እቲ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፈፃሚ ስራሕ ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ሓላፍነት ክቕፅል እዩ-ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፈፃሚ ስራሕ ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ሓላፍነት ክቕፅል እዩ-ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 11/2017(ኢዜኣ) እቲ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፈፃሚ ስራሕ ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ሓላፍነት ክቕፅል እዩ ክብል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 3ይ ዓመት 3ይ ህፁፅ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምክያድ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ዛዚሙ።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼህ ሐጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ፈፃሚ ስራሕ ካብ 11 ሓምለ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ንህዝበ ሙስሊም ንሰለስተ ዓመታት ከገልግል ፀኒሑ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ኣብዞም ዓመታት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።
ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ዳይሬክተር ኣገልግሎት ትምህርትን ማሕበራውን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣኑዋር ሙስጠፋ፤ ሙስሊም ሕብረተሰብ ኣብቶም ዝተረፉ እዋናት በቢ መስጊዱ ብምምዝጋብ ዝውክልዎ ተወከልቲ ንክመርፅ ገሊፆም።
እቲ ቦርድ ፈፃሚ መረፃ ስርሑ ንምዝዛም ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮ ምሕታቱ ኣብቲ መግለፂ ቅዋም ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘበነ ስራሕ በቢብርኩ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ መጅሊስን ፈፃሚ ስራሕን ክሳብ 30 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ንክናዋሕ ከምዝወሰነ ተገሊፁ።
ንዕዉቱነት እቲ ዝሳለጥ መረፃ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ንክዋፅኡ እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቲቱ።