ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሐይልን ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ ፃውዒት ኣቐሪቡ
Jun 27, 2026 7020
ኣዲስ ኣበባ /ሰነ/20/2018/ኢዜኣ/፡- ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሕይልን ኣቦ መንበር ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡ እቶም ኣቦ መንበር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ውድብ "ሓምለዋይ ሰውራ" ምኽንያት ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝብገስ ምዃኑን፤ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ክውንነታት ኤርትራ ኩለመደያዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ምዃኑን ኣመላኺቶም ። "ሓምለዋይ ሰውራ" ዝብል ስያሜ ምስ ህይወትን ተስፋን መናእሰይ ዝተኣሳሰረ ምሳልያዊ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፤ እቲ ምንቕስቓስ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ታሪኻዊ ምዝብዓት ዝገተአን ሓድሽ መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ዘለዎ ባህጊ ዘንፀባርቕ እዩ ኢሎም። እቶም ኣቦ መንበር መሳርሒታት ለውጢ እንትዛረቡ ፤ ናቶም ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ራእይን ተግባራት በረኻን ዘጣመረ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ውድባዊን ወተሃደራዊን ድሉውነቶም ዘረጋገፀ ምኹኑ እዩ ኢሎም ። ኣስዒቦም "ንሕና ኣብ መወዳእታ መስመር ዘለና ወተሃደራት ኢና፤ ባህሪ ናይዚ ስርዓት እዚ ኣፀቢቕና ንፈልጦ ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ብስምምዕን ብዲፕሎማሲን ዘይኣምን፣ ቋንቋ መሳርሒኲናት ጥራሕ ዝርዳእ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እዩ"ክብሉ ኣገንዚቦም ። እቲ ምንቕስቓስ ህወከት ከምዘይደሊ ነገር ግን ባህርይ እቲ ቃልሲ እቲ ኻልእ ወገን ብዝርድኦ መንገዲ ክትጥቀም ከምዘገድድ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እቲ ምንቕስቓስ ንኹሎም ክፍልታት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ማዕቀፍ ውሽጢ ንምውካል ዘኽእል ባዕሉ ዝኸኣለን ዝተወደበን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ወተሃደራዊን መሓውር ንምህናፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይገሊፆም መሓውራዊ ምዝባዓት ኣብ ዘዕሪ ሃገራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ናይቲ ምንቕስቓስ ቀንዲ ሸቶ ምዃኑ እውን አስሚሮምሉ ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክልቲአን ሃገራትን ዘሎ ታሪኻዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ክሕለፍ ዘይኽእል መሰረት ምዃኑን እቲ ዝድለ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ምህናፅ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም። “ፅምዶ” ዝተሰመየ ጥምረት ሻዕብያን ነበር ጉጅለ ሕወሕትን ምህላዉ ዘመልክቱ እቶም ኣቦ መንበር እዚ ጥምረት ምርግጋዕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምድኻምን ዞባዊ ፀጥታ ንምፍራስን ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮይኑ፤ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሚዛን ዞባዊ ፀጥታ ኣሉታዊ ፀልዋ ከምዘለዎ ፀሪሖም ።ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ።
ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ -ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ
Jun 26, 2026 4475
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/19/2018/ኢዜኣ/ ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ ክብሉ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ ገሊፆም። ምንቅስቓስ "ሓምለዋይ አብዮት" ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጲያ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት መመሓላለፊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዞባ ጎንፂ ናብ ዞባዊ ምትሕብባርን ውህደት ኢኮኖሚን ንምቐያር ዘኸእል ስትራቴጂካዊ ራዕይ ንክቐረፅ ፃውዒት ኣቐሪቡ። እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ብወታደራዊ ሓይሊ ንምምካትን ንዘመነ ስልጣኑ ንምብቃዕ ዘለዎ ትብዓት ዝገለፁ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ አቲ ስርዓት ንቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ቀንዲ ስግኣት ምኹኑ ኣገንዚቡ ። እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንክፀንሕን ዕድምኡ ንምንዋሕን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ወጥርን ንረብሑኡ ንምውዓል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝኸሰሱ እቶም ኣቦመንበር ናይ እዋኑ ስርዓት ኣስመራ ምርግጋእ ዘይምድላዩ ኣብ እቲ ዞባ ዘለዉ ዓመፅቲ ሐይልታት ዝድግፍ ምኹኑ እቲ ሓደ መርአያ እዩ ኢሎም ። ከምኡ እውን " ስርዓት ኤርትራ ህልውንኡ ዝተመስረተ ኣብ ቐልውላውን ዘይምርግጋእን እቲ ዞባ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦመንበር ንዕጡቐትን ዓመፅትን ዝገብሮ ደገፍ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም "። ብመዳይ ፖለቲካ ኣይተ መሐመድ አሕመድ ሰናይ ኢትዮጲያ ንጉዳያት ፍትሒ ብምድጋፍ ዝላዓለ ታራ ሒዛ ሐዚ እውን ንክትዋሳእ ፃውዒት ዘቐረቡ እንትኾኑ ፥ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ምርግጋእ ንምዕሳል ንቐልውላው ኤርትራ ንምፍታሕ ቀዳምነት እትህቦ ተግባር ምኹኑ ፀሪሖም ። ምችው ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወደብ፣ ትራንስፖርትን ዘፈራት ንግድን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባይ ከምዝካኣል ዝገለፁ እቶም ኣቦመንበር ፤መፃኢ ዕድል እቲ ዞባ ብሓበራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣፅንዖት ሂቦም።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ዝህውኹ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ህወሓት ማዕቐብ ቪዛ ኣንቢራ
Jun 18, 2026 6598
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 11/2018 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን ጎንፂ ንምውላዕን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓትን ቀረባ ቤተሰቦምን ማዕቐብ ቪዛ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ጒዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ማዕቀብ ዝተነበረ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(a)(3)(C) ብዝተዋህቦም ስልጣን ምዃኑ ገሊፆም። እቲ እገዳ ቪዛ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ኣብ ልዕሊ ዘዕንቅፉ፣ ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ፅንፈኛታት ኣባላት ህወሓትን ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤቶምን ዝቐንዐ እዩ። ኣሜሪካ ብሰላምን ብክብርን ክነብር ምስ ዝደሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጐኒ ደው ከምትብል ኣፍሊጣ። ዋሽንግተን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበ-ስልጣናት ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ተግባራት ንምቅላዕን ከምኡ እውን ተሓታትነት ንምስፋንን ዘለዉዋ ኩሎም ዲፕሎማሲያዊ ኣማራፂታት ምጥቃም ክትቅፅለሉ ምዃና ገሊፃ።
ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ድሌታት ዕዳጋ ምጥዕዓም ዘላቒ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ወሳኒ እዩ
Jun 11, 2026 7359
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ድሌታት ዕዳጋ ምትእስሳር ዘላቒ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ወሳኒ ከም ዝኾነ ምክትል ዋና ፀሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ገሊፀን። ኣብ ፈጠራ ስራሕ ትኹረት ዝገበረ ፎረም ዴቨሎፕመንት ኢምፓክት ኣፍሪካ 2026 ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት (ECA) ምክያድ ጀሚሩ። ምክትል ዋና ፀሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣፍሪካ ዓበይቲ ማሕለኻታትን ሰናይ ኣጋጣሚታትን ኣብ ዘለዉሉ ወሳኒ መስቀለኛ መገዲ ትርከብ። ኣብዚ እዋን ፅርየትን ዘላቕነትን ዘለዎም ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዘመናዊ ስርዓት ትምህርትታት ምስ ትኽክለኛ ድሌታት ዕዳጋ ምጥዕዓም ከም ዝግባእ ኣገንዚበን። ብፍላይ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዘሎ ቁፅሪ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ግምት ብምእታው ብሚሊዮና ዝቑፀሩ ፅሬት ዘለዎም ዕድላት ስራሕ ምፍጣር ብህፁፅ ቀዳምነት ዝውሃቦ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲበን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ምስፍሕፋሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ክሳብ ልምዓት ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን መናእሰይ ዝበሉ ግዘ ዘይህቡ ማሕለኻታት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ምስ መንግስታት፣ ዞባዊ ትካላትን ዓውድታት ውልቀን ብሓባር እናተሰርሐ ከም ዝፀንሐ ኣዘኻኺን። ካብቲ ሓባራዊ ስራሕ ዓብዪ ትምህርቲ ከም ዝተረኸበ ብምግላፅ፤ ምርምር፣ ሓበሬታን መርትዖን በይኖም ለውጢ ኣየምፅኡን፤ ካብ ዘረባን ፀብፃብን ብዝሓለፈ ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ምእታው መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ኢለን። ዕድል ሰራሕ ምፍጣር ብመንግስትታት ጥራሕ ክዕወት ከም ዘይኽእል ብምሕባር፤ እዙይ ድማ ፖሊሲ መውፃእቲ፣ ተመራመርቲ፣ መሻርኽቲ ልምዓትን ዓውዲ ውልቀን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ንቑሕ ስነ ምህዳር ከም ዝሓትት ኣገንዚበን። ናይዚ ዓመት ፎረም እውን መፍቲሒታት ንምፍላይ፣ ጠንካራ ሽርክነት ንምህናፅን ተግባራዊ መባፀሒ መገዲታት ንምሕንፃፅን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ዘራኸብ ከም ዝኾነ ዝገለፃ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊ፤ ካብ ዘተ ብዝሓለፈ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ዘለዉ መናእሰይ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ዝቕይሩ ትርጉም ዘለውም ተግባራት ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ኣመላኺተን።
ሕብረት ኣፍሪካን ቻይናን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ድልዉነት ገሊፆም
Jun 5, 2026 5241
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2018 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ቻይናን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንመራሒ ሚሲዮን ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጂያንግ ፌንግ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። እቶም ኣቦ መንበርን እቶም ኣምባሳደርን ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪካን ቻይናን ኣብ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ከምኡ እውን ሓባራዊ ድሌታት ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዘትዮም። ኣብ ትሕቲ መድረኽ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ (FOCAC) ዝሳለጡ ስራሕቲ ሓዊሱ ኣብ መንጎ እታ ኣህጉርን ቻይናን ዘሎ ዘላቒ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ኣብ ዝጠናኸረሉ እውን ከም ዝዘተዩ ሕብረት ኣፍሪካ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ። ብተወሳኺ እውን ቻይና ኣፍሪካ ቀዳምነት ንትህቦም ጉዳያት ልምዓት ትገብሮ ደገፍን ሓደሽቲ ዕንቅፋታት ብሓባር ንምስፋታሕ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕትን ዝምልከት እውን ሓሳብ ተለዋዊጦም። ቻይና ኣብ ጎኒ ኣፍሪካ ብምዃን ንተርእዮ ቀፃልነት ዘለዎ ሓድነት እቶም ኣቦ መንበር ዘለዎም ናእዳ ዝገለፁ እንትኸውን፤ ብፍላይ ድማ ለበዳ ኢቦላ ንምቁፅፃር ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ንዝገበረቶ ቅልጡፍን እዋናውን ደገፍ ምስጋንኦም ኣቕሪቦም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዙርያ ምትሕብባር ኢኮኖሚ እውን ዝዘተዩ እንትኸውን፤ ቻይና ካብ ኣፍሪካ ናብ ሃገራ ንዝለኣኹ ፍርያታት ዝዘርገሐቶ ነፃ ቀረፅ ዕድል ንግዲ(ኢንሼቲቭ) እቲ ዋና ትኹረት እዩ። ናይ ነዊሕ እዋን ፍኖተ ካርታ እታ ኣህጉር ዝኾነ ሽቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበሩ ምሕዝነተታት ምጥንኻር ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን እቶም ኣቦ መንበር ኣረዲኦም። ክልቲኦም ወገናት ንመትከላት ሉኣላዊነት፣ግዝኣትን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም እውን ገሊፆም። ሰላም፣ልምዓትን ሓባራዊ ብልፅግናን እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ብዝበለፀ ጠንካራ ምሕዝነት ኣፍሪካ-ቻይና ምፍጣር ከም ዝግባእ ኣፅንኦት ከም ዝሃቡ እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት።
ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዝማዕበለት ኣህጉር ክንሃንፅ ኣለና-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
May 25, 2026 7397
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2018 (ኢዜኣ) ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዝማዕበለት ኣህጉር ምህናፅ ከም ዝግባእ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊጾም። መበል 63 መዓልቲ ኣፍሪካ “ዓመታት ሓድነት፣ምትእስሳርን ልምዓትን 63 ዓመታት ብሓባር ነኽብር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፅሪ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ምድላው፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ሓዊሱ ዲፕሎማት ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ እጃም በቢ እዋኑ እናተሓደሰ ከም ዝመፀ ሓቢሮም። መናእሰይ ኣፍሪካ እውን ካልኦት ኣህጉራት እውን ዝምነይዎ ዓቕሚ ዕቤትን ብልፅግናን እታ ኣህጉር ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን ሓይሊ ሓድነት ኣፍሪካ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ዕቑር ሃፍትታት እታ ኣህጉር ንኩለ መዳያዊ ዕቤትን ብልፅግናን ምውዓል ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም። ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ብግደኦም፤ ባህልን ፀጋን ኣፍሪካውያን ንመፃኢ ዕድል፣ ዕቤትን ብልፅግናን እታ ኣህጉር ዝተርፍ ፍልፍል ጥንካረ እዩ ኢሎም። ዓቕሚ ምትሕብባር ኣፍሪካ ብምጥንኻር ተረባሕነት ዜጋታት እታ ኣህጉር ዘረጋግፅ ናይ ባዕልኻ ዝሓሸ ዕድል መሕንፃፅ ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዕቤት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብምስፋሕ ዕቑር ፀጋ ልምዓት እታ ኣህጉር ናብ ዘላቒ ብልፅግና ምቕያር ከም ዝግባእ ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባር ኢ-ፍትሓዊነት ዓለም ለኸ ትካላት ዘርኢ እዩ-ዋና ፀሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ
May 13, 2026 5932
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ውሕመ) ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባር ኢ-ፍትሓዊነት ዓለም ለኸ ትካላት ዘንፀባርቕ ተግባር ከምዝኾነ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም። መበል 10ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዥ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል መንግስትታት ብኩሎም ዓውድታት ንኣፍሪካ ግንባር ቀደም ናይ ምግባር ግቡእ ፖለቲካን ሞራልን ኣለዎ። ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ጎንፅታት ንምርግጋዕ፣ ኣህጉራዊ ዕቤትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን ካልኦት ኢንሼቲቫት ሰላምን ፀጥታን ዝነኣዱ እዮም ኢሎም። ኣፍሪካ ኣብ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ዓለም ዘለዋ እጃም ዝለዓለ ከምዝኾነ ኢና ንግንዘብ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ኣብ ታሪኽን ዓለምን ኢ-ፍትሓዊ ኣሰርራሓ ዝበፅሓ በደል ንምምላስ ትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዘይወፃሉ እዋን ዝተጣየሹ ዓለም ለኸ ትካላት እታ ኣህጉር ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ መቐመጢ ንከይህልዋ ምግባሮም ግቡእ ከምዘይኮነ እውን ተዛሪቦም። ኢ-ፍትሓዊነት ኣፍሪካ ኣብ ዘይተሳተፈትሉ ዝተጣየሹ ዓለም ለኸ ትካላት ንኣፍሪካ ብዙሓ ዋጋ ከምዘኽፈልዋ ብምግላፅ፤ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣብ ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዝተጀመሩ ኢንሼቲቫት ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም። ውሕመ ኣፍሪካዊ ጎንፅታት ብማዕቐፍ ኣፍሪካ ንክፍትሑ ብመሪሕነት ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ ንፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፆም።
ኣፍሪካ ንሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ዘድልያ ፋይናንስ ልምዓት ንምርካብ ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ ንምጥያሽ ወሲና
May 13, 2026 3709
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ንሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ዘድልያ ፋይናንስ ልምዓት ንምርካብ ዝተዛብዐ ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ዘጠዓዕም ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ(African Rating Agency) ንምጥያሽ ከምዝወሰነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። መበል 10ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መድረኽ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪካ፣ ዘላቒ ልምዓት፣ ዓለም ለኸ ምምሕዳር ፋይናንስን ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ፈተናታት ኣፍሪካን ጠመተ ዝገበረ እዩ። ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ሓዊሱ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ኣብታ ኣህጉር ዘብፅሖ ፅልዋ ንምፅዋር ዋላ ኳ ዝግበር ፃዕሪ እንተሃለወ ብሚልዮን ዝቑፀሩ ሰባት ዝሰቓይሉን ዝስደድሉን ኣፀጋሚ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ኢሎም። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ዘተኣማምንን ዘላቕን መፍትሒ ንምንዳይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት እናፈጠረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ፀጥታ ብዝዘለለ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር፣ ልምዓትን ጠንካራ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ምችው ኩነታት ምፍጣር ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣብ ኣፍሪካ ልምዓት ፋይናንስ መተሓሳሰቢ ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዓለም ለኸ ምምሕዳር ፋይናንስ ሽቶታት ልምዓት 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ንምዕዋት ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ሓቢሮም። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተጣየሸን ሕዚ እውን ዘሎን ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንድሌትን ሓቅን ኣፍሪካ ምላሽ ዘይህብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ስለዝኾነ ድማ ንኣፍሪካ ምስ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንምጥዕዓም ናይ ባዕላ ትካል መመጠኒ ብርኪ ልቓሕ (Africa Rating Agency) ንምጥያሽ ከምዝወሰነት ገሊፆም። እዚ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉዳይ ብዕምቆት ክሰርሕ ብምፅናሕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሰነ 2026 ኣብ ሞሪሼስ ብዕሊ ከምዝጅመር ኣፍሊጦም። ኲናት ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር፤ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዋጋ ሸቐጣት ምግቢ ወሲኹ እዩ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ድማ ዋጋ ነዳዲ ካብ 100 ክሳብ 159 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ኣብሪሆም። ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት (ውሕመ) ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ እቲ ሕድ ሕዳዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ብምቅርራብ ከምዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም። ክልቲኦም ትካላት ምሕዝነቶም ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ኣብ መንጎ እቶም ትካላት ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ምስግጋር ይግባእ ኢሎም።
ላዕለዋይ ብርኪ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
May 13, 2026 3042
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 5/2018(ኢዜኣ) መበል 10ይ ላዕለዋይ ብርኪ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ዘተ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ከምዝርከቡ እውን ትፅቢት ይግበር። እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልምዓት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ምምሕዳርን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ትካላት ዘሎ ምውዳድ፣ሓባራዊ ተሓታትነትን ምትሕብባርን ኣብ ልምዓት፣ምምሕዳር፣ ሰብኣዊ ደገፍን ህንፀት ሰላምን ከምኡ እውን ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ጉዳያት ዘለዎም ምትእስሳር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘተ ክግበር እዩ። ብተወሳኺ እውን “ካብ ፀግዕተኛነት ናብ ሉኣላዊነት” ዝተሰጋገረ ፋይናንስ ልምዓት መሪሕ ቃል ሕብረት ኣፍሪካ 2026 ዝኾነ ዘላቒ ቀረብ ማይን ሓለዋ ፅሬትን ከምኡ እውን ሪፎርም ዓለም ለኸ ትካላትን ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ዘለዋ ውክልናን ዝምልከቱ ጉዳያት ከምዝዝተየሎም ሕብረት ኣፍሪካ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍን ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ውፅኢታት እቲ ዘተ ኣመልኪቶም መግለፂ ክህቡ እዮም።
ዞባዊ ፃዕርታት ሽምግልና ኣብ ጠንካራ ፖለቲካዊ መሰረታት ክህነፁ ይግባእ-ኢጋድ
Apr 29, 2026 2837
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 21/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝግበሩ ፃዕርታት ሽምግልና ኣብ ጠንካራ ፖለቲካዊ መሰረታት ክህነፁ ይግባእ ክብሉ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም። ፈላማይ ጉባኤ ምኽክር ሽምግልና በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣብ ኬንያ ናይሮቢ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቲ ጉባኤ፤ “ሽምግልና ኣብ ዝተኸፋፈለ ዓለም ብሓዱሽ መልክዕ ምቕናይ፣ፈተናታት በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ንኢጋድ ሽምግልና ከም ኣማራፂ ዝረአ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዘይኮነስ እቲ ትካል ብዋናነት ክዋፅኦ ዝግባእ ቀዳማይ ግቡእ ፖለቲካ እዩ ኢሎም። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝግበሩ ፃዕርታት ሽምግልና ዕዉታት ንክኾኑ ካብ ዝተበታተነ ኣካይዳ ወፂኦም ብሓደ ግልፂ ስትራቴጂካዊ መሪሕ ትልሚ ዝምርሑን ዝጠንከረ ፖለቲካዊ መሰረት ዘለዎምን ክኾኑ ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ኢዜኣ ካብ ሴክሬታሪያት ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ምሕዝነቶም ንምሕዳስ ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም
Feb 16, 2026 1698
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 9/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ፋይናንሳዊ መዋቕር እታ ኣህጉር ምጥንኻር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምሕዳስ ከምዝሰርሑ ገሊፆም። መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ከምዝቐነየን ትማሊ ከምዝተዛዘመን ዝዝከር እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ፤ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንቁልፊ ዓውድታት ትኹረት ኣፍሪካ ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም። ንፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ 11 ቢሊዮን ዶላር ተወሳኺ ደገፍ ገንዘብ ከምዝገበረ እውን ወሲኾም ሓቢሮም። እቶም ኣቦ መንበርን ፕሬዚዳንት እቲ ባንክን፤ ምትሕብባር ምድላው ፕሮጀክት ንምጥንኻር፣ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ካፒታል ኣፍሪካ ንምእካብ፣ኤጀንሲ ምዘና ልቓሕ ኣፍሪካ ንምጥንኻርን ጠንካራ ስርዓት ፋይናንስ ኣፍሪካ ንምህናፅን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ፤ ሕብረት ኣፍሪካን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ምሕዝነቶም ብሓዱሽ መልክዕ ንምሕዳስ ከምዝተስማዕምዑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ ኩለ መዳያዊ ኣጀንዳታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ቆራፃት እዮም
Feb 13, 2026 1682
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 6/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ውክልና ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ሓዊሱ ኣብ ኩለ መዳያዊ ኣጀንዳታት ዘለዎም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ገሊፆም። መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 7 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ/መ ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘትዮም። እቲ ዘተ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን፣ዘላቒ ልምዓትን ኩለ መዳያዊ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖምን ዝጠመተ እዩ። ኣቦ መንበሪ እቲ ኮሚሽን መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፤ ምሕዝነት እቲ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዓለም ሰላም፣ድሕንነትን ዘላቒ ምሕዝነትን ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ብግደኦም፤ ሕብረት ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ መሓዛ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት ከምዝኾነን ኣፍሪካ ኣብ ሰላም፣ድሕንነትን ኩለ መዳያዊ ስርዓት ሪፎርምን ወሳኒ እጃም ከምዘለዋን ተዛሪቦም። እቶም ሰብ መዚ እቲ ሕብረትን ውሕመን ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ንክመሓየሽን ኣፍሪካ ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስ ንክትረክብን ዝጀመርዎ ሓባራዊ ስራሕ ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ ኢዜኣ ካብቲ ሕብረት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ጠንካራ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎ-ኢጋድ
Jan 26, 2026 1238
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 18/2018(ኢዜኣ) እዋናዊ ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ጠንካራ ዓቕሚ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ በዓል መዚ በይነ መንግሥትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ገሊፁ። ማእኸል ትንበያን ትግበራን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኢጋድ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ መበል 72 መድረኽ ምልከታ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀርኒ ኣፍሪካ(GHACOF 72) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተጀሚሩ። እቲ መድረኽ፤ “ምጥንኻር ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጠንካራ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ንዘላቒ ልምዓትን ዘለዎ እጃም”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሰብ መዚ ሃገራት ኣባል ኢጋድ፣ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ትካላት ትንበያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ሳይንቲስቲታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ። ምጥንኻርን ምስፋሕን ሓበሬታን ኣገልግሎታትን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣እዋናዊ ሓበሬታታት ንውሳነ ምጥቃም፣ጥንካረ ምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ምርግጋፅን ዓበይቲ ትኹረታት እቲ መድረኽ ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብቲ ማእኸል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። ኢጋድ በቲ ማእኸል ትንበያን ትግበራን ኣቢሉ ሓበሬታታት ትንበያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር በቢ እዋኑ ብምውፃእ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ኣባል ሃገራት ምጥንኻር ዘኽእሉ ደገፋት እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሩ። እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ዞባዊ ዘተ እውን ሳይንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ምጥቃም ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ ምቅልጣፍ እጃሙ ከምዘበርክት ገሊፁ። ኣብ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታ ሜላ መነባብሮን ሂወትን ዜጋታት ንምሕላው ከምኡ እውን ሃገራት ንጉድኣት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓትን ንምርግጋፅን ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ተገሊፁ። እቲ መድረኽ፤ ክሳብ ፅባሕ ዝፀንሕ እዩ።
ማይ ንኣፍሪካ ጉዳይ ህልውና እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Jan 12, 2026 778
ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 4/2018 (ኢዜኣ) ማይ ንኹሉ ዝነክእ ኣህጉራዊ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። መበል 51 ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ቀወምቲ ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ (PRC) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። እቲ ኣኼባ”ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘዳለዎ መሪሕ ሓሳብ 2026 እዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሳልማ ማሊካ ሃዳዲ፣ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካን ትካላት እቲ ሕብረትን፣ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ተረኺቦም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ናይዚ ዓመት ትኹረት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማይ ዝጠመተ እዩ ኢሎም። ማይ ብኹሉ ዓይነት ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ሃፍትን ጉዳይ ህልውናን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ኣህጉራዊ ሽቶታት ንምዕዋት ቀልፊ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 30) ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ኣጀንዳታት ማይ እቲ ሓደ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ተዳልዎ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ማይ እቲ ሓደ ኣጀንዳ ከምዝኸውን ብምሕባር፤ እቲ ሕብረት ንዕዉትነት ኮፕ 32 ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ሓቢሮም። ሕብረት ኣፍሪካ ንትካላዊ ሪፎርምን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ሓዊሱ ንኣህጉራዊ ኣጀንዳታት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Dec 26, 2025 890
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ 14 ክሳብ 15 የካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። “ዘላቒ ቀረብ ማይን ምርግጋፅ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ኣተሓላልዋ ፅሬትን፤ ንዕዉትነት ሽቶ ኣጀንዳ 2063”መሪሕ ሓሳብ ሕብረት ኣፍሪካ 2026 እዩ። እቲ መሪሕ ሓሳብ ዘዳለዎ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽን ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ከባብያዊ ኣየርን እዩ። ዋና መልእኽቲ ናይዚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ ኣብ ድሕንነትን ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ እዩ። እቲ መሪሕ ሓሳብ ምስ ኣጀንዳ 2063 ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪካ የመላኽት።
ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና-ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር
Dec 24, 2025 774
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 15/2018(ኢዜኣ) ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሐና ዘሎ ሰፊሕ ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ዘርኢ ምጥፋእን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ንዘቕረብናዮ ክሲ መልሲ እናተፀበና ኢና ክብል ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ገሊፁ። ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ብኣገዛዝኣ መንግስቲ ኤርትራ በፂሑና ንዝበሎ ሰፊሕ በደል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ወፍሪ ምጥፋእ ዘርእን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ጋምቢያ(ባንጁል) ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብታትን ኣፍሪካ ዲሞክራሲያዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ንዘቕረቦ ክሲ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ምልኣኹ እውን ንኢዱ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ርኡያት ክሲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተቐቢሉ ብቁፅሪ መዝገብ 868/25 ከምዝመዝገበ፣ፍረ ነገርን ትሕዝቶን እቲ ክሲ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንክህበሉ እቲ ክሲ ከምዝለኣኾ እቲ ኮሚሽን ከምዘፍለጠ እውን ገሊፁ። ኣቦ መንበር እቲ ትካል ኢብራሂም ሀሩን ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ደናክል ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝፍፅሞ ዘሎ ሰፊሕ፣ስልታውን፣መንግስታውን ቀፃልነት ዘለዎን ገበን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ምጥፋእ ዘርእን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናተበኣኣሰ መፂኡ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ይበፅሑ ኣለዉ ካብ ዝበልዎም በደላት ካብ ሕግን ፍርድን ወፃኢ መቕተልትን ዘርኢ ተኮር ጭፍጨፋን ምክያድ፣ብዘይ ፍርዲ ምእሳርን ምስቓይን፣ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ምስዋር፣ኣገዲድካ ወታደራዊ ምልመላ ምግባር ከምዝርከብዎም ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ንልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምፍንቓልን ፆታዊ ጥቕዓትን መሳርሒ ዓፈና እቲ ኣገዛዝኣ ገይሩ እናተጠቐመሉ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ካብ ፖለቲካዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ምግላል፣መንነትን ባህልን ህዝቢ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ምጥፋእን ኢኮኖሚያዊ መሰላት ምጥሓስን እውን ከምዝርከብዎም ፀሪሖም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ትካል ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን መሰል ህዝብን ኣፍሪካ ካብ 1993 ጀሚሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝበፅሖም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክሲ ምቕራቡ ገሊፆም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 4 ሰነ 2025 ብ122 ገፅ ዝተዋደደ ክሲ ከምዘእተዉ ብምግላፅ፤ እቲ ኮሚሽን መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት ምላሽ ንክህብ እቲ ክሲ ከምዝለኣኸሉ ሓቢሮም። እቲ ትካል፤ ህዝቢ ዓፋር ካብ ዝበፅሖ ዘሎ መከራ ንምድሓን፣ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ድምፂ ንክኾንዎ፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፣ውድብ ሕቡራት መንግስትታት፣ሕብረት ኣፍሪካ ትኹረት ንክህቡናን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ኢሳያስ ሕጋዊ፣ዲፕሎማሲያዊ፣ሰብኣውን ፖለቲካውን ስጉምቲ ንክወስዱ ከምኡ እውን ፅልዋ ንከሕድሩ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ፈላማይ ኮንፈረንስ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
Dec 3, 2025 1144
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ውፅኢታዊ ኢነርጂ(Energy Efficiency Conference) ካብ 2 ክሳብ 3 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ትሕቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ኣብ ዝተኻየደ መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 32) ዕላዊ ዝተገበረ ማዕቐፍ ጥምረት ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ዝካየድ እዩ። ማዕቐፍ እቲ ጥምረት ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ምፅዳቑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ኮንፈረንስ፤ “ኣጀንንዳ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሓ ሓሳብ እዩ ክካየድ። እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረስ ብምትሕብባር ፍሉይ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካ ራሺድ ዓሊ ኣብደላ እቲ ኮንፈረንስ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ውፅኢታዊ ኢነርጂ ቀንዲ ሃፍቲ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ እዩ። ውፅኢታውነት ኢነርጂ ብኽነት ሓይሊ፣ልቀትን ወፃእን ካርቦን ንምቕናስ ከምኡ እውን ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ከምዘኽእል ገሊፆም። ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝሳተፉ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ትራንስፎርሜሽን ኢነርጂ ንምቅልጣፍ ኣብ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ፖሊሲታትን ብምዝታይ ሓባራዊ ኣንፈት ከምዘቕምጡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
Nov 27, 2025 995
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ። “ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ጠንካራ፣ሓምለዋይን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ህንፀት ዘፈር ግብርና ብምጥቃም መፃኢ ግዜ ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”መሪሕ ሓሳብ እቲ ኮንፈረንስ እዩ። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ሰብ መዚን መውፃእቲ ፖሊሲን ሃገራት ኣፍሪካ፣ተመራመርቲ ግብርናን ሳይንቲስትታትን፣ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓረስቶትን ትካላት ሓረስቶትን፣ትካላት ምርምር፣ሰብ ሃፍቲ፣መሓዙት ልምዓትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም። መፍረያይነት ግብርና ምዕባይ፣ኣገልግሎት ኤክስቴሽን ዲጂታል ግብርና፣ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ግብርና፣ ተበፃሕነት ዕዳጋ፣ሰንሰለት እሴት ምጥንኻር፣መፍረያይነት ግብርና ምስ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ምህናፅ ዘተኣሳሰረ ኣካይዳ ምኽታል፣ትግበራ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕግን ግብርና ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ዝዝትዩሎም ቁልፊ ኣጀንዳታት ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Nov 22, 2025 891
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ “ምሕዝነት፣ማዕርነርን ዘላቕነትን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር እዚ እዋን ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20ን ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ስሪል ራማፎሳን መራሕቲ ኣባል ሃገራትን ተረኺቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ። ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 እዚ ዓመት፤ ኣብ ሓቛፍን ዘላቕነት ዘለዎን ዕቤትን ኢኮኖሚ ትኹረት ዝገበረ እዩ። እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልትታት ዝሳለጥ እዩ።
ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣድማስ ምሕዝነቶም ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም
Nov 20, 2025 879
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11/2018 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣብ ትምህርትን ዲጂታል ዓውድን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ብቐረባ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ኣብ ዋና ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሕብረት ኣፍሪካ ዝጎብነዩ ፈላማይ መራሒ ማሌዥያ ኮይኖም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ዘትዮም። እቲ ዘተ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፤ ዑደት እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ኣብ ምትሕብባር ኣፍሪካን ማሌዥያን ታሪኻውን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት ዘጠናኽርን እዩ ኢሎም። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 መጠን ልውውጥ ንግዲ ኣፍሪካን ማሌዥያን 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ምትሕብባር እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ከምዘርኢ ሓቢሮም። ትምህርቲ ቀንዲ ምሕዝነት ክልቲኦም ወገናት ከምዝኾነን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2012 ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ኣፍሪካውያን ኣብ ማሌዥያ ትምህርቶም ምክትታሎምን ገሊፆም። ማሌዥያ ቀፃሊ ኣቦ መንበር ማሕበር ሃገራት ደቡብ ምብራቕ እስያ ከምዝኾነትን ናብ ብሪክስ ንምፅምባር ዘለዋ ድሌት ኢንቨስትመንት ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥርን ኣረዲኦም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዲጂታል ኢኖቬሽን፣ልምዓት ግብርን መቀነባበርን፣ንግዲ ደቡብ-ደቡብን ትምህርትን ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም። እቶም ኣቦ መንበር ዓመታዊ ምኽክር ኣፍሪካን ማሌዥያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2026 ንክካየድ እውን ሓሳብ ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ብግደኦም፤ ምትሕብባር ንግዲ፣ግብርናን ትምህርትን ማሌዥያን ኣፍሪካን እናዓበየ ምምፅኡ ተዛሪቦም። ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ኣድማስ ምትሕብባር ብምስፋሕ ሓባራዊ ተረባሕነቶም ንምርግጋፅ ክሰርሑ ከምዘለዎም ምግላፆም እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።