መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላምን ኩለመዳያዊ ብልፅግናን ትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላምን ኩለመዳያዊ ብልፅግናን ትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 11/2017(ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላምን ኩለመዳያዊ ብልፅግናን ትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣብ ምብፃሕ ጃሞም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ቀፃሊ ኣንፈታት ትኹረት ኣመልኪቶም መብራህርሂ ሂቦም።
እቶም ሚኒስትር፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግስቲ ብዝወሰዶም ስጉምትታት ኣብ ኢትዮጵያ ምህዳሩ እናሰፍሐን እናተረጋግዐን ዝመፀ ሓቛፊ ስርዓት ፖለቲካ እናተሃነፀ እዩ ኢሎም።
ህልውና ሃገር ዝፈታተኑ ስምብራታት ፍትሓዊነትን ማዕርነትን ዘይምህላው ብምፅጋን ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ሓድነትን ዘተኣማምን ሰረት ከምዘንበረ ሓቢሮም።
ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ውሽጢ መዋቕር መንግስቲ ኣትዮም ንክሰርሑ ምግባሩ፣ብሃገራዊ ምኽክር ፀገማት ንምፍታሕ ናብ ስራሕ ምእታዉን ሽግግር ፍትሕን ንህንፀት ዘላቒ ሃገር ወሳኒ እጃም ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ስርዓታዊ ልህቀት ምምፃእ ዘኽእሉ ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራስን ፀጥታን ከምዝተሃነፁ ኣረዲኦም።
እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ጠንካራ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ከምዝሃነፀ ብምሕባር፤ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክፍተን ዝኽእል መጥቃዕቲ ብርሕቑ ዘትርፍ ዘተኣማምን ዓቕሚ ንክፍጠር ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ዝፈታተን ሓይሊ ከምዘየለ እውን ፀሪሖም።
መንግስቲ ንልዕልነት ሓሳብ ዋጋ ብምሃቡ፣ሓባራዊ ተረኽ ብምህናፁ፣ሪፎርም ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባሩ፣ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር እናፈተሐ ብምዃኑን ሕጊ ብምኽባሩን ጭቡጥ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኣረዲኦም።
ስርቅን ብልሹው ኣሰራርሓን ዘይሽከም ስርዓት ብምህናፅ ኣገልግሎት መንግስቲ ናይ ምምዕባል ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኮይና ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዓወት ከምዘመዝገበት ብምሕባር፤ ኣብ ስጉምትታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖምን ኩለመዳያዊ ልምዓትን እቲ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ብሓቛፍነት እናዓበየ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ ዘይግመትን ሃንደበታውን ዓለም ለኸ ተለዋዋጢ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን ፀገማት ብምፍታሕ ዓወታት ንምቕፃልን ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም።
ሃገር ካብ ምንስርራእ ናብ ዝተማልአ ብልፅግና ንምሽግጋር እውን ብዝተለወጠ ሃገራዊ ኣረኣእያ ንሓደሽቲ ዕቤታት ከምዝተዳለወ ፀሪሖም።
መራኸብቲ ሓፋሽ እውን ሓቛፊ ስርዓት ፖለቲካ ብዝበለፀ ንክጠናኸር፣ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ዝተማልአ ትግበራ ማክሮ ኢኮኖሚ ንክጠናኸርን ብመፅናዕትን ብፅሬትን ሓበሬታ ኣብ ምብፃሕ እጃሞም ከጠናኽሩ ይግባእ ኢሎም።