ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ጎረባብቲ ዘለዉ ርክባት ሰላማውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኹን ንምግባርን ክሰርሕ እዩ-ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም
Oct 17, 2026 59
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2019(ኢዜኣ) በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ጎረባብቲ ዘለዉ ርክባት ሰላማውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኹን ንምግባርን ክሰርሕ እዩ ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣወዳድባ ፖለቲካን ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995ን ከምኡ እንው ዓንቀፅ 14/2/ለ እቲ ሕገ መንግሥቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ብመሰረት ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅብዕ ውሳነ ወሲኑ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ነቲ ክልል ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዝመርሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግሥቲ ፌዴራል ተጣይሹ እዩ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣወዳድባ ፖለቲካን ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ዓለም ብራኸ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣብ ዘጠዓዕመሉ እዋን ትግራይ ግን ንዓመታት ብኲናትን ደበና ኩናትን ተሸሚማ ህዝባ ከቢድ ኩነታት ንክሓልፍ ተገዲዱ እዩ። ከም ህዝቢ ክንቕፅልን ረብሓታትና ብዘላቕነት ክነረገግፅን እንተድኣኮይንና ካብዚ ታሪኻዊ ዓንኬል ክንወፅእ ኣለና ክብሉ እውን ሓቢሮም። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ምስ ጎረባብቲ ዘለዉ ርክባት ሰላማውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኹን ንምግባርን ክሰርሕ እዩ ኢሎም። ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስን ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ እውን እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ከም ዝሰርሕ ኣብራህሪሆም። ህዝቢ ኣብ መደባትን ኣፈፃፅምኦምን ዝሓሸ ተሳትፎ ንክህልዎ ብፍሉይ ትኹረት ከም ዝስራሕ እውን ኣረዲኦም።
በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ብቀዳምነት ክንዋፃእ ኢና-ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር)
Oct 17, 2026 45
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2019 (ኢዜኣ) በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ ብቀዳምነት ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995ን ከምኡ እንው ዓንቀፅ 14/2/ለ እቲ ሕገ መንግሥቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ብመሰረት ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅንዕ ውሳነ ወሲኑ። በዚ ድማ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣጣይሹ እዩ። ከንቲባ ከተማ መቐለ ኮይኖም ዝተሾሙ ሽሻይ ኣማረ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ፖልቲካ ጥፍኣትን ቁማርን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንሓዋሩ ኣብቂዑ እዩ። እቲ ዝተጣየሸ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቀንዲ ስርሑ ሰላምን ምርግጋዕን ብምርግጋፅ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ህዝቢ፣ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ምጥንኻር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ተግባር ብብቕዓት ንምውፃእ ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም። ዝተመዛበሉ ክፋል ሕብረተሰብ ናብ መንበሪኦም ምምላስን ኢኮኖሚያዊ ምንቕቓሕን እውን እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትኹረት ካብ ዝህቦም ጉዳያት እዮም ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ንምርግጋፅ ንነዊሕ እዋን ዋጋ ከፊሉ እዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን እቲ ህዝቢ ብዝመረፆ መንግሥቲ ንክመሓደር ንምግባርን ዘኽእሉ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብምውፃእ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንምውፃእ ከም ዝተዳለዉ ኣረዲኦም። ንቀፃሊ መረፃ ምችው ኩነታት ምፍጣር ትኹረት ከም ዝግበር እውን ሓቢሮም። እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ልኡኽትኡ ንምፍፃም ምስቲ ህዝቢ፣ሲቪክ ማሕበራትን ውድባር ፖለቲካን ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ
Oct 17, 2026 45
ባህርዳር፤ ጥቅምቲ 7/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። እቲ ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት ጎንደር፣ ገንዳ ውሃ፣ ሰቖጣ፣ ደብረ ታቦር፣ ወልዲያን ካልኦት ከተማታትን እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ሰልፊ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ንምፅናዕ ንዝገብሮ ዘሎ ተጋድሎ ዝድግፍ እዩ። ኣብቲ ሰልፊ፤ ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ሒዞም እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
ኣብ ከተማ ሰቖጣ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ
Oct 17, 2026 48
ሰቆጣ ፤ ጥቅምቲ 7/2019 (ኢዜኣ) ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ከተማ ሰቖጣ ይካየድ ኣሎ። ሎሚ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ናብ ኣደባባይ ዝወፁ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኡን፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርና ብሄራዊ ኣርማና እዩ፣ባንዳ ንኸብዱ፤ ሰራዊትና ንክብርን ሓድነትን ህዝብና፣ሰራዊት ምክልኻልና መርኣያ ምልክት ህብረ ብሄራዊ እዩ ዝብሉን ካልኦት መልእኽትታት እናመሓላለፉ እዮም ዝርከቡ። ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ንሉአላዊነትን ሓድነትን ጠጠው ንዝበለ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎም ደገፍ እናገለፁ እዮም።
ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ተጣይሹ
Oct 16, 2026 140
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 6/2019 (ኢዜኣ)፦ንክልል ትግራይ ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዘመሓድር በዓል ሓደራ ተጣይሹ። ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995ን ከምኡ እንው ዓንቀፅ 14/2/ለ እቲ ሕገ መንግሥቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብዘመሓላለፎ ውሳነን ብመሰረት ንቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዝሃቦ ስልጣንን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ንክልል ትግራይ ዘፅብዕ ውሳነ ወሲኑ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንምፍታሕ ዝተገበረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ብምኽንያት ህወሓት ከይተሳኽዐ ተሪፉ እዩ። ሰላም ዘይደለየ ኣመራርሓ ህወሓት ን4ይ ግዜ ዝጀመሮ ኣዕናዊ ኲናት ን4ይ ግዜ ብስዕረት ህወሓት ተዛዚሙ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ዝረሓቖ ሰላም ንክጎናፀፍ፣ መሰል ዓርሰ ምሕደርኡ ንክረጋገፅ ከምኡ እውን ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘይረኸቦን ትሩፋታት ልምዓት ንምጥዕዓም ንክኽእል ካብ ጎንፂ ክወፅእ ኣለዎ። ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ፌዴሬሽን ዝፅበኦ ቦታ ረኺቡ ሰላም ምኽባር፣ ትኹረቱ ኣብ ልምዓት ምግባርን ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ፀኒዑን ክነብር ኣለዎ። እዞም ኩነታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምምችቻው በዓል ሓደራ ምምሕዳር መንግሥቲ ፌዴራል ክልል ትግራይ ብመሰረት ደንቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ተጣይሹ። እዚ ምምሕዳር ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ንትግራይ ዘመሓድር እዩ። ቀንዲ ተግባሩ፦ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ሰላምን ምርግጋዕን ብቕልጡፍ ብምፍታሕ ዝተረጋግዐ ኩነታት ምፍጣር፤ ዝፈረሱ መንግስታዊ መሓውራት መልሲካ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ስሩዕ ኣገልግሎት ዝኾነሉ ኩነታት ምፍጣር፤ ብኲናት ምኽንያት ዝተጎድኡ መሰረተ-ልምዓታት ብምፅጋን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብምግባር ብብርኪ ሃገር ዝርኣዩ ፀጋታት ልምዓት ኣብ ትግራይ እውን ክስፋሕፍሑ ዝኽእልሉ ኩነታት ምምችቻው፤ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ምምላስ፤ ኣብቲ ክልል ተቛሪፆም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክቕፅሉ ምግባር፤ ከምኡ’ውን ዝተረጋግዐ ፖለቲካዊ ኩነታት ተፈጢሩ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ነፃን ግልፅን መረፃ ተኻይዱ ትግራይ ስሩዕ ኣካል እቲ ፌዴሬሽን ትኾነሉ ኩነታት ምምችቻው፤ ምስ ምክልኻል ፌደራል ፣ ትካላት ፖሊስን ደሕንነትን ከምኡ’ውን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብምውዳድ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ኣብ ዘሎ መዋቕር ዝተረጋገዐ ኩነታት ክፍጠር፣ ዕጡቓት ዕጥቆም ብምርካብ ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱን ተሃድሶ ክገብሩን ኩነታት ምምችቻው፣ መሓውር ፀጥታ እቲ ክልል ከም ብሓዱሽ ናይ ምውዳብ ሓላፍነት ይህልዎ፤ ሰላም ክፀንዕ፣ ስነ-ልቦና ህዝቢ ክስተኻኸልን ናብ ልምዓትን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ክኣቱ ዘኽእሎ ድሉውነት ክህልዎ ምግባር፤ ስራሕቲ ሚዲያ ምትሕብባር፤ በቢ ብርኩ ዝግበሩ መድረኻት ህዝቢ ምድላው፤ ቀፃሊ መረፃ ሰላማውን ኣካታቲን ክኸውን ዘኽእሉ ተግባራት ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝፍፅሞም ኩሎም ተግባራት ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ፣ ግዝኣት ሓድነት ኢትዮጵያ ፣ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ መሰረት ክገብር ኣለዎ። ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክሳብ ዝጣየሽ፣ ናይቲ ክልል መዓልታዊ ኣገልግሎታት ካብ ምቕራብን ንቐፃሊ መረፃ ኣኽኣላይ ኩነታት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ስትራተጂካዊ ትርጉም ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ኣይንቀሳቐስን። ተግባሩ እውን ካብ ፌዴራል መንግስቲ ብዝውሃቦ ኣንፈትን መምርሒን መሰረት የሳልጥ። ዋና ፈፀምቲ እቲ በዓል ሓደራ መንግስቲ ፦ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ሓጎስ -ዋና ፈፃሚ ኣገልግሎት ምምሕዳርን ህዝብን ዶክተር ቴዎድሮስ ኣረጋይ ወ/ስላሴ - ዋና ፈፃሚ ኢኮኖሚን መሊስካ ህንፀትን ብ/ጄ ገብረእግዚኣብሔር በየነ ሓይሉ - ዋና ፈፃሚ ፀጥታን ሰላምን ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ወ/ስላሴ - ዋና ፈፃሚ ፖለቲካን ውዳበ ህዝቢን ዶክተር ሽሻይ ኣማረ - ከንቲባ ከተማ መቐለ ብምዃን ተሸይሞም ኣለው። ንዝፍፅምዎም ኩሎም ምንቅስቓሳት ካብ ፌዴራል መንግስቲ መምርሒ፣ ኣንፈት፣ ደገፍን ክትትልን ክግበረሎም እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ሉኣላዊ መሰል ኣለዋ-ግብፃዊ ተንታኒ ፖለቲካ ማግዲ ካሊሊ
Oct 15, 2026 181
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ሉኣላዊ መሰል ከም ዘለዋ ግብፃዊ ተንታኒ ፖለቲካ ማግዲ ካሊሊ ገሊፆም። እቶም ግብፃዊ ተንታኒ ፖለቲካ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣመራርሓ ግብፂ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ምቅዋምን ኣብ ምትዕንቓፍን መሰረት ንዝገበረ ፖሊሲኦም ብፅኑዕ ኮኒኖም። ግብፂ ኣርሒቖም ዝሓስቡን ብሱላትን መራሕቲ እንተዝህልውዋ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንክትጥቀም ካብ ምቅዋምን ምትዕንቓፍን ደገፍ ምገበሩ ነይሮም ኢሎም። ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬታን በዝሒ ህዝባን ዓባይ ዝኾነት ሃገር ስለ ዝኾነት ናብ ቀይሕባሕሪ ምብፃሕን ናይ ምጥቃምን መሰል ከም ዘለዋ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ወናኒት በሪ ባሕሪ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እውን እንትኮነ ንጎረቤት ሃገራት ምኽንያት ጉድኣት ወይ ድማ ስግኣት ኮይና ከም ዘይትፈልጥ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ድሌታተን ተዘራሪበን ዞባዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽእለን ዘተ ንክገብራ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ጥዕና ዘይብሉ ውድድር ኣወጊድና ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ እቶም ተንታኒ፤ ሰላማዊ ስምምዓት ድሌት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብተግባር ንምምላስ መንገዲ ከም ዝኸፍቱ ኣረዲኦም። ሓደ ሓደ ሃገራት ንኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘርክብ ስምምዕ ንምፍርራም ድሉዋት ከም ዝኾና ብምግላፅ፤ ናይ ነቂሕ እዋን ውዕላት ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ዘላቒ ሰላምን ምትሕብባርን ንምርግጋፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም። ካይሮ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንትኽተሎ ኣንፈት ፖሊሲ ብምኹናን ግብፅን ካልኦ ሃገራት ዓረብን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1960 ኣብ ውሽጢ ካይሮ ንዝተመስረተ ግንባር ናፅነት ኤርትራ ዝገብርኦ ዝነበራ ደገፍ ኣልዒሎም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1991 ነፃ ምውፃእ ኤርትራን ምስኣን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያን፤ ነዚ ውሳነ መበገሲ ዝኾኑ ቅዋማት ፖሊሲ እቲ ዞባ ዳግማይ ምፍታሽኣድላይ ከም ዝኾነ ገሊፆም። እቶም ተንታኒ፤ ግብፂ ንግንባር ናፅነት ኤርትራ ምድጋፋ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክህሉ ንዝግባእ ርክብ ሕውነትን ምትሕብባርን ዝጎድአ ታሪኻዊ ስሕተት ከም ዝነነረ ኣመላኺቶም።
ህዝቢ ከተማ መቐለ ዕለታዊ ስርሑ ብዘይ ምንም ስግአት የሳልጥ ኣሎ
Oct 15, 2026 136
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/5/ 2019 (ኢዜአ) ብዝተፈጥረ ሰላምን ምርግጋዐን ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ዕለታዊ ስርሑ ብዘይ ምንም ስግአት የሳልጥ ከምዘሎ ሪኢቶኦም ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጰያ ዝሃቡ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም። ድሑር ጉጅለ ህወሓት ብሓይሊ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጰያ ተፀራሪጉ ድሕሪ ምውፅኡ አብታ ከተማ ብዝተፈጠረ ሰላምን ምርግገእን ነባሪ እታ ከተማ ዕለታዊ ስርሑ ብዘይምንም ፀገም የሳልጥ ከምዘሎ እተም ውሃብቲ ሪኢቶ ፀሪሖም። ሪኢቶኦም ካብ ዝሃቡ ነበርቲ እታ ከተማ መንእሰይ በለጠ አማረ ከምዝበሎ አብ ፀልማትን ፍርሕን ከምኡውን አብኩናትን ወረ ኩናትን ተዋሒጡ ዝፀንሐ እቲ ህዝቢ ብሓይሊ ምክልኻለ ሃገር ኢትዮጰያ ናብ ብሩህ ተስፋን ብርሃን ተሰጋጊሩ። ስሩዕ መረፃ ክሳብ ዝግበር ብፉፁም ነፃነት ጊዝያዊ አመሓደርቲ አብ ምምራፅ አብ ሃይሃይታ ከምዝርከብን ቅድም ክብል ተቋሪፆም ህፀንሑ ማሕበራዊ አገልግሎታት ናብ ስራሕ እናተመለሱ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሩ እዩ። ብፍላይ ዓብይ ፀገም ፈጢሩ ዝፀንሐ ልዑል ሕፅረት ነዳዱ ንምእላይ ነዳዲ ዝፃዓና መካይን ብበዝሒ ምእታው ምጅማረን ሓቢሩ እዩ። ካሊእ ውሃቢ ሪኢቶ ኦይተ ያሲን መሓመድ ብወገኖም ከምዝበልዎ ቴላኮም መብራህቲ ሸቀጣሸቀጥ ግልጋሎት ባንኪ አየር መጓዓዝያን እውን ስሩዕ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝተጀመረ ገሊፆም። ፀጥታ እታ ከተማ ብቀፃልንት ንምርግጋፅውን ነባሪ እታ ከተማ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብምትሕብባር ዝተዋደደ ስረራሕ ይሳለጥ ክምዘሎ እቶም ውሃቢ ሪኢቶ ፀሪሖም እዮም። ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ምስ ሓይሊ ሰላም ትግራይ ብምኻን ብዓወት ናብ መቐለ እንትአቱ ነባሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ናብ አደባባይ ብምውፃእ ብልዑል ታሕጓስን ዕልልታን ከም ዝተቐበሎም እቶም ውሃብቲ ሪኢቶ ከይገለፁ አይሓለፉን። መንነቱ ብዕንወትን ስርቅን እናገለፀ ዝቐፀለ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት በዚ ፍጻምኡ ንኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ሰራቕን ጉጅለ ጥፍኣትን ከም ዝኾነ እቶም ነበርቲ ብተዳጋጋሚ ኣርእዩ እዩ ክብሉ ፀሪሖም። እቲ ጉጅለ ካብ ከተማ መቐለ ወፂኡ እንትሃድም ቢሮ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀፅሪ ዝርከቡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን ስርቅን ዕንወትን ፈፂሙ ከምዝሃደመ ኣመልኪቶም ። ክልል ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበራ ሰላማዊ ኩነታት ንኽትምለስ መንግስቲ ፌደሪኢ ዝጀመሮ ፃዕሪ ብምትሕብባር ምጥንኻር ከም ዘድሊ ብምሕባር፤ ብወገኖም ምስ ህዝቢ ብምኹን ብፅሒቶም ንምውፃእ ድሉው ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓን ኣባላትን ሕፁያት ቀወምቲ ኮሚቴታት ምደባ ኣመልኪቱ ዘቐረበ ውሳነ መርሚሩ ኣፅዲቑ
Oct 15, 2026 128
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምት 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣመራርሓን ኣባላትን ሕፁያት ቀወምቲ ኮሚቴታት ምደባ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ውሳነ መርሚሩ ኣፅዲቑ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ ዘቕረብዎ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ከይዲ ኣመራርፃ ሕፁያት ተፀዋዕቲ መንግስቲ ምስ ተወከልቲ መንግስቲን ተወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ሰፊሕ ዘተ ከምዝተኻየደ ገሊፆም። ኣብቲ ከይዲ ብዙሕነት፡ ብቕዓት፡ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ መቀመጢ ዘለዎም ተወዳደርቲ ፓርቲታት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምኡ’ውን ሓደሽቲን ነባራትን ኣባላት ዘካተተ ንምግባር ፃዕሪ ከምዝተገብረ ኣረዲኦም። ብመሰረት እዙይ፦ ቀነአ ያደታ (ዶ/ር)፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትህ ኣይተ ታርጃት ደቦል፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትህ ኣይተ መለሰ መና፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ እሱባለው መብራት (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ወ/ሮ እፀገነት መንግስቱ፡- ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ ጫላ ለሚ፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ኣይተ ሰለሞን ላሌ፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግድ፣ ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ጣሂር መሀመድ፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ንግድ፣ ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ደሳለኝ ወዳጄ፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪን መዓድንን ወ/ሮ ወላይቴ ኢቶ፡- ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪን መዓድንን ወ/ሮ ወሰነች ቶማስ፡- ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃገራዊ ስትራቴጂ፣ በጀትን ፋይናንስን ወ/ሮ ዝናሽ ፀጋዬ ፡- ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃገራዊ ስትራቴጂ፣ በጀትን ፋይናንስን ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ፈትሒ ማሕዲ (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ወ/ሮ የሺሀሳብ ፀጋው፡- ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ እሸቱ ተመስገን (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣይተ ኣለማየሁ እጅጉ፡- ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ መሰረተ ልምዓትን ሎጂስቲክስን ኣወቀ አምዛዬ (ዶ/ር)፡- ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ መሰረተ ልምዓትን ሎጂስቲክስን ኣብርሃም ኣለማየሁ (ዶ/ር)፡-ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢታት መንግስቲ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወ/ሮ ኣራሬ ሞሲሳ፡- ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢታት መንግስቲ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ኣይተ ንጋቱ ወልዴ፡- ኣቦ ወንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፡ መስኖ፡ ቆላማ ከባቢታትን ከባቢታት ልምዓትን ወ/ሮ ነፊሳ ኣልማህዲ፡- ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማይ፡ መስኖ፡ ቆላማ ከባቢታትን ከባቢታት ልምዓትን ወ/ሮ መሰረት ኃይሌ፡- ኣቦ ወንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና ማሕበራዊ ልምዓትን ስፖርትን ወ/ሮ ጀሚላ ሲምቢሮ፡- ምክትል ኣቦ ወንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓትን ስፖርትን ነገሪ ሌንጮ (ዶ/ር)፡- ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ ምደባ ስራሕን ቴክኖሎጂን ወ/ሮ ዘሃራ ሰምሬ፡- ምክትል ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሓይሊ ሰብ ምደባ ስራሕን ቴክኖሎጂን ገይሩ ሰይሙ። እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣመራርሓን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ንምምዳብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ቁፅሪ 4/2019 ብምግባር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቕዎ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ውሳነ ሓሳባት መርሚሩ ኣፅዲቑ
Oct 15, 2026 117
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ውሳነ ሓሳባት መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሑ መበል 3ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣባላት ኣማኻሪ ኮሚቴ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ንምስያም ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ መርሚሩ ኣፅዲቑ። ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ፣ ተግባርን ሓላፍነትን ንምውሳን ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ እውን ብተመሳሳሊ መርሚሩ ኣፅዲቑ። ብተወሳኺ ምደባ ሕፁያት ኣመራርሓን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ብዝመልከት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ
Oct 14, 2026 172
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ)፦ መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ፅባሕ 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከካይድ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ፅባሕ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 55(19)ን ደንቢ ኣሰራርሓን ስነ ምግባር ኣባላትን ባይቶ ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 152ን ኣባላት ኣማኻሪ ኮሚቴ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ንምስያም ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ከፅድቕ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ብመሰረት ደንቢ ኣሰራርሓን ስነ ምግባር ኣባላት ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 4(1)(መ)ን ዓንቀፅ 5(4)(መ)ን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣወዳድባ፣ ተግባራትን ሓላፍነታትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ቤት ምኽሪ ንምውሳን ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ከፅድቕ እዩ ተባሁሉ ትፅቢት ከምዝግበር ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ የመልክት። እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ምደባ ሕፁያት ኣመራርሓን ኣባላትን ቀወምቲ ኮሚቴታት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምምርማር ከፅድቕ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዘትዮም
Oct 14, 2026 134
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብስልኪ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ውፅኢታዊ ዘተ ስልኪ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም። ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ዞባውን በዓል ብዙሕ ወገንን ሓባራዊ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ኣዝዩ ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ሓቢሮም። እቲ ዘካየድናዮ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ስቴትስን ዘሎ ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ስትራቴጂካውን ተግባራውን ምሕዝነት ንምዕባይ ብኽልቲአን ሃገራት ዘሎ ቆራፅነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም። ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ብዝምልከት ዝሃበቶ መረጋገፂ ዝነኣዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ክልቲኣዊ ምትሕብባርና ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ዞባውን በዓል ብዙሕ ወገንን መድረኻት ቀዳምነት ኣብ ንህቦን ሓባራዊ ጉዳያት ሓቢርና ንምስራሕ ዘለና ቆራፅነት የረጋግፅ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለወን ምትሕብባር ከም ዘጠናኽራ ገሊፀን
Oct 14, 2026 152
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ዴንማርክን ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእለን ስምምዕ ተፈራሪመን። እቲ ስምምዕ ብሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕን እዩ ተፈሪሙ። ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ስምምዕ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለውዋ ቅድመ ኣጀንዳታትን ኣንፈታት ትኹረትን ብብርኪ ዓለም ንምልላይን ንምግላፅን ዘኽእላ ደገፍ ገንዘብ ዴንማርክ ከም ተቕርብ ተገሊፁ። እዚ ሓዱሽ ስምምዕ ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩነታት ለውጢ ኣየር እናሳለጠቶ ዝፀንሐት ንቑሕ ተሳትፎ መሰረት ብምግባር ዝተፈፀመ እንትኸውን፤ ዘላቒ ቀፃሊ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽር እውን ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ኢኮኖሚ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ገሊፀን
Oct 13, 2026 186
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ኣፍሊጠን። ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፈ እዩ ዝርከብ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ምስ ረዳት ዋና ፀሓፊ ቤት ዕዮ ገንዘብ ፈረንሳይ ቶማስ ሪቪያል ክልቲኣዊ ዘተ ገይሩ። እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ኢኮኖሚ ንምግምጋም ዘኽእል ሰናይ ጋጣሚ ፈጢሩ እዩ። ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዘምፅኦ ኣወንታዊ ለውጥን ፈረንሳይ ንኣጀንዳታ ልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ደገፍን ተሳትፎን ተዳህሲሱ። ኣብ እዋን እቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልምዓት ፋይናንስ፣ ዘላቒ ስርዓትን ምምሕዳርን ልቓሕ፣ ኢንቨስትመንት ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ትካላዊ ዓቕሚ ዘለወን ምትሕብባር ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ሓሳባት ተለዋዊጦም። እቲ ዘተ፤ ምርግጋዕ ኢኮኖምን ዘላቒ ዕቤትን ንምርግጋፅ ቀፃልነት ንዘለዎ ምሕዝነት ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ ኣፅንኦት ተዋሂብዎ።
ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢምሬትስን ኣብ ዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆራፅነተን ኣረጋጊፀን
Oct 13, 2026 141
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢምሬትስን ኣብ ዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሓ ኣፍሊጠን። ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ብገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ እናተሳተፈ እንትኸውን፤ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊ ዘተታት እናካየደ እዩ ዝርከብ። ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ገዛኢ ማእኸላይ ባንኪ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ካሊድ መሐመድ ባላማ ዘትዮም። ዘተ ገዛእቲ ማእኸላይ ባንክታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ እዩ። ስርዓታት ፋይናንስ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ንምቅርራብን ልምዲ ንምልውዋጥን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም። እቲ ዘተ፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት መሰረት ዝገበረ እንትኸውን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንኢንቨስትመንት ሪፎርም ዓውዲ ሓይሊን መፈፀሚ ምዝማንን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ስምምዕ ልቓሕ ኣፅዲቑ
Oct 13, 2026 100
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2017 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንሪፎርም ዓውዲ ሓይሊ ኢንቨስትመንትን መፈፀሚ ምዝማንን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ስምምዕ ልቓሕ 145 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ዶላር ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ ኣካይዱ። እቲ ቤት ቤት ምኽሪ ኣብ ኣኼባኡ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ልምዓትን (IDA) ንኢንቨስትመንት ሪፎርም ዓውዲ ሓይሊን መፈፀሚ ምዝማን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ናይ 145.8 ሚሊዮን ዶላር ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ዘቲዩ ኣፅዲቑ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ዕላማ እቲ ልቓሕ መተሓላለፊ መረብ ሓይሊ ኣዲስ ኣበባ ንምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ጣብያታት ሓይሊ ንምህናፅን ዘለዉ ንምምሕያሽን ከምኡውን መስመራት መተሓላለፊ መሬት ውሽጢ ንምዝርጋሕን ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ንተተኣንግዶ መበል 32ይን ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (COP 32) ዘተኣማምን ዘመናውን ኣቕርቦት ሓይሊ ንምርግጋፅ እቲ ሰምምዕነት ልቓሕ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም። እቲ ልቃሕ ቐሊልን ዝተሓተ ፀቕጢ ገንዘብ ዝፈጥርን ተባሂሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፣ ናይ ሽዱሽተ ዓመት እዋን እፎይታ ሓዊሱ ኣብ 31 ዓመታት ውሽጢ ተከፊሉ ዝዛዘም ምዃኑ ኣብሪሆም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ልምዓትን (IDA) ንኢንቨስትመንት ሪፎርም ዓውዲ ሓይሊን መፈፀሚ ምዝማን ፕሮጀክት ምዕራፍ ሓደን ዝውዕል ናይ 145.8 ሚሊዮን ዶላር ረቂቕ ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ፤ ኣዋጅ ቁፅሪ 1441/2017 ገይሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቕዎ ኣሎ።
ወራሲ ዙፋን ስዑድ ዓረብ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም
Oct 13, 2026 129
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/3/ 2019 (ኢዜኣ)ወራሲ ዙፋን ስዑድ ዓረብ ሙሓመድ ቢን ሰልማን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም። ወራሲ ዙፋን ስዑዲ ዓረብ ሙሓመድ ቢን ሰልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል ስዑድ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሓዱሽ ዘበን ስራሕ ብምምራፆም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም። እቶም ወራሲ ዙፋን ንህዝቢ ፌዴራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዕብየትን ብልፅግናን ተመንዮም ።
ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስን (DDR) ዳግማይ ተጀሚሩ
Oct 12, 2026 148
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2 /2019(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስን (DDR) ዳግማይ ተጀሚሩ። ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ብምውፃእ ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስ ንዝደልዩ መናእሰይ ኣብ ከተማ መቐለ እናተመዝገቡ እዮም ዝርከቡ። ኣብ ክልል ትግፋይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቒ፣ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ምውፃእን ናብ ሰላማዊ ሂወት ምምላስን ዝሓቖፈ ከይዲ ዲዲኣር ዳግማይ ከም ዝተጀመረ ተገሊፁ። ኣብቲ ከይዲ ምቕፃል፣ ካብ ኲናት ወፂኦም ናብ ሰላማዊ መነባብሮ ምምላስ ዝደልዩ ዕጡቓት ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ምዝገባ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ብምቕራብ እናተመዝገቡ እዮም ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብቲ ከይዲ ምዝገባ ካብ ዝሳተፉ ሓደ ሓደ ዕጡቓት መናእሰይ ከም ዝበልዎ፤ በቢ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መሳርሒኦም ድሕሪ ምርካቦም ናብ መቐለ ብምምፃእ እናተመዝገቡ ይርከቡ። እቲ ከይዲ ዲዲኣር ዳግማይ ምጅማሩ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝርከቡ ዕጡቓት ካብ ወታደራዊ መነባብሮ ብምውፃእ ዝተረጋግዐ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ሂወት ንክምስርቱ ሓዱሽ ዕድል ዝፈጥር ከም ዝኾነ ተገሊፁ። ሓለፍቲ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብግደኦም፤ ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ጎንፂ ንፀገም ዝተቓልዑ መናእሰይ ትግራይ ተስፋ ከይቆረፁ፣ ናብ ሰላማዊ ሂወት ንምምላስ ዘኽእሎም ኣማራፅታት ንክጥቀሙን ቀፃሊ ሂወቶም ዳግማይ ንክሃንፁን ፃውዒት ከም ዘቕረቡ ዝፍለጥ እዩ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ከይዲ ዲዲኣር (DDR) ዕጡቓት ካብ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ናብ ስሩዕ ማሕበራዊ መነባብሮ ንክምለሱ፣ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ንክሳተፉ ምኽኣል ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ምውዳድን ደገፍን መንግሥቲ ኢትዮጵያ፣ዝተፈላለዩ ትካላትን ዓለም ለኸ መሓዙት ትካላትን ወሳኒ ከም ዝኾነ ተገሊፁ። ኣብቲ እዋን ምዝገባ ዘዘራረብናዮም ሓደ ሓደ ዕጡቓት እቲ ከይዲ DDR ዳግማይ ምጅማሩ ካብ ዕጡቕ መነባብሮ ናብ ሰላማዊ ሂወት ንምስግጋር ኣድላይ ስጉምትቲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ እውን ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይን ማእኸል ሰሜን እዚን ብምቕራብ ምምዝጋብ ንዝደልዩ ዕጡቓት ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብስልኪ ዘትዮም
Oct 12, 2026 104
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2 /2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ብስልኪ ዘትዮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብን ዋና ዋና ዞባዊ ጉዳያን ውፅኢታውን ሃናፅን ዘተ ከም ዝገበሩ ገሊፆም። ኣብቲ ዘተ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ዘለና ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለና ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም።
መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንትነኽብር ዝተውሃበና ሃገራዊ ልኡኽቶ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው እዩ-ኣመራርሓነ ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ
Oct 12, 2026 145
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2/2019 (ኢዜኣ) መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንትነኽብር ዝተውሃበና ሃገራዊ ልኡኽቶ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው እዩ ክብሉ ኣመራርሓነ ሰራሕተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ገሊፆም። መበል 19 መዓልቲ ሰንደቕ ዓለማ “ሰንደቅ ዓላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ሓድነትናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተከቢሩ። ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ብፓነል ዘተን ስነ ስርዓት ምስቃል ሰንደቅ ዓላማን ኣኽቢሮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ብሄራዊ ሰንደቅ ዓላማ ኩለ መዳያዊ ትርጉም ዘለዎ ምልክት ሃገር እዩ። ሰንደቅ ዓላማ ኢትዮጵያ እውን ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ምቕፃል ህልውና ሃገር፣ምርግጋፅ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምጥንኻር ፍቕሪ ዜግነትን ዘለዎ ምልክት እዩ ኢሎም። በዚ ድማ ትፅቢት ዝግበረልና ብምውፃእ ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፋ ጠንካራ ሃገር ንምህናፅ ብትግሃት ምስራሕ ትፅቢት ይግበረለና ክብሉ ሓቢሮም። ዓውዲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ሃገራዊ ምርድዳእን ሓድነት ህዝብታትን ዘጠናኽሩ ሓበሬታታት ብኣግባቡ ብምውዳድ ፍቕሪ ዜግነት ከጠናኽር ከም ዝግባእ ተዛሪቦም። በዙይ እውን መንፈስ ዓድዋ ብምልባስ ሓባራዊ ፃዕርታት ብምእካብ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንዝስዕብ ወለዶ ንምርካብ ኩሉ እዋን ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ እውን መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተኽብሩ ዝተወሃቦም ሃገራዊ ተልእኾ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ብምእታው ምዃኑ ገሊፆም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ብወገኖም፤ ከም ትካል ሃገራዊ ሓድነት ንምፍጣር ዘተኣኻኽብ ተረኽ ናብ ቕድሚት ብምምፃእ ክንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና ኢሎም፡፡ ኢዜኣ ዘሳልጦም ዜናን ምስ ዜና ዝተሓሓዙን ንጥፍፈታት ብዝበለፀ ብምዕባይ ሃገራዊ ምርድዳእን ሓድነትን ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ዝገለፁ ድማ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ተፈራ በቀለ እዮም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤተልሄም ኣበባው ብወገነን ሰንደቕ ዓላማና መግለፂ ሓድነትና ምዃኑ ብምጥቃስ፤ እዙይ እውን ንኣፍሪካውያን ተምሳሌት ናፅነት ምዃኑ ተዛሪበን። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፤ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተኽብሩ ዝተወሃቦም ሃገራዊ ተልእኾ ብምውፃእ ብሄራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ንምቕፃል ቃል ንኣትወሉ እዩ ኢሎም። መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ እነኽብረሉ እዋን ዝተወሃበና ሃገራዊ ሓላፊነት ብምውፃእን ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ጉዳያት ብትኹረት ብምስራሕ ብሄራዊ ረብሓ ሃገርና ምሕላው ከምዝግባእ ገሊፆም።
ሰንደቕ ዓላማና ዘተኣሳስረና መግለፂ ምልክት ብሄራዊ ምርድዳእና እዩ - ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
Oct 12, 2026 147
ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምቲ 2/2019 (ኢዜኣ)፦ ሰንደቕ ዓላማና ዘተኣሳስረና መግለፂ ምልክት ብሄራዊ ምርድዳእና እዩ ክብሉ ሚኒስትር መተሓባባሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም። ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና መበል 19 መዓልቲ ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ፓርቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኽቢሩ። ሚኒስትር መተሓባባሪ ማእከል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ ሃገርና ኣፈላላይ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋ እንተሃለወ እውን ሰንደቕ ዓላማና ዘተኣሳስረና መግለፂ ምልክት ሓድነትናን ብሄራዊ ምርድዳእናን እዩ ኢሎም። እቲ መዓልቲ ክንኽብር እንተለና ወለዶታት ተቐበሊቦም ናብዚ ዘብፅሕዎ ናፅነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ንምቕጣል ተወሳኺ ሓላፊነት ዘለዎ ምዃኑ ብምዝካር እዩ ኢሎም። ነዚ እውን ቀዳሞት ኣቦታትና ብደሞምን ብኣዕጥምቶምን ኢትዮጵያ ኣፅኒዖም ነዚ ክብሪ ስለዝበፅሑና ክብሪ ይግብኦም እዩ ኢሎም። ታሪኽ ንምኽባር ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ነቐፃሊ ዝፅበየና ሓላፊነትን መስዋእትነትን ብምፍላጥን ምድላውን ኩለ መደያዊ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ዘኽብሩ ስራሕቲ ክንሰርሕ ክንክእል ኣለና ኢሎም፡፡