ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብዘሳለጦም ስራሕቲ ሪፎርም ንኢትዮጵያ ዝምጥን ዘበናዊ ኣሰራርሓ ሃኒፁ እዩ



ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 7/2017(ኢዜኣ) ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ብዘሳለጦም ስራሕቲ ሪፎርም ንኢትዮጵያ ዝምጥን ዘበናዊ ኣሰራርሓ ከምዝሃነፀ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት ገሊፀን።


ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ምስ መዝጋቢ ክልልን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ግምገማ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017ን ትልሚ በጀት ዓመት 2018ን ዝጠመተ ጉባኤ የሳልጥ ኣሎ።


ኣብቲ መድረኽ፤ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት፣ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ጠይባ ሀሰን፣ ኣመራርሓን ኣባላትን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።


ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኣገልግሎት ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከምዝነበርዎ ኣዘኻኺረን።
ዓለም ለኸ ረቛሕታት ኣብ ምምላእ እውን ፀገማት ከምዝነበርዎ ብምዝኽኻር፤ እቶም ኣገልግሎታት ምስ ድሌት እቲ ማሕበረሰብ ዘይመጣጠኑ ከምዝነበሩ ሓቢረን።


ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ቅልጡፍን ሓቛፍን ሪፎርም ብምግባር ኣብ ጉዕዞ ብልፅግና ከምትርከብ ብምግላፅ፤ እቲ ኣገልግሎት እውን ፀገማት ብዘላቒ ንምፍታሕ ሪፎርም ከምዝገበረ ተዛሪበን።


ስለዝኾነ እውን 11 ኣጀንዳታት ሪፎርም ተቐሪፆም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምሕባር፤ ድሑር ዝነበረ ስርዓት መቐበሊ ባዮሜትሪክ ሓበሬታ ናብ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ምቕያር ከምዝተኽኣለ ኣረዲአን።


ስለዝኾነ ድማ ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ብምሕታም እቲ ፀገም ምፍታሕ ከምዝተኽኣለ ዝገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ ልዕሊ 10 ሰነዳት ጉዕዞ ንክምዕብሉ ተገይሮም እዮም ኢለን።


እቶም ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብምምዕባል ናብ ዲጂታላይዜሽን ዕዉት ሽግግር ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ትካል ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ንኢትዮጵያ ዝምጥን ዘበናዊ ኣሰራርሓ ከምዝተሃነፀ ሓቢረን።


ብኣንፃር ድሌት ዜጋታት እውን ኣብ በጀት ዓመት 2018 እቲ ኣገልግሎት ብዝበለፀ ብምቅልጣፍን ብምምዕባልን ዕግበት ህዝቢ ንምዕባይ ከምዝስራሕ ገሊፀን።


መዳርግቲ ኣካላት እውን ንዕዉትነት ሽቶ እቲ ኣገልግሎት እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም