ኣብ በጀት ዓመት 2017 ታሪኽ ተፀባይነት ኢትዮጵያ ንምቕያር ሰረት ዘንበሩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም-ኣይተ ኣደም ፋራህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ታሪኽ ተፀባይነት ኢትዮጵያ ንምቕያር ሰረት ዘንበሩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 7/2017 (ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ካብ ተፀባይነት ሓራ ንምውፃእ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ታሪኽ ተፀባይነት ኢትዮጵያ ንምቕያር ሰረት ዘንበሩ እዮም ክብሉ ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ምክትል ፕሬዚዳንትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
መድረኽ ግምገማ መዛዘሚ ስራሕቲ እቲ ውድብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ በጀት ዓመት 2017 ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዝተሳለጥሉ ናይ ትግሃትን ዓወትን ዓመት እዩ ኔሩ።
እቲ ፓርቲ ብሰብኣውን ንዋታውን ሃፍቲ ንምጥንኻር፣ ብዘበናዊ ሓበሬታ ንምውዳብ ከምኡ እውን ገዛኢ ተረኽን ቅቡልነትን ኣብ ምርግጋፅ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም ኢሎም።
ብኣተሓሳስብ፣ብኣወዳድባን ኣሰራርሓን ዝተወሃሃደ ፓርቲ ንምፍጣር ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ዕዉታት ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤን 5ይ ዓመት ምስረታን እቲ ውድብ ብዝተዋደደ መንገዲ ምኽባር ከምዝተኽኣለ ኣመልኪቶም።
ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀፃልነትን ዘላቕነትን ዘለዎ ንክኸውን ብትኹረት ከምዝተሰርሐ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም፤ በዚ ድማ ዝነኣድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሓቢሮም።
ብጎስጓስ ዝተሳለጡ ስራሕቲ እውን ውፅኢታዊ ከምዝነበሩን እቲ ህዝቢ ኣብ ሓቛፊ ሃገራዊ ምኽክር ንክሳተፍ ስለዝተገበረ እቲ ከይዲ ምኽክር ብዓወት ከምዝቐፀለን ተዛሪቦም።
ገዛኢ ተረኽን ተቐባልነትን ንክረጋግፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኸሩ ኣወንታዊ ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ፀሪሖም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምቕፃልን ዝተርኣዩ ክፍተታት ብምስትኽኻልን ንኩለመዳያዊ ብልፅግና እቲ ህዝቢ ብምስታፍ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።