ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
ጉጅለ ታዓዛቢ ቴክኒክ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ
Oct 15, 2026 779
ኣዲስ አበባ/ጥቅምት /5/2019 (ኢዜኣ)፦ጉጅለ ገምገምቲ ቴክኒክ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2018 ንምትእንጋድ ትርከበሉ ዓቕሚ ምድላው ንምግምጋም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ሚኒስትር ስፖርትን መናእሰይን አክሊሉ ታደሰ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ እቲ ጉጅል ኣብ ዝህልዎ ፀንሒት መሰረተ ልምዓት ስፖርት፣ ብርኪ ስታዲዮማት፣ ዘፈራት ሆቴላትን መስተንግዶን ከምኡ እውን ምድላው ትራንሰፖርትን ሎጂስትክስን ብዝርዝር ክግምግም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ። ኣባላት ይእቲ ጉጅለ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኣቀባብላ ምግባሮም መረዳእታ ሚኒስቴር መናእሰይን ስፖርትን ይሕብር። ኢትዮጵያ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ነቲ ንኣህጉራዊ ውድድር ናብ ምድራ ንምምላስ ሕቶ ምእታዋ ዝዝከር 'ዩ።ኣባላት ይእቲ ጉጅለ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኣቀባብላ ምግባሮም መረዳእታ ሚኒስቴር መናእሰይን ስፖርትን ይሕብር።
መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዘላቒ ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 11, 2026 697
ኣዲስ ኣበባ ፤ ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ መደመር ኩሎም ዓቕምታት ብምእካብ ዝለዓለን ዘላቒን ተጠቃምነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ድሉው ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ነዚ ዝበላ ሎሚ ንግሆ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ነበርቲ እታ ከተማን ብምዃን ኣብ ዘካየዳኦ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ እዋን እዩ። ሙሉእ ጥዕንኡ ዝተሓለወን ኣፍራይን ወልዶ ንምህናፅ ኣብታ ከተማ ብዙሓት መዘወተሪ ቦታታት ስፖርት ምህናፆም ገሊፀን። ነባሪ እታ ከተማ ነዞም መሰረተ ልምዓታት ኩሉ ግዘ ብዝግባእን ብበዓል ዋናነት ስምዒትን ክጥቀመሎም ከምዝግባእ እውን መኺረን። ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩ ፃዕርታትን ዝሰርሑ ስራሕቲን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምግላጽ፣ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ደው ዘብል ምድራዊ ሓይሊ ከምዘየለ ተዛሪበን። ሉኣላውነት ሃገርና፣ ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ከተማና ንምሕላው ኩሉ ሰብ ብሓባርን ብምትሕብባርን ክሰርሕ ከም ዝግባእ ኣገንዚበን።
ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ሕፅይቲ ብልፅቲ ኣትሌት ዓለምና እዚ ዓመት ኰይና
Oct 6, 2026 795
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ)፦ ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ዝርዝር ሑፁያት ብሉፃት ኣትሌታት ኣትሌቲክስ 2026 ተኻቲታ። ዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ብኽልቲኡ ፆታታት ብተመሳሳሊ 10 ብሉፃት ሕፁያት ዓለምለኻዊ ኣትሌታት ሎሚ ዕላዊ ገይሩ፡። ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሕፁያት ብሉፃት ኣትሌታት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትዕግስት ኣሰፋ ትርከብ። ኣትሌት ትዕግስት ቅድሚ ሐዚ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2023ን ኣብ 2025ን ብደቂ ኣንስትዮ ብልፅቲ ዓለምለኻዊ ሕፅይቲ ኣትሌቲክስ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ። እታ አትሌት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን በርሊን ብጉድኣት ተፈቲና ብ2 ሰዓት ከ11 ደቂቃ ከ04 ሰከንድ ብምዝዛም ሳልሳይ ፈጣን ሰዓት ዓለም ኣመዝጊባ እያ። ብተወሳኺ ኣብ ማራቶን ለንደን 2026 ብ2 ሰዓት ከ15 ደቂቃ ከ41 ሰከንድ ብምዝዛም ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝኾነ ማራቶን ሓዱሽ ዓለምለኻዊ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ እያ።
ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም
Sep 15, 2026 2293
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ) ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሳልሳይ ግዜ ተመሪፆም። መበል 18 ስሩዕን ሓፈሻዊ ጉባኤ መረፃን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ /ECA/ ይካየድ ኣሎ። እቲ ሓፈሻ ጉባኤ በይኖም ብሕፁይነት ንዝቐረቡ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ንቀፃሊ 4 ዓመታት ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳንትነት ንክመርሑ መሪፁ። ኣይተ ኢሳይያስ ጅራ ካብ ዝተውሃቦ 88 ድምፅታት 81 ከም ዝረኸቡ እውን እቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ቀዋሚ ኮሚቴ ፊፋን ዝኾኑ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ካብ ግንቦት 2010 ዓ/ም ጀሚሮም ነቲ ፌዴሬሽን ብፕሬዚዳትነት እናመርሑ እዮም ዝርከቡ። ብተወሳኺ እውን ኣይተ ኣለሙ መግራ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኮይኖም ተመሪፆም።
ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንመጀመሪያ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ክካየድ እዩ
Sep 15, 2026 1442
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 2029 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ክካየድ እዩ። ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣሰናዳእቲ ከተማታት ውድድር 2029ን 2031ን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። ብመሰረት እዚ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2029 መበል 22 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ኬንያ ንኽካየድ እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኑ ኣሎ። ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ መሬት ኣፍሪካ እንትካየድ ኣብ ታሪክ 43 ዓመታት እቲ ውድድር ንመጀመሪያ እዋን እዩ። ናይሮቢ ውድድር 2029 ምትእንጋዳ ንኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ። ኬንያ ቅድሚ ሐዚ ሻምፒዮናታት ዓለም ትሕቲ 18 ዓመት ትሕቲ 20 ዓመትን ከምኡ’ውን ኣብ ብዓለምለኸ ብርኪ ፅቡቕ ስም ዘለዎ ውድድር «ኪፕ ኬይኖ ክላሲክ» ምትእንጋዳ ነዚ ዓወት ዓቢይ መሰረት ኾይኑዋ እዩ። ናይ ጀርመን ከተማ ሙኒክ እ.ኣ.ኣ ኣብ 2031 ዝካየድ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ክተዳሉ ተሓርያ ኣላ። ሙኒክ ነቲ ሻምፒዮና ክተዳሉ እዙይ ንሳልሳይ እዋን ምዃኑ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ። ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ዓለም ሰባስቲያን ኮ ነቲ ውሳነ ብዝመልከት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ኣሰናዳእቲ ከተማታት ንምሕራይ ዝተገበረ መስርሕ ዘሀንጡ ከምዝነበረ ገሊፆም። ናይሮቢን ሙኒክን ንኣህጉራተን ፍሉያት ዕድላት ዝመፅኡ ኣእማንቲ ትልምታት ብምቕራበን ክሕረያ ከምዝኽኣላ ተዛሪቦም። መበል 21 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 2027 ኣብ ቻይና ቤጂንግ ክካየድ እዩ። ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እ.ኣ.ኣ ኣብ 1983 ኣብ ፊንላንድ ሄልሲንኪ ዝተጀመረ ውድድር እዩ።
ትፅቢት ዝግበረሎም መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ፡ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ታውን፣ ቼልሲ ምስ ብራይተን
Aug 30, 2026 2978
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ካልኣይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ቀፂሎም ክካየዱ እዮም። ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ እዮም። ካብቶም መርሃ ግብሪታት ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ታውን ምሽት 12 ሰዓትን 30ን ኣብ ኦልድትራፎርድ ስታዲየም ዘካይድዎ ፀወታ ዝጥቀስ እዩ። ዩናይትድ ኣብ ናይ መጀመሪያ ሰሙን ፀወታኡ ብዘይተፀበዮ ኩነታት ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ብሁል ሲቲ 2 ን 0 ምስዓሩ ዝዝከር እዩ። ብኣንፃሩ ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ኢፕስዊች ታውን ንሰንደርላንድ 2 ን 1 ብምስዓር ዓመቱ ብዓወት ጀሚሩ እዩ። ማንችስተር ዩናይትድ ሕዚ እውን ምስ ሓድሽ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ብዝዓበየ ክለብ ተራኺቡ ኣሎ። እቲ ክለብ ናይ መጀመሪያ ዓወቱ ንምርካብ ክፃወት እዩ። ኢፕስዊች ታውን ተኸታታሊ ዓወቱ ንምምዝጋብ ሓያል ንሕንሕ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ። ብኻልእ መርሃ ግብሪ ቼልሲ ካብ ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ስታዲየም ንብራይተን ከአተኣናግድ እዩ። ቼልሲ ኣብ ናይ መጀመሪያ ፀወታኡ ካብ ሜዳኡ ወፃኢ ንፉልሃም 3 ን 2 ረቲዑ እዩ። ናይ ምብራቕ ኤሴክሱ ብራይተን ንኣስቶንቪላ 4 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ናይ ሸቶ ፍልልይ ስዒሩ እዩ። ኣብ መጀመሪያ መርሃ ግብሪ ፀወታኦም ድንቕ ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓስ ዘርኣዩ ክልቲኦም ክለባት ሎሚ እውን ማራኺ ፀወታ ንተመልካቲ ከርእዩ ትፅቢት ይግበር። ሊድስ ዩናይትድ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሰንደርላንድ ምስ ፉልሃም ብተመሳሳሊ ሰዓት 10፡00 ፀወታኦም ከካይዱ እዮም።
ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ዝገብሩ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ
Jun 29, 2026 9798
ዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲፕሎማስን መሰረተ ልምዓትን እናተሳለጡ ምዃኖም ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መኪዩ መሓመድ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ድሕሪ ለውጢ ንልምዓት ዓውዲ ስፖርት ብዝተውሃበ ትኹረት ኩለመዳያዊ ለውጢ ምምዝጋብ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ውክልና ኢትዮጵያ ብምዕባይ ምስሊ ኢትዮጵያ ንምህናፅን ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምጥንኻርን እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። በዙይ ድማ 14 ኣመራርሓታት ሃገር ለኸ ማሕራት ስፖርት ብብርኪ ኣህጉሩን ዓለምን ኣመራርሓ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘለዉን እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ውድድር ስፖርት ዘለዎም ተሳትፎን ውፅኢታውነትን እናዓበየ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣህጉራውያንን ዓለም ለኻውያንን ስፖርታዊ ፍፃመታት ተተኣናግድ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ምስሊ እታ ሃገር ንምህናፅ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ገሊፆም። ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፍፃመታት ኣፍሪካን ዓለምን ብምግባር ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ተረባሒት ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም። ነዙይ ድማ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ደረጃኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓት ስፖርት እናተሳለጡ ምዃኖም ብምልዓል፣ ሓሙሽተ ዓበይቲ ስታዲየማት ዓለም ለኸ ረቛሒታት ንኸማልኡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርቲ ፀረ-ዶፒንግ ንምድላው ተመሪፃ
Jun 13, 2026 12101
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 6/2018 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ እ.ኤ.አ በ2027 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን ፀረ-ዶፒንግ ክተዳሉ ከም ዝተመርፀት ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ንልምዓት ስፖርት ብዝሃበቶ ቆላሕታ ልዑል ፋይዳ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ፍፃመታት ስፖርት ንምድላው ፃዕሪ እናገበረት ትርከብ። እ.ኤ.አ በ2027 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን ፀረ-ዶፒንግ (Global Education Conference) ክተዳሉ ከም ዝተመርፀት እቲ ሚኒስቴር ኣመላኺቱ፡፡ ብዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ፀረ-ዶፒንግ (WADA) ኣሰናዳእነት በብእዋኑ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኣብ ምንቅስቃስ ፀረ-ኣበራታዕቲ ቐመማት (ዶፒንግ) ልዑል ትርጉም ዘለዎ ምንቅስቓስ ምዃኑ እውን ተገሊፁ። ቅድም ኢሉ እ.ኤ.አ በ2018 ኣብ ቻይና ቤጂንግ፣ በ2022 ኣብ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ከምኡ እውን በ2024 ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ። እቲ ጉባኤ ብደረጃ ኣፍሪካ ክካየድ ንመጀመሪያ ግዜ ብምዃኑ ንህንፀት ምስሊ ኢትዮጵያን ንዕብየት ቱሪዝም ስፖርትን ካብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ብተወሳኺ፣ ብኣህጉር ደረጃ ፀረ-ኣበራታዕቲ ቐመማት ብዝበለፀ ንምጉልባትን ንፁህ ስፖርት ንምስፍሕፋሕን ልዑል ግደ ከም ዝፃወት ተመለኺቱ። እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ምስ ኣበራታዕቲ ቐመማት ወይ ዶፒንግ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣብ ስሩዕ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣእቲኻ ምትግባር፣ እኹል ሕጋዊ ማዕቐፋት ብምውፃእ ተግባራዊ ምግባር፣ ከምኡ እውን ሓያል ናይ ምርመራን ቁፅፅርን ስርዓት ምዝርጋሕን ምትግባርን ሓዊሱ ዘመዝገበቶም ብዙሓት ውፅኢታት ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ብግቡእ ንምፍላጥ ተወሳኺ ዕድል ከም ዝፈጥር ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።
ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ ዝዓለመ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Jun 10, 2026 10104
ኣዲስ ኣበባ/ሰኔ 3/2018 (ኢዜኣ) ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ ዝዓለመ መበል 4ይ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዲፕሎማት 6 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። እቲ ውድድር፤ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ኤምባሲታት ዩናይትድ ኪንግደም፣ካናዳን ሜክሲኮን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ እዩ። ተወከልቲ እቲ ፌዴሬሽንን እቶም ኤምባሲታትን ብዛዕባ ዕላማ እቲ ውድድር ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ውድድር ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ልዕሊ 30 ኤምባሲታት፣ሚሲዮናት ዲፕሎማሲ፣ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙትን ክሳተፉ እዮም። እቲ ውድድር ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ፣ዓለም ለኸ ርክብን ልውውጥ ባህልን ንምጥንኻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም። እቲ ውድድር 6 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ስታዴም ኣበበ ቢቂላ ከምዝካየድ ብምግላፅ፤ ኣብቲ መዓልቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኤምባሲታትን ትካላትን ዝወከሉ 25 ጉጅለታት ኩዕሶ እግሪ ከም ዝወዳደሩ ኣፍሊቶም። ኣብቲ ውድድር ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ተሳተፍቲ ከም ዝርከቡ ትፅቢት ከም ዝግበር እውን ሓቢሮም።
ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት እያ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
May 3, 2026 15612
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 25/2018 (ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት ከምዝኾነት ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነ ውድድር "የሲቲ ማውንቴን ባይክ ኤሊሚኔተር ፕሮ ሊግ (City Mountain Bike Eliminator Pro League)” ኣብ ኢትዮጵያ - ብኣዳላውነት ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። መበገሲኡን መዛዘሚኡን ታሪኽ መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ኣብ ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዝገበረ እቲ ውድድር ካብ ልዕሊ 24 ሃገራት ብዝመፁ ፕሮፌሽናል ተወዳደርቲ ብልዑል ንሕንሕን ወነን ዝተኻየደ ኣዝዩ ድሙቕ ውድድር እዩ። እቲ ውድድር ኣመልኪተን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ስፖርት ምስ ዓለም እንራኸበሉ፣ እንረዳደአሉን ምትሕብባር እነጠናኽረሉን እቲ ሓደን ዓብይን ዓውዲ እዩ ኢለን። መንግሥትና ንዓውዲ ስፖርት ዘለዎ ምልከታ ብምቕያሩ ፈታዊ ስፖርት ማሕበረሰብና ምስ ውድድራት ስፖርት ዓለም ንምትእስሳር ብዝሰራሕናዮ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ 3 ዓለም ለኸ ውድድራት ምድላው ክኢልና ኢና ክብላ እውን ሓቢረን። ስለ ዝኾነ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ሓዱሽ ምዕራፍ እናኸፈተት እያ ኢለን። ውድድር "የሲቲ ማውንቴን ባይክ ኤሊሚኔተር ፕሮ ሊግ (City Mountain Bike Eliminator Pro League)”ኣብ ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን መዘከርታ ታሪኽ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታትን ንክክየድ ንዝመረፁን ቀፃሊ ዓመት እውን ኣብዚ ከምዝካየድ ንዘረጋገፀ ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት(UCI)ን፣ ንዕዉትነት እቲ ምድላው ለይትን ቀትርን ንዝደኸሙ ኣካላትን ኣመራርሓ ስፖርትን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስጋና ኣቕሪበን።
ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ክተተአናግድ እያ
Apr 28, 2026 8263
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 20/2018 (ኢዜኣ) ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ተወዳደርቲ ብስክሌት ዝሳተፍሉ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ማውንቴን ባይክ ኢሊሚኔተር (UCI City Mountain Bike Eliminator) ካብ 24 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት (UCI) ኣፍልጦ ዝሃቦን ብብርኪ ዓለም ልዑል ኣድናቖት ዝረኸበን "ሲቲ ማውንቴን ባይክ ኤሊሚኔተር ፕሮ ሊግ" ኣብ ታሪኹ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ። እቲ ውድድር ኣብ ፒያሳ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዝሳለጥ እንትኸውን፤ ኣብዚ ውድድር ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ብርክት ዝበሉ ተወዳደርቲ ብስክሌት ከምዝሳተፉ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ምዕባለ ልምዓት እታ ርእሰ ከተማ ምስሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምጉላህ ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Apr 18, 2026 6345
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /10/2018 (ኢዜኣ)፡- ምዕባለ ልምዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሽምን ምስልን ኢትዮጵያ ኣብ ምጉላህ ዝልዓለ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ሜዳ ኣርባ ስድስት ዝተብሃለ ስፍራ ስፖርት መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን፡፡ እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን፤ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ ፈተውቲ ስፖርት ከም ዝኾኑ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብፅኑዕ ከም ዝኣምን ገሊፀን፡፡ ስለዝኾነ መናእሰይ ደረጃኦም ዝሓለዉ ስፍራታት ስፖርት ክረኽቡ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መሰረተ ልምዓት ስፖርት እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ሓቢረን፡፡ ኣብታ ከተማ ዝህነፁ ስፍራታት ስፖርት መናእሰይ ብኣካልን ኣእምሮን ዝጎልቦቱ ንምግባር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ኣመላኺተን።
ኣብዚ ወርሒ 3 ዓለም ለኸ ፍፃመታት ስፖርት ክካየዱ እዮም
Apr 16, 2026 4852
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 8/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ግራንድ ፕሪ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ዝሓዝናዮ ወርሒ ሚያዝያ 3 ዓለም ለኸ ስፖርታዊ ፍፃመታት ክካየዱ እዮም። ካብቶም ዝካየዱ ዓለም ለኻዊ ስፖርታዊ ፍጻመታት እቲ ሓደ ውድድር ኣትሌቲክስ ሓደ መዓልቲ ግራንድ ፕሪ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ቀዳም ክካየድ እዩ። እዚ ውድድር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ዝካየድ እንትኸውን፤ መንግሥቲ ነቲ ዓውዲ ብዝሃቦ ትኹረት መሰረተ ልምዓታት ስፖርት ምስፍሕፍሑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ስታዴም ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ውድድር ብብርኪ ዓለም ተፈለጥቲ ኣትሌታት ከምዝሳተፉ እውን ተገሊፁ። ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ሲቲ ማውንቴን ባይክ ኢሊሚኔተርን ግራንድ ኢትዮጵያን ረንን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየዱ ውድድራት እዮም። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ውድድር ዕዉት ንክኸውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት እኹል ምድላው ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ስፖርት ንምልላይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተገሊፁ።
ቱሪዝም ስፖርት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ
Jan 23, 2026 2027
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 15/2018(ኢዜኣ) ቱሪዝም ስፖርት ኢትዮጵያ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከምዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን መኪዩ መሐመድ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንቱሪዝም ስፖርት ምችውቲ ንምግባር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 16 ዓለም ለኸ ፍፃመታት ስፖርት ብዓወት ብምትእንጋድ እታ ከተማ ንቱሪዝም ስፖርት ዓቕሚ ከምዘለዋ ብተግባር ምርኣይ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቱሪዝም ስፖርት ዝተኣናገዱ ፍፃመታት ኣብ ህንፀት ምስሊ ሃገርን ኣታዊ ሸርፊ ወፃእን ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓት ስፖርት ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣወንታዊ እጃም ከምዘለዎም ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን 32 ብሄራዊ ፌዴሬሽናት ስፖርት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፍፃመታት ስፖርት ናብ ውሽጢ ሃገር ንከምፅኡ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ዓቕሚ ምትእንጋድ ዲፕሎማሲ ስፖርትን ስፖርታዊ ፍጻመታትን ኢትዮጵያ ብምዕባይ ቀዳማይ መባፅሒ ቱሪዝም ስፖርት ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ስፖርት ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ እዩ
Jan 16, 2026 1864
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 8/2018(ኢዜኣ) እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ስፖርት ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ስፖርትን ባህልን መኪዩ መሀመድ ገሊፆም። መንግሥቲ መደመር ንልምዓት ስፖርት ልዑል ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እንትኸውን ኣብዚ መዳይ ኣብቲ ዓውዲ ጭቡጥ ለውጢ ዝርከበሎም ስጉምትታት እናወሰደ እዩ ዝርከብ። ናይዚ መርኣያ ዝኾነ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት 28 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ከምዝፀደቐ ዝፍለጥ እዩ። ሚኒስትር ዲኤታ ስፖርትን ባህልን መኪዩ መሀመድ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ እቲ ዝተመሓየሸ ሃገር ለኸ ፖሊሲ ስፖርት ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ዓውዲ ስፖርት ዘረጋግፅ እዩ። እቲ ፖሊሲ ኣብቲ ዓውዲ ዝነበሩ ፀገማት ብዝርዝር ከምዝገምገመ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ልምዓት ስፖርት እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ልምዓት ስፖርት ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ብርኪ ብመንግሥቲ ይሳለጥ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ግና ዓውዲ ውልቀ ብሰፊሑ ንምስታፍ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሎም። እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ልምዓት ስፖርት ብምትሕብባር መንግሥቲ፣ህዝብን ዓውዲ ውልቀን ንክሳለጥ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።
ንብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ሽልማት 10 ሚልዮን ተበርኪቱ
Dec 2, 2025 2508
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 23/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ስፖርትን ባህልን ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንዝሓለፈ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ። እቲ ሚኒስቴር ምስ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ሎሚ ምሸት እንግዶት ድራር ገይሩ። እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ነቲ ብሄራዊ ጋንታ ዘበርከተ እንትኸውን ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ እቲ ሽልማት ኣረኪበን። እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ዝተረኸበ ዓወት ውፅኢት ሓባራዊ ስራሕ መንግስትን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግርን ኢትዮጵያ እዩ። እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝህልዎ ተሳትፎ ውፅኢታዊ ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኢትዮጵያ ብትሕቲ 17 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምሕላፋ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም
Dec 2, 2025 2913
ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ(ቀይ ቀበሮዎቹ) ንኬንያ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመታት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምሕላፎም እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ እውን ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣብ ሰገናት በርቲዕና እንተሰሪሕና ኩዕሶ እግርና ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ሓፍ ዝብለሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኸውን እዚ ዓወት መርኣያ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ናይ ሎሚ ውፅኢት ንክርከብ እጃሞም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ኣመስጊኖም።
ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፉ
Dec 2, 2025 1075
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/23/ 2018 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ንኬኒያ መዘንኡ 3 ን 0 ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ። ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ መፃረዪ ሲካፋ ፅዋዕ ኣፍሪካ፤ ዳዊት ካሳው፣ቢኒያም ኣብረሃን ብሩክ እይላቸውን ድሕሪ ዕረፍቲ ንሕድሕዶም ብድምር ሰለስተ ሽቶታት ኣቑፂሮም። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ምድቡ ሳልሳይ ኮይኑ ብምዝዛም ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ።
ውህብቶ ኩዕሶ እግሪ ሰገናት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅ ተስፋ ዝህብ እዩ
Nov 24, 2025 2358
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኩዕሶ እግሪ ሰገናት ዝጀመረቶ ፃዕርን ዓቕሚ ውህብቶ ሰገናትን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጠንካራ ተወዳዳሪ ብሄራዊ ጉጅለ ምህናፅ ከምትኽእል ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ቤንጃሚን ዚመር ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንክተተኣናግድ ብዕሊ ሕቶ ምቕራቦም ዝፍለጥ እዩ። ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ቤንጃሚን ዚመር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ክእለት ዘለዎም ተፃወትቲ መናእሰይ ከምዘለዉ ኣረዲኦም። ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ተወዳዳርን ኣሸናፍን ብሄራዊ ጉጅለ ንምፍጣር ዘቐመጦ ሽቶ ተስፋ ዝህብ እዩ ኢሎም። ንኣባላት ብሄራዊ ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ እውን”ዘይተቖረፀ ኣልማዝ”ክብሉ ንዘለዎም ዓሚቕ ዓቕሚ ንኢዶም። መንግሥቲ ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝወስዶም ስጉምትታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ትሕቲ 15፣17፣20 ዓመት ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰገናት ናይ ምብቃዕ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።