ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም
Oct 1, 2026 24
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምዕባይ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚዳንት ምብራቕን ደቡባዊ ኣፍሪካን ባንኪ ዓለም ንድያሜ ዲዮፕ ተረኺቦም እዮም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓገዝ በጀት ሓዊሱ ንዝገብሮ ዘሎ ዘላቒ ሓገዝ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ትትግብሮ ዘላ ኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ንመራሕቲ ባንኪ ዓለም ገለፃ ገይሮም። በዙይ እውን ዓቕሚ ምእካብ እቶት ውሽጢ ሃገር፣ ምቹውነት ስራሕ ንግድን ተሳትፎ ሰብሃፍቲ ውልቀ ኣብ ንግዲ ክዓቢ ምግባሩ ኣመላኺቶም። ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ብኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ለውጢ ንኢዶን። መንግስቲ ዓውዲ ውልቀ ማእኸል ዝገበረ ዕብየት ንኽህሉን፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምዕባይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝረአዮም ጭቡጣት ለውጢታት ኣልዒለን። ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀዳሚ ትኹረት ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ቆራፅ ምዃኑ ኣረጋጊፁ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሓዱሽ ማዕቐፍ ሽርክና ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ብዋንነት ናብ ዝመርሖ ምዕራፍ ዕብየት ንምስግጋር ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልየት ከም ዘሎ ኣልዒለን። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣቕርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኹሉ ዜጋ ተበፃሒ ምግባር፣ ምትእስሳር ዓውዲ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እታዎትን ምዕባይ፣ መካይን ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ዘመናዊ ስርዓት መጓዓዝያ ምዝርጋሕ፣ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማን ተበፃሕነትን ሃፍቲ ማይ ንምርግጋፅ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም። ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ጸገማት ንምፅዋር ዘኽእላ ተወሳኺ መገዲ መርከቢ ሓገዝ ገንዘብ ምስፍሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘቲዮም። ክልቲኦም ወገናት ስርሕቲ ልምዓት ብቅልጡፍን ብፅሬትን ንምስራሕ ኣብ ውሽጢ ዝተዳለወ ማዕቀፍ ድልዉነት ልምዓት ብቆራፅነት ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም። እቲ ማዕቀፍ ንቀጥታዊ ተረባሕነት ህዝቢ ዝውዕሉን ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ ውፅኢታት ንምምጋብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት ዳግም ዘረጋጋገፀ ምዃኑ ኢዜኣ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። እዙይ ድማ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምቆልጣፍ፣ ፀገማት ተፀዊርካ ንምሕላፍ፣ ከምኡ'ውን ዕብየት ዓውዲ ውልቀ ምምራሑ ዝህልዎ ዘላቒ ዕብየት ንምዕዋት ጠንካራ ሓባራዊ ቆራፅነት ከም ዘለዎም ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ሽልማት ሂበን
Oct 1, 2026 23
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘምፅኡ ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን ሂበን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገብኩም ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን እንትንህበኩም ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ይስመዓና ኢለን። እቲ ስነ ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን ዋጋ ውፅኢትኩም ኣፍልጦ ንምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ተምሃሮ እውን ተስፋ ዝኾንኩምሉ እጃም ንምጉላህ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን። ውፅኢት ብኣጋጣሚ ከም ዘይርከብ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ካብ ግልፂ ዕላማ፣ ትግሃት፣ ግዜ ብኣግባቢ ምጥቃምን ፅንዓትን ዝፍልፍል ከም ዝኾነ ገሊፀን። እዚ ሎሚ ዘመዝገብኩሞ ዓወት ናይዞም ፃዕርታት ውፅኢት እዩ ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ እዚ ክብሪ ድማ ንዓኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ንቤተሰብኩም፣ መምህራንኩምን መላእ ማሕበረሰብ ትምህርትን ዝግባእ እዩ ኢለን። ይኹን እምበር ውፅኢት መወዳእታ ዘይኮነስ መበገሲ ቀፃሊ ዓወት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ሕዚ ዝፅበየኩም ዝበለፀ ፍልጠት፣ ሓላፍነትን ዓብይ ዕላማን ከም ዝኾነ ኣብሪሀን። ክቡራት ተምሃሮና እትመሃሩ ንፈተና ጥራሕ ዘይኮነስ ንህንፀት ሃገር፣ ማሕበረሰባዊ ለውጥን ንዝሓሸ ፅባሕን እዩ ኢለን።
ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ
Oct 1, 2026 24
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ከም ዝተረኸበሉ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ትርካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም። ዓባይ ሃገር፣ ዓብይ ህዝቢ፣ዓብይ ራኢ ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልትታት ክካየድ ዝፀንሐ መበል 2ይ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ 2026 ተዛዚሙ። ኣብቲ ፎረም ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝፀንሕ ፈላማይ ብሄራዊ ስትራቴጂ ፋይናንስ ካብ ወለድ ነፃ 5 ዓመት ዕላዊ ኮይኑ። ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ትርካልኝ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝሪአሉ መንገዲ ካብ መሰረቱ ተለዊጡ እዩ። ኢትዮጵያ ፍልፍል ዕቤት ኢኮኖሚኣ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ኣይ. ሲ. ቲን ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ እያ ኢሎም። ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ምንቕቓሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከም ዝፈጠረ ብምግላፅ መዓድን ወሳኒ ፍልፍል ሸርፊ ወፃኢ ኮይኑ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም። ዲጂታል ዕድጊት ብዝለዓለ መጠን እናዓበየ ከም ዝመፀ ብምሕባር፤ ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ለውጢ እናተረኸበሉ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ብምፅዋር ንቕድሚት እናተጉዓዘ ከም ዝርከብ ዝገለፁ እቶም ገዛኢ፤ እቲ ኢኮኖሚ ኣብ ትኽክለኛ ኣንፈት ከም ዘሎ መረጋገፂ እዩ ኢሎም። እቲ ሪፎርም ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይብን ቱሪዝም ብምስፍሕፋሕን ኢትዮጵያ መባፅሒት ኢንቨስትመንት ንክትኸውን እናኽኣላ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ንክዕፀው ወሲና
Oct 1, 2026 30
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019(ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንክዕፀው ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ካብ ኤርትራ ንዝተፈፀሙ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ትንኮያታትን ፍፃመታት ፀላእን ምላሽ ንምሃብ ኣብ ኤርትራ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንምዕፃው ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ገሊፁ። እቲ ሚኒስቴር ወሲኹ እውን ድንጋገታት ስምምዕ ርክብ ዲፕሎማሲ ብምጥሓስ፣ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ድሕንነት ኢትዮጵያ ቀጥታ ሓደጋ ኣብ ዝፈጥሩ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ተሳቲፎም እዮም ዝበሎም 10 ዲፕሎማት ኤርትራ ካብ ሃገር ንክሰናበቱ ከም ዝተኣወጀ ኣመላኺቱ። እዞም ዲፕሎማት እውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ኢትዮጵያ ንክወፁ ከም ዝተኣዘዙ ኣረዲኡ። ብካሊእ መዳይ ኢትዮጵያ መንግሥቲ ኤርትራ ምስ ቅዋማት ርክብ ሉኣላዊ ሃገራት ፈፂሞም ካብ ዝፃረሩ ዝኾኑ ዓይነት ተግባራት ጠጠው ንከብል ኣተሓሳሲባ። እታ ሃገር ምስ ኤርትራ ዘለዋ ጠንካራ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝብን ዋጋ ከም ትህብ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፤ ኢትዮጵያ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር፣ ንዞባዊ ምርግጋዕን ምትሕብባርን ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ከም ትህብ እውን ኣብሪሁ። ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ድሌታ ብምግላፅ፤ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም፣ ድሕንነትን ዞባዊ ምትእስሳርን ንክዓስል ቆራፅ ከም ዝኾነት እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
ፖለቲካ

ኢትዮጵያ ብግብፂ ዝተዓናቐፉ ፕሮጀክትታት ዝግምግም ዓቢዪ ኮሚቴ ካሕሳ ኣጣይሻ
Oct 1, 2026 51
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 21/2018 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ግብፂ ዝተዓናቐፉ ፕሮጀክትታት ማይ ኢኮኖሚያዊ ጉድኣታትን ዘምለጡ ዕድላት ልምዓትን ዝግምግም ሃገራዊ ኮሚቴ ካሕሳ ከም ዘጣየሸት ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣፍሊጦም። ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከም ዝገለፅዎ፤ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብግብፂ ዝተዓናቐፉ ልዕሊ 22 ፕሮጀክትታት ልምዓት በቲ ኮሚቴ ተፈልዮም ናብ ስራሕ ተእቲዩ እዩ። ስግኣት ነዊሕ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዙረያ ዘይምጥጣን ልምዓት ተፋሰስ ዓባይ ኣመልኪቱ እናወሰኸ ዝመፀ ምሁራዊ ሓገዝ ከም ዘሎ ብምሕባር፤ እዙይ ድማ ኣብ ታሪኽ ንዘጋጠማ ኢኮኖሚያዊ ጉድኣትን ንዘምለጡ ዕድላት ልምዓትን መከሓሓሲ ንኽትረክብ ዘለዋ ሕቶ ከም ዝጠናኽሮ ገሊፆም። እቲ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣብቶም ፕሮጀክትታት ሓበሬታታት እናዋደደን መሰረት ሕቶ ካሕሳ ኢትዮጵያ እናመርመረን ምዃኑ ሚኒስትር ኢንጂነር ሃብታሙ ተዛሪቦም። እቲ ኮሚቴ መጠን ጉድኣትን ንዓኣቶም ንምፍታሕ ዝሕግዙ ኣገባባት እናመርመሩ ዝርከቡ ክኢላታት፣ ነበር ሚኒስትራት፣ ኣማኸርትን ሰብ ሞያ ሕግን ከም ዝሓውስ ኣመላኺቶም። ኣብዚ እዋን ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብሰንኪ ግብፃውያን ምዕንቃፎም ዝምልከቱ ሓበሬታታት ከም ዝተኣከቡ ብምሕባር፤ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ለኸ ገበን ብዝኾነ ተግባር ንኢትዮጵያ ከፈራርሑ ከም ዝፀንሑ እውን ሓቢሮም። እቲ ኮሚቴ ዘካይዶ ግምገማ ተግባራዊ ንከይኾኑ ዝተገበሩ ፕሮጀክትታት ጥራሕ ዘይኮነስ ፃዕርታት ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያን መሰረተ ልምዓታት ምምሕዳር ማይን ንታሕተዎት ተፋሰስ ዝህብዎ ረብሓ ከም ዘፅንዕ ኣብራህሪሆም። ብተኸላ ፈልሲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 50 ቢልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸሉ ብምዝኽኻር፤ ነዚ ድማ ባሮ፣ኣበይን ተከዘን ሓዊሱ ኣብ መብዛሕቲኦም ዋና ዋና ሩባታት ስራሕቲ ተፋሰስ ከም ዝተሳለጡ ሓቢሮም። እዞም ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ሃፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ኣብ ተፋሰስ ኣባይ ፅልዋታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ከም ዘፅንዕ እውን ኢንጂነር ሃብታሙ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዋሕዚ እቲ ረባ ኣብ ምቁፅፃር ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣሰራርሓ እቲ ግድብ ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ንምድሓንን ዝናብ ኣብ ዝሓፅሮም እዋናት ቀረብ ማይ ንምቕፃልን ከም ዝሕግዝ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘለዉ ምስ ኤልኒኖ ዝተኣሳሰሩ ኩነታት ዝናብ ኣድላይነት ዝተዋደደ ምምሕዳር ማይ ከምዘርእዩ ብምሕባር፤ ምቁፅፃር ዋሕዚ ማይ ሱዳንን ግብፅን ሓዊሱ ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ረብሓታት ከም ዘለውዎ ፀሪሖም። ካሕሳ ንምርካብ ክኽተልኦም ዝግባእ ኣማራፅታት እንትዝርዘሩ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ግልፂ ዝኾኑ ምዕራፋት ዘለውዎ ከም ዝኸውን፣ድርድርን ሓባራዊ ምርድዳእን ተመራፂ ኣማራፂ እንትኸውን፣ካልኦት ኩነታት ድማ ኢትዮጵያ ተወሳዂ ስጉምትታት ንክትወስድ ዝገብሩ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም። #ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ

ማሕበራዊ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ሽልማት ሂበን
Oct 1, 2026 23
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘምፅኡ ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን ሂበን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገብኩም ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን እንትንህበኩም ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ይስመዓና ኢለን። እቲ ስነ ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን ዋጋ ውፅኢትኩም ኣፍልጦ ንምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ተምሃሮ እውን ተስፋ ዝኾንኩምሉ እጃም ንምጉላህ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን። ውፅኢት ብኣጋጣሚ ከም ዘይርከብ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ካብ ግልፂ ዕላማ፣ ትግሃት፣ ግዜ ብኣግባቢ ምጥቃምን ፅንዓትን ዝፍልፍል ከም ዝኾነ ገሊፀን። እዚ ሎሚ ዘመዝገብኩሞ ዓወት ናይዞም ፃዕርታት ውፅኢት እዩ ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ እዚ ክብሪ ድማ ንዓኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ንቤተሰብኩም፣ መምህራንኩምን መላእ ማሕበረሰብ ትምህርትን ዝግባእ እዩ ኢለን። ይኹን እምበር ውፅኢት መወዳእታ ዘይኮነስ መበገሲ ቀፃሊ ዓወት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ሕዚ ዝፅበየኩም ዝበለፀ ፍልጠት፣ ሓላፍነትን ዓብይ ዕላማን ከም ዝኾነ ኣብሪሀን። ክቡራት ተምሃሮና እትመሃሩ ንፈተና ጥራሕ ዘይኮነስ ንህንፀት ሃገር፣ ማሕበረሰባዊ ለውጥን ንዝሓሸ ፅባሕን እዩ ኢለን።
መበል 2ይ ጉያ ኢሬቻ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ
Oct 1, 2026 44
ቢሾፍቱ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ንድሮ በዓል ኢሬቻ 2019 ዓ/ም ብዝምልከት መበል 2ይ ጉያ ኢሬቻ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኢሬቻ ናይ ምስጋና፣ዕርቂ፣ፍቕርን ሓድነትን በዓል ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ብሄረሰባትን ናብ ሓደ ዘምፅእ ከምኡ እውን ምርድዳእ፣ሰላምን ሕውነትን ዘጠናኽር ሓባራዊ መድረኽ እዩ። እቲ በዓል ባህልን ፀጋን ኦሮሞ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ካብ ምትሕልላፍ ብዝዘለለ ኣብ ውሽጢ ኣፈላላይ ምክብባርን ፍቕርን ብምዕባይ ሓባራዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ብብርኪ ዓለም ሃገርና ንምልላይ ዕድል እናፈጠረ እዩ ዝርከብ። ዕላማ እዚ ጉያ ጎደና እውን ኢሬቻ መድረኽ ሕውነት፣ሓድነትን ይቅርታን ከም ዝኾነ ንዓለም ብምልላይ ሰሓባይነቱ ምዕባይ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻውን ቴክኖሎጅያውን ምሕዝነት ኣብ ሓለዋ ሓድጊ፣ ሓባራዊ ምርምርን መፅናዕቲ ቅሪተ ኣካላትን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ
Sep 29, 2026 83
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ): - ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻውን ቴክኖሎጅያውን ምሕዝነት ኣብ ሓለዋ ሓድጊ፣ ሓባራዊ ምርምርን መፅናዕትን ቅሪተ ኣካላትን ተጠናኺሩ ምቕፃሉ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ገሊፁ። በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ምስ ማእኸል ሃገራዊ ምርምር ሳይንስ ፈረንሳይ (CNRS) ብምትሕብባር ዘጣየሾ “ፓሊትዮፕስ” (Paleothiopse) ዝተብሃለ ሓባራዊ ዓለም ለኸ ማእኸል ምርምር ላቦራቶሪ ብዕሊ ስራሕ ናይ ምጅማር መርሃ ግብሪ ተኻይዱ። ምክትል ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኤልያስ ሽኩር ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ንነዊሕ ዘመናት ዝፀንሐን ኣብ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ መሰረት ዝተሃነፀን እዩ። እቲ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዓውዲ ሳይንስን ምርምርን እንትግለፅ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ሰብ ሞያ ሳይንስ ፈረንሳይ ምስ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ፓሊዮንቶሎጂ፣ ኣርኪዮሎጂን መፅናዕቲ ሓድግን ብርክት ዝበሉ ዕዉታት ስራሕቲ ምርምር ከም ዘሳለጡ ኣዘኻኺሮም። ኢትዮጵያ መርከቢ ወዶ ሰብን ቅድመ-ታሪኽን ምዃና ንዓለም ኣብ ምልላይ ሓባራዊ ምርምር ሳይንስ ክልቲኤን ሃገራት ዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ልዑል ምዃኑ ጠቒሶም። እቲ ሓዲሽ ላቦራቶሪ እውን ነቲ ድሙቕ ታሪኽ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ዘሰጋግር ድልድይን ህያው ሓወልቲ መርኣያ ድልየት ታሪኽ ወዲ ሰብ ብዕምቆት ምርማር ምዃኑ ገሊፆም። ምክትል ኣምባሳደር ፈረንሳይ ጁሌን ቮተረዝ ብግደኦም፤ ምኽፈት እቲ ላቦራቶሪ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምርምር ፓሊዮንቶሎጂ ሓዱሽ መድረክ ምዃኑ ገሊፆም። ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ፓሊዮንቶሎጂ፣ ሓለዋ ሓድግን ሓባራዊ ልምዓትን ዘለዎም ምትሕብባር ጠንካራ ምዃኑ ዝጠቆሙ እቶም ምክትል ኣምባሳደር፤ እቲ ሓዱሽ ላቦራቶሪ ተመራመርቲ ፈረንሳይን ኢትዮጵያን ኣብ ነዊሕ ግዜ ትልሚ ብሓባር ዝሰርሕሕሊ ማዐቀፍ ከም ዝፈጥር ተዛሪቦም። ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሓድጊ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅል ብምርግጋፅ ሓድጊ ኢትዮጵያ ክምለሱ ንምግባር እውን ፈረንሳይ ድሉውቲ ምዃና ገሊጾም።
በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ
Sep 27, 2026 286
ጎንደር፤ መስከረም 17 /2019 (ኢዜኣ)፡- በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን። በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ጎንደር ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ስራሕ ላለፍቲ ፌዴሪኢን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ። እብዚ እዋን ሚኒስትር ሰላማዊት ከምዝገለፃኦ፤ በዓል መስቀል ንኢትዮጵያውያን ዓቢዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ዘለዎ እሴት እዩ። እቲ በዓል ካባና ሓሊፉ ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ሓድጊ ኩሉ ወዲ ሰብን ሃገርና ትኾርዐሉ ውህብተናን እዩ ኢለን። ቀንዲ መረጋገፂ ምድረ ቀደምትነት ኢትዮጵያ ካብ ዝኾኑ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ከይተበረዘ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፉ ዝፀንሑ ተመሳሰልቲ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታትና እዮም ክብሉ ሓቢረን።
ቁጠባ
ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም
Oct 1, 2026 24
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምዕባይ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚዳንት ምብራቕን ደቡባዊ ኣፍሪካን ባንኪ ዓለም ንድያሜ ዲዮፕ ተረኺቦም እዮም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓገዝ በጀት ሓዊሱ ንዝገብሮ ዘሎ ዘላቒ ሓገዝ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ትትግብሮ ዘላ ኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ንመራሕቲ ባንኪ ዓለም ገለፃ ገይሮም። በዙይ እውን ዓቕሚ ምእካብ እቶት ውሽጢ ሃገር፣ ምቹውነት ስራሕ ንግድን ተሳትፎ ሰብሃፍቲ ውልቀ ኣብ ንግዲ ክዓቢ ምግባሩ ኣመላኺቶም። ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ብኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ለውጢ ንኢዶን። መንግስቲ ዓውዲ ውልቀ ማእኸል ዝገበረ ዕብየት ንኽህሉን፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምዕባይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝረአዮም ጭቡጣት ለውጢታት ኣልዒለን። ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀዳሚ ትኹረት ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ቆራፅ ምዃኑ ኣረጋጊፁ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሓዱሽ ማዕቐፍ ሽርክና ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ብዋንነት ናብ ዝመርሖ ምዕራፍ ዕብየት ንምስግጋር ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልየት ከም ዘሎ ኣልዒለን። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣቕርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኹሉ ዜጋ ተበፃሒ ምግባር፣ ምትእስሳር ዓውዲ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እታዎትን ምዕባይ፣ መካይን ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ዘመናዊ ስርዓት መጓዓዝያ ምዝርጋሕ፣ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማን ተበፃሕነትን ሃፍቲ ማይ ንምርግጋፅ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም። ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ጸገማት ንምፅዋር ዘኽእላ ተወሳኺ መገዲ መርከቢ ሓገዝ ገንዘብ ምስፍሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘቲዮም። ክልቲኦም ወገናት ስርሕቲ ልምዓት ብቅልጡፍን ብፅሬትን ንምስራሕ ኣብ ውሽጢ ዝተዳለወ ማዕቀፍ ድልዉነት ልምዓት ብቆራፅነት ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም። እቲ ማዕቀፍ ንቀጥታዊ ተረባሕነት ህዝቢ ዝውዕሉን ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ ውፅኢታት ንምምጋብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት ዳግም ዘረጋጋገፀ ምዃኑ ኢዜኣ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። እዙይ ድማ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምቆልጣፍ፣ ፀገማት ተፀዊርካ ንምሕላፍ፣ ከምኡ'ውን ዕብየት ዓውዲ ውልቀ ምምራሑ ዝህልዎ ዘላቒ ዕብየት ንምዕዋት ጠንካራ ሓባራዊ ቆራፅነት ከም ዘለዎም ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ
Oct 1, 2026 24
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ከም ዝተረኸበሉ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ትርካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም። ዓባይ ሃገር፣ ዓብይ ህዝቢ፣ዓብይ ራኢ ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልትታት ክካየድ ዝፀንሐ መበል 2ይ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ 2026 ተዛዚሙ። ኣብቲ ፎረም ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝፀንሕ ፈላማይ ብሄራዊ ስትራቴጂ ፋይናንስ ካብ ወለድ ነፃ 5 ዓመት ዕላዊ ኮይኑ። ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ትርካልኝ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝሪአሉ መንገዲ ካብ መሰረቱ ተለዊጡ እዩ። ኢትዮጵያ ፍልፍል ዕቤት ኢኮኖሚኣ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ኣይ. ሲ. ቲን ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ እያ ኢሎም። ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ምንቕቓሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከም ዝፈጠረ ብምግላፅ መዓድን ወሳኒ ፍልፍል ሸርፊ ወፃኢ ኮይኑ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም። ዲጂታል ዕድጊት ብዝለዓለ መጠን እናዓበየ ከም ዝመፀ ብምሕባር፤ ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ለውጢ እናተረኸበሉ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ብምፅዋር ንቕድሚት እናተጉዓዘ ከም ዝርከብ ዝገለፁ እቶም ገዛኢ፤ እቲ ኢኮኖሚ ኣብ ትኽክለኛ ኣንፈት ከም ዘሎ መረጋገፂ እዩ ኢሎም። እቲ ሪፎርም ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይብን ቱሪዝም ብምስፍሕፋሕን ኢትዮጵያ መባፅሒት ኢንቨስትመንት ንክትኸውን እናኽኣላ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።
ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዝለዓለ ዞባዊ ፋይዳ ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 30, 2026 77
ኣዲስ ኣበባ፤መስከረም 20/2019 (ኢዜኣ) ህንፀት ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ካብ ኬንያ ዝተሳገረን ዝለዓለ ዞባዊ ፋይዳ ዘለዎን ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኬንያ ላሙ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ፕሮጀክት ላሙ ተቓላዕነት ብምኽንያት ንነዊሕ እዋን ብሃገራት ወፃኢ እናተፃረየ ዝነበረ ነዳዲ ዘጋጥም ዝነበረ ምዝባዕ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዝቕንስን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥርን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ከተማታትን ኢንዱስትሪታትን እናዓበዩ ብምምፅኦም ድሌት ነዳዲ እናወሰኸ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ዞባዊ ፍልፍል ነዳዲ ብምዃን ኣማራፂ ቀረብ ከም ዘስፍሕን ንንግድን ኢንቨስትመንትን ሓደሽቲ ዕድላት ከም ዝፈጥርን ኣብራህሪሆም። ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ኣብ ኮሪደር ልምዓት ላፕስት ዝርከብ ስለ ዝኾነ እቲ ምፅራይ ነዳዲ ምስ ዞባዊ ዕዳጋታት ብዝበለፀ ዘራኽብን ካብ ምዃኑ ብዝዘለለ ተዛመድቲ ኢንዱስትሪታት ንክስፋሕፍሑ ከም ዝገብር ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ሲሚኒቶ፣ ማዳበሪያን ነዳድን ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ኢንዱስትሪታት ኣፍሪካ ልምዶም ናብ ላሙ ስለ ዘምፅእዎ ንዕዉትነት እቲ ፕሮጀክት ዓብይ ትርጉም ከም ዝወሃቦ ተዛሪቦም። መናእሰይ ኣፍሪካውያን ናይዞም ተዛመድቲ ፕሮጀክትታት ተዓዛቢ ጥራሕ ዘይኮኑስ መሃንዲሳት፣ ቴክኒሻናት፣ ፈጠርቲ ስራሕን መራሕትን ክኾኑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ካብ ኬንያ ዝተሳገረን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ዞባዊ ፋይዳ ዘለዎን እዩ ኢሎም።
ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ መረጋገፂ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 30, 2026 67
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 20/2019 (ኢዜኣ) ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ሰፋሕቲ ዕድላት ንምፍጣርን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝለዓለ ሉኣላዊነት ኢንዱስትርን ኢኮኖሚን መሰረት ንምንባር ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ሰፋሕቲ ዕድላት ንምፍጣርን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝለዓለ ሉኣላዊነት ኢንዱስትርን ኢኮኖሚን መሰረት ንምንባር ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ። ኣብ ኣህጉርና ትርከቡ መራሕቲ ኢንዱስትሪ፣ ሰብ ሃፍትን ፈጠርቲ ስራሕን፣ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስት ክትገብሩ፣ ብዘለና ዓቕምን ሓባራዊ ፀጋን እምነት ክህልወኩም ከምኡ እውን መፃኢ ዕድል ኣህጉርና ዝውስኑ ለውጢ ኣምፃእቲ ፕሮጀክታት ክትሃንፁ ይግባእ ኢሎም። መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ብሓባር ክንሃንፆ ዝግባእ ሓባራዊ ሓላፍነትና እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። #ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ እዮም
Sep 29, 2026 81
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ ከም ዝኾኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም። እቶም ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ውፅኢታት ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ክጠናኸር ከም ዘለዎ እውን ኣገንዚቦም። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂ፣ ምርምር ፈጠራን ኢንተርፕረነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ የካይድ ኣሎ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ተግባራት ብልጽግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፀፉ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ ንሳይንስን ቴክኖሎጂ ምቹው ምህዳር ዝፈጥሩ ኣዋጃት ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ብሰፊሑ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ። ንኣብነት ኣዋጃት ኤሌክትሮኒክ ፊርማ፣ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፣ ንግዲ ኤሌክትሮኒክ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታን በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቖም ካብቶም ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ምዃኖም ጠቒሶም። እቲ ቤት ምኽሪ ሕጊ ምውፃእ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝወፁ ሕግታት ተግባራዊ ምዃኖም ስራሕቲ ምክትታልን ምቁጥጣርን ብልዑል ቆራጥነት ክሰርሕ ጠኒሑ እዩ ኢሎም።
ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ
Sep 29, 2026 75
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ሰብ ስራሕ ብልሕን ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር እዚ ዝገለፃ ዓውዲ ቱሪዝም ብፈጠራ ዲጂታልን ብሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምዕባይ ኣብ ዘተኰረ መበል 6 ሰሙን ቱሪዝም ኦሮሚያ “ፈጠራ ዲጂታል ንሓቛፋይ ቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ እዩ። ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ሰብ ስራሕ ብልሒ (AI) መባፅሒታት ቱሪዝም ዝፋለጡሉ፣ ጉዕዞታት ዝትለምሉ፣ ንግዲ ቱሪዝም ዝንቀሳቐስሉ ከምኡ እውን ዑደተኛታት ዝረኽብዎ ተሞክሮ እናቐየሮ ምምፃኡ ገሊፀን። ሽግግር ዲጂታል ክፉት፣ ሓቛፋይን ሰብ ተኮር ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግላፅ፣ ጥቕሚ ቴክኖሎጂ ብውሑዳት መባፅሒታት ቱሪዝምን መድረኻት ዲጂታል ጥራሕከይግደቡ ኣገንዚበን። ፖሊሲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብዓውዲ ብቴክኖሎጂ ዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምምሕያሽ ኣንፈት ከም ዝተሓዘ ብምግላፅ፣ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ቱሪዝም ኢትዮጵያ እውን ንዑደተኛታት ሓበሬታ መባፅሒ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ምስ ዑደተኛታት፣ ሆቴላትን ካልኦት ተወሳእቲ እቲ ዓውዲን ንምራኸብ የገልግል ኣሎ ኢለን። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተሓወሶ መርበብ ሓበሬታ ቱሪዝም ኦሮሚያን ካልኦት መድረኻት ዲጂታል ቱሪዝምን ዕላዊ ኰይኖም እዮም።
ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ዝርከብ ወለዶ ንምፍራይ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ እዩ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ
Sep 29, 2026 74
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ፦ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ምድላው ዝኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም። ኣብ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ፈጠራ፣ ዲጂታላይዜሽንን ኢንተርፕርነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ይካየድ ኣሎ። እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ከም ዝበልዎ፤ ጥቕምን ጉድኣትን ቴክኖሎጂ ብምምዝዛን ንዝተደለየ ዕላማ ብኣግባቡ ንምጥቃም ግቡእ ክእለትን ተሞክሮን ምጭባጥ የድሊ። እዙይ ንምዕዋት ክእለት ተበፃሒ ምግባር ቀንዲ ጉዳይ ብምዃኑ መፃኢ ምህዳር ሳይንስ ዝረከብ ወለዶ ምፍራይ ጉዳይ ህልውና ተገይሩ ብትኹረት እናተሰርሐሉ እዩ ኢሎም። ተምሃሮን መምህራንን ቴክኖሎጂ ከም መሳርሒ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓበሬታ ብግቡእ ናይ ምድላይ፣ ናይ ምግምጋምን ናይ ምፍጣርን ዓቕሞም ብምዕባይ ዓቕሚ ዲጂታል ከዕብዩ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም። እዙይ ንምግባር መንግስቲ ኣብ ኩሎም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲታት ላብራቶሪ ኮምፒዩተር ንምምላእ ዕላማ ተታሒዙ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም። እዙይ ድማ ተምሃሮ ክእሎት ኮዲንግ፣ ዲጂታልን ፈጠራን ንምዕባይ ምቹእዉ ኩነታት ዝፈጥር ምዃኑ ኣመላኺቶም። ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ንምድላው ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህይወት ዜጋታት ንምዕባይ ዘኽእል መሰረተ ተነቢሩ እዩ
Sep 29, 2026 58
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህይወት ዜጋታት ንምዕባይ ዘኽእል መሰረተ እናተነበረ ምኻኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። ጉዕዞ 50 ዓመታት ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ትኹረቱ ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብጺ ካብ መስከረም 19 ክሳብ 21 2019 ዓ.ም ኣብ ዝጠንሕ መርሃ ግብሪ ምብሳር ስራሕቲ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ስራሕቲ ፈጠራን ዲጂታላይዜሽንን ዝካየድ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተሳለጡ ትግበራታት ኢንተርፕረነርሽፕ፣ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተኣከቡ ቀንዲ ቀንዲ ዓወታት ብዝርዝር ክቐርቡ እዮም። ካብቲ ጉባኤ ጎኒ ንጎኒ ዘተ ፓነል ዝካየዱ እንትኸውን፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ (Artificial Intelligence) ፣ ሮቦቲክስን ስማርት ሲስተማትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ፈጠራ ንጎብነይቲ ክቕርቡ እዮም። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ካብ ኣናሎግ ናብ ስርዓት ዲጂታል፣ ከምኡ ድማ ናብ ዝተወደበን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ዝተሰጋገርናሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ተሳሊጡ እዩ። በዙ ድማ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ሃገር ካብ 17 ሚልዮን ናብ 65 ሚልዮን ከም ዝዓበየ ዝጠቆሙ እቶም ሚኒስትር፤ ዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ምዝርጋሑ፣ ትግበራ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዜጋታት ዝተመዝገብዎ ሃገራዊ መለለዪ መንነት 'ፋይዳ' ን ኣዋጃት ሓለዋ ውል ሓበሬታን ምውፃኦም እምነት መሰረት ዲጂታል ዘጠናኸሩ ቀንዲ ስጉምትታት ምዃኖም ተዛሪቦም። ዕላማና ቴክኖሎጂ ካብ ምልማድ ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ናይ ምልኣኽ ብርኪ ምትሕልላፍ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ተልእኾኦም ስርዓት ዲጂታል ምህናፅ ጥራሕ ዘይኰነስ ምርምር ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምዕባይ እውን ምዃኑ ኣረዲኦም። ሽግግር ዲጂታል ሃግዲ ንምግባርን ንፀገማት ቁልፊ መፍትሒ ንዝዀኑ ስታርታፖት ንምሕጋዝ ኣዋጅ ስታርታፕ ኣብ ስራሕ ውዒሉ እዩ ብምባል፣ ብቐፃሊ እውን ምህዳር ቴክኖሎጂ ተረኪቡ ንዓወት ዝሰርሕ ወለዶ ናይ ምፍራይ ስራሕ ብትኹረት እናተሳለጠ ምዃኑ ኣመላኺቶም። ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲታት ሕክምና፣ ሕርሻን ኣገልግሎትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተግባራዊ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ኣበረታታዒ ውፅኢት እናተረኽበሉ ምዃኑን እዙይ ድማ ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሽ መሰረት ምትካሉ መረጋገጢ እዩ ኢሎም። ኣብጺ መርሃ ግብሪ ሚኒስጽራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ወከልቲ ዓውዲ ልቀን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።
ስፖርት
ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም
Sep 15, 2026 1872
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ) ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም። መበል 18 ስሩዕን ሓፈሻዊ ጉባኤ መረፃን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ /ECA/ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሓፈሻ ጉባኤ በይኖም ብሕፁይነት ንዝቐረቡ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ንቀፃሊ 4 ዓመታት ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳንትነት ንክመርሑ መሪፁ። ኣይተ ኢሳይያስ ጅራ ካብ ዝተውሃቦ 88 ድምፅታት 81 ከም ዝረኸቡ እውን እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ቀዋሚ ኮሚቴ ፊፋን ዝኾኑ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ካብ ግንቦት 2010 ዓ/ም ጀሚሮም ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳትነት እናመርሑ እዮም ዝርከቡ። ብተወሳኺ እውን ኣይተ ኣለሙ መግራ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኮይኖም ተመሪፆም።
ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንመጀመሪያ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ክካየድ እዩ
Sep 15, 2026 1089
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 2029 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ክካየድ እዩ። ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣሰናዳእቲ ከተማታት ውድድር 2029ን 2031ን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። ብመሰረት እዚ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2029 መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ኬንያ ንኽካየድ እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ ኣሎ። ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ መሬት ኣፍሪካ እንትካየድ ኣብ ታሪክ 43 ዓመታት እቲ ውድድር ንመጀመሪያ እዋን እዩ። ናይሮቢ ውድድር 2029 ምትእንጋዳ ንኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ። ኬንያ ቅድሚ ሐዚ ሻምፒዮናታት ዓለም ትሕቲ 18 ዓመት ትሕቲ 20 ዓመትን ከምኡ’ውን ኣብ ብዓለምለኸ ብርኪ ፅቡቕ ስም ዘለዎ ውድድር «ኪፕ ኬይኖ ክላሲክ» ምትእንጋዳ ነዚ ዓወት ዓቢይ መሰረት ኾይኑዋ እዩ። ናይ ጀርመን ከተማ ሙኒክ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2031 ዝካየድ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ክተዳሉ ተሓርያ ኣላ። ሙኒክ ነቲ ሻምፒዮና ክተዳሉ እዙይ ንሳልሳይ እዋን ምዃኑ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ። ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ዓለም ሰባስቲያን ኮ ነቲ ውሳነ ብዝመልከት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ኣሰናዳእቲ ከተማታት ንምሕራይ ዝተገበረ መስርሕ ዘሀንጡ ከምዝነበረ ገሊፆም። ናይሮቢን ሙኒክን ንኣህጉራተን ፍሉያት ዕድላት ዝመፅኡ ኣእማንቲ ትልምታት ብምቕራበን ክሕረያ ከምዝኽኣላ ተዛሪቦም። መበል 21 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 2027 ኣብ ቻይና ቤጂንግ ክካየድ እዩ። ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 1983 ኣብ ፊንላንድ ሄልሲንኪ ዝተጀመረ ውድድር እዩ።
ትፅቢት ዝግበረሎም መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ፡ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ታውን፣ ቼልሲ ምስ ብራይተን
Aug 30, 2026 2684
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ካልኣይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ቀፂሎም ክካየዱ እዮም። ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ እዮም። ካብቶም መርሃ ግብሪታት ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ታውን ምሽት 12 ሰዓትን 30ን ኣብ ኦልድትራፎርድ ስታዲየም ዘካይድዎ ፀወታ ዝጥቀስ እዩ። ዩናይትድ ኣብ ናይ መጀመሪያ ሰሙን ፀወታኡ ብዘይተፀበዮ ኩነታት ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ብሁል ሲቲ 2 ን 0 ምስዓሩ ዝዝከር እዩ። ብኣንፃሩ ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ኢፕስዊች ታውን ንሰንደርላንድ 2 ን 1 ብምስዓር ዓመቱ ብዓወት ጀሚሩ እዩ። ማንችስተር ዩናይትድ ሕዚ እውን ምስ ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ክለብ ተራኺቡ ኣሎ። እቲ ክለብ ናይ መጀመሪያ ዓወቱ ንምርካብ ክፃወት እዩ። ኢፕስዊች ታውን ተኸታታሊ ዓወቱ ንምምዝጋብ ሓያል ንሕንሕ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ። ብኻልእ መርሃ ግብሪ ቼልሲ ካብ ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ስታዲየም ንብራይተን ከአተኣናግድ እዩ። ቼልሲ ኣብ ናይ መጀመሪያ ፀወታኡ ካብ ሜዳኡ ወፃኢ ንፉልሃም 3 ን 2 ረቲዑ እዩ። ናይ ምብራቕ ኤሴክሱ ብራይተን ንኣስቶንቪላ 4 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ናይ ሸቶ ፍልልይ ስዒሩ እዩ። ኣብ መጀመሪያ መርሃ ግብሪ ፀወታኦም ድንቕ ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓስ ዘርኣዩ ክልቲኦም ክለባት ሎሚ እውን ማራኺ ፀወታ ንተመልካቲ ከርእዩ ትፅቢት ይግበር። ሊድስ ዩናይትድ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሰንደርላንድ ምስ ፉልሃም ብተመሳሳሊ ሰዓት 10፡00 ፀወታኦም ከካይዱ እዮም።
ሓለዋ ኸበቢ
ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ክትሰርሕ እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Sep 23, 2026 537
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 13/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። “ምትእምማን ዳግማይ ምህናፅን ሓደሽቲ ለውጥታት ብኣግባቡ ምምራሕን፣ ንኹሉ ዝሰርሕ ውሕመ ምፍጣር” መሪሕ ሓሳብ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ። ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ከም ተዳልው ሓቢሮም። ኮፕ 32 ዓውዲ ውልቀን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን ሓዊሱ ሓቛፍን ፍልፍል መፍትሕን ንክኸውን ኢትዮጵያ ብቆራፅነት ከም ትሰርሕ ተዛሪቦም። ኩሎም መራሕቲ ዓለም ኣብ ጉባኤ ኮፕ 32 ንክሳተፉን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ኣሰሮም ንከዕርፉን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ተገይሩ እዩ
Sep 19, 2026 1148
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 9/2019 (ኢዜአ): - ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለውጢ ኣየር ንብረት ክበፅሕ ንዝኽእል ፀቕጢ መልሲ ምሃብ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ክስተት ኤልኒኖ ብዓለም ለኸ ብርኪ ልዑል ወሰኽ ሙቐትን ምዝባዕ ኣየር ንብረትን ከምዘስዕብ ኣፍሊጡ። እዚ ክስተት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝለዓለ ደርቂ፣ ኣብ ካልኦት ድማ ዝለዓለ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓበሬታታት የመልኽቱ። ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣይዱሩስ ሓሰን ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፣ ኤልኒኖ ቅድም ኢሉ በቢዓሰርተን ሓሙሽተ ዓመታት ተደጋጋሚ ክስተታት ኣርእዩ እዩ። ቅድሚ ሐዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ኤልኒኖ ብርክት ዝበሉ ትምህርቲታት ከም ዝተወስዱ ገሊፆም። ሓበሬታታት ዓለም ለኸን ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያን ከም ዘመላኽትዎ፣ ኣብ 2018/19 ዓ.ም. ሓዱሽ ክስተት ኤልኒኖ ከጋጥም ትፅቢት ይግበር። ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ነዚ ፀቕጢ ንምንካይ ዘኽእሉ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው የካይድ ኣሎ ኢሎም። እቲ ትካል ንእዋናዊ ፀገማት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ዝፈትሑሉ ዓቕሚ ኣብ ምህናፅ ከም ዝርከብ እውን ኣፍሊጦም፡፡ ብብርኪ ሃገር ንክስተት ኤልኒኖ ዘሎ መጠን ተቓላዕነት ንምፍላይ፡ ምምንካይን ንምፅዋርን ስትራተጂ ምድላዉ እውን ገሊፆም። ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ዘጋጥሙ ጉዳኣታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብመተሓባራይነት እቲ ኮሚሽን ካብ ፈደራል ክሳብ ታሕተዋይ መዋቕር ምስ ዘለዎ ትካላት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም።
ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ኣሎ
Sep 17, 2026 963
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 7/2019 (ኢዜኣ)፦ ስርዓት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ንዝተሓላለኹ ሓደጋታት ብብቕዓት ምላሽ ምሃብ ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንፅ ምህላዉ ኮሚሽን ምምሕዳር ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ። በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ድልዉነት ኤልኒኖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ ዞባዊ ዝለዓለ መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኣይድሩስ ሓሰን ኣብዚ እዋን፤ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ ካብ ዝግበር ርብርብ ንላዕሊ ኣብ ትንበያ ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ተመርኪስካ ዝውሰድ ስጉምቲ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ቅድመ ትንበያ ሓደጋ፣ ኣብ ድሉውነት ቅድመ ምክልኻልን ኣብ ቅፅበታዊ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋን ውፅኢታዊ ዓቅሚ ድሉውነት ኣብ ምህናፅ ብትኹረት ይሰርሕ ምህላዋ ተዛሪቦም። ብፍላይ ኣብ ስርዓት ምሕደራ ሓደጋ ግንዛበ ብምዕባይ ዝተፈላለዩ ዓውድታትንን መዳርግቲ ኣካላትን ዘካተተ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምቕራፅ ተግባራዊ እናገበረ ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡ ፈንድ ምላሽ ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ንቅድመ ድሉውነትን ግምገማን ዝኸውን ምቹው ዓቕሚ ብምፍጣር ማዕቀፍ ፋይናንስ ይህብ ምህላዉ ገሊፆም። ኣባል ሃገራት በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)እውን ካብ ተግባር ብምቕዳም ዓቕሚ ምላሽ ሓደጋ ዘዕቢ መተሓላለዊ ኣሰራርሓ ፋይናንስ ክዝርግሑ ከምዘለዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ሲ ኤን ኤን ብዛዕባ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ
Aug 4, 2026 4856
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ): - ፍሉጥ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሲ ኤን ኤን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ሃገራት እቲ ዞባ ተረባሕቲ ኢነርጂ ዝገበረ ዓብይ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ። እቲ ግድብ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዘባፅሐ ከም ዝኾነ እውን ኣመላኺቱ። ኣብ ሲ ኤን ኤን ፀብፃቢት ዝኾነት ቪክቶሪያ ሩባዲሪ ናብ ጉባ ብምጉዓዝ ሓቃውነት እቲ ግድብ ፀብፂባ። በዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰብ ሞያ ምህንድስናን ሰብ ሞያ ህንፀትን ነቲ ሽንጥሮ ዝበዝሖ ከባቢ ናብ ዓብይ ግድብ ኣፍሪካ ከም ዝቐየርዎ ሓቢራ። እቲ ግድብ ልህቀት ምህንድስና ዝተርኣየሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ፃንሒት ህንፀት 14 ዓመታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ከም ዝተመረቐ ገሊፃ። እቲ ግድብ ብደገፍ ኢትዮጵያውያን፣ፋይናንስ መንግስቲ፣ቦንድታትን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ውሽጢ ሃገርን ብዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሃነፀ እውን ተዛሪባ። እዚ ዓብይ ግድብ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ብርሃን ዝህብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጎረቤት ሃገራት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክባፃሕ ዝገብር እዩ ኢላ። በዚ ድማ እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ማእኸል ምትእስሳር ዞባዊ ሓይሊ ከምኡ እውን መባፅሒ ቱሪስት ብምዃን ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኣ። ሲ ኤን ኤን ኣብ ፀብፃቡ ንመካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ብምቕራብ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዘይጎድእ መልክዑ እቲ ግድብ እናተጠቐመትሉ ከም ትርከብ ኣፍሊጦም። ግብፂ ብምኽንያት እቲ ግድብ ዝበፅሓ ማይ ቀኒሱ ብዝብል እተቕርቦ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ከም ዝኾነ እውን ኢንጂነር ክፍሌ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝርከቡ 13 ተርባይናት ብዘፈልፍልዎ ሓይሊ 6 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝኾኑ እን ኣረዲኦም። እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ንሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያን ታንዛኒያን ሓይሊ ምብፃሕ ከም ዘኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ሓይሊ ንምሻጥ ምድላው ከም ዝተገበረ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተፈጠረ ንጋት ሃይቅ ዝተፈጠራ ደሴታት ንመስሕብ ቱሪስት ዓብይ ዓቕሚ ከም ዝኾና ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ንመባፅሒ ቱሪስት ዘገልግሉ መሰረተ ልምዓታት ከም ዝህነፁ ሓቢሮም።
ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሐይልን ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ ፃውዒት ኣቐሪቡ
Jun 27, 2026 10566
ኣዲስ ኣበባ /ሰነ/20/2018/ኢዜኣ/፡- ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሕይልን ኣቦ መንበር ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ኣቦ መንበር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ውድብ "ሓምለዋይ ሰውራ" ምኽንያት ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝብገስ ምዃኑን፤ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ክውንነታት ኤርትራ ኩለመደያዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ምዃኑን ኣመላኺቶም ። "ሓምለዋይ ሰውራ" ዝብል ስያሜ ምስ ህይወትን ተስፋን መናእሰይ ዝተኣሳሰረ ምሳልያዊ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፤ እቲ ምንቕስቓስ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ታሪኻዊ ምዝብዓት ዝገተአን ሓድሽ መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ዘለዎ ባህጊ ዘንፀባርቕ እዩ ኢሎም። እቶም ኣቦ መንበር መሳርሒታት ለውጢ እንትዛረቡ ፤ ናቶም ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ራእይን ተግባራት በረኻን ዘጣመረ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ውድባዊን ወተሃደራዊን ድሉውነቶም ዘረጋገፀ ምኹኑ እዩ ኢሎም ። ኣስዒቦም "ንሕና ኣብ መወዳእታ መስመር ዘለና ወተሃደራት ኢና፤ ባህሪ ናይዚ ስርዓት እዚ ኣፀቢቕና ንፈልጦ ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ብስምምዕን ብዲፕሎማሲን ዘይኣምን፣ ቋንቋ መሳርሒኲናት ጥራሕ ዝርዳእ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እዩ"ክብሉ ኣገንዚቦም ። እቲ ምንቕስቓስ ህወከት ከምዘይደሊ ነገር ግን ባህርይ እቲ ቃልሲ እቲ ኻልእ ወገን ብዝርድኦ መንገዲ ክትጥቀም ከምዘገድድ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቲ ምንቕስቓስ ንኹሎም ክፍልታት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ማዕቀፍ ውሽጢ ንምውካል ዘኽእል ባዕሉ ዝኸኣለን ዝተወደበን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ወተሃደራዊን መሓውር ንምህናፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይገሊፆም መሓውራዊ ምዝባዓት ኣብ ዘዕሪ ሃገራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ናይቲ ምንቕስቓስ ቀንዲ ሸቶ ምዃኑ እውን አስሚሮምሉ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክልቲአን ሃገራትን ዘሎ ታሪኻዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ክሕለፍ ዘይኽእል መሰረት ምዃኑን እቲ ዝድለ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ምህናፅ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም። “ፅምዶ” ዝተሰመየ ጥምረት ሻዕብያን ነበር ጉጅለ ሕወሕትን ምህላዉ ዘመልክቱ እቶም ኣቦ መንበር እዚ ጥምረት ምርግጋዕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምድኻምን ዞባዊ ፀጥታ ንምፍራስን ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮይኑ፤ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሚዛን ዞባዊ ፀጥታ ኣሉታዊ ፀልዋ ከምዘለዎ ፀሪሖም ።ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ።
ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ -ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ
Jun 26, 2026 7544
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/19/2018/ኢዜኣ/ ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ ክብሉ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ ገሊፆም። ምንቅስቓስ "ሓምለዋይ አብዮት" ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጲያ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት መመሓላለፊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዞባ ጎንፂ ናብ ዞባዊ ምትሕብባርን ውህደት ኢኮኖሚን ንምቐያር ዘኸእል ስትራቴጂካዊ ራዕይ ንክቐረፅ ፃውዒት ኣቐሪቡ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ብወታደራዊ ሓይሊ ንምምካትን ንዘመነ ስልጣኑ ንምብቃዕ ዘለዎ ትብዓት ዝገለፁ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ አቲ ስርዓት ንቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ቀንዲ ስግኣት ምኹኑ ኣገንዚቡ ። እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንክፀንሕን ዕድምኡ ንምንዋሕን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ወጥርን ንረብሑኡ ንምውዓል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝኸሰሱ እቶም ኣቦመንበር ናይ እዋኑ ስርዓት ኣስመራ ምርግጋእ ዘይምድላዩ ኣብ እቲ ዞባ ዘለዉ ዓመፅቲ ሐይልታት ዝድግፍ ምኹኑ እቲ ሓደ መርአያ እዩ ኢሎም ። ከምኡ እውን " ስርዓት ኤርትራ ህልውንኡ ዝተመስረተ ኣብ ቐልውላውን ዘይምርግጋእን እቲ ዞባ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦመንበር ንዕጡቐትን ዓመፅትን ዝገብሮ ደገፍ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም "። ብመዳይ ፖለቲካ ኣይተ መሐመድ አሕመድ ሰናይ ኢትዮጲያ ንጉዳያት ፍትሒ ብምድጋፍ ዝላዓለ ታራ ሒዛ ሐዚ እውን ንክትዋሳእ ፃውዒት ዘቐረቡ እንትኾኑ ፥ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ምርግጋእ ንምዕሳል ንቐልውላው ኤርትራ ንምፍታሕ ቀዳምነት እትህቦ ተግባር ምኹኑ ፀሪሖም ። ምችው ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወደብ፣ ትራንስፖርትን ዘፈራት ንግድን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባይ ከምዝካኣል ዝገለፁ እቶም ኣቦመንበር ፤መፃኢ ዕድል እቲ ዞባ ብሓበራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣፅንዖት ሂቦም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ህወሓት ማዕቐብ ቪዛ ኣንቢራ
Jun 18, 2026 9950
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ጒዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ማዕቀብ ዝተነበረ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(a)(3)(C) ብዝተዋህቦም ስልጣን ምዃኑ ገሊፆም። እቲ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ዘዕንቅፉ፣ ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ፅንፈኛታት ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶምን ዝቐንዐ እዩ። ኣሜሪካ ብሰላምን ብክብርን ክነብር ምስ ዝደሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጐኒ ደው ከምትብል ኣፍሊጣ። ዋሽንግተን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበ-ስልጣናት ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ተግባራት ንምቅላዕን ከምኡ እውን ተሓታትነት ንምስፋንን ዘለዉዋ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ ኣማራፂታት ምጥቃም ክትቅፅለሉ ምዃና ገሊፃ።
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 41607
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 17236

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 22192
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 22651
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ዓሚቅ ታሪኸ፤ተብሃጊ ፀባይ አየርን ሰፊሕ ህዝብን ዝወነነት ሃገር እያ ኢትዮጵያ።
Sep 29, 2026 86
ዓሚቅ ታሪኸ፤ተብሃጊ ፀባይ አየርን ሰፊሕ ህዝብን ዝወነነት ሃገር እያ ኢትዮጵያ። ሓያል ማሕልኻታት ዘሕለፈ ነፃነት፤ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ዝዓቀበትን አብ ዓለምና በሪኸ ልዕልነት ዘላዎ ታሪክ ዝወነነትን ኩርዓት አፍሪካ እያ ኢትዮጵያ። እዛ ዓብይ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ካብ ናይ ትማሊ ዓሚቅ ታሪኸ ዝብገስ ንቅድሚት ዝሕምበብ ዓበይቲ ትልምታት ሒዛ እትስገም ዘላ ሃገር እያ። ንዘመናት ብብቅዓት ዝሃነፀቶም ዓበይቲ ምዕባለታትን ዓመቅቲ ስልጣነታትን መሰረት ባህግታታ እዮም። አብ ዝሓለፈ ይኹን ሕዚ ዝካአሉ ዘይመስሉ ግን ብትብዓት ዝተፈፀሙ ትልምታት ልምዓት ሒዛ ብምብጋስ ብብቅዓት ብምፍፃም ማንዛ ዘይብሉ ዓሚቅ ተመኩሮ ዘለዋ ሃገር እያ። ዓብይ ህዝቢ ዓብይ ባህጊ ክህልዎ ግድን እዩ።እዚ ባህጊ ተግባራዊ ዝገብር ዝገብር ህዝቢ ድማ አብ ጎኑ አሰሊፉ እዩ። አብ ውሽጡ ዝሓዞ ትዕግስቲ፤ፅንዓትን ሰዓራይነት መንፈስ ኩሉ ጊዜ ናብ ልዕል ዝበለ መንፈስ ክትሰጋገር ገይርዋ እዩ። ዓሚቅ ታሪኸ፤ተብሃጊ ፀባይ አየርን ሰፊሕ ህዝብን ዝወነነት ሃገር እያ ኢትዮጵያ። ሓያል ማሕልኻታት ዘሕለፈ ነፃነት፤ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ ዝዓቀበትን አብ ዓለምና በሪኸ ልዕልነት ዘላዎ ታሪክ ዝወነነትን ኩርዓት አፍሪካ እያ ኢትዮጵያ። እዛ ዓብይ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ካብ ናይ ትማሊ ዓሚቅ ታሪኸ ዝብገስ ንቅድሚት ዝሕምበብ ዓበይቲ ትልምታት ሒዛ እትስገም ዘላ ሃገር እያ። ንዘመናት ብብቅዓት ዝሃነፀቶም ዓበይቲ ምዕባለታትን ዓመቅቲ ስልጣነታትን መሰረት ባህግታታ እዮም። አብ ዝሓለፈ ይኹን ሕዚ ዝካአሉ ዘይመስሉ ግን ብትብዓት ዝተፈፀሙ ትልምታት ልምዓት ሒዛ ብምብጋስ ብብቅዓት ብምፍፃም ማንዛ ዘይብሉ ዓሚቅ ተመኩሮ ዘለዋ ሃገር እያ። ዓብይ ህዝቢ ዓብይ ባህጊ ክህልዎ ግድን እዩ።እዚ ባህጊ ተግባራዊ ዝገብር ዝገብር ህዝቢ ድማ አብ ጎኑ አሰሊፉ እዩ። አብ ውሽጡ ዝሓዞ ትዕግስቲ፤ፅንዓትን ሰዓራይነት መንፈስ ኩሉ ጊዜ ናብ ልዕል ዝበለ መንፈስ ክትሰጋገር ገይርዋ እዩ።
ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ፡ ካብ ጉርብትና ክሳብ ስትራቴጂያዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ
Sep 25, 2026 460
ህዝብታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብታሪኽ፣ ብቋንቋ፣ ብባህልን ብማሕበራዊ ክብርታትን ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩን ብደም ዝተወሃሃዱን ኣሕዋት እዮም። ታሪኽ ምትሕብባር እተን ሃገራት ልዕሊሓደ ክፍለ ዘመን ዝተሳገረ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዘመነ መንግስቲ ዳግማዊ ኣፄ ምኒልክ ፈለማይ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኣብ ጅቡቲ ከፊታ እያ። እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ፈለማይ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ወፃኢ ሃገር ነይሩ። እ.አ.አ ኣብ 1897 ምምሕዳር ፈረንሳይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስምዕማዕ ጅቡቲ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘራኽብ ታሪኻዊ ህንፀት መገዲ ባቡር ሕንጻ ኣጀሚሮም እዮም። እዚ መሰረተ ልምዓት ንንግድን ህዝባዊ ምትእስሳርን ክልቲአን ሃገራት ካብ መበገሲኡ ድልዱል ክኸውን ዝገበረ ቀንዲ መሰረት እዩ። ህዝብታት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብታሪኽ፣ ብቋንቋ፣ ብባህልን ብማሕበራዊ ክብርታትን ኣዝዮም ዝተተሓሓዙን ብደም ዝተወሃሃዱን ኣሕዋት እዮም። እዚ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ጠንካራ መሰረት ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ዝምድና ተገይሩ ዝውሰድ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዓበይቲ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ምህናፆም ነቲ ምትእስሳር ስትራቴጂካዊ መልክዕ ክሕዝ ኣኽኢሉዎ እዩ። እዚ ምትእስሳር ብዝበለፀ ዘላቒ ንምግባር ዘመናዊ መገዲ ባቡር ኤሌክትሪክ ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ፣ ፕሮጀክታት መስተ ማይ መቓረፂ ዶብ፣ መገድታት ፍጥነትን መተሓላለፊ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተዘርጊሖም እዮም። እዚ ድማ ነተን ሃገራት ብስምምዕ ፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረተ ልምዓት እውን ኣተኣሳሲሩወን እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ምትእስሳሮም ብዝበለፀ እናዓበየ መፅዩ እዩ፡፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ልውዋጥ ዑደታት እውን ነቲ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ወሳኒ ግደ እናተዋፀአ ይርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ጅቡቲ ብምቕናዕ ከምኡ ድማ ፕረዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጊሌ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ንክልተኣዊን ዞባውን ምትእስሳራት ዘጠናኽሩ ዘተታት ገይሮም እዮም። ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንጎረቤት ብዝብል ፖሊሲ ውፃኢ ጉዳይ መንግስቲ መደመር ኣቢላ ኣብቲ ዞባ ኣብ ትገብሮ ምትእስሳር ልምዓት ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ብኣርኣያነት ዝለዓል እዩ። ምሕዝነት ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተመስረተ መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ ከም ስደትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዝበሉ ሓባራዊ ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል እዩ። ተሞክሮ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ እውን ተግባራዊ መርኣያ መርሃ ግብታት ምስታፍን ተኸላ ፈልስን እዮም። ትማሊ ድማ ነዚ ጠንካራ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገር ስትራቴጂካዊ ምትእስሳር ተበሲሩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ፕረዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጊሌን ኣፍሪካዊ ሃፍታም ኣሊኮ ዳንጎቴን ብሓባር ትማሊ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ኣጀሚሮም እዮም። እዙይ ድማ ፕሮጀክት ካብ ጅቡቲ ዳመርጆግ ክሳብ ኢትዮጵያ ደወሌ ዘራኽብ ሓዱሽ መስመር መተሓላለፊ ቱቦ ዝተፃረየ ነዳዲ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልቲአን ወሰናት ዝህነፁ ተርሚናላት መኸዘኒ ዘካተተ ኮይኑ፣ ብጥምረት ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ግሩፕ ዳንጎቴን ዝፍፀም እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ወፃኢ መጓዓዝያ ነዳዲን ምድንጓይን ብምንካይ፣ ቀረብ ኢነርጂ ምምሕያሽን ኮሪደር ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ ዝያዳ ምቕልጣፍን እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ከም ዝገለፅዎ፣ እቲ ፕሮጀክት ወፃኢ ሎጂስቲክስን ምድንጓይን ብምቕናስ ውሕስነት ኢነርጂ የጠናኽር፤ ቅልጡፍነትን ዘላቒነትን መገዲ ንግዲ ኢትዮ-ጅቡቲ የዕብዮ። ኮይኑ ድማ እዚ መሰረተ ልምዓት ካብ መስመር ቱቦ ነዳዲ ንላዕሊ ዝረአ ትርጉም ኣለዎ። ካብ ንግድን ሎጂስቲክስን ሓሊፉ፣ ኣብ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካውያንን ሓባራዊ ልምዓትን ዝተመስረተ ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር ሓዱሽ ብርኪ ምትሕብባር ምትሕብባር እዩ። እዙ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶር) ዝምራሕ መንግስቲ መደመር ዝኽተሎ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ቀዳምነት ንጎረቤት ንጅቡቲ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ሓባራዊ ተጠቃምነት ዘዕብዩ ዘተኣሳስሩ ልምዓታት ብምትግባር ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝኽተሎ ኣንፈት የርኢ። መፃኢግዘ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተጀመሩ ዓበይቲ ቁጠባዊን መሰረተ ልምዓታውን ምትእስሳራት ብዝበለፀ ናብ ዝተማለአ ዞባዊ ምትእስሳር ዝሰጋገርሉ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። መራሕትን ህዝብታትን ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘመን ተሻጋሪ ምሕዝነት፣ ሓባራዊ ህልውናን እምነትን መፃኢ ምሕዝነቶም ዝያዳ ዘተኣማምን ከም ዝገብሮ ይእመን።
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ-ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ትግራይ
Mar 21, 2025 44143
ዕለት/12/መጋቢት/2017/ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዐልባት ረኺቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሐዚ ዘድልዮ ኩናትን ጎንፅን ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ሰላም ዘስእን ምዃኑ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመራኸቢ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም’ዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግልፂ ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ‘ዩ ይብሉ።ይኹን እምበር ሕጋዊ ተቐባልነት ዝሰኣነ ሓደ ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ መራሕቲ ዕጡቓት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምምንጣል እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ይሕብሩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝደልዩ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምዕላው ብዝፈጠሮ ፀገም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ይብሉ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽን ዝተጀመረ ፃዕሪ ‘ውን በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተኣጓጎለ የረድኡ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ህወሓትን ሰራዊትን ከምዝኾኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብግልፂ ክፈልጥ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ኢሉ ናብ ኩናት ናይ ምእታው ድሌት የብሉን። ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ህልው ኩነታት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፣ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩ ናይ በዓሉ ግደ ዋላ እንተሃለዎ ኮይኑ ግና ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ህውከት እቲ ጉባኤ ኣካይደ ኣላኹ ዝብል ጉጅለ ምዃኑ ይሕበሩ። ብተወሳኺ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ እዋኑ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ዝነበረ እዋን እውን በዚ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ብምግላፅ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ከንቲባ ከተማ ማሕተም እናሕደገ ዘሎ ጉጅለ፣ እቲ ዝደልዮ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘይኮነስ ንውልቃዊ ስልጣን ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ይብሉ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ይብሉ። መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ፣ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣቦወንበር ትዴፓ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቕፋት ካብ ምዃን ክቑጠብ ኣለዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድሌታት ህዝቢ ዘኽበረን ፀገማት ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ በሪ ዝኸፈተን ታሪኻዊ ስምምዕ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዘኣከቦ ሃፍቲ ክስእኖ ‘የ ካብ ምባል ፍርሒ ዝተለዓለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማለአ መልክዑ ከይትግበር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ይግባእ። ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ነቲ ንውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮም ዘለዉ ስራሕቲ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ ዝግበር ከይዲ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እንትኾኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓንኬል ጎንፂ ብምፅማድን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣርን ባህጊ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ዝንቀሳቐሱ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣካይደኦም ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስራሕቲ ሰላም ንከይስርሑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ለይቲን ቀትሪን ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ግልፂ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እቶም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብረብሓ ዝምድና ብምፍጣር ሃፍቲ ይወሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ዳግማይ ጎንፂ ንምውላዕን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደሊዩ ኣካላት ብስፍሓት ይረአዩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ባህጊ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ፤ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኢሉ’ውን መናእሰይ እቶም ሓይሊታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይተቐበሎ ንበይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘይህሊ ኣገንዚቦም ‘ዮም። ህዝብና ካብ ፀገም ዘይወፅአን ኣብ ልዑል ሓዘን ዝርከብን ማሕበረሰብ ‘ዩ ብምባል፣ ባህጊ ህዝቢ ካብ ዝበፅሖ ፀገም ምውፃእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ዘእንትኾኑ፤ ጥፍኣተኛታት ሓይሊታት ፈሊዩ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብዝተማልአ ኩነታት እናገለፀ ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ንክህብ ይሓትት ከምዘሎን ገሊፆም ‘ዮም። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝገለፅዎ፣ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነፃፀል ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን። ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ ድሌቱ። ምኽንያቱ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ስለ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ነቲ ኵነት ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ክሳብ ሕዚ ኣይተፈትሐን፤ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂእኻ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምዕሳል የድሊ ክብሉ የርድኡ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይርዳእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ሰላም ትግራይ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኵናት ብዝተፈጥረ ቑፅሪ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ብዝግባእ ይርዳእ ‘ዩ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓት ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላሙ ክዝረግ ኣይደልን። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ለውጢ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እቲ ለውጢ ሪኢዎ ‘ዩ። እዚ ፈፂሙ ንደሓር ክምለስ ኣይደልን። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ፖለቲከኛታት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክኸዱ የብሎምን ክብሉ ይመኽሩ።/ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ/መግለፂ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 17311
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ፍሉይ ፀብፃባት
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም
Sep 9, 2025 29399
ኣዲስ ኣበባ/ ጳጉሜን/4/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡ መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡
ፅሑፋት
ዘበን ተሳጋርን ዶብ ተሳጋርን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን
Dec 17, 2025 24734
ኢትዮጵያን ህንድን ነዊሕ ክፍለ ዘበናት ዘቑፀረ ምሕዝነትን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ኣለወን። በዚ ድማ ፀጋታት ስልጣነ ይካፈላ። ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ንግዲ ካብ ዝፈጠራሉ ልዕሊ 2 ሽሕ ዓመታት ከምዘቑፀረ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ። መሰረት ዘበናዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ከምዝኾነ እውን ይግለፅ። ኢትዮጵያን ህንድን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዝጀመራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1948 እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1950 ሳርዳት ሳንት ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣምባሳደር ህንዲ ብምዃን ተሸይሞም። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ህንድን ኤምባሲአን ብምኽፋት እቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ብተግባር ገሊፀን እየን። ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ከም ኣቆፃፅራ ኣቅቶፓ ኣብ 1956ን 1958ን ኣብ ህንዲ ዝገበርዎም ዑደታት ብቀዳምነት ዝግለፁ እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መወዳእታ 1960ታትን መጀመርያ 1970ታትን ፕሬዚዳንትታት ህንዲ ዝነበሩ ሳርቬፓሊ ራድሃክሪሽናንን ዛኪር ሁሴንን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሮም እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ቅድሚ ሓደ ዓመት ሂወቶም ዝሓለፈ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ማንሞሃን ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ እውን ዝፍልጥ እዩ። ነበር ፕሬዚዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2017 ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ኣብ ዑደቶም ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽንን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ዘኽእሉ ሓባራዊ ስምምዓት መረዳድኢ ተፈራሪሞም እዮም። ደቡብ አፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ዘዳልውውቶ መበል 15 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም እዮም። መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብቲ እዋን ኣብ ዙርያ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ምክልኻል፣ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ግብርና፣ምጥንኻር ክእለት መናእሰይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዘትዮም እዮም። ኣብቲ እቃን ህንዲ ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ “Voice of Global South Summit”ኣብ ዝተብሃለ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሳትፎ ገይሮም እዮም። ኣብ 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ህንዲ ሓፈሻዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ምዕዋቶም ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም ኔሮም። ቀዳምይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ እውን ንመልእኽቲ ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምቕባል ኣብ ሓዱሽሽ ዘበነ ስልጣኖም ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምዝዓቢ ምግላፆም እውን ዝዝከር እዩ። ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪካን ምትሕብባርን ደቡብ ደቡብን ዘለወን ምሕዝነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ልዑል ትኹረት ከምትህብ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣፍሊጦም እዮም ኣብቲ እዋን። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ትርጉም ዘለዎን ውፅኢታውን ዘተ ምግባሮም እውንገሊፆም። ህንዲ ኣባል ጉጅለ 20 ምዃና በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ እተን ሃገራት ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ዘጠናኽሩ ተኸታተልቲ ዘተታት ገይረን እየን። ኣብቲ እዋን ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ንግዲ፣ልምዓት፣ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎም ዑደታት ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርእዩ እዮም። ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ትራንስፖርት ኣየር፣ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምክልኻል፣ ተደራራቢ ታክስ ምትራፍ፣ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽን ሳይንስ፣ባህሊ፣ትምህርትን ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ምጥያሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ። ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንትገብሩ ንፈለማ እዋን እዩ። ድሕሪ ማንሞሃን ሲንግ ንኢትዮጵያ ዝጎብነዩ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም። እቲ ዑደት ህንዲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝዘተዩ እንትኸውን ንኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽን ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም መደረ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።