ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ኩሎም ወረዳታት ዝተሃነፁ ህንፃታት ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ፓርቲ ብልፅግና ይምረቑ ኣለዉ





 

ሃረር/ሓምለ/ 10/2017(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ኩሎም ወረዳታት ዝተሃነፁ ህንፃታት ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ፓርቲ ብልፅግና ይምረቑ ኣለዉ።

እቶም ኣብ 9ቲአን ወረዳታት እቲ ክልል  ዝተሃነፁ ህንፃታት፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ዝተረኸብሉ እዮም ዝምረቑ ዘለዉ።

እቶም ህንፃታት ኣብ 3 ወረዳታት ገጠርን 6 ወረዳታት ከተማን ብተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ብፅሬት ዝተሃነፁ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኦርዲን በድሪ ሓዊሱ ኣመራርሓ ዋና ቤት ፅሕፈትን ጨንፈር ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላት ተረኺቦም።

ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስትን እቲ ፓርትን ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ተዘዋዊሮም ከምዝዕዘቡ ትፅቢት ይግበር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም