ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዕዉት ተሞኩሮኣ ክተቕርብ እያ-ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን 

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ካብ ምድላው ብተወሳኺ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ዕዉት ተሞኩሮኣ ኣብቲ ጉባኤ ከምተቕርብ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ እውን ልዑል ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ኣብ ወርሒ ጳጉሜን እንተተኣናግዶ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ዝምልከት ምስ ተወከልቲ ዓለም ለኸ መሓዙት ትካላትን ሲቪክ ማሕበረሰብን መድረኽ ምኽክር ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከምዝበሎ፤ ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብብርኪ ምኽንያትነት ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ዋላ ትሑት እንተኾነ ልዑል ጉድኣት እናተኣናገደት እያ።

ድርቂ፣ውሕጅ፣ምስፍሕፋሕ ሕማም፣ባርዕ ሓውን ካልኦት ፀገማትን ብምኽንያት እቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እታ ኣህጉር ግዳይ እናገበርዋ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም።

ሓደጋ ንምክልኻልን ፅልዋ ንምፅዋርን ብብርኪ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት እናተወሰዱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ እውን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ፖሊሲ፣ስትራቴጅን ማዕቐፍ ሕግን ኣዳሊዋ ጭቡጥ ስጉምቲ እናወሰደት እያ ኢሎም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብብርኪ ዓለም ሓደጋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ተግባራውን ውፅኢታውን ዝኾነ ተበግሶ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ዝውሰዱ ዘለዉ ሃገር ቦቆል መፍትሕታት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ዝማዕበላ ሃገራት ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝመፅእ ሓደጋ ንምክልኻል ዋላ ደገፍ ፋይናንስ ንምግባር እንተተስማዕመዓ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዝተረኸበ መጠን ገንዘብ ግና ትሑት እዩ ኢሎም።

ዕላማ እቲ ጉባኤ እውን እቶም ዝግበሩ ዘለዉ ስጉምትታት ብዝሰፊሑን ብዝሓሸን መንገዲ ንክፍፀሙ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

እቲ መድረኽ፤ ብብርኪ መራሕቲ ሃገራት ዝተፈላለዩ ውሳነታት ዝመሓላለፍሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ ከባቢ 25 ሽሕ ኣጋይሽ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዘለዋ እጃም መሪሕነት እተጠናኽረሉ ከምኡ እውን ተሞኩሮታታ እተካፍለሉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም