ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
እዋናዊ ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ጠንካራ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ
Jan 26, 2026 51
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 18/2018(ኢዜኣ) እዋናዊ ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ጠንካራ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ገሊፁ። ማእኸል ትንበያን ትግበራን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኢጋድ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ መበል 72 መድረኽ ምልከታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ(GHACOF 72) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተጀሚሩ። እቲ መድረኽ፤ “ምጥንኻር ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጠንካራ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ንዘላቒ ልምዓትን ዘለዎ እጃም”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሰብ መዚ ሃገራት ኣባል ኢጋድ፣ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ትካላት ትንበያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ሳይንቲስቲታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ። ምጥንኻርን ምስፋሕን ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣እዋናዊ ሓበሬታታት ንውሳነ ምጥቃም፣ጥንካረ ምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ዓበይቲ ትኹረታት እቲ መድረኽ ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብቲ ማእኸል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። ኢጋድ በቲ ማእኸል ትንበያን ትግበራን ኣቢሉ ሓበሬታታት ትንበያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር በቢ እዋኑ ብምውፃእ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣባል ሃገራት ምጥንኻር ዘኽእሉ ደገፋት እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሩ። እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ዞባዊ ዘተ እውን ሳይንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ምጥቃም ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ ምቅልጣፍ እጃሙ ከምዘበርክት ገሊፁ። ኣብ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ሜላ መነባብሮን ሂወትን ዜጋታት ንምሕላው ከምኡ እውን ሃገራት ንጉድኣት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓትን ንምርግጋፅን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ተገሊፁ። እቲ መድረኽ፤ ክሳብ ፅባሕ ዝፀንሕ እዩ።
ማይ ንኣፍሪካ ጉዳይ ህልውና እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Jan 12, 2026 206
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) ማይ ንኹሉ ዝነክእ ኣህጉራዊ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ (PRC) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቲ ኣኼባ”ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘዳለዎ መሪሕ ሓሳብ 2026 እዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ፣ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካን ትካላት እቲ ሕብረትን፣ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ተረኺቦም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ናይዚ ዓመት ትኹረት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማይ ዝጠመተ እዩ ኢሎም። ማይ ብኹሉ ዓይነት ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ሃፍትን ጉዳይ ህልውናን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ኣህጉራዊ ሽቶታት ንምዕዋት ቀልፊ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 30) ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ኣጀንዳታት ማይ እቲ ሓደ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ተዳልዎ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ማይ እቲ ሓደ ኣጀንዳ ከምዝኸውን ብምሕባር፤ እቲ ሕብረት ንዕዉትነት ኮፕ 32 ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ሓቢሮም። ሕብረት ኣፍሪካ ንትካላዊ ሪፎርምን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሓዊሱ ንኣህጉራዊ ኣጀንዳታት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Dec 26, 2025 551
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። “ዘላቒ ቀረብ ማይን ምርግጋፅ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶ ኣጀንዳ 2063”መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ 2026 እዩ። እቲ መሪሕ ሓሳብ ዘዳለዎ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽን ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን እዩ። ዋና መልእኽቲ ናይዚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ ኣብ ድሕንነትን ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ እዩ። እቲ መሪሕ ሓሳብ ምስ ኣጀንዳ 2063 ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።
ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና-ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
Dec 24, 2025 452
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018(ኢዜኣ) ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ንዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና ክብል ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ገሊፁ። ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብኣገዛዝኣ መንግስቲ ኤርትራ በፂሑና ንዝበሎ ሰፊሕ በደል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ወፍሪ ምጥፋእ ዘርእን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ጋምቢያ(ባንጁል) ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ንዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ምልኣኹ እውን ንኢዱ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ርኡያት ክሲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተቐቢሉ ብቁፅሪ መዝገብ 868/25 ከምዝመዝገበ፣ፍረ ነገርን ትሕዝቶን እቲ ክሲ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ከምዝለኣኾ እቲ ኮሚሽን ከምዘፍለጠ እውን ገሊፁ። ኣቦ መንበር እቲ ትካል ኢብራሂም ሀሩን ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ደናክል ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝፍፅሞ ዘሎ ሰፊሕ፣ስልታውን፣መንግስታውን ቀፃልነት ዘለዎን ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ምጥፋእ ዘርእን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተበኣኣሰ መፂኡ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ይበፅሑ ኣለዉ ካብ ዝበልዎም በደላት ካብ ሕግን ፍርድን ወፃኢ መቕተልትን ዘርኢ ተኮር ጭፍጨፋን ምክያድ፣ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ምስቓይን፣ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ምስዋር፣ኣገዲድካ ወታደራዊ ምልመላ ምግባር ከምዝርከብዎም ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ንልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምፍንቓልን ፆታዊ ጥቕዓትን መሳርሒ ዓፈና እቲ ኣገዛዝኣ ገይሩ እናተጠቐመሉ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ካብ ፖለቲካዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ምግላል፣መንነትን ባህልን ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምጥፋእን ኢኮኖሚያዊ መሰላት ምጥሓስን እውን ከምዝርከብዎም ፀሪሖም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ትካል ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብን ኣፍሪካ ካብ 1993 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሖም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክሲ ምቕራቡ ገሊፆም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 4 ሰነ 2025 ብ122 ገፅ ዝተዋደደ ክሲ ከምዘእተዉ ብምግላፅ፤ እቲ ኮሚሽን መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት ምላሽ ንክህብ እቲ ክሲ ከምዝለኣኸሉ ሓቢሮም። እቲ ትካል፤ ህዝቢ ዓፋር ካብ ዝበፅሖ ዘሎ መከራ ንምድሓን፣ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ድምፂ ንክኾንዎ፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ውድብ ሕቡራት መንግስትታት፣ሕብረት ኣፍሪካ ትኹረት ንክህቡናን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኢሳያስ ሕጋዊ፣ዲፕሎማሲያዊ፣ሰብኣውን ፖለቲካውን ስጉምቲ ንክወስዱ ከምኡ እውን ፅልዋ ንከሕድሩ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ፈላማይ ኮንፈረንስ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
Dec 3, 2025 932
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ውፅኢታዊ ኢነርጂ(Energy Efficiency Conference) ካብ 2 ክሳብ 3 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ትሕቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ኣብ ዝተኻየደ መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 32) ዕላዊ ዝተገበረ ማዕቐፍ ጥምረት ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ዝካየድ እዩ። ማዕቐፍ እቲ ጥምረት ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ምፅዳቑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ “ኣጀንንዳ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሓ ሓሳብ እዩ ክካየድ። እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረስ ብምትሕብባር ፍሉይ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካ ራሺድ ዓሊ ኣብደላ እቲ ኮንፈረንስ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ውፅኢታዊ ኢነርጂ ቀንዲ ሃፍቲ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ እዩ። ውፅኢታውነት ኢነርጂ ብኽነት ሓይሊ፣ልቀትን ወፃእን ካርቦን ንምቕናስ ከምኡ እውን ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ከምዘኽእል ገሊፆም። ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝሳተፉ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ትራንስፎርሜሽን ኢነርጂ ንምቅልጣፍ ኣብ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ፖሊሲታትን ብምዝታይ ሓባራዊ ኣንፈት ከምዘቕምጡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Nov 27, 2025 791
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ። “ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ጠንካራ፣ሓምለዋይን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ህንፀት ዘፈር ግብርና ብምጥቃም መፃኢ ግዜ ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”መሪሕ ሓሳብ እቲ ኮንፈረንስ እዩ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ሰብ መዚን መውፃእቲ ፖሊሲን ሃገራት ኣፍሪካ፣ተመራመርቲ ግብርናን ሳይንቲስትታትን፣ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓረስቶትን ትካላት ሓረስቶትን፣ትካላት ምርምር፣ሰብ ሃፍቲ፣መሓዙት ልምዓትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም። መፍረያይነት ግብርና ምዕባይ፣ኣገልግሎት ኤክስቴሽን ዲጂታል ግብርና፣ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ግብርና፣ ተበፃሕነት ዕዳጋ፣ሰንሰለት እሴት ምጥንኻር፣መፍረያይነት ግብርና ምስ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ምህናፅ ዘተኣሳሰረ ኣካይዳ ምኽታል፣ትግበራ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕግን ግብርና ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ዝዝትዩሎም ቁልፊ ኣጀንዳታት ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Nov 22, 2025 679
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ “ምሕዝነት፣ማዕርነርን ዘላቕነትን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር እዚ እዋን ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20ን ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ስሪል ራማፎሳን መራሕቲ ኣባል ሃገራትን ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ። ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 እዚ ዓመት፤ ኣብ ሓቛፍን ዘላቕነት ዘለዎን ዕቤትን ኢኮኖሚ ትኹረት ዝገበረ እዩ። እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልትታት ዝሳለጥ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣድማስ ምሕዝነቶም ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም
Nov 20, 2025 691
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11/2018 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣብ ትምህርትን ዲጂታል ዓውድን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ብቐረባ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ኣብ ዋና ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሕብረት ኣፍሪካ ዝጎብነዩ ፈላማይ መራሒ ማሌዥያ ኮይኖም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ዘትዮም። እቲ ዘተ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፤ ዑደት እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ኣብ ምትሕብባር ኣፍሪካን ማሌዥያን ታሪኻውን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት ዘጠናኽርን እዩ ኢሎም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 መጠን ልውውጥ ንግዲ ኣፍሪካን ማሌዥያን 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ምትሕብባር እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ከምዘርኢ ሓቢሮም። ትምህርቲ ቀንዲ ምሕዝነት ክልቲኦም ወገናት ከምዝኾነን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2012 ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ኣፍሪካውያን ኣብ ማሌዥያ ትምህርቶም ምክትታሎምን ገሊፆም። ማሌዥያ ቀፃሊ ኣቦ መንበር ማሕበር ሃገራት ደቡብ ምብራቕ እስያ ከምዝኾነትን ናብ ብሪክስ ንምፅምባር ዘለዋ ድሌት ኢንቨስትመንት ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥርን ኣረዲኦም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዲጂታል ኢኖቬሽን፣ልምዓት ግብርን መቀነባበርን፣ንግዲ ደቡብ-ደቡብን ትምህርትን ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም። እቶም ኣቦ መንበር ዓመታዊ ምኽክር ኣፍሪካን ማሌዥያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2026 ንክካየድ እውን ሓሳብ ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ብግደኦም፤ ምትሕብባር ንግዲ፣ግብርናን ትምህርትን ማሌዥያን ኣፍሪካን እናዓበየ ምምፅኡ ተዛሪቦም። ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ኣድማስ ምትሕብባር ብምስፋሕ ሓባራዊ ተረባሕነቶም ንምርግጋፅ ክሰርሑ ከምዘለዎም ምግላፆም እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽበር እዩ
Nov 12, 2025 468
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) መዓልቲ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ 7 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ክኽበር እዩ። እቲ መዓልቲ፤ ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከብ ኢንሼቲቭ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ፣ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን፣ኣገልግሎት ድሕንነት መንገድን ፈንድ መድሕንን ከምኡ እውን ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሲኤ) ዝተዳለወ እዩ። ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2012 ዘሕለፎ ውሳነ እቲ መዓልቲ በቢዓመቱ ዝኽበር እንትኸውን ምስ መዘከርታ ጉዱኣት ሓደጋ ትራፊክ ዓለም ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። እቲ መዓልቲ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ ሂወቶም ዝሰኣኑን ዝተጎድኡን ሰባት ዝዝከርሉን ብብርኪ ኣፍሪካ ድሕንነት መንገድን ዘላቒ ምንቅስቓስ ትራንስፖርትን ንምርግጋፅ ሃገራት ሓባራዊ ቆራፅነተን ዝገልፃሉን እዩ። ካብ ተሽከርከርቲ ዓለም ትሕቲ 4 ሚኢታዊ ዝርከበላ ኣፍሪካ፤ ኣፍሪካ 25 ሚኢታዊ ሓደጋ ትራፊክ ዓለም ከምዝምዝገበላ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ። ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 2 ሚኢታዊ ዝኸውን ዓመታዊ ጥሙር ፍርያተን(ጂዲፒ) ወፃኢ ከምዝገብራ እውን እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ። ኢንሼቲቭ ድሕንነት መንገዲ ኣፍሪካ ኣብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ቁፅፅር ምጥንኻርን ኣብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት “Safe System”ዝተብሃለ ዘበናዊ ስርዓት ድሕንነት መንገዲ ናይ ምልላይ ስራሕን ኣብቲ መዓልቲ ከምዘሳልጥ እውን ሓቢሩ።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣንጎላ ክካየድ እዩ
Nov 7, 2025 527
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2018(ኢዜኣ) መበል 7ይ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ካብ 15 ክሳብ 16 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ክካየድ እዩ። እቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ጆአኦ ሎሬንቾን ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ኣውሮፓ አንቶኒዮ ኮስታን ብሓባር ክመርሕዎ እዮም። ኣብቲ ጉባኤ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካ፣መራሕቲ ሃገራት እቲ ሕብረት፣ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌይንን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓን፣ጉጅለ ልኡኻት መናእሰይ፣ሲቪክ ማሕበራትን ንግድን ክሳተፉ እዮም። ምሕዝነት ክልቲኦም ትካላት 25 ዓመታት ኣብ ዘቑፀረሉ እዋን ዝካየድ እዚ ጉባኤ፤ ኢ-ተገማትነት እናዓበየ ኣብ ዝመፀሉ ዓለምን ጂኦፖለቲካዊ ምህዳራት እናተቐየርሉ ኣብ ዘለሉ እዋንን ዝሳለጥ ጉባኤ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት። መራሕቲ እቶም ትካላት ንኩለ መዳያዊ ምትሕብባር፣ምሕዝነትን ንዝርኣዩ ዘለዉ ፈተናታትን ዝተዋደደ ምላሽ ናይ ምሃብ ሓባራዊ ቆራፅነቶም ከምዝገልፁ ኣፍሊጦም። ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ዝዝትዩሎም ጉዳያት፤ ምስ ኣጀንዳ 2063፣ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ከምኡ እውን ሓባራዊ ራኢ 2030 ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።
መራሕቲ ኣፍሪካ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ከተኣሳስርዎ ይግባእ-ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ
Nov 6, 2025 457
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 27/2018(ኢዜኣ) መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ብምትእስሳር ተግባራዊ ክገብርዎ ከምዝግባእ ምክትል ኣቦ መንበት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ ገሊፀን። ካብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቦትስዋና ጋቦሮኒ ክካየድ ዝፀንሐ ፈላማይ ጉባኤ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ተዛዚሙ። እቲ ጉባኤ “ብዝሃ ሂወት ብዘላቕነት ብምጥቃም ብልፅግና ኣፍሪካ ምርግጋፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ። ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ፤ እቲ ጉባኤ ኣፍሪካ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ንምሕላው ኣብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ታቲኻዎ ኩነት ከምዝኾነ ተዛሪበን። ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ብኽለትን ዘላቒ ዘይኮነ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ስግኣታት ከምዝኾኑ እውን ሓቢረን። ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ዝተዋደደ ተግባራዊ ምላሽ ከምዘድሊ ዝገለፃ እተን ኣምባሳደር፤ ነቲ ዓውዲ ዘድሊ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ምግባር ይግባእ ኢለን። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኣባል ሃገራት፣ዞባዊ ትካላት፣ሲቪክ ማሕበራትን ዓውዲ ውልቀን ብምዃን ስትራቴጂ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ምስ ኣጀንዳ 2063ን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝሰርሕ ኣረዲአን። መራሕቲ ኣፍሪካ ኣጀንዳ ብዝሃ ሂወት ምስ ብሄራዊ ፖሊሲታቶም ብምትእስሳር ተግባራዊ ክገብርዎ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን። እቲ ጉባኤ ኣብ ሃፍትታት፣ዕድላት፣ፈተናታትን ቀፃሊ ስጉምትታትን ምዝታዩ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ማእኸል ትኹረት ኣጀንዳ ልምዓተን ክገብርኦ ይግባእ-ኮሚሽነር ሞሰስ ቪላካቲ
Nov 4, 2025 410
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 25/2018(ኢዜኣ) ሃገራት ኣፍሪካ ሓለዋን ክንክንን ብዝሃ ሂወት ከም ኣጀንዳ ልምዓት ብምሓዝ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ገሊፆም። ፈላማይ ጉባኤ ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ኣብ ቦትስዋና ከተማ ጋቦሮኒ ካብ 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቲ ጉባኤ፤ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ብብርኪ ሰብ ሞያ እናተሳለጠ ብምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ሚኒስትራት ተኻይዱ። “ብዝሃ ህይወት ብዘላቕነት ብምጥቃም ብልፅግና ኣፍሪካ ምርግጋፅ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ሃፍትታት፣ዕድላት፣ፈተናታትን ቀፃሊ ስጉምትታትን ብዝሃ ሂወት ኣፍሪካ ዝዝቲ እዩ። ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካ ካብ ፀጋ ብዝዘለለ መሰረት ዕቤት ኢኮኖሚ፣ ውሕስና ምግብን መንነት ባህልን እታ ኣህጉር እዩ። ኣፍሪካውያን ብዝሃ ሂወት ዓምዲ ኣጀንዳ ልምዓት እታ ኣህጉር ከምዝኾነ ብምርዳእ ኣድላይ ሓለዋ ብምግባር ቆራፅነቶም ከርእዩ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም። ኣፍሪካ ኣብ ዓለም መሪሕ ሓለዋን ዘላቒ ኣጠቓቕማን ብዝሃ ሂወት ንግበራ፣ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ነገር ነረክብ ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቲ ጉባኤ፤ ፅባሕ ብብርኪ መራሕቲ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ከምዝዛም ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ክግበር እዩ-ኢጋድ
Nov 3, 2025 354
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 24/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ዞባ ውሕስና ምግብን መፍረያይነት ግብርናን ንምርግጋፅ ንዝግበሩ ፃዕርታት ደገፍ ከምዝገብር በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ። ወርክሾፕ መረጋገፂ ስትራቴጂ መፅናዕቲ መስኖ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ዞባ ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ኢጋድ ዳይሬክተር ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ምትእስሳርን ሞሄለዲን ኤልቶሀሚ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዞባ ንተደጋጋሚ ድርቅን ፀገማት ቀረብ ማይን እናተቓልዐ እዩ ዝርከብ። ኣባል ሃገራት ኢጋድ መፍረያነት ግብርና ንምውሳኽ ንልምዓት መስኖን ኣተሓሕዛ ሃፍቲ ማይን ቀዳምነት ክህባ ይግባእ ኢሎም። እቲ ስትራቴጂ መስኖ ኣብቲ ዞባ ዓቕሚ ልምዓት መስኖን ግብርናን ንምዕባይ፣ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንምብዳም መሬት መፍትሒ ንምሃብን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብቲ ዞባ ንሕርሻ ምችው ዝኾነ መሬት ምህላዉ ስዒቡ መፍረያይነት ግብርና ብመስኖ ብምድጋፍ ምዕባይ ከምዝከኣል እውን ሓቢሮም። ኣብ ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን መራሒ ፈፃሚ ስራሕ መፅናዕትን ዲዛይንን ፕሮጀክት መስኖ ያሬድ ሙላት ብግደኦም፤ እተን ኣባል ሃገራት ተደጋጋሚ ድርቅን ፀገም ዝርገሐ ቀረብ ማይን ብዘስዕብዎ ፀገማት እናተፈተና ከምዝርከባ ገሊፆም። ኣብ ዓውዲ ግብርና መስኖ ምስፍሕፋሕ፣መፍረያይነት ግብርና ምምሕያሽ፣ዘላቒ መነባብሮ ነበርቲ ገጠር ምርግጋፅ፣ድኽነት ንምቕናስን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን እቲ ቀንዲ መንገዲ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ማዕቐፍ ልምዓት መስኖን ኣተሓሕዛ ማይን ብምቕራፅን እቶም መትካላት ተግባራዊ ብምግባርን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም። እቲ ማዕቐፍ ዋላ ኳ ኣህጉራዊ ትልሚ እንተኾነ መብዛሕቲኦም ብሄራዊ ስትራቴጂታትን ፖሊሲታትን ኢትዮጵያ ምስቶም መትከላት ዝተጠዓዓሙ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። መንግሥቲ ተቓላዕነት ለውጢ ካብያዊ ኣየር ንምቕናስ ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ኣተኣኻኽባ ማይ ዝናብን ኣተሓሕዛ ተፋሰስ ማይን ጠመተ ዝገበሩ ፕሮግራማት ሓንፂፁ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።
ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ይግባእ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
Oct 25, 2025 625
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 11 ፎረም ጣና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እንትኸውን፤ መራሕቲ፣ ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ፣ፍሉያት ልኡኻት፣ሙሁራንን ዝምልከቶም ኣካላትም ይሳተፉ ኣለዉ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ኢኮኖሚያዊ ልኣላዊነተን ምርግጋፅ ዘኽእሉ ኩነታት ከመቻችዋ ይግባእ። መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ንክዓቢ ቀንዲ ሞተር ንክኾኑ ምግባር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ህንፀታት መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ከምዝደልዩ ሓቢሮም። ብመዳይ ኢንቨስትመንት እውን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክጠናኸር ከምዝግባእ ተዛሪቦም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኢንቨስት ብምግባር ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ዞባዊ ምትእስሳር ንክጠናኸር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተ እዩ ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ዝግበሩ ተዛመድቲ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ልኣላዊነት ብልፅግና ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ዓብይ ስጉምቲ ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።
ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሕ እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Aug 28, 2025 2571
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣህጉራዊ ህንፀት ሰላምን ምርግጋዕን ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝሰርሕ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሓዳሽ ሹመኛ ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈላማይ ስትራቴጂካዊ ዘተ ገይሮም። እቶም ኣቦ መንበር፤ ኣብ ፃዕርታት ኣፈታትሓ ጎንፅታት ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነትን ሓለዋን ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ማእኸል ትኹረት ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም። ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ጎንፅን ስግኣትን ኣብ ዘለዎም ከባብታት እቲ ጉድኣት ፍሉይ ትኹረት ከምዘድልዮ ፀሪሖም። ሓላፍነት ስራሕ ኣምባሳደር ላይቤራታ ምስ ከም ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን መዋቕር ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ(APSA) ዝበሉ ሽቶታት ነዊሕ እዋን ከምዝተኣሳሰር ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ኣብ ዝመርሖም ድርድራትን ከይድታት ሰላምን ምስ ኣሸማገልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣረኣእያ ስርዓተ ፆታን ናይ ምትእስሳር ሽቶ ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም። ካብ ዘረባ ብዝሓለፈ ንደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ እውን ወሃብቲ ውሳነ ንክኾና ምግባር ይግባእ ኢሎም። ብደቂ ኣስትዮ ንዝምርሑ ኢንሼቲቫት ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ሙሉእ ደገፍ ከምዝህብ ኣረጋጊፆም። ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም። ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ብግደአን፤ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዘበነ ስልጣነን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ብምምጓት፣እጃም መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ኣብ ስርዓተ ፆታ ዝጭበጡ ውፅኢታት ንምምፃእን ብትኹረት ከምዝሰርሓ ሓቢረን። እቲ ዘተ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ቃል ኪዳናት ኣህጉራውን ኣባል ሃገራትን ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ብምቕያር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከይድታት ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ዘለወን እጃም ብምዕባይ ለውጢ ንምምፃእ ዘለዎ ቆራፅነት ከምዝርኢ ምግላፀን ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ጉባኤ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ
Aug 21, 2025 1966
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ከምዝፈጥር ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። “ምዘና ትምህርቲ ንምሽግጋር ፅሬት ዘለዎ ትምህርትን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረን ውሳነ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ካብ 19 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ኣብ ሆቴል ስካላይት ክሳለጥ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ምስ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ብምስራሕና እዚ መድረኽ ክነዳልው ተመሪፅና ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ ቀዳምን ሰንበትን ቅድመ ጉባኤ ዝግበረሉ መርሃ ግብሪ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ጠንካራን ተኣማንነት ዘለዎን ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ፀሪሖም። ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዓውዲ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንምርግጋፅ ዘኽእል ምችው ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ምፍጣር ዘኽእል ምኽክር ከምዝግበር ተዛሪቦም። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝመፁ 500 ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ 124 ዝተመረፁ ፅሑፋት ምርምር ከምዝቐርቡ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ትምህርትን ምዘናን ዘለዋ ተሞኩሮ እተካፍለሉ መድረኽ ከምዝህሉ ብምሕባር፤ ስርዓት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ምምሕያሽ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ፀሪሖም። ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ልምዓት እተርእየሉ መርሃ ግብሪ ከምዝተዳለወ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ “ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ብተግባር እነርእየሉ ዕድል ዝፈጥረልና እዩ”ኢሎም።
ኢጋድን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም
Aug 21, 2025 2146
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ኣብ ጃፓን ከተማ ዮካሃማ ሎሚ ካልኣይ መዓልቱ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ፎረም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ክልቲኣዊ ዘተ እናሳለጡ እዮም ዝርከቡ። እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ፉጂ ሂሳዩኪ ዘትዮም። ኣብ ዘተኦም እውን፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓለዋ ድሕንነት ዜጋታት፣ምብቃዕ መናእሰይ፣ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። ጃፓን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ንኣካዳሚ ኣመራርሓ ኢጋድ ንትገብሮ ዘላ ደገፍ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኣመስጊኖም። ኢጋድን ጃፓንን ክልቲኣዊ ምትሕብባሮም ዘጠናኽር ስምምዕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2016 ምፍርራሞም ካብ ኢጋድ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር። መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ፅባሕ ክዛዘም እዩ።
መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Aug 12, 2025 2362
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2017(ኢዜኣ) መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልትታት ከምዝፀንሕ ኢዜኣ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ኣብቲ መድረኽ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ይሳተፉ ኣለዉ። ዞባዊ ምትእስሳር፣ሰላምን ፀጥታን፣ኩለመዳያዊ ምምሕዳር፣ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን እጃም ውድባት ፖለተካ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓትን ዝብሉ ኣጀንዳታት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝዝተየሎም ትፅቢት ይግበር።
መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ
Aug 11, 2025 1267
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2017(ኢዜኣ) መናእሰይ መራሕቲ ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ኣብ ዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ። ፈላማይ ዞባዊ ኮንፈረንስ ሰላምን ድሕንነትን መናእሰይ ኢጋድ ካብ 7 ክሳብ 8 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ክካየድ እዩ። መናእሰይ ልዑል ሓይሊ ለውጢ እዮም ዝበለ ኢጋድ፤ ሰላማውን ኣሳታፍን መፃኢ ግዜ ናይ ምፍጣር ቁልፊ እጃም ከምዘለዎም ገሊፁ። መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለዎም እጃም ንምዕባይ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ፀሪሑ። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሰላም ዝሳተፉ መራሕቲ መናእሰይ ሃገራት ኣባል ኢጋድ ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኽብ እዩ። እቶም መናእሰይ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ዘኽእሉ መፍትሒ ሓሳባት ኣብቲ ኮንፈረንስ ከምዘቕርቡ እውን ኢዜኣ ካብ ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ስደተኛ መናእሰይ እውን ከምዝሳተፉን ኣብ ዞባዊ ምላሽ ሰላም ዘለዎም ሓሳብ ከምዘካፍሉን ተሓቢሩ። እቲ ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ዞባዊ ሰላም፣ልምዓትን ምርግጋዕን ኢንሼቲቫት ሃገራት ብዝተዋደደ መልክዑ ተግባራዊ ንምግባር ዘለዎም ሓባራዊ ቆራፅነት ዘርእይሉ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። መናእሰይ መራሕትን መሃንዲሳትን ኣጀንዳ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ምዃኖም ንዘላቒ ዞባዊ ምርግጋዕ ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ እውን ኢጋድ ኣፍሊጡ። ኢጋድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ኣብ ዩጋንዳ ከተማ ኢንቴቤ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ፎረም ሰላም መናእሰይ ኢጋድ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን እቲ ፎረም መናእሰይ ኣብ ሰላም፣ድሕንነትን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ዘለዎም እጃም ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምጥንኻር ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ እዩ-ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ
Aug 7, 2025 1175
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 1/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ብምጥንኻር ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ፖሊሲ ንምሃብ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ ኣፍሊጡ። ኣብ ውድብ ሕቡራት መመንግስትታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ተፀዋዒ ማእኸል ስታትስቲክስ ቲንፊሲ ጆሴፍ ኢልቦውዶ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ሓበሬታታት ግብርና ቀፃልነት ንዘለዎ ስርዓት ግብርና መሰረት እዮም። ኣብ ጥዕና፣ግብርና፣ትምህርቲ፣ስነ ህዝብን ካልኦት ዓውድታትን ዝተወደበ ሓበሬታ ስታትስቲክስ ምህላዉ ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ትልሚ ልምዓትን ውሳነ ፖሊስን ንምሃብ መሰረት እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ብምሃብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ሓበሬታ ስታትስቲክስ ዝተባብዑ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም። ሓድነታ ዝጠንከረ፣ዝማዕበለትን ዘላቒ ሰላም ዝዓሰላን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ኣጀንዳ 2063 ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ኣፍሪካ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ፖሊሲ ብምሃብ ልኣላዊነት ምግባ ንምርግጋፅ ሓበሬታ ብምእካብ፣ ብምትንታንን ብመፅናዕቲ ብምርግጋፅን ስርዓት ሓበሬታኣን ስታትስቲክስን ንምጥንኻር ትኹረት ምሃብ ከምዘድሊ ፀሪሖም። ኣብ ኣፍሪካ ጠንካራ ስርዓት ምምሕዳር ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ኣብ መንጎ ሃገራት ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ማእኸል ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ፤ ሓበሬታታት ስታትስቲክስ ግብርና ሓዊሱ ጠንካራ ማእኸል ሓበሬታ ንምህናፅ ዓቕሚ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።