ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ኣርባዕተ ሃገራት ሰነድ ስምምዕ ኸቲሙ

2193

ኣዲስ ኣበባ ፣ ጥሪ 17 ፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መረዳድኢ ሰነድ ስምምዕ ኸቲሙ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ኮዲቯር ኣቢጃን ዝተፈፀመ ኮይኑ ብዋናነት "ኢንተርዲሲፕሊኔሪ ፖሊሲ ኦሬንትድ ሪሰርች ኦን ኣፍሪካ "ዝበሃል ፕሮጀክት ብሓባር ንምስራሕ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ብዝምልከት ኣብ ኮዲቯር ኣቢጃን ዘተ ስምምዕ እናተኻየደ እዩ።
ኣብቲ ዘተ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳይ፣ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፌሊክስ ኮትዲቯርን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ራቫት ሞሮኮን ተረኺቦም።
ፕሮጀክት"ኢንተርዲሲፕሊኔሪ ፖሊሲ ኦሬንትድ ሪሰርች ኦን ኣፍሪካ" ብቦርድ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳይ ዝድገፍን ፖሊሲ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸን መፅናዕታዊ ምርምርን መድረኻት ዘሰናዱ እዩ።
ነዚ ፕሮጀክት ልዕሊ ሸሞንተ ሚልየን ዩሮ ወፃኢ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም