እቲ ሕብረተሰብ ንፅድቀት ብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝትከሉ ፈልስታት ሕብረተሰብ ግቡእ ጠመተ ክህቦም ይግባእ





 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 8/2017 (ኢዜኣ)  ሕብረተሰብ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ንዝፀደቑ  ፈልስታት ግቡእ ክንክን ክገብር ከምዝግባእ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ወንድሙ ሴታ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ትካላትን ብምትካል ምንስርራእኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ከባቢ ፓርክ እንጦጦ ኣካይዶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ከተማን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረትሰብን ተሳቲፎም።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ዋና መካየዲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ወንድሙ ሴታ ኣብዚ እዋን፤ ሃፍትታት ተፈጥሮ ብኣግባቡ ብዘይምሕላውና ንዝተፈላለዩ ተፍጥሮኣዊ ሓደጋታት ተቓላዕቲ ኮይንና ፀኒሕና ኢና ኢሎም።

ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘምፅኦ ሳዕቤን ንምፅዋር መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዜጋታት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘርእይዎ ንቑሕ ተሳትፎ ብምጥንኻር ፈልሲ ካብ ምትካል ብተወሳኺ  ንፅድቀት እቶም ፈልስታት እውን ግቡእ ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኮሚሽነር ምትሕብባር ተሳትፎ ሕብረተሰብን ሰናይ ፍቓድን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይመር ከበደ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር እንሃንፀሉ ዓብይ ተበግሶ እዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን ኩላትና ኣብ ተኸላን ክንክንን ፈልሲ ንገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ይግባእ ክብሉ ፀሪሖም።

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ኣገልግሎት ሲቪል ምዝገባን ነባርነትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዮሴፍ ንጉሴ፤ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን ንፍረ ንክበቕዑ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓውን ሓደጋን መካየዲ ስራሕ ጨንፈር ክፍለ ከተማ የካ ኒቆዲሞስ ቡቼ ብወገኖም፤ ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምክልኻል ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ምግባር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም