ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዲጂታል ስርዓት ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ-በለጠ ሞላ(ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /24/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ እናተገበረ ዝፀንሐ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዲጂታል ስርዓት ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(/) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኩለመዳያዊ ዕቤት ሓንቲ ሃገር ዝረጋገፅ ስርዓት ኣሰራርሓ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ከምኡ እውን ብኢኖቬሽን እንትድገፍ እዩ።

ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ስርዓት ምእታው ዘኽእላ ማዕቐፍ ሕጊ ከምኡ እውን ስትራቴጂ ብምድላው ናብ ስራሕ ከምዝኣተወት እውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ናብ ዲጂታል ስርዓት ምእታው ዘኽእሉ መሰረተ ልምዓታት ተማሊኦም ተግባራዊ እናተገበሩ እዮም ኢሎም።

እቲ ስትራቴጂ፤ ምስ ስትራቴጂታት ሃገር ቦቆል መመሓሺ ኢኮኖምን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ከምኡ እውን ምስ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ ተኣሳሲሩ ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተግባራዊ እናተገበረ ዝፀንሐ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከምዝዛዘም ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ክሳብ 2030 ተግባራዊ ዝግበር ስትራቴጂ 5 ዓመት እናተዳለወ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ተግባራዊ እናተገበረ ዝፀንሐ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዝነኣድ ውፅኢታት ከምዘመዝገበ እቶም ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት ኣብ ምዝርጋሕ፣ዲጂታል ኣገልግሎት ኣብ ምስፋሕ ከምኡ እውን ዲጂታል መለለዪ መንነት ተበፃሒ ኣብ ምግባር ውጽኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።

ምስ ምምዕባል ስርዓት ኣሰራርሓ መንግስቲ ብዝተኣሳሰረ እውን ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንምግባር ካብ ዝተሰርሑ ዕዉታት ስራሕቲ እቲ ሓደ እዩ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ናብ ከተማታት ክልላት ብምስፍሕፋሕ ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ንክኾኑ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም