ተመረቐቲ ተምሃሮ ብሄራዊ ረብሓን ድልየትን ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ብታኣማንነት ምግልጋል ትፅቢት ይግበረልኩም -ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀሥላሴ





 

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 21/2017(ኢዜአ) ተመረቐቲ ተምሃሮ ብሄራዊ ረብሓን ድልየትን ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ብታኣማንነት ምግልጋል ትፅቢት ይግበረልኩም ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀሥላሴ ገሊፆም

አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ መዳያት ትምህርቲ ዘምሀሮም 6 ሽሕን 849 ተምሃሮ ኣመሪቑ ።

 ፕሬዝዳንት ታዬ አፅቀሥላሴ ኣብ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተረኺቦም ኣብ ዘማሓለለፍዎ መልእኸቲ፤  አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ መመንጨዊ ብርክት ዝበሉ ሙሁራን እዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ኣፅቀ ስላሴ መዐቀኒ  ዓወትኩም ዝምዘን ንኢትዮጵያን ህዝባን ብትህብዎ ልዑል ኣበርክቶ  እዩ ኢሎም፡፡

በዓል ኣልማዝ ኢዮቤልዩ የኸብር ዘሎ ኣዲስ ኣበባ  ዩኒቨርስቲ  ሎሚ መዓልቲ 3 ሺሕን 334 ብቀዳማይ ዲግሪ፣ 2 ሺሕን 859 ካልኣይ ዲግሪ፣ 304 ሳልሳይ ዲግሪን 352 ስፔሻሊቲን ሰብ ስፔሻሊቲን ተምሃሮ ብድምር 6 ሺሕን 849 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተሳተፉ ፕሬዚዳንት ኣፅቀ ስላሴ ፣ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ 75 ዓመታት ክመራመርን ከምህርን ከም ዝፀንሐ ብምፅራሕ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ስራሕ  ዓመታት  ኣዘኻኺሮም፡፡

ተመሪቕኩም ናብ ህዝቢ ምስ ተፀንበርኩም  ዓለም ተለዋዋጢ ጂኦ ፖለቲካን ጂኦ ኢኮኖሚን ምዃኑ ብምርዳእ ተስፋ ከይቆረፅኩም ንሃገርኩም ንምግልጋል ድልዋት ክትኾኑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ብፀገማት ዓለም  ከይተፈተንኩም ድልየት ኢትዮጵያን ብሄራዊ ረብሓን ብምቕዳም ክትሰርሑ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኮይኑ እውን ኣብ 2017 ዓ/ም ካብ ከአዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐኩም ተምሃሮ ውህብቶ ዘመን ምንስርራእ ኢትዮጵያ ኢኹም ኢሎም።

ተመረቐቲ ተምሃሮ ነዚ ዓዎት ንኸትበቑዑ ኢትዮጵያ ተሰፍኣን ፃዕራን ኣባኹም ኣንቢራ ክብሉ ገሊፆም

በዚይ እወን ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ብልክፅግና ንምርግጋፅ እትገብሮ ጉዑዞ ኣብ ጫፍ ንኸተብፅሑ  ሓላፍነት ተዋሂብኩም ኢሎም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም