ኣብቲ ሓዱሽ በጀት ዓመት ክእለት መሪሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል



 

ኣሶሳ/ሓምለ /7/2017 (ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2018  ክእለት መሪሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ተዛሪበን።

ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ምስረታ ኢንተርፕራይዛትን ምዝገባ ሰልጠንትን ኣብ ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝቕፅል እውን ሓቢረን።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን፤ መድረኽ ግምገማ ስልጠና ኢንተርፕርነርሺፕን ኣፈፃፅማ ዓመታዊ ትልምን ኣመራርሓ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን እቲ ዓውዲ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ሚኒስትር ዲኤታታት፣ሓለፍቲ ቢሮ ክልልን ምምሕዳር ከተማን፣ ሓለፍቲ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ዲናት ኮሌጃት ፖሊ ቴክኒክን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ህንፀት ትካል፣ልምዓት ክእለትን ስራሕን ሰራሕተኛን ዝተባባዑ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም።

እቲ ህንፀት ትካል ሃገር ዝጀመረቶ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ብዝኽእል መልክዑ ከምዝተሃነፀ ብምሕባር፤ ስርዓታት ኣሰራርሓ ናይ ምምሕያሽን ብቴክኖሎጂ ናይ ምምዕባልን ስራሕ እውን ብትኹረት ከምዝተሰርሐ ገሊፀን።እዚ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢረን።

ኣብ ልምዓት ክእለት እውን ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዝተባብዑ ውፅኢታር ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ ስራሕ ልምዓት ሓይሊ ሰብ እውን ዕዳጋን ድሌትን መሰረት ብምግባር ከምዝተሰርሐ ፀሪሐን።

ፀብፃብ ቁፅሪ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፅሬቱ ዝሓለወ ንምግባር ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ተገይሩ እዩ ኢለን።

ሕጋዊ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ተግባራዊ ንምግባር፣ ኢንተርፕራይዛት ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ፋይናስ ሓዊሱ ኣድላይ መንግስታዊ ደገፋት ንምቕራብን ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኩሎም ትካላት እቲ ዓውዲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ምስረታ ኢንተርፕራይዛትን ምዝገባ ሰልጠንትን ብስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ንምስላጥ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከምዝግባእ እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም