”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ” - ኢዜአ ትግርኛ
”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ”

ነባሪት ከተማ ሻሸመኔ ወይዘሮ ኣሰለፈች ፀጋዬ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን በቢዓመቱ ቦንድ ይገዝኣ ።በዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝዓደገኦ መጠን ቦንድ ሓደ ሚሊየን ብር በፂሑ ይርከብ።
ብስራት ምቕማጥ እምነ ኹርናዕ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝተሰምዐሉ ግዘ ፈላማይ ዕድጊት ቦንድ ዝፈፀማ ወይዘሮ ኣሰለፈች፤ ተስፋ ሃገረን ሰሚሩ ንምርኣይ ዘለወን ሃንቀውታ ኣሰረን ንምንባር ዘኽእለን ዕድል ብምርካበን ተሓጒሰን።
ናይ መጀመርታ ቦንድ እንትዕድጋ ዝሓለፈ ትውልዲ ማይ ኣባይ እንተይተጠቐመሉ ዘበናት ብምምሕላፉ፤ ካብ ነስሓ ብምብጋስ ናይዚ ታሪኽ ኣካል ንምዃን ንግድብ ህዳሰ ቦንድ ንምዕዳግ ንባዕለን ዝኣተወኦ ቃል ሓሊየን ፀኒሐን ኢየን።
ስረሐይ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኹን እምበር ካብ ፍቕሪን ክብሪን ሃገረይ ኣይበልፅን ዝብላ እተን ወይዘሮ፤ ቦንድ ብምግዘእ ሃገረን ዝወከላ ኮይኑ ከምዝስመዐን ገሊፀን።
”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ” ብምባል፤ ካብ ችርቻሮ ዕዳጋአን ብዘይምስሳዕ ክሳብ ሕዚ ቦንድ እናዓደጋ ንሃገር ዘለወን ፍቕሪ እናርአያ ከምዝኾና ገሊፀን።
እቲ ግድብ እንትዛዘም ሪቫን ንምቑራፅ ከምዝተሰናደኣን ኣብዛ ታሪኻዊ ዕለት ክርከባ ከምዝደልያን እውን ተዛሪበን፡፡
”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ” ደጊም ድልየተይ ዝሰመረ ይመስል ፡፡ተመስገን ኹሉ ፀፅብቑ ንደቀይን ንሃገረይን እምነ፡፡