ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባን ስነ ምግባርን ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፀዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባን ስነ ምግባርን ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /10/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ህፁፅ ኣኼብኡ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ኣዋጅ መረፃ፣ምዝገባን ስነ ምግባርን ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ።
ኣብዚ ኣዋጅ 26 ዓንቀፃት ከምዝተመሓየሹ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ተሳትፎ ፖለቲካ ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ንምዕባይ ከምዘኽእል ተገሊፁ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ እውነቴ ኣለነ፤ ፀብፃብን ሓሳብ ውሳነን እቲ ኣዋጅ ኣቕሪቦም።
እቲ ኣዋጅ መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኣሳታፊ፣ ዲሞክራሲያውን ግልፅን ብዝኾነ መልክዑ ምክያድ ብዘኽእል መልክዑ ከምዝተመሓየሸ ሓቢሮም።
ምምሕያሽ ካብ ዝተገበረሎም ዓንቀፃት ተሳትፎ መረፃ ደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን፣ኣቀራርባ ቅሬታ፣ፍልፍል ፋይናንስ ውድባት ፖለቲካን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጅን ከምዝርከብዎም እውን ፀሪሖም።
እቲ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ፤ ምህዳር ፖለቲካ ብምስፋሕ ስራሕ መረፃ ብዝሓሸ መልክዑ ምምራሕ ዘኽእል ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር እውን ኣረዲኦም።
ዝተሓላለኸ ከይዲ መረፃ ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ግልፂ፣ቅልጡፍን ወፃኢ ቆጣብን መረፃ ምክያድ ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ትኹረት ክግበረሎም ይግባእ ዝበልዎም ሓሳባት ብምሃብ ብክልተ ተቓውሞ፣ብኣርባዕተ ድምፂ ተኣቅቦ፣ብኣብዝሕቅ ድምፂ እቲ ኣዋጅ ኣፅዲቖሞ።