ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀተ ዓመት ኩለመዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀተ ዓመት ኩለመዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም

ድሬዳዋ/ሓምለ/ 9/2017(ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ልኣላዊነት ምግብን ኩለመዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብምትሕብባር መንግስትን ፓርትን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ስራሕቲ ዝግምግም መድረኽ ኣብ ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ኣመራርሓ ዋና ቤት ፅሕፈትን ጨንፈራትን ፓርቲ ብልፅግና፣ሚኒስትራትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መብራህርሂ፤ ንዜጋታት ኣብ ወፃእን ውሽጢ ሃገርን ዕድል ስራሕ ኣብ ምምችቻውን ኣብ ምፍጣርን ዕዉት ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተዛሪበን።
ኣብ ኢትዮጵያ ክእለት መሪሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንክህሉ ብምግባር ዜጋታት ብዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ልዕልናን ብልፅግናን ሃገር ኣብ ምርግጋፅ እጃሞም ንክዋፅኡ እናተገበረ እዩ ኢለን።
ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ እውን ኣብ ካልኦት ዓውድታት ጭቡጥ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።
ሓላፊ ዘፈር ህንፀት ፖለቲካን ዓቕምን ፓርቲ ብልፅግና ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር)፤ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብምትሕብባር መንግስትን ፓርትን ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኣብራህሪሆም።
ስለዝኾነ እውን እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ብምጥንኻር ኣብዚ ዝተትሓዘ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ዝለዓለ ኣፈፃፅማ ንክህሉ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዝግበር ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብዱልሃኪም ሙሉ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምግባር ኩለመዳያዊ ልምዓትን ዕቤትን ምስላጥ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ምኽባር ናብራ ኣብ ምርግጋዕ እውን ብሰፊሑ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።