ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Nov 22, 2025 15
ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ዝመስረቱን ኩዑሶ እግሪ ብእግሩ ጠጠው ንክብል ካብ ሞንጎ ዘኽኣሉን ውሑዳት ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት እያ ትስራዕ። ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ ከምኡ እውን ካብ ኣድሎን መድሎን ንክፀርይ ብሱል ኣመራርሓን ጥበብን ክቡር ይድነቃቸው ተሰማ ዛጊድ እውን ይዝከር። ይኹን እምበር ምዕባለ ኩዕሶ እግርናን ድሌት ፈታዊ ኩዕሶ እግሪ ህዝብናን ዛጊድ ዝተጠዓዓመ አይኮነን ። መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ንህፃናትን ሰገናትን ማእኸል ዝገበረ ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ ። ኢኒሼቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝኾኑ እቲ ሓደ ዝኾነ ህንፀት ስፍራታት መዘውተሪ ስፖርት ኣዝዩ ተስፋሕፊሑ እናቐፀለ እዩ። ጉጅለታት ሰገናት ቀይ ቀበሮ ኣብ ውድድር ፅዋዕ ትሕቲ 17 ዕድመ ሰገናት ኣፍሪካ ንምሕላፍ ኣብ ውሽጢ እቶም 4 እዮም ዝርከቡ። ካብ ሰለስተ ፀወታታት ንክልቲኡ ብምስዓር በቲ ሓደ ድማ ማዕረ ተፈላልዮም ግስጋሰኦም ቐፂሎም ኣለዉ። ብሓባር እንተሰሪሕናን ብሓድነት እንተተሰሊፍናን ዘይነዕውቶ ወይከ ኣይህልውን።
ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምድላውን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅን ተስፋ ዘለዎም ሰገናት ናብ ኩዕሶ እግሪ እናመፁ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Nov 21, 2025 30
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምድላውን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅን ተስፋ ዘለዎም ሰገናት ናብ ኩዕሶ እግሪ እናመፁ እዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዴም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ምስ ጉጅለ ሶማሊያ 3 ን 3 ብማዕረ ንዝወፀ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ድሕሪ እቲ ፀወታ ብኣካል ተረኺበ ኣተባቢዐ ኢሎም። ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንክተዳሉ ዘቕረብዎ ዕላዊ ሕቶ ስዒቡ መንግሥቲ በቢ ከባቢኡ ካብ ኣናእሽተይ ክሳብ ዓበይቲ ስታዴማት እናሃነፀ እዩ ዝርከብ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ካብ መሰረተ ልምዓት ብተወሳኺ ንፍቕሪ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያውያን ዝምጥንን ሰናይ ሽምና ሓፍ ዘብልን ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ተጀሚሮም እዮም ኢሎም። ፕሮጀክት ጉዕዞ 2029 ዝኾነ ትሕቲ 17 ዓመት ጉጅለና እውን ዓብይ ተስፋ ዘለዎን መናእሰይን ሰገናትን ኢትዮጵያ ፀወታ ኩዕሶ ከምዝኽእሉ ከምኡ እውን ነቲ ኣህጉራዊ ፅዋዕ ካብ ታሕቲ ዝጀመርናዮ ምድላው ውፅኢት እናተረኸበሉን ከምዝኾነ ተዓዚብና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ጉጅለ ኣብዚ ንክበፅሕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ፈተውቲ ሃገር ኢትዮጵያውያን፣ኣባላት ስታፍ ኮቺንግ፣ኣመራርሓ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣመስጊኖም ኣባላት እቲ ጉጅለ ሰገናት ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበሮም ከይዲ ውድድር ንዘመዝገብኩሞ ውፅኢት በርትዑ ክብል ይፎቱ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ'ምስ ባንኪ ኣሜሪካ ስምምዕ ምሕዝነት 5 ዓመት ተፈራሪሙ
Nov 21, 2025 57
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ'ምስ ባንኪ ኣሜሪካ ስምምዕ ምሕዝነት 5 ዓመት ተፈራሪሙ። መበል 25 ዓመት‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣትሌታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ግራንድ ሆቴል ሃይሌ ተኸቢሩ። ብተወሳኺ እውን ባንኪ ኣሜሪካ(Bank of America) ምስ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2026 ጀሚሩ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝፀንሕ ስምምዕ ምሕዝነት ተፈራሪሙ። መስራቲ ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ሻለቃ ኣትሌት ኃይሌ ገብረሥላሴ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ስምምዕ ምስ ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ' ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተገበረ እዩ ኢሉ። ባንኪ ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ተብፃሕነት‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ንምስፋሕ ናብ ኢትዮጵያ ስለዝመፀ ምስጋና ኣቕሪቡ። መበል 25 ዓመት‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ምስ ባንኪ ኣሜሪካ ምሕዝነት ዝተፈራረመሉ እቲ ዝዓበየ መዓልቲ ሓጎሰይ እዩ ክብል እውን ገሊፁ። እቲ ስምምዕ ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ዓቕሚ ንምዕባይ ዓብይ እምነ ኩርናዕ እዩ ኢሉ። ሓላፊ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ዕዳጋ ባንኪ ኣሜሪካ ብራድ ሮዝ ብግደኦም፤ ኣሰር ዓለም ምስ ዝኾነ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ንሓሙሽተ ዓመታት ንምስራሕ ብምስምዕማዕና ኩርዓት ይስመዓኒ ኢሎም። ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ'ሓድነት ዝፈጥርን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ዘሳልጥን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ስፖርት ውፅኢታዊ ንምዃን ጠንካራ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ይግባእ-ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ
Nov 7, 2025 441
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2018(ኢዜኣ) ኣትሌቲክስ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ስፖርት ውፅኢታዊ ንምዃን ጠንካራ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ ገሊፁ። ኣትሌት ሻለቃ ሃይሌ ገብረሥላሴ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝርከብ ዘሎ ውፅኢት ካብ እዋን ናብ እዋን እናቐነሰ ምምፅኡ ተዛሪቡ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓውዲ ኣትሌቲክስ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉያ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ሕዚ ግና እናቐነሰ ምምፅኡ ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ንኣትሌቲክስ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ስፖርትታት ስልጠና ተግባርን ንድፈ ሓሳብን ዘይምጥዕዓም ቀንዲ ፀገም እዩ ኢሉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ስፖርት ብንድፈ ሓሳብ ጥራሕ ምምርሑ ምኽንያት እቲ ምቕናስ ውፅኢት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኡ። ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ኣብ ስፖርት ዝረአ ፀገም ኣሰራርሓ ብምፍታሽ ግቡእ ምላሽ ንምሃብ ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፁ። ኣብቲ ዓውዲ ዝቕንስ ዘሎ ውፅኢት ንምምላስ ኣብ ተግባር ተኮር ስራሕ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ንዕቤት እቲ ስፖርት ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ኣድላይ እዩ ኢሎም። ከም ሃገር ብቑዓት ስፖርተኛታት ንምፍራይ ካብ ታሕተዋይ ብርኪ ጀሚሩ ስርዓት ስልጠና፣ሕርያን ኣሰራርሓን ብምዝርጋሕ ምስራሕ ይግባእ ክብል እውን ሓቢሩ።
መንግሥቲ ንስፖርት ኩዕሶ እግሪ ዝሃቦ ትኹረት ውፅኢታውነት ንምምሕያሽ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ
Oct 31, 2025 563
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 21/2018 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ብብርኪ ዓለም ተነሓናሒ ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ ንምህናፅ ዝሃቦ ትኹረት ውፅኢታውነት ንምምሕያሽ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ ክብሉ ኣመራርሓ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ካብ ዘልዓልዎም ጉዳያት ምምሕያሽ ዕቤት ኩዕሶ እግሪ እቲ ሓደ እዩ። ኣብቲ እዋን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ በቲ ዝድለ ብርኪ ዘይምዕባዩን ብሄራዊ ጉጅለ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ዘይምስታፉን ንብዙሓት ከምዘጣዕስ ተዛሪቦም እዮም። መንግሥቲ እዚ ጣዕሳ ንምቕያር ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 1 ሽሕ ኣናእሽተይ ስታዴማት ምህናፆም ከም ኣብነት ፀሪሖም። ኣብዚ ጉዳይ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ኣመራርሓ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ፤ መንግሥቲ ብፍላይ ድማ ንኩዕሶ እግሪ ዝሃቦ ትኹረት ቅድሚ ሕዚ ዘይተርኣየን ብዝበለፀ ዘለዓዕልን ከምዝኾነ ተዛሪቦም። መካየዲ ስራሕ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ስፖርት ኣርሲ ነገሌ ጌታነህ ታደሰ፤ መንግሥቲ ንዕቤት ስፖርተ ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ዝበሃሉ መሰረተ ልምዓታትን ስታዴማትን ሃኒፁ እዩ፤ እናሃነፀ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም። እቶም መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ሰገናት ብምፍራይ ብቑዕን ተነሓናሕን ጉጅለ ንምህናፅ ዓብይ ፋይዳ ከምዘለዎም ሓቢሮም። ፕሬዚዳንት ክለብ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ባቱ ተስፋዬ ኤዳዎ ብግደኦም፤ መንግሥቲ ኩዕሶ እግሪ ንምዕባይ ዝጀመሮ ሰራሕ ንትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ኢሎም። ብፍላይ ድማ ሰገናት መሰረት ብምግባር ዝተሃነፁ ስፍራታት ስፖርትን ካልኦት ስራሕትን ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ጠንካራ መሰረት ዘንበሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። መካየዲ ስራሕ ክለብ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ሲዳማ ቡና ከነዓን በለጠ፤ መንግሥቲ ነቲ ዓውዲ ዝሃቦ ትኹረት ምልዕዓል ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ፀሪሐን። ኣብ ሰገናት ምስራሕ ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ወሳኒ ስለዝኾነ ክለባት ሰገናት ናብቲ ዋና ጉጅለ ኣብ ምዕባይ ብትኹረት ክሰርሑ ከምዘለዎም ተዛሪበን። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኩዕሶ እግሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለና ዘመላኽት እዩ። ኣብ ቀፃሊ ተነሓናሕን ውፅኢታውን ጉጅለ ኩዕሶ ንምህናፅን መንግሥቲ ዝፈጠሮ ምችው ኩነታት ንምጥቃምን እቲ ፌዴሬሽን ብትኹረት ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ክተተኣናግድ እያ
Oct 1, 2025 1538
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ኣብ ጎቦ ከተማ (City Mountain Bike Race) ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ውድድር ካብ 20 ክሳብ 22 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ። ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 98 ሻምፒዮና ብስክሌት ዓለም ዝነበራ ተሳትፎን ቀፀልቲ ስራሕትን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኣፍሪካን ኣይተ ወንድሙ ሃይሌ፤ እቲ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን እዩ ክካየድ ኢሎም። ኣብቲ ውድድር ካብ 25 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 110 ብስክሌተኛታት ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ተሳተፍቲ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን እውን ከምዝርከብዎ ሓቢሮም። እቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ መርሃ ግብሪ ውድድር ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት (UCI) ዝተኻተተን ኣፍልጦ ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ እቲ ውድድር ንምድላው ዘኽእል ምድላው ከምዝጀመረትን መንግስቲ ንድልውነቱ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብርን ኣረዲኦም። እቲ ዓለም ለኸ ውድድር ኣብ ኢትዮጵያ ምግባሩ እታ ሃገር ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብ ስፖርት ብስክሌት ተመዝግቦ ንዘላ ዝነኣድ ውፅኢት መርኣያ እዩ እውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና አትሌቲክስ ዓበይቲ መናእሰይ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ
Jul 21, 2025 3377
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/14/2013 /ኢዜኣ/ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ዕድመ 18ን 20ን አትሌቲክስ ሻምፒዮና 10 ሜዳልያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ። ኢትዮጵያ ክልተ ወርቂ ሰለስተ ብርን ሓሙሽተ ነሓስ ብድምሩ 10 ሜዳልያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ምዝዛማ ፌዴሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ገሊፁ ። ኣብ ናይጄርያ አቡካታ ካብ ሓምለ ካብ 9 እስጋብ 2017 ዓ.ም ክካየድ ዝፀንሓ ሳልሳይ ሻምፒዮና አትሌቲክስ 18 ን 20 ዓመትን ኣፍሪካ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ ኣሎ ።
ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jun 17, 2025 3424
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊጾም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማህበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ስፖርት ንሓርበኝነት ሕብረ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ዝተዳለወ መበል 6ይ ፀወታ ስፖርት መላእ ኢትዮጵያ ኣጀሚርና ኢሎም። ነቲ መሪሕ ቃል ብትኽክል ኣብ ትገልፆን ንዘበናት መናሃርያ ሕብረ ብሄራዊነት ኣብ ዝኾነትን ከተማ ጅማ ዝተጀመረ ፀወታ ስፖርት፤ “መናእሰይ ስፖርተኛታትና ኣድላይ ክእለት ሂወት፣ሓቛፋይነት፣ፍትሓዊነት፣ስራሕን ሓላፍነትን ጉጅለ ንከማዕብሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ” ክብሉ እውን ሓቢሮም። ሃገር ለኸ ፀወታታት ስፖርት ህዝብታት ናይ ምትእስሳር ዓቕሚ ዘለዎም፣መናእሰይ ተረከብቲ ሃገር ሃገሮምን ባህሎምን ዝፈልጥሉ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም። ስፖርት ዜጋታት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ እውን ፀሪሖም። ስለዝኾነ እውን በቢከባቢኡ ማእኸላት ስፖርት ብዝተሓተ፣ማእኸላይን ልዑልን ብርኪ እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢሎም። እዚ ሎሚ ዘጀመርናዮን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ን9 ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረን ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣፍሊጦም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኣብዚ ስፖርታዊ ፀወታ ንዝተሳተፍኩም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን፣ኣዳላዊ እቲ ውድድር ንዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን፣ክልል ኦሮሚያን ከተማ ጅማን ዘለኒ ምስጋና በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፎቱ” ኢሎም።
ሻምፕዮና ዘይፈለየ ውድድር ሴሪ ኤ ጣልያን …
May 23, 2025 3114
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ መበል 38 ሰሙን ሴሪ ኤ ጣልያን ሎሚ ምሸት ዝካየዱ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም። ብ79 ነጥቢ ነቲ ሴሪ ኤ እናመርሐት ትርከብ ናፖሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ኣብ ሜድኣ ንካግሊያሪ ከተተኣንግድ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ኣንቶኒዮ ኮንቴ ትምራሕ ናፖሊ ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተተዓዊታ ኣብቲ ንሕንሕ ናይ እትርከብ ኢንተር ሚላን ውፅኢት ከይተፀበየት ሻምፒዮን ምዃና ከተረጋግፅ እያ። ካብ ናፖሊ ብሓደ ነጥቢ ትሕት ኢላ እትርከብ ኢንተር ሚላን ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኮሞ ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ክትገጥም ኢያ። ብኣሰልጣኒ ሲሞን ኢንዛጊ እትምራሕ ኢንተር ሚላን ብ78 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኢንተር ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታር ናይ ባዕላ ፀወታ ካብ ምስዓር ብተወሳኺ ናይ ናፖሊ ነጥቢ ምድርባይ ክትፅበ ትግደድ ኢያ። ናፖሊ ኣብ ውድድር ዘበን 2022/23 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብኣሰልጣኒ ሉቻኖ ስፓሌቲ እናተመርሐ ድሕሪ 30 ዓመታት ንክብሪ እቲ ስኩዴቶ ምርካባ ይዝከር።
ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር
May 21, 2025 2703
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/13/ 2017 /ኢዜኣ/ፀወታ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 እንትካየድ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ፅዋዕ ንምዕታር ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ። ኣብ ሃገረ ስፔን ኣብ ሜዳ ትሌቲክ ቢልባኦ ስታዲየም ሳንማሜስ ዝግበር እዚ ፀወታ ፍፃመ ንክልቲአን ጋንታታት ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ። ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ድኹም ዓመተ ውድድር ዘሕለፋ ክልቲአን ጋንታታት፤ እቲ ፅዋዕ ንምዕታር ብሓደ ወገን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምዕዋት ብካሊእ ወገን ድማ ኣብቲ ውድድር ዓመት ቅር ዝበሎ ደጋፊ ንምኽሓስ ዘለወን ብሕታዊ ተስፋ ኢዩ። ማንችስተር ዩናይትድ ምንም ፀወታ እንተይተሰዓረት ንፍፃመ ዝበፅሐት እንትትከውን÷ ሎሚ ምሸት ኣብ ትፃወተሉ ስታዲየም ሳንማሜስ እውን ንኣትሌ ቢልባኦን 3 ን 0 ምስዓራ ይዝከር። ቶተንሃም ኣብቲ ሊግ ድኹም ዓመተ ውድድር ዘሕለፈ ይኹን እምበር፤ ኣብ ዩሮፓ ሊግ ስዒራተን ዝመፅአት ጋንታታት እንትረአ ግን እታ ጋንታ ኣብ ዩሮፓ ሊግ ዝነበራ ጥንኩር ጉዕዞ ዘርኢ ኢዩ።
ማንቼስተር ሲቲ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምርካብ ትገብሮ ንሕንሕ
May 20, 2025 1011
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/12/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ምሸት ሰዓት 4 ንቦርንማውዝ ክተተኣናግድ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጓርዲዮላ ትምራሕ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብ65 ነጥቢ አብ 6ይ ደረጃ ዝተቐመጠት እንትት ከውን፤ ናይ ሎሚ ምሸት ፀወታ እንተስዒራ ነጥባ ናብ 68 ክብ ብምባል ናብ 3ይ ደረጃ ክትዓቢ ትኽእል ኢያ። ብ53 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትርከብ ቦርንማውዝ ብግደኣ ዓወት እንተቐኒዑዋ ናብ 8ይ ደረጃ ክትመፅእ ትኽእል ኢያ። ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ብክሪስታል ፓላስ ዝሰዓረት ሲቲ፤ ናብ ዓወት ንምምላስን ኣብ መድረኽ ኣውሮፓ ተሳታፊት ዝገብራ ነጥቢ ንምርካብን ብርቱዕ ንሕንሕ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፂቢት ኣሎ። በካሊእ ፀወታ ብተመሳሳሊ ሰዓት ክሪስታል ፓላስ ንዎልቭስ ክተተኣናግድ ኢያ። ክሪስታል ፓላስ ብ49 ነጥቢ ኣብ መበል 12 ደረጃ እንትትርከብ ዎልቭስ ብግደኣ ብ41 ነጥቢ መበል 14 ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ፓላስ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ንማንቼስተር ሲቲ ብምስዓር ድሕሪ ክፍለ ዘበን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ምርካባ ይዠከር፡፡
ቼልሲ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣስቶንቪላ ምስ ቶትንሃም ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት
May 16, 2025 769
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/8/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ ምሸት ሰዓት 4፡15 ንማንቼስተር ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ። ብ63 ነጥቢ ኣብ 5ይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ልዑል ንሕንሕ ክትገብር ኢያ። ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ትምራሕ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ብ39 ነጥቢ ኣብ መበል 16 ደረጃ ትርከብ። ኣብዚ ዘበነ ውድድር ኣብ ኦልድትራፎርድ ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ሓደ ማዕረ ምፍልላየን ይዝከር። ብካሊእ ፀወታ እቲ ሊግ ኣስቶንቪላ ምሸት ሰዓት 3፡30 ኣብ ሜዳኣ ቪላ ፓርክ ንቶተንሃም ሆትስፐር ክተተኣናግድ ኢያ። ኣስቶንቪላ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቦታ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ንምፅናሕ ወሳኒ ሰለስተ ነጥቢ ንምርካብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ። ድኹም ዓመተ ውድድር እናሕለፈት ትርከብ ቶተንሃም ሆትስፐር ብክሪስታል ፓላስ ካብ ዘጋጠማ ስዕረት ንምውፃእ ናብ ዓወት ንምምላስ ክትፃወት ኢያ።
ሻምፒዮና ዓለም ውፅኢት መእተዊ ምዝገባ ግዘ ገደብ ኣብዚ ሰሙን ክገልፅ እዩ
May 15, 2025 535
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/7/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ውፅኢት መመዝገቢ ዝውደአሉ ግዘ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ነቲ ውድድር ቅድመ ምድላው ንምግባር ዝረድእ ውፅኢት መእተዊ ዝምዝገብሉ ግዘ ዕላዊ ከም ዝኸውን ፕሬዚዳንት እቲ ፌደሬሽን ኮማንደር ሰለሺ ሰህን ገሊፆም፡፡ ኮማንደር ሰለሺ ኣብቲ ሻምፒዮና ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ኣብ 18 ኣዋርሕ ውሽጢ ብዘመዝገብዎ ዝተመሓየሸ መእተዊ ሰዓት መሰረት ከምዝምረፁ ተዛሪቦም፡፡ መምረፂ ውድድር ኣትሌቲክስ ዓለም 26ን 27ን ሓምለ ወይ ድማ 16ን 17ን ነሓሰ ጥራሕ ክኻየድ ሓዱሽ መምርሒ ምምሕልላፉ ስዒቡ ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራፅ ክካየድ ዝነበረ ውድድር ምስራዙ ሓቢሮም፡፡ ብዙሓት ውድድራት ዝካየዱ ኣብ ኣውሮፓ ብምዃኑ ኣትሌታት ብቪዛ ፀገም ምኽንያት ዕድል ውድድር ከምዘይረኽቡ ብምግላፅ፤ እቲ ፌደሬሽን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም፡፡
ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ዝግበሩ ወሰንቲ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም
May 10, 2025 504
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/2/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 36 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ቀፃሊ ውድድር ዓመት ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ንምስታፍ ዝግበሩ ወሰንቲ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም። ንተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ትነሓናሕ ማንቼስተር ሲቲ ናብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ካብቲ ሊግ ምውራዳ ምስ ዘረጋገፀት ሳውዝሃምፕተን ሰዓት 11 ክትራኸብ ኢያ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰዓት ተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ትርከብ ኣስቶን ቪላ ምሸት ሰዓት 1፡30 ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቦርንማውዝ ክትራኸብ ኢያ፡፡ ፉልሃም ምስ ኤቨርተን፣ ወልቭስ ምስ ብራይተን፣ ኢፕስዊች ታውን ምስ ብሬንትፎርድ ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ካልኦት መርሃ ግብሪታት ኢዮም፡፡
ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ
May 8, 2025 601
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/30/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ ካልኣይ እግሪ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ምሸት ሰዓት 4 ንኣትሌቲክ ቢልባኦ ክተተኣናግድ ኢያ። ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ስፔን ኣምሪሓ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር። ብኻሊእ መዳይ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ሊገን ዝገበረኦ ፀወታ ኣይተዓወታን። ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም ቅድሚ ፀወታ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፤ “ኣብ ታሪኽ ከቢድ ኣብ ዝኾነና ዓመት ፅዋዕ ዩሮፓ ሊግ ሒዝና ክንዛዝም ንኽእል ኢና፤ እንትኾነ እውን ዝልውጦ ነገር የለን እዚ ዓመት ዘበሳጩ ዓመት ነይሩ” ኢሎም፡፡ ኣብ ካልእ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ብተመሳሳሊ ቶተንሃም ሆትስፐር ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቦዶ ግሊምት ክትራኸብ ኢያ። ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ፀወታ ቶተንሃም 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።
ኣብ ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም
May 4, 2025 617
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም። ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ለሚ ብርሃኑ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 14 ሴኮንድን ብምእታው ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ። ኣትሌት ለሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ማራቶን ፕራግ ተዓዋቲ ከምዝነበረ ተገሊፁ። ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ብርቱካን ወልዴ 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 55 ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብፀብለልታ ዛዚማ።
ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ተዓዊቱ
May 3, 2025 524
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/25/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ቻይና ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም ። ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይ ወፂኡ። እቲ ኣትሌት ብ12 ደቒቓን 50 ሰከንድን 45 ማይክሮ ሰከንድን ነቲ ውድድር ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ኣትሌት ኩማ ግርማን ኣትሌት መዝገቡ ስሜን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ
May 3, 2025 437
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/25/ 2017 /ኢዜአ/መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ናይሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ በርንማውዝ ምሸት ሰዓት 1፡30 ዘካይድኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ። ሰዓት 8፡30 ኣስቶንቪላ ምስ ፉልሃም ክፃወታ ኢየን። ሰዓት 11፡00 ድማ ኤቨርተን ምስ ኢፕስዊች ታውን ከምኡውን ካብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝተሰናበተት ሌስተር ሲቲን ሳውዝሃምፕተን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ትማሊ ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 1 ን 0 ብምስዓር ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ 3 ክወርድ ብምግባር መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
ስሑል ሽረን ወላይታ ድቻ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን
May 1, 2025 462
ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 27 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ስሑል ሽረን ወላይታ ድቻን ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን፡፡ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ፀጋዬ ብርሃኑ ንስሑል ሽረ ከምኡ እውን ብርሃኑ ኣዳሙ ንወላይታ ድቻ ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን። ብ ካልእ ዜና ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 27 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝተራኸባ ከተማ ኣዳማን ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን ሓደ ማዕረ ተፈላልየን፡፡ ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፤ ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራት ዳዋ ሁጤሳ ንከተማ ኣዳማ ድማ ነቢል ኑሪ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡