ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ንዝሕሉ ሰራዊት ምክልኻል ደም ብምልጋስ ወገናዊነትና ስለዘርአና ሓበን ይስመዐና-ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ንዝሕሉ ሰራዊት ምክልኻል ደም ብምልጋስ ወገናዊነትና ስለዘርአና ሓበን ይስመዐና-ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 10/2017(ኢዜኣ) ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ንዝሕሉ ሰራዊት ምክልኻል ደም ብምልጋስ ወገናዊነትና ስለዘርአና ሓበን ይስመዐና ክብሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ገሊፆም።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴራት ምክልኻል፣ ፍትሒ፣ሰላም ከምኡ እውን ተፀዋዕቲ ትካላት ኣብ ዋና ቀፅሪ ላዕለዋይ መምርሒ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣካል ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም ኣሳሊጦም።
እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ደም ካብ ምልጋስ ብተወሳኺ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም።
ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሐመድ፤ እቲ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንሰራዊት ምክልኻል ዘለና ወገናዊነት ንምግላፅ ዝተዳለወ እዩ ኢለን።
ሰራዊት ምክልኻል ልኣላዊነት ሃገር ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ሰላም እታ ሃገድ ንምፅናዕ ንዝገብሮ ዘሎ ተጋድሎን መስዋእትነትን ደም ብምልጋስ ድጋፍና ንምርኣይ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ደም ምልጋስ ሰናይ ተግባር ከምዝኾነ ብምሕባ፤ ደም ምልጋስ ዝኽእል ኩሉ ኣብዚ ሰናይ ስራሕ ክሳተፍ ከምዝግባእ እውን ፀሪሐን።
ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርዓያሥላሴ ብግደአን፤ እቲ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም ዶባት ሃገር ንዘኽብር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለና ደገፍ ንምርኣይ ዝተኻየደ እዩ ኢለን።
ኣብዚ ሰናይ ተግባር ኩሉ ሕብረተሰብ ደም ብምልጋስ ክሳተፍ ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲበን።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ በላይሁን ይርጋ፤ እቲ ዝዓበየ መስዋቲ ሂወት ንዝኸፍል ሰራዊት ምክልኻል ደም ብምልጋሰይ ሓበን እዩ ዝስመዓኒ ክብሉ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ ከምዝበልኦ፤ ልኣላዊነት፣ድሕንነትን ሰላምን ሃገር ንምርግጋፅ ዋጋ ንዝኸፍል ዘሎ ሰራዊት ደም ምልጋስ ግቡእ እዩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ ኤርሚያስ የማነብርሃን(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ልገሳ ደም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለና ደገፍ ንምግላፅ እዩ ኢሎም።
ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ንዘኽብር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደም ብምጋሰይ ድማ ኩርዓት ይስመዓኒ ዝበሉ ድማ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ሳምሶን ቢራቱ እዮም።
ድሕሪ እቲ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም እቶም ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ዋና ቀፅሪ ላዕለዋይ መምርሒ ሚኒስቴር ምክልኻል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።