ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ንግዲ ዓለም ድሌታታ ንክሕለዉ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ንግዲ ዓለም ድሌታታ ንክሕለዉ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /9/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ድሌታት ኣፍሪካ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ኣፍሊጡ።
ማዕቐፋት ሕጊ ካልኣይ ምዕራፍ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ከምዝፀደቑ ተገሊፁ።
ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ካብ ዘሕለፎም ውሳነታት ነቲ ኮሚሽን ዘይሻራዊ ኣማኻሪ ኣካል ምጥያሽ እቲ ሓደ እዩ።
ብመሰረት መጣየሺ ደንቢ ሕብረት ኣፍሪካ ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ተጣይሹ።
ምጥያሽ እቲ መማኸሪ ኣካል ሕብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ንምትእስሳር ዘለዎ ቆራፅነት ዘርእን ዓለም ለኸ ሕጊ ዘለዎ ራኢ ንምዕዋት ዘለዎ ወሳኒ እጃም ኣብ ግምት ዘእተወን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ካብ 14 ክሳብ 15 ግንቦት 2017 ዓ/ም መበል 11 ፎረሙ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘካይድ እንትኸውን፤ እቲ ፎረም “ዓለም ለኸ ሕጊ፣ሪፎርም ትካል ንግዲ ዓለምን ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክካየድ።
ኣብቲ ፎረም፤ ተመራመርቲ ሕጊ ዓለም ለኸ ንግዲ፣ተደራደርቲ ብሄራዊ ፖሊሲ ንግዲ፣ተወከልቲ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ፣ተወከልቲ ፖሊሲ ንግዲ ዞባዊ ማሕበረሰባት ኢኮኖሚ፣ሰብ ሞያ ንግድን ሕግን ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ከምዝርከቡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL)፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ድሌታት ኣፍሪካ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ዓለም ለኸ ሕግታት ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ስርዓት ንግዲ ዓለም ዘየግልሉን ዘለዋ ተሳትፎ ዘይግድቡን ንክኾኑ ብቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ሓቢሩ።