ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር

1758

አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶምዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓትውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን  ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂዩ።

ኣብዚ መድረኽ  ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ክውን ኮይኑ አሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ።

ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን  ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበር ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን  ንክሰምር

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም