ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 5/2017(ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ሓለምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 ዓ/ም ብዕሊ ከመዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ኮዬ ፈጬ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዕዉትነት ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ምንስርራእን ጉዕዞ ልዕልናን ኢትዮጵያ እዩ።
ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ኣብ ኩሎም ከባብታት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ክሳብ ሕዚ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እውን 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም።
ምክትል ከንቲባን መተሓባበሪ ክላስተር ግብርናን ከተማ ሸገር ግርማ ሃይሉ ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከተማ ሸገር ንምፅባቕን ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝድግፍን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።