ራብዓይ ዙርያ ስልጠና ክረምቲ ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ 3 ሽሕ መናእሰይ እቶም 300 ነቲ ረቛሒ ኣማሊኦም ናብ ስልጠና ከምዝኣተዉ ተገሊፁ-እቲ  ኢንስቲትዩት




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 6/2017/ኢዜኣ/ ኣብ ኢትዮጵያ መናእሰይ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብቑዓትን ተወዳደርትን ንክኾኑ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና(/) ገሊፆም።

መናእሰይ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብቑዓትን ተወዳደርትን ንክኾኑ ትኹረት ተዋሂቡ እዩ ይስራሕ ከምዘሎ እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ

እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን መበል 4 ስልጠና ክረምቲ መናእሰይ ኣብ ሙዜም ሳይንስ ኣጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ሰልጠንትን ወለዲ ሰልጠንትን ተረኺቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መናእሰይ ንምብቃዕ ብስልጠና ክረምቲ ከምኡ እውን ምስ ትካላት ትምህርቲ ብምትሕብባር ፍልጠትን ክእለትን ንከዕብዩ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሃገራት ፀገማተን ዝፈትሓሉ ቁልፊ መሳርሒ እናኾነ ከምዝመፀ እውን ፀሪሖም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንምጥቃም መናእሰይ ኣብቲ ዓውዲ ፍልጠትን ክእለትን ንክህልዎም ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም።

ኣብቲ ዓውዲ መሰረታዊ ፍልጠት ሃሊዎም ዓለም ለኸ ተወዳደርቲ ንክኾኑ ስልጠናታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣረጋጊፆም።

4 ዙርያ ስልጠና ክረምቲ ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ 3 ሽሕ መናእሰይ እቶም 300 እቲ ረቛሒ ኣማሊኦም ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ናብ ስልጠና ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

እቲ ስልጠና ንክልተ ኣዋርሕ ዝወሃብ እንትኸውን መሰረታዊ ትምህርቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ሮቦቲክስ፣ ፕሮግራሚንግን ካልኦት ትምህርትታን ብዘጠቓለለ መልክዑ ከምዝወስዱ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም