ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ- ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ

 

 

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 9/2017(ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ መንበሪ ቀፅርን ግብኡ ንምፍፃም ኣብ ዝተዋፈረሉ ዞባን ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመትብምትካል ምንስርራእኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 / ብዕሊ ከምዘጀመርዎ ዝፍለጥ እዩ።

መርሃ ግብሪ ምጅማር ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዋና ቀፅሪ ሓፈሻዊ መምርሒ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ሚኒስትር ዲኤታትት ሚኒስቴር ምክልኻል፣ጀነራል መኮንናትን ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም።

ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተሳለጡ መርሃ ግብርታት ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ተሳትፎ ገይሩ እዩ።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከም ሃገር ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ሽፋን ደንን ውሕስና ምግብን ኣብ ምርግጋፅን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻልን ውፅኢት እናምፀአ እዩ ኢሎም።ሰራዊት ምክልኻል እውን እጃሙ ብምውፃእ ኣሰሩ እናንበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ካብ ሎሚ ጀሚሩ እቲ ሰራዊት በብዘለዎ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ናይ ምግባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ሓቢሮም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ቶማስ ቱት ብግደኦም፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጎና ጎኒ ዝተውሃቦ ግቡእ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ብንቕሓት እናተሳተፈ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ዓመት ልዕሊ 18 ሚልዮን ሃገር ቦቆልን ንምግቢ ዝውዕሉን ፈልስታት ከምዝትከሉ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም