ኢትዮጵያ ትሳተፈሉ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ኣብ ሉዋንዳ ተጀሚሩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 16/2017 (ኢዜኣ) ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ንግስቲ ኣሜሪካን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣንጎላ ከተማ ሉዋንዳ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ትማሊ ኣብ ሉዋንዳ ከምዝበፅሐ ኢዜኣ ካብቲ ቦታ ፀብፂቡ እዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣንጎላ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።

ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ እዚ ዓመት፤ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ትኽተሎ ደገፍ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ርክብ ወጻኢ ናብ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምቕያር ምውሳኑ ስዒቡ ዝካየድ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።

እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ኣንጎላ ምክያዱ ብፍላይ ድማ እታ ሃገር ነፃነታ ካብ ትረክብ 50 ዓመታ ኣብ ተኽብረሉ እዋን ምዃኑን ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣኦ ሎሬንሶ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ኣብ ዝኾንሉ እዋን ምዃኑን ተወሳኺ ፍሉይ ዝገብሮ ኩነት እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ፣ሚኒስትራት፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኣሜሪካ፣መራሕቲ ቢዝነስ ክልቲኦም ወገናት ሓዊሱ 1 ሽሕን 500 ተሳተፍቲ ከምዝርከቡ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታትን ዕድላትን ብምዝታይ ቀፃሊ ኣንፈታት ከምዘቕምጥ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ መደረ ዘስምዑ እንትኸውን ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊ ዘተታት ክገብሩ እዮም።

ብተወሳኺ እውን ኣባላት ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝሳለጡ ዘተታት ፓነልን ካልኦት ኣኼባታትን ክሳተፍ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም