ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
እቲ ምምሕዳር ከተማ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jan 6, 2026 32
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን 381 ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ናውቲ ገዛን መሕለፊ በዓልን ብውህብቶ ኣረኪበን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ በዓል ልደት መግለፂ ፍቕሪ፣ሓጎስን ምትሕግጋዝን እዩ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንዜጋታት ወነንቲ ገዛ ብምግባር እቲ በዓል ብሓጎስ ንከሕልፉ እዚ መርሃ ግብሪ ከምዘዳለዎ ኣረዲአን። ስለዝኾነ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ዝተሃነፁ 381 ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ቁልፊ ከምዝተመሓላለፈ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ናይ ምቕያር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን።
በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ
Jan 6, 2026 39
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018(ኢዜኣ) በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ካብ ፀሎትን ምስጋናን ብዝዘለለ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም። ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ካውንስል ኣብያተ ክርስትያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያን ፅባሕ ንዝኽበር በዓል ልደት ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ኣብ መልእኽቶም እውን፤ በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ካብ ፀሎትን ምስጋናን ብዝዘለለ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም። ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዕሙቕ ፍቕሪ ብተግባር ዝገለፀሉ እዩ። ተኸተልቲ እቲ እምነት እውን በዓል ልደት እንተኽብሩ ንፈጣሪ ፀሎትን ምስጋናን ካብ ምቕራብ ብዝዘለለ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምትሕስሳብን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ሊቀ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ ብግደኦም፤ ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ዓቕሚ ንዘይበሎም ወገናት ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ እቲ በዓል እንትኽበር ሕሙማት ብምሕታት፣ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ካብ ዘለና ብምክፋልን ክዳን ብምኽዳንን ክነሕልፎ ይግባእ ኢሎም። ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣብያተ ክርስትያናት ኣመንቲ ወንጌ ኢትዮጵያ ቄስ ደረጄ ጀምበሩ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ሃገራትን ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን በዓል ልደት 2018 ዓ.ም ናይ ሓጎስን ፍቕርን በዓል ንክኾነሎም ተመንዮም። ኣፈላላያት ብዕርቂ ብምፍታሕ ንዘላቒ ሰላም ንትጋህ ዝበሉ ቄስ ጀምበሩ፤ ኣመንቲ ወንጌል ፍቕርን ሰላምን ካብ ምስባኽ ካሊእ መለኮታዊ ልኡኽቶ የብልናን ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ደገፍ ገይሮም
Jan 6, 2026 33
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ደገፍ ገይሮም። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኣመራርሓነት ኣብ ፖሊሲን ትካላትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት እውን ዝሳለጥ እዩ ኢሉ። ሎሚ መላእ ቤተሰብ ኢትዮጵያ በዓል ልደት ንምኽባር ኣብ ዝሸባሸብሉ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዃን ኣብ መንጎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከምዝተረኸቡ ገሊፁ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን በዓላት ከዝገብርዎ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንዘዕብዮምን ንዝድግፎምን ህፃናት ውህብቶታትት በዓል ምሃቦምን መኣዲ ምክፋሎምን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ። እዚ ድማ በቢ መዓልቱ ኣስተዋፅአኦም ዋላ ኳ ጎሊሁ እንተዘይተዘረበ ንሃገር ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ኣፍልጦ ዝሃበ፣ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት እውን ኣብ ማሕበረሰብና ቦታ ከምዘለዎም ዘርኢ ፍቕሪ ዘካፈለ ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ፖለቲካ
እቲ ቤት ምኽሪ ንሹመት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ
Jan 6, 2026 53
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንሹመት ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሃይማኖት ዘለቀ ኣፅዲቑ። እቲ ቤት ምኽሪ መበል 8ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ ኣካይዱ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ንወይዘሮ ሃይማኖት ዘለቀ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኮይነን ንክመርሓ ዝቐረበ ረቂቕ መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቁ። ወይዘሮ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ካብ ሪፖርተር ክሳብ ኣርታኢ ከምኡ እውን ኣብ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ(ኢቢሲ) ብሞይአን ኣገልጊለን እየን። ብተወሳኺ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመዓርግ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓላፊት ዘፈር ኮሙኒኬሽን ኮይነን ከምዘገልገላ ተገሊፁ። ኣብ ነበር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ከምዝሰርሓ ተሓቢሩ።
ሃገራዊ ምኽክር፣ህንፀት ባህሊ ዲሞክራስን ትካላትን ንኹሉ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ወሰንቲ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 6, 2026 65
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር፣ህንፀት ባህሊ ዲሞክራስን ትካላትን ንኹሉ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 75 ዓመት በዓል ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም። እቲ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራቦም እውን ካብ ሙሁራን ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ፀገማት ኢትዮጵያ ብምፍታሕ ብዝተደመረ ዓቕሚ ሃገር ንምምዕባል ሙሁራን ሓሳብ ካብ ምፍልፋልን ፀገም ፈታሕቲ መፅናዕቲ ካብ ምግባርን ጀሚሩ ብተግባር ለውጢ ዘምፅእ ስራሕ ከሳልጡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣፈላላያት ፖለቲካ ከመይ እዩ ምፍታሕ ዝከኣል ብዝብል ንዝተልዓለሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ምፍታሕ ጉዳይ ቆራፅነትን ቅዋምን ክኸውን ኣለዎ። በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ጫፍ ዝወፁ ኣተሓሳስባታት ንኢትዮጵያ ንቕድሚት ከምዘይስዱ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ናይ ኩላትና እያ ብዝብል ኣተሓሳስባ ኣሚንና እንተሰሪሕና ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ክንሳገር ኢና ኢሎም። ንታሪኽ ብሚዛን፣ንሎሚ ብትግሃት፣ንፅባሕ ድማ ብተስፋ ኢና ንምልከቶ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንኹሉ ሕብረተሰብ ማዕረ ዕድል ምሃብ ከምዝግባእ ኣረዲኦም። ጠንካራ ሃገራዊ ሓድነት ምፍጣር ዝከኣል ሓባራዊ ተረኽ ብምህናፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግሥቲ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መንግሥቲ ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ-ሚኒስትር መሐመድ እድሪስ
Jan 5, 2026 97
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 27/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ባህሊ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ንክዓብን ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ መንግሥቲ ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሃገርን እቲ ዞባን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ጠንካራ ሃገር ዝህነፅ ብሓድነትን ምኽክርን ህዝብታት ከምዝኾነ መንግሥቲ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ሱር ሰዲዶም ዝፀንሑ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕን ኣብ ወሳኒ ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታዉ መርኣያ እዚ ቆራፅነት እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ እውን ፖለቲካዊ ድሌቶም ብሓይሊ ንምዕዋት ንዝሙኩሩ ኣካላት ካብ ስሕተቶም ተመሊሶም ናብ ሰላማዊ መንገዲ ንክመፁ መንግሥቲ ፃውዒት ሰላም እናቕረበ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብርክት ዝበሉ ነበር ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ናብ ሰላማዊ ሂወት እናተመሱ ከምዝርከቡ ገሊፆም። ኣብ መንጎ ህዝብታት ምቅርራብ ንክህሉ፣ሓባራዊ ተረኽ ንክህነፅን ሃገር ቦቆል መፍትሒ ፀገም ስርዓታት ንክምዕብሉን ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። ሃገራዊ ጉዕዞ ዕቤትን ብልፅግናን ንምዕዋት ሰላም ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን መንግሥቲ ብትኹረት ምስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓ.ም ኣፍሪካዊት መርኣያ ብልፅግና ክትኸውን እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 5, 2026 86
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 26/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ዓ.ም ኣፍሪካዊት መርኣያ ብልፅግና ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም። ኣብ ዘቕረብዎ ፅሑፍ እውን፤ ከም መንግሥቲ ኣብ 2023 ዓ/ም ኢትዮጵያ ኣፍሪካዊት መርኣያ ብልፅግና ክትኸውን ኣለዋ ዝብል ራኢ ሰኒቕና ኢና፤ እዚ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክነዐውቶ ኢና ኢሎም። ኣብ 2040 ዓ/ም ድማ ኣብ ዓለም መርኣያ ዝኾነት ሃገር ክትኸውን እያ ክብሉ ሓቢሮም። ንዕዉትነት እዚ ራኢ ሰብኣዊ ልዕልና፣ልኣላዊነት ኢኮኖሚ ምርግጋፅን ኣፍሪካዊት ሓያል ምዃንን ዝብሉ ሰለስተ ትልምታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ዝተሳገረን ዝተኣሳሰረን ሙሁራዊ እጃም ንምብርካት እውን ንቑሕ ተሳትፎ ምግባር፣ካብ ባዕልኻ ዝተሳገረ ዕላማ ምሓዝ ከምኡ እውን ብሞያ ምግልጋልን ድልድል ምዃንን ኣድላይ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ካብቲ ነባር ሓፁር ሓሳብ ንውፃእ፣ሓደሽቲ ሓሳብ ንምፍጣር ንፀዓር፣ሓሳብ ዶብ ስለዘይብሉ ካብ ከባብን ዓሌትን ወፂእና ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ብሓባር ንስራሕ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ፀገም ክልል ትግራይ ብምኽክር ከምዝፍታሕ ኢና ንኣምን-ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ
Jan 3, 2026 155
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ፀገም ክልል ትግራይ ብምኽክር ከምዝፍታሕ ከምዝኣምኑ ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ ገሊፆም። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ ውድባት ፖለቲካ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዘተ፤ ኣመራርሓ ውድባት ባይቶና፣ወለዶ ትግራይ፣ትንሳኤ 70 እንደርታ፣ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ)፣ቃንጪ ሓቂ፣ዓረና ትግራይን ራያ ራዩማን ምስታፎም እውን ሓቢሩ። እቲ ዘተ ዝኸፈቱ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ(ፕሮፌሰር) እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዘሳለጦም ስራሕቲ ነቶም ተሳተፍቲ ኣብራህሪሆም። ብዘይ ተሳትፎ ክልል ትግራይ እቲ ምኽክር ምዝዛም ስለዘይሕሰብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ንምስታፍ በቲ ኮሚሽን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልልን ኣብ መላእ እታ ሃገርን ዝሳተፉ ውድባት ፖለቲካ ክልል ትግራይ እዚ ከይዲ ንክዕወት ኣብ ጎኒ እቲ ኮሚሽን ኮይኖም ደገፍ ንክገብሩ ሓቲቶም። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቶም ውድባት ፖለቲካ ብግደኦም፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ምኽክር ንክግበር ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ንኢዶም። ፀገም ክልል ትግራይ ብዘተ ከምዝፍታሕ ከምዝኣምኑ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብሕታዊ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ክልል ትግራይ ኣካል እቲ ምኽክር ክትኸውን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እቲ ኮሚሽን ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል እቲ ምኽክር ኣብቲ ክልል ክጅምሮ ከምዘለዎ ምግላፆም እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።
በቲ ሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምና ክንዋፃእ ኢና
Jan 3, 2026 144
መቐለ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ብከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምና ንምውፃእ ድሉዋት ኢና ክብላ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ገሊፀን። ኢዜኣ ዘዘራረበን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ትግራይ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ፤ ብምኽክር ፀገማት ምፍታሕ መርኣያ ስልጣነን ብስለትን ከምዝኾነ ተዛሪበን። ስለዝኾነ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተጣይሹ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቛፍን ኣሳታፍን ከይድታት ምኽክር ንኽካየዱ እናገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ህዝቢ ክልል ትግራይ እውን ከምቶም ካልኦት ህዝብታት ክልላት ዝዝትየሉ ዕድል ከምዘደልዮ ሓቢረን። ነባሪት ከተማ መቐለ ዝኾና ሲስተር ኪዳን ሃፍቱ፤ ብዝፍጠሩ ፀገማት ቀዲሞም ዝጉድኡ ድቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ከምዝኾኑ ብምግላፅ ንህንፀት ሰላም ግንባር ቀደም ተሳታፊ ምዃንና ግድን እዩ ኢለን። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፀንሑ ፀገማት ብምኽክር ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ዓብይ ተስፋ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ብኣግባቡ ከይተጠቐምናሉ እቲ ዕድል ከምልጠና ኣይግባእን ክብላ ኣረዲአን። ኣብዚ ታሪኻዊ ከይዲ ምኽክር ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ኣካል መፍትሒ ዘላቒ ሰላም ኮይንካ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን። ብከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እጃምና ንምውፃእ ድሉዋት ክንኸውን ኣለና ክብላ ኣፅንኦት ሂበን። ኣብቲ ክልል ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ነባሪት ወረዳ ወጀራት ዒስራ ዓዲ ወይዘሮ ታደሉ ገብረሄት ብግደአን፤ እቲ ከይዲ ምኽክር ንኩላትና ብሩህ ተስፋ ዝሓዘ ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ እጃምና ንምውፃእ ድሉዋት ኢና ኢለን። ካልእይቲ ወሃቢት ርኢቶ መንእሰይ ዮርዳኖስ ገብረሃዋርያ፤ ንፀገማት መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ካብ ምኽክር ዝበለፀ ኣማራፂ ከምዘየለን ኣብዚ ታሪኻዊ ዕድል ብንቕሓት ንምስታፍን ተዳሊውና ኢና ኢላ።
መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ይኣምን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 2, 2026 170
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ከምዝኣምንን ንተግባራዊነቱ እውን እናሰርሐ ከምዝርከብን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት ምስረትኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ብምቕራብ ተሳቲፈ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ እውን ሙሁራት ኢትዮጵያ ኣብ ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዎም እጃም ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ሓሳብ ሓይሊ ለውጢ እዩ፤ ሙሁራን ድማ ወኪላት ለውጢ እዮም። ሙሁራት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝፈጥርዎ ለውጢ እውን ንሃገር ናብ ብልፅግና ከምዝወስድ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሙሁራት ሓሳብ ኣኽበርትን ኣፍቀርትን፣ዕሙቕ ተንተንቲ፣ኣንበብቲ፣ፈታሕቲ ፀገምን ኣለሽቲ መፍትሕን ክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሓቢሮም። መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ከምዝኣምንን ንተግባራዊነቱ እውን እናሰርሐ ከምዝርከብን ኣረዲኦም። እቶም ትካላት ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ከምኡ እውን ምርምር ምስ ቴክኖሎጂ ብምንባብ ናብ ፈጠራን ተግባርን ክልውጡ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ እዚ ድማ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብዝተደመረ ዓቕሚ ንምቅልጣፍ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

ማሕበራዊ
እቲ ምምሕዳር ከተማ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jan 6, 2026 32
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓትን ደገፍን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን 381 ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ናውቲ ገዛን መሕለፊ በዓልን ብውህብቶ ኣረኪበን። እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ በዓል ልደት መግለፂ ፍቕሪ፣ሓጎስን ምትሕግጋዝን እዩ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንዜጋታት ወነንቲ ገዛ ብምግባር እቲ በዓል ብሓጎስ ንከሕልፉ እዚ መርሃ ግብሪ ከምዘዳለዎ ኣረዲአን። ስለዝኾነ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ዝተሃነፁ 381 ኣባይቲ ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ቁልፊ ከምዝተመሓላለፈ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ሂወት ዜጋታት ብዘላቕነት ናይ ምቕያር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን።
በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ
Jan 6, 2026 39
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018(ኢዜኣ) በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ካብ ፀሎትን ምስጋናን ብዝዘለለ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም። ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ካውንስል ኣብያተ ክርስትያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያን ፅባሕ ንዝኽበር በዓል ልደት ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ኣብ መልእኽቶም እውን፤ በዓል ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ካብ ፀሎትን ምስጋናን ብዝዘለለ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም። ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዕሙቕ ፍቕሪ ብተግባር ዝገለፀሉ እዩ። ተኸተልቲ እቲ እምነት እውን በዓል ልደት እንተኽብሩ ንፈጣሪ ፀሎትን ምስጋናን ካብ ምቕራብ ብዝዘለለ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምትሕስሳብን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ሊቀ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ ብግደኦም፤ ውልደት እየሱስ ክርስቶስ እንትኽበር ዓቕሚ ንዘይበሎም ወገናት ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ እቲ በዓል እንትኽበር ሕሙማት ብምሕታት፣ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ካብ ዘለና ብምክፋልን ክዳን ብምኽዳንን ክነሕልፎ ይግባእ ኢሎም። ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣብያተ ክርስትያናት ኣመንቲ ወንጌ ኢትዮጵያ ቄስ ደረጄ ጀምበሩ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ሃገራትን ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን በዓል ልደት 2018 ዓ.ም ናይ ሓጎስን ፍቕርን በዓል ንክኾነሎም ተመንዮም። ኣፈላላያት ብዕርቂ ብምፍታሕ ንዘላቒ ሰላም ንትጋህ ዝበሉ ቄስ ጀምበሩ፤ ኣመንቲ ወንጌል ፍቕርን ሰላምን ካብ ምስባኽ ካሊእ መለኮታዊ ልኡኽቶ የብልናን ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ደገፍ ገይሮም
Jan 6, 2026 33
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018 (ኢዜኣ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ደገፍ ገይሮም። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኣመራርሓነት ኣብ ፖሊሲን ትካላትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት እውን ዝሳለጥ እዩ ኢሉ። ሎሚ መላእ ቤተሰብ ኢትዮጵያ በዓል ልደት ንምኽባር ኣብ ዝሸባሸብሉ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዃን ኣብ መንጎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከምዝተረኸቡ ገሊፁ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን በዓላት ከዝገብርዎ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ንዘዕብዮምን ንዝድግፎምን ህፃናት ውህብቶታትት በዓል ምሃቦምን መኣዲ ምክፋሎምን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ። እዚ ድማ በቢ መዓልቱ ኣስተዋፅአኦም ዋላ ኳ ጎሊሁ እንተዘይተዘረበ ንሃገር ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ኣፍልጦ ዝሃበ፣ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት እውን ኣብ ማሕበረሰብና ቦታ ከምዘለዎም ዘርኢ ፍቕሪ ዘካፈለ ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ቁጠባ
ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 4, 2026 93
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 26/2018(ኢዜኣ) ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ዑደት ምግባሮም ሓቢሮም። እቲ ዑደት ብሄራዊ ዓቕሚ ስራሕ ሎጂስቲክስ ሃገርና ንምግምጋምን ዝዓቢ ዘሎ ኣጀንዳ ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ኣብ ድሉውነት ሎጂስቲክስ ሃናፂ ዘተታት ንምክያድ ጠቓሚ ዕድል ሂቡና እዩ ኢሎም። ኢኮኖሚና እናዓበየ እንትኸይድ ዓውዲ ሎጂስቲክስ እንተዘይማዕቢሉ ዘላቒ ዕቤት ዝዓግት ዋና መሰናክል ምዃኑ ክቕፅለሉ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም። ሕዚ ብፍላይ ድማ ብውሽጣውን ባዕላዊ ዓቕምን ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ዓዝዩ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ድማ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ንምህናፅ፣ ውፅኢታውነት ንምምሕያሽን ኣብ ዓውዲ ባቡር ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ዘላቕነት ንምርግጋፅ ዘለና ፅኑዕ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም። ሎጂስቲክስ ካብ ባሕሪ ክሳብ መኽዝናት ዘሎ ሙሉእ ሰንሰለት ከምዝሓቁፍ ብምግላፅ፤ ኣውራ መንገድታት፣ ኣገልግሎታት ትራንስፖርትን መዋህለሊ ትካላትን ከምዝሓውስ እውን ፀሪሖም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ ኢድና ኣብ ዘለዉ ዓውድታት ከም ደረቕ ወደባት፣ መሰረተ ልምዓት ባቡር፣ ኣውራ መንገድታትን ህንፀት መኽዝንን ኣድላይ ስራሕቲ መመሓየሽታትን ዘበናዊ ምግባርን ኣብ ከይዲ ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እዞም ተዛመድቲ ክፍተታት ሎጂስቲክስ ብዝተዋደደ መንገዲ ምፍታሕ ማለት ዕንቅፋታት እቲ ዓውዲ ንምስጋርን ሰፊሕ ሽቶታት ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ወሳኒ እዩ።
ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽር እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jan 3, 2026 126
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ዘቀላጥፍን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ቁልፊ ጉዳይ ጉዕዞ ዕቤት ኢኮኖሚና እዩ ኢሎም። ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ - ድሬዳዋ ዝርከበሉ ከይዲ ስራሕ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓለፍቲ ስራሕ ምዝታዮም ሓቢሮም። ኣብ ከይዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ዝሳለጡ ዘለዉ ምድላው ሓይሊ ሰብ፣ ቀረብ ማሽነሪን ካልኦት ናውቲ ህንፀትን፣ ምድላው ዑደት ስራሕን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝተገበሩ ዘተታትን እንታይ ይመስሉ ዝብሉ ጉዳያት ምድህሳሶም ኣረዲኦም። ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ - ድሬዳዋ ንከበድቲ መኪናታት ፅዕነት ኣፀጋሚ ዝነበረ መንገዲ ምችው ብምግባር፣ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ዘቀላጥፍን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት ተወዳዳሪነት እቲ ኢኮኖምን መነባብሮ ዜጋታትን ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ገደብ ንክዛዘም ዝተዋደደ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ኣድላይ ፍርያታት ብዝተመጣጠነ ዋጋ እናቕረቡ እዮም
Jan 3, 2026 87
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ኣድላይ ፍርያታት ኢንዱስትሪን ግብርናን ብዝተመጣጠነ ዋጋ እናቕረቡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ብሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ተዘዋዊሩ ምንቅስቓስ ንግዲ ተዓዚቡ። እቶም ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ እዋን በዓላት ሕፅረት ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት ንከይፍጠር ምድላው እናተገበረ እዩ ፀኒሑ። ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 1 ሽሕን 600 ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ንበዓል ልደት ኣድላይ ፍርያታት እናቕረቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት እውን ኣድላይ ፍርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንሸማቲ እናቕረቡ ከምዝርከቡ ኣብ ዑደቶም ምርግጋፆም ኣፍሊጦም። ንበዓል ልደት ኣድላይ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ምቕራቦም እውን ፀሪሖም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ሓባራዊ ዕቤትን ዘረጋግፅ ስትራቴጂካዊ ጉዳይ እዩ
Jan 2, 2026 119
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ ሓባራዊ ዕቤት ዘረጋግፅ ምኽንያታውን ስትራቴጂካውን ጉዳይ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ታሪኽን ኣምባሳደራትን ተዛሪቦም። ተመራማሪ ታሪኽን ባህልን ፕሮፌሰር ኣሕመድ ዘካሪያ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ታሪኽን ክብርን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ሩባ ኣባይን ዝተኣሳሰረ እዩ። ክልቲኦም ኣካላት ማይ ንዕቤትን ስልጣነን ኢትዮጵያ ኣማራፂ ዘይኮነስ ብሄራዊ ረብሓ ናይ ምኽባርን ጉዳያት ህልውናን እዮም ኢሎም። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወናኒት ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን በሪ ባሕሪ ዝነበረት ሃገር ከምዝኾነት ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ስሕተት ብምእራም ናይ ባዕልኻ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ንምምላስ ዝግበር ትኽክለኛ ተግባር ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ዓሰብ ሕጋዊ፣ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ እቲ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ፀሪሖም። ነበር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ የመንን ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቶፊቅ ኣብዱላሂ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ባዕላ በሪ ባሕሪ ንክትርሕቕ ዝተገበረሉ ሽርሒ ዘጣዕስ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ሕቶ ምላሽ ንምርካብ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ዲፕሎማሲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም። ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ከምዝህልዎ ኣብራህሪሆም። እዚ ሕቶ ወለዶን ቀንዲ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓን ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ኩሉ ዜጋ ብሓባር ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
እንተተማሂርናን ድሉዋት እንተኾይንናን ኣብ ኤኣይ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 6, 2026 64
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 28/2018(ኢዜኣ) እንተተማሂርናን ድሉዋት እንተኾይንናን ኣብ ኤኣይ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 75 ዓመት በዓል ምስረታ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም። እቲ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራቦም እውን ካብ ሙሁራን ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ መንግሥቲ ልምዓት ኮሪደርን መንገድን ነቲ ነባሪ እንተቕርብ እዚ ብኣግባቡ ከመይ ክተሓዝ ከምዝኽእል ድማ ሙሁራን ንከተማነት ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር ኢሎም። ምስ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብዝተኣሳሰረ እውን ኢትዮጵያ ዓብይ ተስፋ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም። ኤኣይ ካብ ዝደልዮም ነገራት እቲ ሓደ ኢነርጂ ከምዝኸነ ብምሕባር፤ ብመዳይ እዚ ኢትዮጵያ ብዙሕ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣረጋጊፆም። ኣብ ኢነርጂ ኢንቨስት እንተገይርና ንኤኣይ ሓደ ምችው ጉዳይ ፈቲሕናሉ ማለት እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም። እቲ ካሊእ ኤኣይ ዝደልዮ ጉዳይ ድማ ሓበሬታ(ዳታ)ን ማእኸል ሓበሬታ(ዳታ ሴንተር)ን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። እንተተማሂርና፣ድሉዋት እንተኾይንና፣ንሰርሖም ዘለናን ኣብ ቀፃሊ እነሳልጦምን ሓዊሱ ብምትሕብባር ንለውጢ ድሉዋት ኮይንና ብትግሃት እንተሰሪሕና ኣብ ከይዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዘይነዓቕ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት እናንበረት እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 5, 2026 70
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 27/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ማዕቐፍ ፖሊሲን መሰረተ ልምዓትን ሓዊሱ ንሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት ዘንብሩ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት በዓል ምስረትኡ ዝምልከት ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ኣቕሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ሙሁራን ንዝቐረቡሎም ሕቶታት እውን ምላሽን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ፅዕንቶን እጃምን ብዝለዓለ ኩነታት እናወሰኸ ምምፅኡ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ፈረንጂ 2025 ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተክአ ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅል ሓቢሮም። ቀልጢፍና ደቅና እንተዳሊውና ሰብ ስራሕ ብልሒ ከም ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብቐሊሉ ክንጥቀም ንኽእል ኢና ኢሎም። ንኤ.ኣይ ንፈጥሮ ንሕና ኢና እንቕይሮ እውን ንሕና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቀዲምና ፋውንዴሽን ክነንብር ይግባእ ክብሉ ኣብራህሪሆም። መንግሥቲ ንሰብ ስራሕ ብልሒ ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣዳሊዉ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሙዜም ሳይንስ እቲ ሓደ መሰረተ ልምዓት እዩ ኢሎም። መሰረተ ልምዓትን ተውህቦ(ታለንት)ን ኣብቲ ዓውዲ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎም እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ እትሃንፆ ዩኒቨርሲቲ ኤ.ኣይ እውን ብዙሓት ፀገማት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ከምዝፈትሕ ትፅቢት ከምዝግበር ኣረዲኦም። እቲ ዋና ደቅና እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ደቅና ዝወዳደርሉን ካብ ካልኦት ንኢሶም ዘይረኣይሉን ኩነታት ንምፍጣር እውን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ቀዲምካ ምውድዳርን ቀዲምካ ምርካብን ኣድላይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንኤ.ኣይ በዚ መልክዕ ምርኣይ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ኤ.ኣይ ስራሕቲ ኣብ ምፉዃስን ግዜ ኣብ ምቑጣብን ወሳኒ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ እውን ፀሪሖም። እቲ ፈላማይ ወለዶ ንኢኮኖሚ ቀዳምነት ዝሃበን እቲ ካልኣይ ወለዶ ድማ ፖለቲካ ዘቐደመን ከምዝኾነ ዝገልፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይዚ ሕዚ ዘበን ድማ ወለዶ ሓሳብ እዩ ኢሎም። ሓሳብ ዝፎቱ ወለዶ ፀገማት እናፈትሐ ከምዝኸይድ እውን ተዛሪቦም።
ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ፕሮግራማት ስልጠና እናተኸፈቱ እዮም
Jan 2, 2026 138
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018 (ኢዜኣ) ንዕዉትነት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣብቲ ዓውዲ ብቑዓት ሰብ ሞያ ንምፍራይ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ፕሮግራማት ስልጠና እናተኸፈቱ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዕሊ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን፤ ተበፃሕነት ምስፋሕ፣ንዜጋት ማዕረ ዕድል ምፍጣር፣ኣብ መንጎ ትካላትን ዜጋታትን ዘሎ ምትእምማን ምጥንኻር ቁልፊ ትልምታት እቲ ስትራቴጂ ከምዝኾኑ ምግላፆም ዝዝከር እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ስልጠናን ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሞያን ዝተባባዕ ለውጢ ንክምዝገብ ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ። እቲ ኢንስቲትዩት፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ከዐዉቶም ምስ ዝሓዞም ዕላማት ብምትእስሳር ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሎ ምድላው ሰነድ እናገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ሽቶታት ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕዋት ዝሓሸ ዲጂታል ክእለት ዘለዎም ሰልጠንቲ ንምፍራይ ብትኹረት ዝስረሐሉ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ሴክዩሪቲ ሳይበርን ካልኦት ዓይነታት ስልጠናን ንዕዉትነት እቲ ስትራቴጂ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ቴክኖሎጂ ብዘሰጋግር መልክዑ ተግባራዊ ክግበር እዩ
Jan 2, 2026 126
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018 (ኢዜኣ) ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ቴክኖሎጂ ብዘሰጋግር መልክዑ ተግባራዊ ከምዝግበር ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዕሊ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን፤ ተበፃሕነት ምስፋሕ፣ንዜጋት ማዕረ ዕድል ምፍጣር፣ኣብ መንጎ ትካላትን ዜጋታትን ዘሎ ምትእምማን ምጥንኻር ቁልፊ ትልምታት እቲ ስትራቴጂ ከምዝኾኑ ምግላፆም ዝዝከር እዩ። ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንስራሕቲ ምክልኻልን ምርመራን ገበን ቴክኖሎጂ ብሰፊሑ እናተጠቐመ እዩ ዝርከብ። ዝተፈላለዩ መተግበሪታት ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምምዕባል ከምኡ እውን ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታን ብምትሕብባር ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም። ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ስራሕቲ ፖሊስ ለውጢ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ እውን ሓቢሮም። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሰብ ኣልቦ ፖሊስ ጣብያ(Smart Police Station) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስራሕ ከምዝጅምር ፀሪሖም። ፖሊስ ፌዴራል ኣብ 2030 ምርመራን ምክልኻልን ገበንን ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ሙሉእ ብሙሉእ ብቴክኖሎጂ ንምምዕባል ብቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ፖሊሳዊ ኣገልግሎታት ብዝለዓለ ብርኪ ዘጠናኽር እዩ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን 196 ሃገራት ዝሳተፋሉ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፖሊስ(ኢንተርፖል) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፤ እቲ ትካል ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ብብርኪ ዓለም ተወዳዳርን ዝማዕበለን ከምዝኾነ ንምርኣይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ስፖርት
ንብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ሽልማት 10 ሚልዮን ተበርኪቱ
Dec 2, 2025 969
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 23/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ስፖርትን ባህልን ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንዝሓለፈ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ። እቲ ሚኒስቴር ምስ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ሎሚ ምሸት እንግዶት ድራር ገይሩ። እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ነቲ ብሄራዊ ጋንታ ዘበርከተ እንትኸውን ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ እቲ ሽልማት ኣረኪበን። እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ዝተረኸበ ዓወት ውፅኢት ሓባራዊ ስራሕ መንግስትን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግርን ኢትዮጵያ እዩ። እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝህልዎ ተሳትፎ ውፅኢታዊ ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኢትዮጵያ ብትሕቲ 17 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምሕላፋ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም
Dec 2, 2025 658
ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ(ቀይ ቀበሮዎቹ) ንኬንያ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመታት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምሕላፎም እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ እውን ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣብ ሰገናት በርቲዕና እንተሰሪሕና ኩዕሶ እግርና ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ሓፍ ዝብለሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኸውን እዚ ዓወት መርኣያ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ናይ ሎሚ ውፅኢት ንክርከብ እጃሞም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ኣመስጊኖም።
ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፉ
Dec 2, 2025 562
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/23/ 2018 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ንኬኒያ መዘንኡ 3 ን 0 ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ። ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ መፃረዪ ሲካፋ ፅዋዕ ኣፍሪካ፤ ዳዊት ካሳው፣ቢኒያም ኣብረሃን ብሩክ እይላቸውን ድሕሪ ዕረፍቲ ንሕድሕዶም ብድምር ሰለስተ ሽቶታት ኣቑፂሮም። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ምድቡ ሳልሳይ ኮይኑ ብምዝዛም ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ።
ውህብቶ ኩዕሶ እግሪ ሰገናት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅ ተስፋ ዝህብ እዩ
Nov 24, 2025 899
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኩዕሶ እግሪ ሰገናት ዝጀመረቶ ፃዕርን ዓቕሚ ውህብቶ ሰገናትን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጠንካራ ተወዳዳሪ ብሄራዊ ጉጅለ ምህናፅ ከምትኽእል ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ቤንጃሚን ዚመር ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንክተተኣናግድ ብዕሊ ሕቶ ምቕራቦም ዝፍለጥ እዩ። ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ቤንጃሚን ዚመር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ክእለት ዘለዎም ተፃወትቲ መናእሰይ ከምዘለዉ ኣረዲኦም። ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ተወዳዳርን ኣሸናፍን ብሄራዊ ጉጅለ ንምፍጣር ዘቐመጦ ሽቶ ተስፋ ዝህብ እዩ ኢሎም። ንኣባላት ብሄራዊ ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ እውን”ዘይተቖረፀ ኣልማዝ”ክብሉ ንዘለዎም ዓሚቕ ዓቕሚ ንኢዶም። መንግሥቲ ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝወስዶም ስጉምትታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ትሕቲ 15፣17፣20 ዓመት ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰገናት ናይ ምብቃዕ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።
ሓለዋ ኸበቢ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዘትዮም
Dec 17, 2025 551
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 8/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ጉጅለ ልኡኾምን ብዛዕባ ምድላዋት ኮፕ 32 ዘትየ ኢሎም። ኣብቲ ዘተ፤ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ንኣህጉር ክውክል ዝኽእል ኮፕ 32 ንምድላው ብኸመይ ተቐራሪቦም ክመኽሩ ከምዝኽእሉ ዘትዮም፡፡ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንኮፕ 32 ዕዉት ንምግባር ቁልፊ መሓዛ ኢትዮጵያ ንምዃን ቆራፅ ከምዝኾኑ ተገንዚበ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ-32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት እዩ
Dec 12, 2025 441
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ኮፕ-32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ብብሱል ኣመራርሓ ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተረኸበ ዓወት ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ኢትዮጵያ እተተኣናግዶ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ኮፕ-32) ዝምልከት መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣራዳ ፓርክ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሀይ ጳውሎስ፣ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር እታ ከተማን ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍትን ከምኡ እውን ኣልማዕቲ ተረኺቦም። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ኮፕ-32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ብብሱል ኣመራርሓ ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝረተኸበ ዓወት እዩ። እዚ ድማ ዓብይ ዓወት ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ እተን ከንቲባ ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓትን ፅባቐን ከተማ ዝተረኸቡ ውፅኢታት እቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ንክተተኣናግድ ተመራፂት ንክትኸውን ኣኽኢሎማ እዮም ኢለን። እቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያውያን ብዙሕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅእ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ መንግሥቲ እጃም መሪሕነት ንክዋፃእ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲአን። እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻት ናይ ምትእንጋድ ዕድል ንክትረክብ፣ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንምርኣይን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ወሳኒ እዩ ኢለን። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሀይ ጳውሎስ ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ዓለም ዓለም ለኸ መድረኻት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፀን። ኣብ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ኮንፈረንሳት ብብቕዓት ምትእንጋድ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፤ ውፅኢቱ እውን ብሓባራዊ ምትሕብባር ዝተመዝገበ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ኣዳላውነት ጉባኤ ኮፕ-32 ንምርካብ ዓለም ለኻዊ ውድድር ክትገብር ከምዝነበራ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፤ ብሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓትን ብዝተረኸቡ ውፅኢታት ከምዝተመረፀት ሓቢረን።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ብተግባር እናሓገዘ እዩ ዝርከብ
Dec 11, 2025 416
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 2/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ብተግባር እናሓገዘ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተግባራዊ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ዓለም ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (COP-30) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (COP-32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈጻሚ ስራሕ ልምዓትን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ ፋኑሴ መኮንን፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ተግባራዊ ምላሽ እናሃበ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ዝተተኸሉ እንትኸውን፤ እቶም 40 ሚኢታዊ ሃገር ቦቆል፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ዝተፈላለዩ ዓሌት ዘለዎም ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኣገልግሎት ምግቢ ዝውዕሉ ኣትክልትን ፍራ ምረን ሓዊሱ ካልኦት ፈልስታት ብሰፊሑ ከምዝተተኸሉ ብምሕባር፤ እዚኣቶም ድማ ንፍልፍል ኣታዊ ቤተሰብን ስርዓት ምግቢ ንምምሕያሽን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምትእንጋድ ምምራፃ ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ እዩ
Nov 30, 2025 744
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 21/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምትእንጋድ ምምራፃ ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) “ውፅኢታዊ ፀብፃብ ለውጢ ከብባያዊ ኣየር፤ ድሕንነቱ ንዝተረጋገፀ፣ጠንካራን ዝተረጋግዐን ዞባ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሽልማት ሚድያ 2025 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢጋድ ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምላሽ ንምሃብ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ እውን ብስትራቴጂክ ትልሚ ምምራሕ ዘኽእል ስራሕ ምትሕብባር እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ኢትዮጵያ እውን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ብተግባር ዝተደገፈ ለውጢ ኣብ ዘምፅእ ስጉምቲ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምትርከብ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ኣብ 2027 ንምትእንጋድ ብሙሉእ ድምፂ ምምራፃ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቅላስ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ግምባር ቀደም እጃም ከምዘለዎም ኣፍልጦ ጋዜጠኛታት ኢጋድ 2025 መርኣያ እዩ ኢሎም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Dec 26, 2025 302
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። “ዘላቒ ቀረብ ማይን ምርግጋፅ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶ ኣጀንዳ 2063”መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ 2026 እዩ። እቲ መሪሕ ሓሳብ ዘዳለዎ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽን ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን እዩ። ዋና መልእኽቲ ናይዚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ ኣብ ድሕንነትን ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ እዩ። እቲ መሪሕ ሓሳብ ምስ ኣጀንዳ 2063 ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።
ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና-ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
Dec 24, 2025 251
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018(ኢዜኣ) ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ንዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና ክብል ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ገሊፁ። ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብኣገዛዝኣ መንግስቲ ኤርትራ በፂሑና ንዝበሎ ሰፊሕ በደል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ወፍሪ ምጥፋእ ዘርእን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ጋምቢያ(ባንጁል) ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ንዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ምልኣኹ እውን ንኢዱ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ርኡያት ክሲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተቐቢሉ ብቁፅሪ መዝገብ 868/25 ከምዝመዝገበ፣ፍረ ነገርን ትሕዝቶን እቲ ክሲ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ከምዝለኣኾ እቲ ኮሚሽን ከምዘፍለጠ እውን ገሊፁ። ኣቦ መንበር እቲ ትካል ኢብራሂም ሀሩን ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ደናክል ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝፍፅሞ ዘሎ ሰፊሕ፣ስልታውን፣መንግስታውን ቀፃልነት ዘለዎን ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ምጥፋእ ዘርእን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተበኣኣሰ መፂኡ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ይበፅሑ ኣለዉ ካብ ዝበልዎም በደላት ካብ ሕግን ፍርድን ወፃኢ መቕተልትን ዘርኢ ተኮር ጭፍጨፋን ምክያድ፣ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ምስቓይን፣ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ምስዋር፣ኣገዲድካ ወታደራዊ ምልመላ ምግባር ከምዝርከብዎም ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ንልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምፍንቓልን ፆታዊ ጥቕዓትን መሳርሒ ዓፈና እቲ ኣገዛዝኣ ገይሩ እናተጠቐመሉ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ካብ ፖለቲካዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ምግላል፣መንነትን ባህልን ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምጥፋእን ኢኮኖሚያዊ መሰላት ምጥሓስን እውን ከምዝርከብዎም ፀሪሖም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ትካል ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብን ኣፍሪካ ካብ 1993 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሖም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክሲ ምቕራቡ ገሊፆም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 4 ሰነ 2025 ብ122 ገፅ ዝተዋደደ ክሲ ከምዘእተዉ ብምግላፅ፤ እቲ ኮሚሽን መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት ምላሽ ንክህብ እቲ ክሲ ከምዝለኣኸሉ ሓቢሮም። እቲ ትካል፤ ህዝቢ ዓፋር ካብ ዝበፅሖ ዘሎ መከራ ንምድሓን፣ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ድምፂ ንክኾንዎ፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ውድብ ሕቡራት መንግስትታት፣ሕብረት ኣፍሪካ ትኹረት ንክህቡናን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኢሳያስ ሕጋዊ፣ዲፕሎማሲያዊ፣ሰብኣውን ፖለቲካውን ስጉምቲ ንክወስዱ ከምኡ እውን ፅልዋ ንከሕድሩ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ፈላማይ ኮንፈረንስ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
Dec 3, 2025 748
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ውፅኢታዊ ኢነርጂ(Energy Efficiency Conference) ካብ 2 ክሳብ 3 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ትሕቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ኣብ ዝተኻየደ መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 32) ዕላዊ ዝተገበረ ማዕቐፍ ጥምረት ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ዝካየድ እዩ። ማዕቐፍ እቲ ጥምረት ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ምፅዳቑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ “ኣጀንንዳ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሓ ሓሳብ እዩ ክካየድ። እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረስ ብምትሕብባር ፍሉይ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካ ራሺድ ዓሊ ኣብደላ እቲ ኮንፈረንስ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ውፅኢታዊ ኢነርጂ ቀንዲ ሃፍቲ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ እዩ። ውፅኢታውነት ኢነርጂ ብኽነት ሓይሊ፣ልቀትን ወፃእን ካርቦን ንምቕናስ ከምኡ እውን ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ከምዘኽእል ገሊፆም። ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝሳተፉ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ትራንስፎርሜሽን ኢነርጂ ንምቅልጣፍ ኣብ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ፖሊሲታትን ብምዝታይ ሓባራዊ ኣንፈት ከምዘቕምጡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Nov 27, 2025 684
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ። “ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ጠንካራ፣ሓምለዋይን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ህንፀት ዘፈር ግብርና ብምጥቃም መፃኢ ግዜ ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”መሪሕ ሓሳብ እቲ ኮንፈረንስ እዩ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ሰብ መዚን መውፃእቲ ፖሊሲን ሃገራት ኣፍሪካ፣ተመራመርቲ ግብርናን ሳይንቲስትታትን፣ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓረስቶትን ትካላት ሓረስቶትን፣ትካላት ምርምር፣ሰብ ሃፍቲ፣መሓዙት ልምዓትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም። መፍረያይነት ግብርና ምዕባይ፣ኣገልግሎት ኤክስቴሽን ዲጂታል ግብርና፣ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ግብርና፣ ተበፃሕነት ዕዳጋ፣ሰንሰለት እሴት ምጥንኻር፣መፍረያይነት ግብርና ምስ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ምህናፅ ዘተኣሳሰረ ኣካይዳ ምኽታል፣ትግበራ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕግን ግብርና ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ዝዝትዩሎም ቁልፊ ኣጀንዳታት ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 6911
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 4147

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 8139
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 8542
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ-ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ትግራይ
Mar 21, 2025 7311
ዕለት/12/መጋቢት/2017/ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዐልባት ረኺቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሐዚ ዘድልዮ ኩናትን ጎንፅን ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ሰላም ዘስእን ምዃኑ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመራኸቢ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም’ዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግልፂ ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ‘ዩ ይብሉ።ይኹን እምበር ሕጋዊ ተቐባልነት ዝሰኣነ ሓደ ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ መራሕቲ ዕጡቓት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምምንጣል እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ይሕብሩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝደልዩ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምዕላው ብዝፈጠሮ ፀገም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ይብሉ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽን ዝተጀመረ ፃዕሪ ‘ውን በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተኣጓጎለ የረድኡ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ህወሓትን ሰራዊትን ከምዝኾኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብግልፂ ክፈልጥ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ኢሉ ናብ ኩናት ናይ ምእታው ድሌት የብሉን። ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ህልው ኩነታት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፣ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩ ናይ በዓሉ ግደ ዋላ እንተሃለዎ ኮይኑ ግና ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ህውከት እቲ ጉባኤ ኣካይደ ኣላኹ ዝብል ጉጅለ ምዃኑ ይሕበሩ። ብተወሳኺ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ እዋኑ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ዝነበረ እዋን እውን በዚ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ብምግላፅ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ከንቲባ ከተማ ማሕተም እናሕደገ ዘሎ ጉጅለ፣ እቲ ዝደልዮ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘይኮነስ ንውልቃዊ ስልጣን ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ይብሉ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ይብሉ። መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ፣ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣቦወንበር ትዴፓ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቕፋት ካብ ምዃን ክቑጠብ ኣለዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድሌታት ህዝቢ ዘኽበረን ፀገማት ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ በሪ ዝኸፈተን ታሪኻዊ ስምምዕ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዘኣከቦ ሃፍቲ ክስእኖ ‘የ ካብ ምባል ፍርሒ ዝተለዓለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማለአ መልክዑ ከይትግበር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ይግባእ። ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ነቲ ንውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮም ዘለዉ ስራሕቲ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ ዝግበር ከይዲ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እንትኾኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓንኬል ጎንፂ ብምፅማድን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣርን ባህጊ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ዝንቀሳቐሱ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣካይደኦም ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስራሕቲ ሰላም ንከይስርሑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ለይቲን ቀትሪን ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ግልፂ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እቶም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብረብሓ ዝምድና ብምፍጣር ሃፍቲ ይወሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ዳግማይ ጎንፂ ንምውላዕን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደሊዩ ኣካላት ብስፍሓት ይረአዩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ባህጊ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ፤ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኢሉ’ውን መናእሰይ እቶም ሓይሊታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይተቐበሎ ንበይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘይህሊ ኣገንዚቦም ‘ዮም። ህዝብና ካብ ፀገም ዘይወፅአን ኣብ ልዑል ሓዘን ዝርከብን ማሕበረሰብ ‘ዩ ብምባል፣ ባህጊ ህዝቢ ካብ ዝበፅሖ ፀገም ምውፃእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ዘእንትኾኑ፤ ጥፍኣተኛታት ሓይሊታት ፈሊዩ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብዝተማልአ ኩነታት እናገለፀ ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ንክህብ ይሓትት ከምዘሎን ገሊፆም ‘ዮም። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝገለፅዎ፣ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነፃፀል ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን። ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ ድሌቱ። ምኽንያቱ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ስለ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ነቲ ኵነት ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ክሳብ ሕዚ ኣይተፈትሐን፤ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂእኻ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምዕሳል የድሊ ክብሉ የርድኡ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይርዳእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ሰላም ትግራይ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኵናት ብዝተፈጥረ ቑፅሪ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ብዝግባእ ይርዳእ ‘ዩ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓት ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላሙ ክዝረግ ኣይደልን። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ለውጢ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እቲ ለውጢ ሪኢዎ ‘ዩ። እዚ ፈፂሙ ንደሓር ክምለስ ኣይደልን። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ፖለቲከኛታት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክኸዱ የብሎምን ክብሉ ይመኽሩ።/ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ/መግለፂ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 4434
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ምግታእ ኵናት’ዶ ጽሕተራ ተፃብኦ….?
Dec 4, 2024 4661
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም መራሒ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኖም ቅልቐል ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ኣብ’ቲ ቃለ-መሕትት ካብ ጉዳያት ንኻልኣይ ግዜ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁዋማት አሜሪካን ዓለምን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ስጋብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱሉስ ኪዳንን አመልኪቶም ክትንትኑ ፈቲኖም’ዮም። ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጸገማት ኤርትራ ንምእላይ ዘኽእሉ ዘቤታዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ከምዘይብሎም ግን ተጋሂዱ’ሎ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣድሂቦም ዝሃብዎ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዲጋን ዒላን ዘይሓለፈ ከንቱ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነት ዝፍለጥ’ዩ። ካብ’ተን ሓሙሽተ መትከል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ካብ ምትእትታው ምቑጣብ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ፕሪዚደንት ኢሳያስ ነዚ መትከል ጥሒሶም ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦትን ክዕምጡቑ ዘምሰዩ ኢልካ ምሕታት ንብሩ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን ፀገማት ኤርትራ መበጊሲኦም ንሶም ዝመርሕዎ መንግሥቲ ዝኽተሎ ገባቲን ጉጉይን ምሕደራ ከምዘይኮነ ንምእማን ዘድሀበ ግዳማዊ ምኽንያታት ኣብ ምቕራብ ዝህቅን’ዩ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ክዛረቡ ኸለዉ ብሰንኪ ሰኣኖ ሸቕልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ነኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊኦም ከም ጥረ ጨው ፋሕፋሕ ኢሎም ባዶ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ኣይመስሉን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል መረሒ ሓያል ሃገር እዮም ዝመስሉ። ነታ ማይ፣ መብራህቲትን ካልዖት ቐረባት አገልግሎታት ሓረሚዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥጡሕ ፖሊሲ ዕበየትን ቁጠባን ኣታኣቲዮም ኣብ ክንዲ ዝድብስዎ ሕጂው’ን ኣብ ካልእ ቆይቁይ ንምሽኻል ምህቃኖም ዘጉይ’ዩ። እዚ ኸኣ ንምፍታሕ ፀገማት ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም ዘራጋግፅ’ዩ። ብፍላይ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኵናት ከምዘይእቶን "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዝኽተሉን ምግላጾም ብወዝቢ ንዝሰምዖ አዎንታዊ እንተመሰለ’ኳ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘረጋግፆ ግን ፕሬዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ኵናት ክነብሩ ዘክእሉ መራሒ ከምዝኾኑ’ዩ። ኤርትራ ካብ ምፅሕታር ተፃብኦታት ወፂኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክትገብር ናይ ብሓቂ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ’ዩ ዝኸውን።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 11047
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
ፍሉይ ፀብፃባት
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም
Sep 9, 2025 3616
ኣዲስ ኣበባ/ ጳጉሜን/4/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡ መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡
ፅሑፋት
ዘበን ተሳጋርን ዶብ ተሳጋርን ምሕዝነት ኢትዮጵያን ህንድን
Dec 17, 2025 493
ኢትዮጵያን ህንድን ነዊሕ ክፍለ ዘበናት ዘቑፀረ ምሕዝነትን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ኣለወን። በዚ ድማ ፀጋታት ስልጣነ ይካፈላ። ክልቲአን ሃገራት ምትእስሳር ንግዲ ካብ ዝፈጠራሉ ልዕሊ 2 ሽሕ ዓመታት ከምዘቑፀረ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ። መሰረት ዘበናዊ ርክብ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ህንድን ታሪኻዊ ምሕዝነት እተን ሃገራት ከምዝኾነ እውን ይግለፅ። ኢትዮጵያን ህንድን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዝጀመራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1948 እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1950 ሳርዳት ሳንት ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣምባሳደር ህንዲ ብምዃን ተሸይሞም። ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ህንድን ኤምባሲአን ብምኽፋት እቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ብተግባር ገሊፀን እየን። ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ከም ኣቆፃፅራ ኣቅቶፓ ኣብ 1956ን 1958ን ኣብ ህንዲ ዝገበርዎም ዑደታት ብቀዳምነት ዝግለፁ እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ መወዳእታ 1960ታትን መጀመርያ 1970ታትን ፕሬዚዳንትታት ህንዲ ዝነበሩ ሳርቬፓሊ ራድሃክሪሽናንን ዛኪር ሁሴንን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ገይሮም እዮም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ቅድሚ ሓደ ዓመት ሂወቶም ዝሓለፈ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ማንሞሃን ሲንግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ እውን ዝፍልጥ እዩ። ነበር ፕሬዚዳንት ህንዲ ራም ናት ኮቪንድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2017 ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ኣብ ዑደቶም ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽንን ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ምጥንኻር ዘኽእሉ ሓባራዊ ስምምዓት መረዳድኢ ተፈራሪሞም እዮም። ደቡብ አፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ዘዳልውውቶ መበል 15 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም እዮም። መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብቲ እዋን ኣብ ዙርያ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ምክልኻል፣ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ግብርና፣ምጥንኻር ክእለት መናእሰይን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዘትዮም እዮም። ኣብቲ እቃን ህንዲ ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ “Voice of Global South Summit”ኣብ ዝተብሃለ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሳትፎ ገይሮም እዮም። ኣብ 2016 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ህንዲ ሓፈሻዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ምዕዋቶም ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም ኔሮም። ቀዳምይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ እውን ንመልእኽቲ ሓጎስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምቕባል ኣብ ሓዱሽሽ ዘበነ ስልጣኖም ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምዝዓቢ ምግላፆም እውን ዝዝከር እዩ። ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪካን ምትሕብባርን ደቡብ ደቡብን ዘለወን ምሕዝነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣልዒሎም እዮም። ስለዝኾነ ድማ ህንዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ልዑል ትኹረት ከምትህብ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣፍሊጦም እዮም ኣብቲ እዋን። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ጎና ጎኒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ዘትዮም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ትርጉም ዘለዎን ውፅኢታውን ዘተ ምግባሮም እውንገሊፆም። ህንዲ ኣባል ጉጅለ 20 ምዃና በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እተን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ እተን ሃገራት ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባረን ዘጠናኽሩ ተኸታተልቲ ዘተታት ገይረን እየን። ኣብቲ እዋን ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ንግዲ፣ልምዓት፣ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎም ዑደታት ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርእዩ እዮም። ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ትራንስፖርት ኣየር፣ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምክልኻል፣ ተደራራቢ ታክስ ምትራፍ፣ ንግዲ፣ ኮሙኒኬሽን ሳይንስ፣ባህሊ፣ትምህርትን ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ምጥያሽን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ። ሞዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንትገብሩ ንፈለማ እዋን እዩ። ድሕሪ ማንሞሃን ሲንግ ንኢትዮጵያ ዝጎብነዩ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም። እቲ ዑደት ህንዲ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ልምዓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝዘተዩ እንትኸውን ንኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽን ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም መደረ ከምዝገብሩ ትፅቢት ይግበር።