ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊጾም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማህበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ስፖርት ንሓርበኝነት ሕብረ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ዝተዳለወ መበል 6ይ ፀወታ ስፖርት መላእ ኢትዮጵያ ኣጀሚርና ኢሎም።
ነቲ መሪሕ ቃል ብትኽክል ኣብ ትገልፆን ንዘበናት መናሃርያ ሕብረ ብሄራዊነት ኣብ ዝኾነትን ከተማ ጅማ ዝተጀመረ ፀወታ ስፖርት፤ “መናእሰይ ስፖርተኛታትና ኣድላይ ክእለት ሂወት፣ሓቛፋይነት፣ፍትሓዊነት፣ስራሕን ሓላፍነትን ጉጅለ ንከማዕብሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ” ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ሃገር ለኸ ፀወታታት ስፖርት ህዝብታት ናይ ምትእስሳር ዓቕሚ ዘለዎም፣መናእሰይ ተረከብቲ ሃገር ሃገሮምን ባህሎምን ዝፈልጥሉ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስፖርት ዜጋታት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ እውን ፀሪሖም።
ስለዝኾነ እውን በቢከባቢኡ ማእኸላት ስፖርት ብዝተሓተ፣ማእኸላይን ልዑልን ብርኪ እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢሎም።
እዚ ሎሚ ዘጀመርናዮን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ን9 ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረን ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣፍሊጦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኣብዚ ስፖርታዊ ፀወታ ንዝተሳተፍኩም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን፣ኣዳላዊ እቲ ውድድር ንዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን፣ክልል ኦሮሚያን ከተማ ጅማን ዘለኒ ምስጋና በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፎቱ” ኢሎም።