ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ኸረምቲ ዛጋድ 7 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ተሸፊኑ -ሚኒስተር ግብርና ግርማ አመንቴ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ኸረምቲ ዛጋድ 7 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ተሸፊኑ -ሚኒስተር ግብርና ግርማ አመንቴ(ዶ/ር)

አዲስ አበባ/ሓምለ/ 6/2017/ኢዜአ/፦ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ኸረምቲ 2017/18 ዛጋድ 7 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ተሸፊኑ ክብሉ ሚኒስተር ግብርና ግርማ አመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከም ዝሓበርዎ ሉኣለውነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዘኸእል ስራሕ እናተሳለጠ ይርከብ ።
ብዘፈር ግብርና ብበልጊ ፣ክረምቲ ፣ ከምኡ እውን ብስርሓቲ መስኖ ሓጋይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተኸወኑ ስርሓትታት ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ኣዘኻኺሮም ።
ሎሚ ዘበን ኣብ መለእ ሃገርና 21ሚሊዮን ሄክታር መሬት ኣብ ሕርሻ ክረምቲ ብዝተፈላለዩ ዝርኣቲ ብዘርኢ ከምዝሽፈን ገሊፆም ።