መንግስቲ ዓቕሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ንምጥንኻር ትኹረት ሂቡ እናሰርሕ እዩ-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ዓቕሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ንምጥንኻር ትኹረት ሂቡ እናሰርሕ እዩ-ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 10/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ዓቕሚ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ንምጥንኻር ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም መብራህርህን ቀፃሊ ኣንፈት ስራሕን ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
እቶም ሚኒስትር፤ ኢዜኣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እዋናዊ፣ ኣግባብነትን ተኣማንነትን ዘለዎም ሓበሬታታት ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ምጥንኻር ኢዜኣ ማለት ሚድያታት ኢትዮጵያ ምጥንኻር ማለት እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ሚድያታት ኣግባብ ዘለዎ፣ደረጅኡ ዝሓለወን ዝተማልአን ሓበሬታ ንክረኽቡ ከምዘኽእል ተዛሪቦም።
መንግስቲ ጠንካራ ኣገልግሎት ዜና ክህሉ ከምዘለዎ ከምዝኣምን ብምሕባር፤ በዚ ድማ ኢዜኣ ንምጥንኻር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ጠንካራ ኣገልግሎት ዜና ምህላው ንዕቤት ዓውዲ ሚድያ ሃገር ወሳኒ እጃም ኣለዎ እውን ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ ኢዜኣ ዓቕሙ ንምጥንኻር ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።