ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ተተኺሎም-ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 5/2017(ኢዜኣ) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) መርሃ ግብሪ ሓለምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመትብምትካል ምንስርራእኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 20 ሰነ 2017 / ብዕሊ ከመዘጀመሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ኮዬ ፈጬ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዕዉትነት ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ምንስርራእን ጉዕዞ ልዕልናን ኢትዮጵያ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ኣብ ኩሎም ከባብታት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ እውን 2 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም።

ምክትል ከንቲባን መተሓባበሪ ክላስተር ግብርናን ከተማ ሸገር ግርማ ሃይሉ ብግደኦም፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከተማ ሸገር ንምፅባቕን ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ዝድግፍን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም