደ መበል 76ይ ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብቲ ሃገራት ኣፍሪካ ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን መራሕቲ ጥዕና ዝተሳተፉሉ መድረኽ፣ ኢትዮጵያ ብዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሒን ብዝተደገፈ ህንፀት ስርዓት ጥዕና ዓቕሚ ምክልኻል ሕማምን ሓኪምካ ምድሓንን ንኣፍሪካውያን ኣብነት ዝኸውን ፃዕሪ ትገብር ምህላዋ ተመላኺቱ እዩ። ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ልዕሊ 50 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ኣብ መፍረያይነት ሕርሻ፣ ምድላው መድሓኒትን ደሓንነት ኣየር ንብረትን ውፅኢት እናመዝገበት ምዃኑ ተገሊፁ፡። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ሄንሪ ፎሙንዳም ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ፅኑዕን ዘላቒን ውሕስና ዘለዎ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ምትሕብባር ወሳኒ እዩ። ፍልጠት ኣፍሪካውያን፣ ተፈጥሮኣዊ ፀጋን እኹል ሓይሊ ሰብን ስርዓት ምሕደራ ፋይናንስ ብምዘማን ናይ ባዕሎም ጠንካራ ትካላት ጥዕና ንምፍጣር ከምዘኽእሎም ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምላይ ኣሰር ምስ ለውጢ ኣየር ንብረት ተተሓሒዞም ዘጋጥሙ ፀገማት ጥዕና ብምቕናስ መጠን ብሂወት ምንባር ዜጋታት ከምዘመሓይሽ ተዛሪቦም። በዙይ እውን ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምላይ ኣሰር ኣፍሪካዊት ግንባር ቀደም ሃገር ብምዃን ካብ ብክለት ናፃ ዝኾነ ከባቢን ጥዑይ ወለዶን ንምፍጣር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ትገብር ምህላዋ ገሊፆም። ኣፍሪካውያን ስርዓት ጥዕናኦም ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ንምህናፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝህሎዎም ምትሕብባር ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ እምበር ናይ ወሃብን ተቐባልን ጥራሕ ክፈቕዱ ከም ዘይግባእ ኣገንዚቦም፡፡
መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ እዩ
Aug 10, 2026 1597
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ) መጠን ተኸላ፣ክትትልን ፅድቀትን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ብጂኦስፓሻል ቴክኖሎጂ እናተረጋገፀ ከም ዝኾነ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ኢንስቲትዩት ፈፃሚ ስራሕ መራሒ ስራሕ ካርታ ቴዎድሮስ ካሳሁን ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብሳይንሳዊ ቴክኖሎጂ ጂኦስፓሻል፣ብጂፒኤስ (GPS)ን ብትንተና ምስሊ ሳተላይትን ምስጋፍ ብምጅማሩ ኣብ ፅሬትን ውፅኢታውነት ሓበሬታታት ልዑል ለውጢ ኣምፂኡ እዩ። ቴክኖሎጂ ጂኦስፓሻል ብዋናነት ኣበይ፣ከመይን መዓዝን ዝብሉ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት ብትኽክል ንምምላስ ከም ዝሕግዝ ተዛሪቦም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጥራሕ 291 ሽሕ ሄክታር መሬት ሙሉእ ብሙሉእ ብጂፒኤስ ተለኪዑን ስፍሓት እቲ ቦታ ተሰሊሑን ከም ዝተዳለወ ኣረዲኦም። እዚ ኣሰራርሓ ቅድሚ ሕዚ ንዝረኣዩ ዝነበሩ ምድግጋምን ምስሕሓትን ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ዘትረፈ እዩ ኢሎም። ሕዚ ተግባራዊ ብዝተገበረ ኣሰራርሓ እቲ ሓበሬታ ኣብ ቢሮ ምስ በፅሐ ብሳተላይት ምስሊ ከም ዝረጋገፅ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝተመረፁ ቦታታት ሰብ ሞያ ብኣካል ብምርካብ ስራሕቲ ምርግጋፅ ንክሰርሑ ከም ዝተገበረ ሓቢሮም። ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ሽቶ ከም ዘይኮነ ብምሕባር፤ ስራሕ ትንተና ዝተተኸሉ ፈልስታት ከም ዝዓበዩን ሓምለዋይነት እቲ ከባቢ ከም ዝቐየሩን ንምክትታል ቴክኖሎጂ ርሕቐት (Remote Sensing) እናተሳለጠ ከም ዝርከብ ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኢንስቲትዩት ዘዳለዎም ክትትል ሓበሬታ ደኒ፣ዝራእትን ከተማን ሓዊሱ 10 ማእኸላት ብምጥቃም ሓበሬታታት ንወሃብቲ ውሳነን ሚኒስቴር ግብርናን ተበጻሒ እናገበረ ከም ዝርከብ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንዕዉትነት ጉባኤ ኮፕ 32 ሓባራዊ ምትሕብባሮም ከም ዘጠናኽሩ ገሊፆም
Aug 5, 2026 1274
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 29/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ 32) ብዓወት ንክሳለጥ ብዝበለፀ ተቐራሪቦም ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ሎሚ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም። እቲ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ምድላው ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ 32) ትኹረት ዝገበረ እዩ። ዓወት እዚ ዓብይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምርግጋፅ ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኣዳላዊት ኢትዮጵያን ዘሎ ምውዳድ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከም ዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም ምዝታዮም እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት።
ኢትዮጵያ ክብረወሰን ዝሰበረትሉን ዝሓሰበቶ ክትፍፅም ከም እትኽእልን ደጊማ ዘረጋገፅትሉ እዋን እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
Aug 4, 2026 1644
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ):- ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ 805 ነጥቢ 3 ሚልየን ፈልሲ ብምትካል ክብረወሰን ዝሰበረትሉን፣ ህዝባ ብሓባር ክወፍር እንተሎ ዓበይቲ ውፅኢታት ከምዘመዝግብ ደጊማ ዘርኣየትሉን ግዘ እዩ ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መዛዘሚ መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብሓንቲ ፀሓይ ከም ዝገለፅዎ፥ እቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርሃ-ግብሪ 26 ሚልየን ዜጋታት ብድልየት ተሳቲፎም፣ ንወለዶ መፃኢ ተስፋ ዝኸውን ታሪኻዊ ተግባር ፈፂሞም ። እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ክሰርሑ እንተለዉ ክጭበጥ ዝኽእል ዓብዪ ውፅኢት ንዓለም ብተግባር ዘርአየ ተግባር እዩ ኢሎም። 26 ሚልየን ዜጋታት ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ከይሓተቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝናብ ሙሉእ መዓልቲ ብምስራሕ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ብቐሊሉ ክድገም ዘይኽእል መርአያ ሃገራዊ ዓቕሚን ሓድነትን እዩ ክብሉ ኣስሚሮምሉ። ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ምስታፎም ጠንካራ መርኣያ ሃገራዊ ሓድነት ምዃኑ ብምፅራሕ፥ ዓበይቲ፣ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ዜጋታት ጉድኣት ኣካልን ካልኦትን ብሓባር ንሃገሮም ዘርኣይዎ ቆራፅነት ዓብዪ ተስፋን ሞራልን ዝሃበ እዩ ኢሎም። ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 6 ነጥቢ 5 ቢልየን ፈልሲ ከም ዝተተኸለ ገሊፆም። እቲ ዝተረፈ 1.5 ቢልየን ፈልሲ ድማ ኣብተን ዝተረፋ ኣዋርሕ ክትከል ምዃኑ ኣመልኪቶም ። እዚ ድማ ንሓፈሻዊ ዓመታዊ ዕላማ መርሃ-ግብሪ ንምዕዋት ጠንካራ መሰረት ዝገበረን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ዳግማይ ዘረጋገፀን ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ምድላው ፈልሲ፣ ምድላው ጉድጓድ፣ ብጂኦ-ሎኬሽን ቴክኒካዊ ደገፍ፣ ኣብ ፀብፀፃብ ሓበሬታን ኣብ ተኸላ ስራሕን ዝተሳተፉ ኩሎም ዜጋታት ካብ ልቢ ዝመንጨወ ምስጋና ኣቕሪቦም። ኣብ መፃኢ እዋን እውን እቲ መርሃ-ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተመሳሳሊ ደረጃ ተሳትፎ ህዝቢ፣ ምትሕብባርን ቆራፅነትን ብምቕፃል ሃብታም፣ ሓምለዋይን ዘላቒን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኩሎም ወገናት ብሓባር ክቕፅሉ ፀዊዖም።
ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Aug 3, 2026 1261
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ። እቲ ኣገልግሎት መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓ ብዓወት ምዝዛሙ ስዒቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ሙሉእ መልእኽቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡- እንትንተሓባበር ምፍፃም ከም ንኽእል ደጋጊምና ንዓለም ዘርኣናሉ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሎሚ እውን ብዓወት ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ዝብል ሽም መርኣያ ብሓባር ምኽኣልን ፅኑዕ ቅዋምን እዩ። መንግስቲ ዘላቒ ረብሓ እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዘድልዩ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት እንተቕምጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ሃገራዊ ድሌቱ ብሓባራዊ ተበግሶ ጋህዲ ናይ ምግባር ልምምድ ዘበናት ዘለዎ እዩ። ብፍላይ ድማ መንግሥቲ ንሓምለዋይ ልምዓትን ሃሀራዊ ልዕልናን ንዘቕርቦ ፃውዒት እቲ ህዝቢ ብዝለዓለ ተሳትፎ ምላሽ ናይ ምሃብ ቆራፅነቱ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብነት ዝኸውን እዩ። መንግሥቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝባደሙ ከባብታት ብብርቱዕ ኣእዳው ደቃ ንክሕከሙ፣ እናተስፋሕፈሐ ዝመፀ ድርቅን በረኻነትን ብዘላቕነት ንክግታእን ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንባርን ዝተሃነፀ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ጋህዲ ንምዃን ግልፅን ፅኑዕን ቅዋም ብምሓዝ ፃውዒት ከቕርብ ፀኒሑ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ተሳትፎ ህዝብን ብመሪሕነት መንግስትን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጋህዲ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ምድሮም ምልባስ ባህሎም ገይሮሞ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጥራሕ ብጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም እዮም። ሎሚ ዓመት እውን ኣብ 8ይ ዓመት እቲ ጎስጓስ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ኣብቲ ክረምቲ ብሓፈሻ ድማ 8 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል መንግስቲ ቆራፅ ቅዋሙ ብዕሊ ኣፍሊጡ እዩ። ንሃገራዊ ፃውዒት መንግስቲ ቅኑዓት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን እውን ነቲ ፃውዒት ብሙሉ በዓል ዋንነት ተቐቢሎም ንዕውትነቱ ልዑል ርብርብ ገይሮም እዮም። በዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል እቲ ዝተሓሰበ ሽቶ ልዕሊ ትልሚ ኣዐዊቶሞ እዮም። እዚ ድማ መንግስትን ህዝብን እንትተሓባበሩ እንታይ ክሰርሑ ከም ዝኽእል ዘርኢ፣ ዝኾነት ኣብ ዓለም ዘላ ሃገር ክተዕውቶ ዘይትኽእል ዓብይ ዓወት እዩ።እዚ ውፅ ሊት ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያን ስትራቴጂካዊ ቅዋም መንግስትን ኣብ ሓደ ኣንፈት ከም ዝርከቡ መረጋገፂ እዩ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ቁሪ፣ ዝናብን ፀሓይን ከየሰኮኖም መሬት ከልምዑ ውዒሎም፤ በዚ ፅኒዕ ምንቅስቓስ እውን ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም። ኢትዮጵያ ብደቃ ኮሪዓ እያ፤ መንግስቲ እውን ልዑል ቆራፅነት እቲ ህዝቢ ኣብ ዝረኣየሉ ኣብዚ ታሪኻዊ ፍፃመ ልዑል ኩርዓትን ክብርን ይስንዖ። እዚ ድማ መንግሥቲ ነዚ ዓብይ ህዝቢ ብዝበለፀ ሓላፍነትን ተኣማንነትን ናይ ምግልጋል ፅኑዕ እምነቱ ንከጠናኽር ተወሳኺ ጥንካረ ኮይንዎ እዩ። ክቡራት ኢትዮያውያን፣ክቡራት ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣካላት ዲፕሎማቲ ማሕበረሰብን ሎሚ መዓልቲ እዚ ሃገራዊ ራኢ ብሓባር ጋህዲ ምግባር ንክንኽእል ንዝገበርኩሞ ልዑል ርብርብ መንግስቲ ብሽም ኢትዮጵያ ዝለዓለ ምስጋና የቕርብ። ሓፈሻዊ ትልሚ ተኸላ 8 ቢልዮን ፈልስታት እቲ ክረምቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንምዕዋት ዝተጀመረ ሃገራዊ ተሳትፎን ፅኑዕ ቅዋምን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ። 27 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ኣሎ
Aug 3, 2026 994
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ከምዘሎ ዋና ስራሕ ፈፃሚ እቲ ትካል ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም። "ተስፋ ንትከል" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚሊዮን ፈልሲታት ካብ ንግሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ተኻይዱ። ኢዜኣ ምስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲን ኣመራርሓ ወረዳ 6ን ብምዃን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ። ዋና ስራሕ ፈፃሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ትካል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2018 ዓ.ም ንሳልሳይ ግዜ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዱ እዩ። ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ተካል ከምዝተሳተፉ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ነቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ስራሕቲ ምክንኻን ከምዝሰራሕ ተዛሪቦም። ኢዜኣ ንዕውትነት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሕብረተሰብ ናይ ምንንቃሕን ምልዕዓልን ግደኡ ካብ ምውፃእ ሓሊፉ ብተግባር እውን ኣርኣያነቱ የርኢ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ስራሕ ፈፃሚ ወረዳ 6 ኣይተ ኣለማየሁ መርጋ ብወገኖም፤ ነባሪ እቲ ወረዳ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብንቕሓት ክሳተፍ ከምዝፀንሐ ገሊፆም። ነበርቲ እቲ ወረዳ በቢእዋኑ እዋን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብሩዎ ተሳትፎ እናዓበየ ምምፅኡ ዝሓበሩ ኣይተ ኣለማየሁ፤ ኣብ ዝቕፅል እውን ነዙይ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም። ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዝለዓለ ምንቕቓሕ ተጀሚሩ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ወፂኡ ክተክል ከምዝወዓለ ዝተዛረባ ድማ ናይቲ ክፍለ ከተማ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ቅድስት ንጋቱ እየን።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ኮይና ኣላ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Aug 3, 2026 361
ኣዲስ ኣበባ/27 ሓምሌ /2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ንኣፍሪካ መርኣያ ከም ዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ 805 ነጥቢ 3 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ታሪኻዊ ዓወት ከም ዘመዝገበት ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ሃገርና ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንመላእ ኣፍሪካ ዓብይ መርኣያ ኮይና እያ ኢሎም። በዚ ድማ ኣብቲ ድሙቕ ጎስጓስ ተኸላ ፈልሲ 26 ነጥቢ 2 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፉ ገሊፆም። ኢትዮጵያውያን ንዘርኣይዎ ርብርብን ቆራፅነትን ዘለዎም ናእዳ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ናይ ሓንቲ ፀሓይ ተሳትፎ 291 ነጥቢ 4 ሽሕ ሄክታር መሬት ሓምለዋይ ኣሰር ምልባስ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ሚኒስትር ግብርና ባዲሱ ኣረጋ
Aug 3, 2026 498
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 27/2018 (ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ኣፊሱ ኣረጋ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 2018 ዓ/ም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ክሳብ ሰዓት 10ን ፈረቓን 765 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስትታት ከም ዝትርተኸሉ ኣፍሊጦም። እዚ ድማ 96 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከም ዝተተኸለ ብምግላፅ፤ 24 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዜጋታት ከም ዝተሳተፉ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሐዚ 700 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም - ሚኒስትር እናትኣለም መለሰ
Aug 3, 2026 391
ኣዲስ ኣበባ፤ 27 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሐዚ 700 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኽሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ገሊፀን። ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልስታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተካየደ ይርከብ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ክሳብ ሐዚ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኽሉ ገሊፀን። ከምኡ እውን 22 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተሳትፎ ምግባሩን ኣብ 256 ሺሕ ሄክታር መሬት ኣሰሮም ከም ዘዕረፉን ኣመላኺተን።
ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ
Aug 3, 2026 201
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ ከም ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም። “ተስፋ ንትከል”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልዮን ፈልሲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓምለዋይ ኣሰሮም እናንበሩ እዮም ዝርከቡ። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ንምዕባይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ፈልስታት ብምትካል ዝጠፍኡ ፍልፍላት ምምላስ ከም ትኽእል ንዓለም ዘርኣየትሉ እዩ ኢሎም።