እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ግብሪ ኣታዊ ተለዋዋጢ ኩነታት ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዘእተወን መሰረት ታክሲ ዘስፍሕን እዩ-እቲ ቤት ምኽሪ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /10/2017 (ኢዜኣ) ምምሕያሽ ኣታዊ ግብሪ ፌደራል ተለዋዋጢ ኩነታት ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዘእተወን መሰረት ታክሲ ዘስፍሕን ከምዝኾነ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣዋጅ ምምሕያሽ ግብሪ ኣታዊ ኣፅዲቑ።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣በጀትን ፋይናንስን ደሳለኝ ወዳጄ፤ ፀብፃብን ሓሳብ ውሳነን እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ኣቕሪቦም።

ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ክህብ ዝፀንሐ ኣዋጅ ግብሪ ኣታዊ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ኣዋጅ ዝተገበረ መመሓየሺ ምስቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝተጠዓዓመ ዘበናዊ ስርዓት ግብሪ ንምፍጣር ዘኽእል እዩ ኢሎም።

መሰረት ታክሲ ብምስፋሕ ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ መንግስቲ ኣብ ምዕባይ ከምኡ እውን ምጭብርባር ግብሪ ኣብ ምትራፍ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ኣዋጅ መመሓየሺ ኣመልኪቶም ግልፂ ዘይኾኑሎም ጉዳያት ብምልዓል መብራህርሂ ንክወሃቦም ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ  ተካልኝ (/) ኣብ ዝሃብዎ መብራህርህን ምላሽን፤ እቲ ኣዋጅ መመሓየሺ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝወድአ መፅናዕቲ ከምዝተገበረሉን በቢብርኩ ምስ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት ብምዝታይ ከምዝተዳለወን ገሊፆም።

ተለዋዋጢ ዝኾነ ኩነታት ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ግብሪ ኣታዊ ከም ሃገር ንዝተተለመ ዕቤት ኢኮኖሚ ጋህዲ ንክኸውን ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ግቡእን ኣድላይን እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኩነታት መነባብሮ ተኸፈልቲ ትሑት ደሞዝ ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት እናወሰደ ከምዝኾነን ምስ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ግብሪ ተኣሳሲሩ ዝፈጥሮ ፅልዋ ከምዘየለን እውን ኣረጋጊፆም።

እቲ ኣዋጅ መመሓየሺ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ንምትብባዕን፣ምጭብርባር ታክሲ ንምትራፍ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ብሓሙሽተ ተቓውሞን 12 ድምፂ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቕዎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም