በጀት ዓመት 2017 ንዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ መበገሲ ዝኾኑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተሳለጥሉ ዓመት እዩ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 11/2017(ኢዜኣ) በጀት ዓመት 2017 ንዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ መበገሲ ዝኾኑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተሳለጥሉ ዓመት ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣብ ግምገማ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017ን ትልሚ በጀት ዓመት 2018ን ትካላት ፌዴራል ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣመራርሓ ትካላት ፌዴራል ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ በጀት ዓመት 2017 ብብዙሕ መልክዑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተመዝገበሉ ዓመት እዩ።

እቲ በጀት ዓመት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ መበገሲ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ዕዉትን ዝተማልአን ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተሳለጠሉ ዓመት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ውፅኢቱ እውን ኣብ ዓውድታት መፍረያይ፣ግብርና፣ኣገልግሎትን መዓድንን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውድታት ታሪኻዊ ኣፈፃፅማታት ከምዝተመዝገቡ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማታት ዝሳለጡ ዘለዉ ልምዓታት ኮሪደርን ካልኦትን ውፅኢት ምምፃእ ከምዝጀመሩ ብምሕባር፤ ኣብ ትምህርቲ፣ጥዕና፣ፍትሕን ምምሕዳርን ከምኡ እውን ኣብ ዲፕሎማሲ ዝነኣዱ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ኣብራህሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 150 ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ኮንፈረንሳት ብምትእንጋድ ንቱሪዝም ምችውቲ ከምዝኾነት ብተግባር ከምዘመስከረት እውን ፀሪሖም።

ኣብ ትልሚ እቲ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠንካራ ኣፈፃፅማ ሪፎርምን ትልምን ዝተረኸቡ ዕቤት ኢኮኖሚ፣ምርግጋዕ ዋጋ፣ምእካብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ንግዲ ወፃእን ብዝለፀ ንምጥንኻር ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ብመዳይ ማክሮ ኢኮኖምን መፍረያይ ዓውድን እውን ዝተመዝገቡ ጅማሮታት ንምቕፃልን ኣብ ጠንካራ ሰረት ንምንባርን ስራሕቲ ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ እያ ትርከብ ኢለን።

ስለዝኾነ እውን ፍርያትን መፍረያይነትን ኣብ ምዕባይ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሓዱሽ በጀት ዓመት እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም