ፖለቲካ
እቲ ቦርድ ዘሳልጦም ዘሎ ምምሕያሻት ሕግን ኣሰራርሓን ንከይዲ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ብፅሒት ኣለዎም
Jan 30, 2026 3
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘሳልጦም ዘሎ ምምሕያሻት ሕግን ኣሰራርሓን ንዲሞክራሲያዊ ከይዲ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎም ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ። መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ልዕልና ሓሳብን ድሌት ህዝብን መሰረት ዝገበረ ንክኸውን ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ሓቢሩ። ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ንክካየድ ግዜ ሰሌዳ ምውፅኡ ዝፍለጥ እዩ። ምዝገባ ሕፁያት ድማ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 1 ለካቲት 2018 ዓ/ም ከምኡ እውን ምዝገባ መረፅቲ ካብ 7 ለካቲት ክሳብ 7 መጋቢት 2018 ዓ/ም ክሳለጥ እዩ። ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ መረፃ ሰላማውን ዕዉትን ንክኸውን እቲ ቤት ምኽሪ ፍሉይ ትልሚ ኣውፂኡ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ኢሎም። ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምትሕብባር ምስ ውድባት ፖለቲካ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ኣብ ቢሾፍቱ ዝተበፅሐ ቃል ኪዳን ሰላም ከም ዓብይ ዓወት ከምዝረአ ኣረዲኦም። እቲ መረፃ ተኣማንን ዲሞክራሲያውን ንክኸውን መንግሥቲ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ብምንኣድ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝፀደቐ መመሓየሺ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባ ውድባትን ስነ ምግባር መረፃን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ከምዝከኣል ዘርኣየን ንነፃ መረፃ ምችው ኩነታት ዝፈጠረን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ እታ ሃገር ኣብ ብሄራዊ ምኽክርን ፖለቲካዊ ምርግጋዕን ኣብ ዘላትሉ እዋን ምስላጡ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም። ህንፀት ሰላምን ስርዓት ዲሞክራስን ዘይነፃፀሉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ክንቀሳቐሱ ከምዘለዎም ኣብራህሪሆም።
ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንዕዉትነት ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም እዮም
Jan 30, 2026 9
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንዕዉትነት ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ልምዓት ሃገሮም ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሃናፂ እጃም እናበርከቱ እዮም። ንዕዉትነት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝተኻየደ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ እውን ሓቢሮም። ኣብቶም መድረኻት እውን ኣብቲ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝቐርቡ ኣጀንዳታትን ተሳተፍትን ብምፍላይ ናብቲ ኮሚሽን ከምዘቕረቡ ተዛሪቦም። ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም በርኒንግሃም ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚኒቲ ኢትዮጵያ ሄለን በፍቃዱ ብግደአን፤ ሃገራዊ ምኽክር ብኣጋጣሚ ታሪኽ ዝርከብ ወሳኒ ዕድል እዩ ኢለን። ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘጋጠመን ተቓርኖ ፖለቲካ ብሃገራዊ ምኽክር ዕልባት ብምሃብ ዕቤት ዘቀላጥፍ ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ምህናፅ ከምዝኸኣላ ተዛሪበን። ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ምኽክር ምእካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ንሃገር ዝጠቕሙ ወሰንቲ ሓሳባት ከምዝተልዓሉ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ዝጠቕሙ ሓባት ብምልዓል ንቑሕ ተሳትፎ ምግባረን ገሊፀን። እቲ ሃገራዊ ምኽክር እውን ዘይምርድዳኣት ኢትዮጵያውያን ብዝሰልጠነ መድረኽ ምኽክር መፍትሒ ብምሃብ ዳግማዊ ዓወት ዓድዋ ምድጋም ዝኽእልሉ ወሳኒ ዕድል ከምዝኾነ ኣብራህሪሀን። ኣብ ቀፃሊ እውን ኢትዮጵያውያን ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ዝተረኸበ ዕድል ሃገራዊ ምኽክር ብኣግባቡ ብምጥቃም ንህንፀት ሓድነት ሃገርን ዘላቒ ሰላምን ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢረን።
ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም እናተሰርሐ እዩ
Jan 30, 2026 9
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 22/2018 (ኢዜኣ) ኣብቲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ዘኽእል ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ሲቪክ ማሕበራት ኣፍሊጦም። ዋና መካየዲ ስራሕ ማሕበር ጉድኣት ኣካል ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ሙሴ ጥላሁን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ከይዲ መረፃ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምህናፅ ጉዱኣት ኣካል ሓዊሱ ተሳትፎ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ወሳኒ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ጉዱኣት ኣካል ኣብ ከይዲ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ንኢዜኣ ተዛሪቦም። ፕሬዚዳንት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናትዓለም እንዳለ፤ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ስርዓት ዲሞክራሲ ዘጠናኽር ኣወዳድባ ብምፍጣር ንቑሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ መጨበጢ ግንዛበ እናተሰርሐ እዩ ኢለን። ስለዝኾነ ድማ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣባላት እቲ ማሕበር ንተዓዛቢነት መረፃ ብምምዝጋብ ሓላፍነተን ንምውፃእ ከምዝተዳለዋ ኣረዲአን። እዋን እቲ መረፃ እንትበፅሕ ደቂ ኣንስትዮ ይጠቕመና እዩ ንዝበልኦ ውድብ ፖለቲካ ድምፀን ንምሃብ ዘኽእለን ካርዲ መረፃ ክሕዛ ትፅቢት ከምዝግበረለን እውን ሓቢረን። ውድባት ፖለቲካ ኣብ ፕሮግራማቶም መብዛሕቲኡ ክፋል ሕብረተሰብ ንዝሽፍን ሓይሊ ሰብ መንእሰይ ትኹረት ክህቡ ከምዘለዎም ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ማሕበር መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በረከት ብርቢርሳ፤ እቲ ማሕበር እውን ኣብቲ መረፃ ተሳትፎ መናእሰይ ንምጉላህ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርትን ስልጠናን ስራሕቲ ምጭባጥ ግንዛበ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።  
ዕዉታት ምዕራፋት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ብምስናድ ንእታዎት መፅናዕትን ምርምርን ንምውዓል ምድላው እናተገበረ እዩ
Jan 29, 2026 20
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝሓልፎም ዕዉታት ምዕራፋት ብስርዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምስናድ ንቀፃሊ መፅናዕትን ምርምርን እታዎት ንክኾኑ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ። ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ደረጄ እንግዳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ዝተፈጠሩ ተቓርኖታት መፍትሒ ንምንዳይ ሃገራዊ ምኽክር ምክያድ ርኡይ ፋይዳ ኣለዎ። ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እውን ኣብ መንጎ ዜጋታት ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ንዝተፈጠሩ ተቓርኖታት ፖለቲካን ዘይምርድዳኣትን መፍትሒ ብምሃብ ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ ንምህናፅ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም። ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር እውን ብተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ኣሳታፍነቱን ዘይሻራውነቱን ሓልዩ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምፃእ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ዓወት ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እውን ኣብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሞያዊ ፍልጠቶም ብምክፋልን ሓሳቦም ብምግላፅን ሃናፂ እጃም እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም። ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝሓልፎም ዕዉታት ምዕራፋት ብስርዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምስናድ ንቀፃሊ መፅናዕትን ምርምርን እታዎት ንክኾኑ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሆም። ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ ምኽክር እውን ብዲጂታል ስርዓት ዝተደገፈ ሓበሬታ ምስናድ ዘኽእል ደገፍ ንምጥንኻር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። ሙሁራንን ተምሃሮን ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓሳቦም ብነፃነት ዝገልፅሉ ምድላው እናተኻየደ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኣብ ምጥንኻርን ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት እያ-ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ
Jan 29, 2026 25
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 21/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኣብ ምጥንኻርን ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበት ከምትርከብ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። መሓዙት ልምዓት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትእስሳር ዘለዎ እጃም እውን ንኢዶም። መበል 27 ኣኼባ ኢንሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ ሞቃዲሾ ዝተኻየደ እንትኸውን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም። ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትራት ፋይናንስ ሃገራት ኣባል እቲ ኢንሼቲቭን ላዕለዎት ሰብ መዚ መሓዙት ልምዓትን ተረኺቦም። እቶም ሚኒስትራት ፋይናንስ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት መከፋፈሊ ሓይልን ዞባዊ ምትእስሳር ኢነርጅን ቀረብ ፋይናንስ ብምዕባይ ዘተኣማምንን ተመጣጣንን ቀረብ ኢነርጂ ምርግጋፅ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘትዮም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን፤ ምትእስሳር ኢነርጂ ንዞባዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዘለዎ ፋይዳ ኣብራህሪሆም። ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2030 ተመጣጣኒ፣ዘተኣማምንን ዘላቕን ኢነርጂ ተበፃሒ ንምግባር ዝዓለመ ትግበራ ኢንሼቲቭ “National Energy Compact” ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮን ካብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ዝርከብን ከምዝኾነ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ምፍልፋልን ዞባዊ ምትእስሳር ኤሌክትሪክ ኣብ ምጥንኻርን ውፅኢታት እናመዝገበት ከምትርከብ ተዛሪቦም። ኣብቲ ኣኼባ፤ ምክትል ፕሬዚዳንትታት ባንኪ ዓለምን ልምዓት ኣፍሪካን ከምኡ እውን ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ፣ቢሮ ወጻኢ፣ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዩናይትድ ኪንግዶምን ምትሕብባርን ልምዓትን ኢኮኖሚ ጀርመንን ተረኺቦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሮም ተሳትፎ ብተወሳኺ ቢሮ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ንተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ዘዳለዎ እንግዶት ድራር ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ምዝታዮም ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ሓቢሩ።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክሳለጥ ኣድላይ ምድላው ተገይሩ እዩ-ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ
Jan 28, 2026 36
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 20/2018 (ኢዜኣ) መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክሳለጥ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣዲስ ኣበባ እተተኣናግዶም ዓበይቲ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ብዓወት ንክዛዘሙ እቲ ትካል ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት፣ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ላዕለዎት ዲፕሎማትን ዝተሳተፉሎም ኣኼባታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣኣበባ ከምዝተኻየዱ ኣዘኻኺሮም። እዞም መድረኻት ብዘይ ዝኾነ ፀገም ብዓወት ምስላጦም ብርኪ ድልዉነት ፖሊስን ካልኦት ትካላት ፀጥታን ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራት ወፃእን ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዝሳተፉሎም ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ ምትእንጋድ ልምዲ ከምዘለዋ እውን ተዛሪቦም። መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዓወት ንምክያድ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ክሳለጡ ዘለዎም ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብውፅኢታውነት ከምዝተሳለጡ ኣረዲኦም። ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ በቢ ዓመቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዓብይ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሉውነት ዓውዲ ፀጥታ ንዕዉትነት እቲ ጉባኤ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም። መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 7 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ/ም “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስታፍና ርክብና ንምሕዳስ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ-ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም
Jan 27, 2026 41
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 19/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስታፍና ርክብና ንምሕዳስ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ ክብሉ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ(ኣፍሪኮም) ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም ገሊፆም። ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሓመድ ሎሚ መዓልቲ ንኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ(ዩኤስ-ኣፍሪኮም) ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም ኣንደርሰን ተቐቢለን ኣዘራሪበን። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ርክብ ንምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዝዘተዩ እንትኸውን ሓባራዊ መግለፂ እውን ሂቦም። ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ ክልቲአን ሃገራት ዋላ ኳ ዝፀንሐ ርክብ እንተሃለወን ሕዚ እናዓበየ ዝመፀ ልዑል ዲፕሎማሲያውን ወታደራውን ርክብ ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብምዕባይ ማዕረ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሓ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተዛሪበን። ብተወሳኺ እውን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሓን ብሄራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ንምሕላው ግብረ ራዕድነት ብሓባር ንምቅላስን ምስምዕመዐንን ኣረዲአን። ኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ(ዩኤስ-ኣፍሪኮም) ጄኔራል ዳግቪን ኣርኤም ኣንደርሰን ብግደኦም፤ መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንምኽባር ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ታሪኽ ንምርዳእን መፃኢ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ትርጉም ዘለዎ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም። ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም እውን ኣብ ኣከባብራ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንምርካብን ንምስታፍን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ዳግማይ ንምርኣይ ዕድል ከምዝሃቦም ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም። እቲ ዑደት ብፍላይ ድማ ሓባራዊ ዞባዊ ፈተናታት ድሕንነት ንምፍታሕን ዕድላት ምሕዝነት ንምጥቃምን ከምኡ እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዓብይ ዕድል ከምዝፈጠረ ምግላፆም ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምቕፃል ንተረባሕነት ዜጋታት ብትኹረት ክስራሕ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jan 26, 2026 62
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 18/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምቕፃል ንተረባሕነት ዜጋታት ብትኹረት ክስራሕ እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ “ብትግሃት ንኣዲስ ኣበባ ናብ ዝለዓ ዓወት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከካይዶ ዝፀንሐ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መንግሥትን ፓርትን 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ተዛዚሙ። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መዛዘሚ መድረኽ ከምዝበልኦ፤ ነታ ከተማ ፅባቐ ዝፈጠሩ ዘበናዊ ስራሕቲ ልምዓት መንገዲ፣ማይ፣ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ተሳሊጦም እዮም። ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምፅባቕ ዝተሳለጡ ዓወታት ልምዓት ማእኸልነት ኮንፈረንስ እታ ከተማ ብምዕባይ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ተጠቀምቲ ዕድል ስራሕ ንክኾኑ ከምዘኽኣለ ሓቢረን። ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ እውን ንድሌት ሰናይ ምምሕዳር ዜጋታት ምላሽ ብምሃብ ዕግበት ኣገልግሎት እናፈጠረ እዩ ኢለን። ኣብ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ እውን ተሳትፎ መሓዙት ልምዓትን ህዝብን ብምዕባይ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዝተመዝገበ ኣረዲአን። ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ሰብ ተኮር ልምዓት፣ስርዓት ቀረብ ፍርያት ዕዳጋ፣ምርግጋዕ ዕዳጋን ምቕናስ ምኽባር ናብራን፣ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ተዛመድቲ ዘፈራት ልምዓትን ዝነኣድ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተረኸቡ ዓወታት ውፅኢት ቆራፅነት ኣመራርሓን ተዋዲድካ ምስራሕን ከም ዝኾኑ ኣብራህሪሀን። ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት እውን ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ብዝለዓለ ዓቕሚ ምፍፃም እቶም ዓወታት ንምቕፃል ከምዝስራሕ ኣረጋጊፀን።
ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ምዕባይ እንተኽኢላ ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ምርካብ ንኽእል ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Jan 24, 2026 118
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሚዛን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ምዕባይ እንተኽኢላ ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ሃገር ንመፃኢ ወለዶ ምርካብ ንኽእል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ክብረ በዓል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዋላ ኳ 90 ዓመት ዝገበረ እንተኾነ ንነዊሕ ዓመታት እኹልን ተኸታታልን ህንፀት ከምዘይተገበረሉ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ነቲ 85 ዓመታት ዝምጥን ብቴክኖሎጂ፣ሓይሊ ሰብን ካብ መጥቃዕቲ ሓይሊ ምክልኻል ዘኽእልን ብቕዓት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተሃነፀ ተዛሪቦም። ሎሚ መዓልቲ 4ይ ወለዶ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ዝሃነፀ እቲ ሓይሊ ኣየር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2030 ናብ 5ይ ወለዶ ንክሰጋገር ክስራሕ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ብወታደራዊ ዓቕሚ ጥራሕ ዝተማልአ ዕቤት ከምዘይተምፅእን ኩለ መዳያዊ ዕቤት ከምዘድልያን ገሊፆም። ብኢኮኖሚ፣ዲፕሎማሲ፣ፖለቲካውን ወታደራውን ብሚዛን ንኹሉ ምዕባይ እንትንኽእል ዝፀንዐትን ዝተኸበረትን ኢትዮጵያ ንደቅና ምርካብ ንኽእል ኢና ክብሉ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ምስ ፈተውታ ንምስራሕ ኩሉ በራ ክፍቲ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ረብሓ፣ሓድነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ካብ ፀላእትና ንምሕላው ኣይንድቅስን ኢሎም። ብልፅግናን ዕቤትን ኢትዮጵያ ናይ ምርግጋፅ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ነዚ ጠጠው ዘብል ዝኾነ ሓይሊ ከምዘየለን እውን ኣረጋጊፆም። ሰላም፣ሓድነትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ጋህዲ ከምዝኸውን ኣረዲኦም።
ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ እዩ ዝርከብ
Jan 24, 2026 106
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018(ኢዜኣ) ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝርከብ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ እዩ ዝርከብ። እቲ መርሃ ግብሪ ክብረ በዓል 90 ዓመት ጥራሕ ዘይኮነስ መርኣያ ጠንካራ ብሄራዊ ኣገልግሎትን ዘይተቛረፀ ልህቀትን እዩ ኢሎም። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መርኣያ ዓቕሚ ሃገርን መግለፂ ብሄራዊ ኩርዓት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። እቲ ሓይሊ ኣየር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብምስራሕ 90 ዓመታት ዘቑፀረ ትካል ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ሰላም ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዝለዓለ ድሉዉነት ከምዝርከብ ሓቢሮም። ድሕንነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ብሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ዓቕሙ በቢ እዋኑ ብምጥንኻር ትፅቢት ዝግበረሉ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርኢት ኣየር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳን ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥትን ተረኺቦም። "ሰማይ ኣንበሳታት ኢትዮጵያ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ምርኢት ኣየር፤ ካብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየራት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 24, 2026 120
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018(ኢዜኣ) ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምርኢት ኣየር ጥቁር ኣንበሳ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ዝሓለፉ 90 ዓመታት ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓለፈ ትካል እዩ። እቲ ሓይሊ ኣየር ንኢትዮጵያ ብዝኾነ ኣንፈት ንምድፋር ንዝፈተኑ ሓይልታት ቀንዲ መድሓኒት ኮይኑ ሃገር ዘፅነዐ ትካል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ እውን ኣብ ዘበነ ምብቃዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክልል ኣየር ታንዛኒያ ዝሓለወ ኩርዓት ኣፍሪካውያን እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘበናዊ ዕጥቂ እናተሓገዘ ኣብ ዝለዓለ ብቕዓት ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም። ንሕና ብዘይ ኢትዮጵያ ኣዶ የብልናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብላ ኣዴና ከምዝኾነት ተረዲእና ንልዕልና ሃገር ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም። ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ሕዚ ካብ ዘለዎ ዓቕሚ ብዕፅፊ ንምዕባይ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ብትኩረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት 10 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ዕቤት ከምተመዝግብ ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ከምዘመላኸተ እውን ተዛሪቦም። እዚ ዕቤት ሙሉእ ዝኸውን ጠንካራ ወታደራውን ፀጥታውን ትካላት ብምህናፅ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ትማሊ ጠጠው ዝበለት ሃገር ከምዘይኮነት ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣብ ሓይሊ ኣየር ንፅባሕ ዝምጥን ከምኡ እውን እዚ ዘበን ዝበፅሖ ዓቕሚ ከምዝፈጠረት ሓቢሮም።
ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ
Jan 24, 2026 84
ኮምቦልቻ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነ ምክትል ኮምሽነር ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ ብርጋዲየር ጀነራል ደርቤ መኩሪያው ገሊፆም። ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ሳልሳይ ዙር ፕሮግራም ምፍናውን ምረቓን ነበር ዕጡቓት ኣብ ግዝያዊ ማእኸል ዲሞቢላይዜሽን ኮምቦልቻ ኣካይዱ። ምክትል ኮምሽነር ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ ብርጋዲየር ጀነራል ደርቤ መኩሪያው ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ፃውዒት ሰላም መንግሥቲ ተቐቢሎም ዝመፁ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ብምውሳድ ብዘላቕነት ናይ ምጥያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ። ኣብ መንጎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ምግባሩ ስዒቡ ኣመራርሓን ኣባላትን እቶም ዕጡቓት ንሰላም ዘለዎም ድሉውነት ብተግባር ብምግላፅ ዕጥቆም ፈቲሖም ምምፅኦም ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ውሽጣዊ ሓድነትን ሰላምን ብምፅናዕ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ብሓባር ክነቐፅሎ ኣለና ኢሎም።
ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፀሖ ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jan 24, 2026 95
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 16/2018 (ኢዜኣ) ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፀሖ ኢና ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ጉዕዞ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምዘነሉ መድረኽ ግምገማ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ሓቢረን። ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ኣብ ፍርቂ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ብስራሕቲ መንግስትን ፓርትን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ስራሕቲ፣ካብ ወረዳ ክሳብ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዘሎ ኣመራርሓ ብዝርዝር ከም ዝግምገሙ ፀሪሐን። ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ቀትርን ለይትን ብምስራሕ ብዝተለወጠ ባህሊ ስራሕ፣ነበርትን መሓዙት ልምዓትን ኣተሓባቢርና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተለምናዮም ስራሕቲ ብማእኸላይ 95 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ምዕዋት ክኢልና ኢና ኢለን። ዋላ ኳ ዝለዓለ ውፅኢት እንተተመዝገበ ዝተርኣዩ ክፍተታትን ግልፂ ዘይኮነ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትካላትን ብፍላይ ድማ ኣብ ቅልጡፍን ፅሬት ዘለዎ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ዘለዉ ክፍተታት፣ኣገልግሎት ንምሃብ ጉቦ ምሕታት፣ጉድለት ቅንዕና ብግልፂ ብምፍላይ ንምእራም ኣብ ቀጻሊ ትኹረት ከምዝግበረሉ ገሊፀን። እቲ መድረኽ፤ ንቀፀልቲ 6 ኣዋርሕ ተወሳኺ ዓቕምን ተሞኩሮን እንሰንቀሉን ንነበርቲ ከተማና ብዝሓሸ ትግሃትን ተኣማንነትን ንምግልጋል እንዳለወሉን እዩ ኢለን። ንዕዉትነት እቶም ስራሕቲ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣመራርሓ፣ሰራሕተኛታትን መሓዙት ልምዓትን ምስጋና ኣቕሪበን። ብህብር ሰሪሕና ንኣዲስ ኣበባ መርኣያ ብልፅግና ናይ ምግባር ራኢና ኣብ ሽቶኡ ክነብፅሖ ኢና ኢለን ኣብ መልእኽተን።
ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝኾነ ዓይነት ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ብሓባር ምክልኻል ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን
Jan 23, 2026 100
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15 /2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝኾነ ዓይነት ዶብ ተሳጋሪ ገበናት ብሓባር ምክልኻል ዘኽእል ወታደራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕ፤ ብዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሌተናል ጄኔራል ኣሰፋ ቸኮልን ኣዛዚ እዚ ግንባር ሰሜን ምዕራብ ጅቡቲ ኮሎኔል ዓሊ ሸህሚ እዮም ፈሪመምዎ። ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሌተናል ጄኔራል ኣሰፋ ቸኮል፤ ወታደራዊ ርክብ ወታደራዊ ኣመራርሓ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ጠንካራን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረን እዩ ኢሎም። እቲ ምትሕብባር እቲ ከባቢ ካብ ገበነኛታት፣ዘይሕጋዊ ዶብ ተሳጋሪ ገበናትን ዕጡቓትን ብሓባር ኣብ ምክልኻል ዝፀንሐን ታሪኻውን ዓውዲ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣመላኺቶም። ኣብ ቀፃሊ እውን ሓደሽቲ ስምምዓት ብምውሳኽን ብምሕዳስን ኣድላይ ወታደራዊ ምትሕብባር ከምዝግበር ሓቢሮም። ወታደራዊ ኣታሼ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሜጀር ጀኔራል ተስፋየ ወልደ ማርያም ብግደኦም፤ ኣብቲ ዞባ ኣብ ወታደራዊ ጉዳያት ዝግበሩ ዘተታትን ስምምዓትን ኣብ ዋና ዋና ሓባራዊ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ትኹረት ብምግባር ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። ኣዛዚ ግንባር ሰሜን ምዕራብ ጅቡቲ ኮሎኔል ዓሊ ሸህሚም፤ ወታደራዊ ሓይሊ ጅቡቲ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጠንካራ ርክብ ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ቅድሚ ሕዚ ዝተገበሩ ዘተታትን ስምምዓትን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ገበናት ብሓባርን ብምርድዳእን ምክልኻልን ፀገማት ምፍታሕን ዘኽእሉ እዮም ኢሎም። ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደን ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉን ዘተ እውን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዝተልዓሉ እንትኸውን ካብዚኣቶም ድማ ምጥያሽ መዋቕር፣ እዋናውን ድሕንነቱ ዝተሓለወን፣ዶብ ተሳጋሪ ፍፃመታት ገበን ምክልኻልን ካልኦት ሓሳባትን ከምዝተልዓሉ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቐፅል እዩ
Jan 23, 2026 91
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ 15/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከም ዝቐፅል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ጆአን ዋድፉል ተዛቲዮም፡፡ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘለወን ኩለመዳይ ምትሕብባር 120 ዓመታት ከምዘቑፀረ ኣዘኻኺሮም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ክልተኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባር ብዝርዝር ከም ዝዘተዩ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ መራሒ መንግስቲ ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ዝገበሩዎ ዘተ ንዝለዓለ ምሕዝነት ሓዱሽ ምንቕቓሕ ፈጢሩ እዩ ኢሎም። ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ዘተ ሓደ ኣካል እዚ ከይዲ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ ኣብሪሆም። ንሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ምውፋር ስራሕ፣ ንዓውዲታት ስልጠና ሙያን ሃፍቲ ተፈጥሮን ቀዳምነት ንምሃብ ከም ዝተስማዕምዑ ኣመልኪቶም፡፡ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ፣ ድሕንነት፣ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻን በዓል ብዙሕ ወገን ምትብሕብባርን ብምጥንኻር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ እውን ፀሪሖም፡፡ ጆኣን ዋድፉል ብግደኦም፤ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘበናት ከምዘቑፀረ ብምዝኽኻር ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ኣግባባት ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ እናገበረቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡
ንዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝበፅሖ ወሳኒ ምዕራፍ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ዜጋ ብዝበለፀ ክጠናኸር ኣለዎ
Jan 23, 2026 58
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ንዕዉትነት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝበፅሖ ወሳኒ ምዕራፍ ንቑሕ ተሳትፎ ኩሉ ዜጋ ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዘለዎ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን መድረኽ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍትን ከምዘሳለጠ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተረፈ ኣጀንዳ ምእካብን ምፍላይ ተሳተፍትን ብምስላጥ እቲ ዋና ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ፣መሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን ፕሮፌሰር መሐመድ ኣብዶ ከምዝበልዎ፤ ምኽክር ብሔራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣዝዩ ኣድላይ ኣጀንዳ እዩ። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ምኽክር ከምዝርከብ ተዛሪቦም። እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብሄራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ዘተኣኻክብ ተረኽ ንምህናፅ ምችው ሃዋህው ዝፈጥር ወርቃዊ ዕድል ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም። ንዕዉትነት እቲ ኮሚሽን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ንዘቐመጦ ወሳኒ ሽቶ ተሳትፎ ኩሉ ገዜ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም። ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ እውን ንዕዉትነት ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ትፅቢት ዝግበረሎም ሃናፂ ሓላፍነት ከምዝዋፅኡ ኣረጋጊፆም። ካልእይቲ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ሙስሊማ ረሽድ ብግደአን፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓባራዊ መፍትሒ ንምንዳይ ንመድረኽ ምኽክር ቀዳምነት ምሃብ ኣድላይ እዩ ኢለን። ሃገራዊ ምኽክር እውን ኣብ ልዕልና ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ባህሊ ፖለቲካ ብምህናፅ ዘላቒ ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ሓድነት ንምፅናዕ ወሳኒ ኣማራፂ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ኮሚሽን ዕላምኡ ንምዕዋት ከም ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝገብርኦ ደገፍ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ኣረጋጊፀን።
ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪመን
Jan 22, 2026 70
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14 /2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ክልቲኣዊ መረዳድኢ ስምምዕ ሎሚ ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕ ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሀመድ (ኢ/ር)ን ናይ ቤሩስ መዘንአን ዲምትሪ ፓንተስን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሀመድ (ኢ/ር)፤ እቲ መረዳድኢ ስምምዕ ወታደራዊ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትርን ኢትዮጵያ ንምዕባይን ብወታደራዊ ፍርያታት ዓርስና ንምኽኣልን ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢለን። ሃገርና እውን ማእኸል ኣፍሪካ ስለዝኾነት ሓባራዊ ዕዳጋን ተረባሕነትን ምፍጣር ከምዘኽእል ተዛሪበን። እቲ ስምምዕ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረምዎ ስትራቴጂካዊ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምስጋር ዘኽእል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ እውን ሓቢረን። ሚኒስትር ምክልኻል ቤላሩስ ዲምትሪ ፓንተስ ብግደኦም፤ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም። እቲ መረዳድኢ ስምምዕ ዝፀንሐ ምሕዝነት እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ ኢሎም። ክልቲአን ሃገራት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብሓባር እናሰርሓ ከምዝርከባ ብምሕባር፤ እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ዓውድታት ንምውፋር ዘኽእል ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ሓይሊ ኣየር ቤላሩስ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ዝኽበር መበል 90 በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምርኢት ኣየር ከምዘቕርብን ልኡኻት ከምዝርከቡን ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣዋጃት ፍርደኛታት ምትሕልላፍን ጉዳይ ገበን ኣሕሊፍካ ምሃብን ኣፅዲቑ
Jan 22, 2026 75
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 14/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዋጃት ፍርደኛታት ምትሕልላፍን ጉዳይ ገበን ኣሕሊፍካ ምሃብን ኣፅዲቑ። እቲ ቤት ምኽሪ መበል 9ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ። እቲ ስምምዕ ምትሕልላፍ ፍርደኛታት፤ ኣብ መንጎ መንግሥትታት ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ህዝባዊት ሪፐብሊክ ቻይናን፣ ኣብ መንጎ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ደቡብ ኣፍሪካን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ መንግሥትታት ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ፌዴራላዊ ሪፐብሊክ ብራዚልን ዝተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ። በዚ ድማ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ብዝተገበረ ስምምዕ ረቂቕ ኣዋጃት ፍርደኛታት ናይ ምትሕልላፍን ጉዳይ ገበን ኣሕሊፍካ ምሃብን መርሚሩ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ። እቶም ኣዋጃት ከይዲ ህንፀት ፍርደኛታት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ብምግባር ኢትዮጵያ ምስተን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንግዲ፣ኢንቨስትመንትን ዲፕሎማስን ንምጥንኻር ከምዘኽእል ተሓቢሩ። ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ መንጎ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ኤክስፖርት-ኢምፖርት ኮሪያን ዝተገበረ መፈፀሚ ስምምዕ ልቓሕ ቀረብ መሳርሒ ሕክምና ምዕራፍ-2 ዘትዩ። ኣብ ምምሕያሽ ሴኪዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ፣ምምሕዳር ልምዓት ስፖርት ፌዴራልን ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ዝቐረቡ ረቒቕ ኣዋጃት መርሚሩ ንዝምልከቶም ቀዋሚ ኮሚቴታት መሪሑ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም