ቁጠባ - ኢዜአ ትግርኛ
ቁጠባ
ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jan 4, 2026 89
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 26/2018(ኢዜኣ) ብውሽጣውን ባዕላውን ዓቕሚ ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ዑደት ምግባሮም ሓቢሮም። እቲ ዑደት ብሄራዊ ዓቕሚ ስራሕ ሎጂስቲክስ ሃገርና ንምግምጋምን ዝዓቢ ዘሎ ኣጀንዳ ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ኣብ ድሉውነት ሎጂስቲክስ ሃናፂ ዘተታት ንምክያድ ጠቓሚ ዕድል ሂቡና እዩ ኢሎም። ኢኮኖሚና እናዓበየ እንትኸይድ ዓውዲ ሎጂስቲክስ እንተዘይማዕቢሉ ዘላቒ ዕቤት ዝዓግት ዋና መሰናክል ምዃኑ ክቕፅለሉ እዩ ክብሉ እውን ኣረዲኦም። ሕዚ ብፍላይ ድማ ብውሽጣውን ባዕላዊ ዓቕምን ኣብ ህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተመዝገበ ዕቤት ዓዝዩ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ድማ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ንምህናፅ፣ ውፅኢታውነት ንምምሕያሽን ኣብ ዓውዲ ባቡር ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ዘላቕነት ንምርግጋፅ ዘለና ፅኑዕ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም። ሎጂስቲክስ ካብ ባሕሪ ክሳብ መኽዝናት ዘሎ ሙሉእ ሰንሰለት ከምዝሓቁፍ ብምግላፅ፤ ኣውራ መንገድታት፣ ኣገልግሎታት ትራንስፖርትን መዋህለሊ ትካላትን ከምዝሓውስ እውን ፀሪሖም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ ኢድና ኣብ ዘለዉ ዓውድታት ከም ደረቕ ወደባት፣ መሰረተ ልምዓት ባቡር፣ ኣውራ መንገድታትን ህንፀት መኽዝንን ኣድላይ ስራሕቲ መመሓየሽታትን ዘበናዊ ምግባርን ኣብ ከይዲ ከምዝርከቡ ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ እዞም ተዛመድቲ ክፍተታት ሎጂስቲክስ ብዝተዋደደ መንገዲ ምፍታሕ ማለት ዕንቅፋታት እቲ ዓውዲ ንምስጋርን ሰፊሕ ሽቶታት ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ወሳኒ እዩ።
ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽር እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jan 3, 2026 122
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018 (ኢዜኣ) ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ዘቀላጥፍን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ቁልፊ ጉዳይ ጉዕዞ ዕቤት ኢኮኖሚና እዩ ኢሎም። ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ - ድሬዳዋ ዝርከበሉ ከይዲ ስራሕ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓለፍቲ ስራሕ ምዝታዮም ሓቢሮም። ኣብ ከይዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ዝሳለጡ ዘለዉ ምድላው ሓይሊ ሰብ፣ ቀረብ ማሽነሪን ካልኦት ናውቲ ህንፀትን፣ ምድላው ዑደት ስራሕን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝተገበሩ ዘተታትን እንታይ ይመስሉ ዝብሉ ጉዳያት ምድህሳሶም ኣረዲኦም። ፕሮጀክት ቅልጡፍ መንገዲ ሚኤሶ - ድሬዳዋ ንከበድቲ መኪናታት ፅዕነት ኣፀጋሚ ዝነበረ መንገዲ ምችው ብምግባር፣ ንግዲ ወፃእን ኣታውን ዘቀላጥፍን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባዊ ምትእስሳር ዘለዋ እጃም ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት ተወዳዳሪነት እቲ ኢኮኖምን መነባብሮ ዜጋታትን ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ገደብ ንክዛዘም ዝተዋደደ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ኣድላይ ፍርያታት ብዝተመጣጠነ ዋጋ እናቕረቡ እዮም
Jan 3, 2026 82
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 25/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት ዕዳጋ ኣድላይ ፍርያታት ኢንዱስትሪን ግብርናን ብዝተመጣጠነ ዋጋ እናቕረቡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ብሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ተዘዋዊሩ ምንቅስቓስ ንግዲ ተዓዚቡ። እቶም ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ እዋን በዓላት ሕፅረት ቀረብ መሰረታዊ ሸቐጣት ንከይፍጠር ምድላው እናተገበረ እዩ ፀኒሑ። ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 1 ሽሕን 600 ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ንበዓል ልደት ኣድላይ ፍርያታት እናቕረቡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ማእኸላት እውን ኣድላይ ፍርያታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንሸማቲ እናቕረቡ ከምዝርከቡ ኣብ ዑደቶም ምርግጋፆም ኣፍሊጦም። ንበዓል ልደት ኣድላይ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ምቕራቦም እውን ፀሪሖም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ሓባራዊ ዕቤትን ዘረጋግፅ ስትራቴጂካዊ ጉዳይ እዩ
Jan 2, 2026 114
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 24/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ ሓባራዊ ዕቤት ዘረጋግፅ ምኽንያታውን ስትራቴጂካውን ጉዳይ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ታሪኽን ኣምባሳደራትን ተዛሪቦም። ተመራማሪ ታሪኽን ባህልን ፕሮፌሰር ኣሕመድ ዘካሪያ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ታሪኽን ክብርን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ሩባ ኣባይን ዝተኣሳሰረ እዩ። ክልቲኦም ኣካላት ማይ ንዕቤትን ስልጣነን ኢትዮጵያ ኣማራፂ ዘይኮነስ ብሄራዊ ረብሓ ናይ ምኽባርን ጉዳያት ህልውናን እዮም ኢሎም። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወናኒት ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን በሪ ባሕሪ ዝነበረት ሃገር ከምዝኾነት ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ፃዕሪ ታሪኻዊ ስሕተት ብምእራም ናይ ባዕልኻ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ንምምላስ ዝግበር ትኽክለኛ ተግባር ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ዓሰብ ሕጋዊ፣ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሮፌሰር፤ እቲ ዝተጀመረ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ፀሪሖም። ነበር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ የመንን ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቶፊቅ ኣብዱላሂ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ባዕላ በሪ ባሕሪ ንክትርሕቕ ዝተገበረሉ ሽርሒ ዘጣዕስ ኣጋጣሚ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ሕቶ ምላሽ ንምርካብ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ዲፕሎማሲ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም። ምርግጋፅ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ምርግጋዕን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርኡይ እጃም ከምዝህልዎ ኣብራህሪሆም። እዚ ሕቶ ወለዶን ቀንዲ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓን ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ኩሉ ዜጋ ብሓባር ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
መፍረያይነት ቡን ኢትዮጵያ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ እዩ
Jan 1, 2026 84
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) መፍረያይነት ቡን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝኾነ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሻፊ ዑመር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ መፍረያይነት ቡን ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም። መንግሥቲ ቡን በዝሒ፣ብፅሬትን ዓለም ለኸ ድሌትን ብዘገናዘበ መልክዑ ብምፍራይ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ንክዓቢ ልዑል እጃም እናበርከተ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ዝኣረጉ ተኽልታት ቡን ብሓዱሽ ናይ ምትካእ ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ ናይ ምጥቃም ባህሊ እናዓበየ ምምፅኡ ኣብ መፍረያይነት ቡንን ሸርፊ ወፃእን ልዑል ለውጢ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ እውን ተዛሪቦም። መፍረያነት ቡን ንምምሕያሽ ዝተገበሩ ስራሕቲ ሪፎርም ካብ ንግዲ ወፃኢ ዝርከብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ብዝለዓለ ብርኪ ንክዓቢ ከምዘኽሉ ሓቢሮም። እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ኣብ 2013 ዓ/ም ስራሕ ሪፎርም እንትጅመር ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን 907 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምዝኽኻር፤ ኣብ 2014 ዓ/ም ድማ እቲ ኣታዊ ናብ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓበየ ኣረዲኦም። ዕዉት ጉዕዞ እቲ ሪፎርም ነቲ ዓውዲ ብዝፈጠሮ ዕድል ብምጥቃም ኣብ 5 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን 1 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።
ዓቕሚ መፍረያይነት ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዘመሓይሽ ምችው ምህዳር ቀረብ ገንዘብን መስርሒ ቦታን ተፈጢሩ እዩ
Jan 1, 2026 65
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 23/2018(ኢዜኣ) ዓቕሚ መፍረያይነት ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዘመሓይሽ ምችው ምህዳር ቀረብ ገንዘብን መስርሒ ቦታን ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውዲ ስራሕ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ምችው ምህዳር ንምፍጣር እናተሰርሐ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ትግበራ ፖሊሲ ደቀቕቲ፣ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዝ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ንስራሕቶም ብቐሊሉ ሓጋዚ ዝኾነ ቀረብ ልቓሕ ንክረኽቡ እናኽኣለ እዩ ኢሎም። ተበፃሕነት ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት እውን ኣብ ደቀቕቲ፣ኣናእሽቲ፣ማእኸላዎትን ላዕለዎትን ኢንተርፕራይዛት ንዝተወደቡ ኣፍረይቲ ኣገልግሎት ልቓሕ ንምስላጥ ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኩሉ ብሓባር ፀኒዑ ዝቃለሰሉ ብሄራዊ ኣጀንዳ እዩ
Dec 31, 2025 105
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ልዕልና ሃገር ዝውስንን ኩሉ ብሓባር ፀኒዑ ዝቃለሰሉን ብሄራዊ ኣጀንዳ እዩ ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጂጌ(ዶ/ር) ገሊፆም። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጂጌ(ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ድሌት ምልማዕ ሃገር ኣብ ኩሎም ከባብታት ብዕዉት ኩነታት ንክሳለጥ ዜጋታት ዘበርክትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ትፅቢት ይግበር። ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓባራዊ ብሔራዊ ረብሕኦም ፀኒዖም ክቃለሱ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ሰላምን ድሕንነትን እታ ሃገር ብዝበለፀ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም። መንግሥቲ መደመር ኢትዮጵያዊ ፀጋታት ሕውነትን ኣሓትን ተጠናኺሮም ንክወፁን ንህንፀት ሃገር ዓምዲ ንክኾኑን ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ኩሎም ወገናት ልምዓት ንምርግጋፅን ንብልፅግና ዜጋታትን ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም። ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ብዝምልከት እውን ኢትዮጵያ እተልዕሎ ሕቶ ብቑዕን ዘእምንን ምኽንያታት ዘለውዎ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም። ሕቶ በሪ ባሕሪ ጉዳይ ወደብ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕልና ኢትዮጵያ ዝውስን እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ስርዓታት እዚ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ደለይቲ ኵናትን ረበሽቲ ሃገርን ተገይሮም ይቑፀሩ ከምዝነበሩን እዚ ድማ ስሕተት ከምዝኾነን ኣዘኻኺሮም። ሎሚ እዚ ዝተሰሓሓተ ተረኽ ዝደግሙ ኣካላት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሕቶ ብምልዓሉ እቲ ተሸፊኑ ዝፀንሐ መጋረጃ ከምዝተቐደደ ፀሪሖም። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እቲ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ሰፊሕ መሰረት ህዝቢ ከምዘለዎ ከምዝተረጋገፀ ብምሕባር፤ ውሑዳት ታሪኻዊ ፀላእቲ እንተዘይኮይኖም መብዛሕቲኡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ፍትሓዊነት እቲ ሕቶ እናተረድአ ምምፅኡ ተዛሪቦም። ብምፍላጥን ብዘይምፍላጥን መሳርሒ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ውሑዳት ኣካላት ካብ ታሪኽ ክመሃሩ ይግባእ ኢሎም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንከብቅዕ ብምግባር ሓዱሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ከፊቱ እዩ
Dec 31, 2025 93
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 22/2018 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንከብቅዕን ሓዱሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ንክኽፈትን ዝገበረ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣብ ስዊድን ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ፕሮፌሰር ክፍሊ ምርምር ሰላምን ጎንፅን ኣሾክ ስዌን ገሊፆም። ፕሮፌሰር ኣሾክ ስዌን ካብ ስራሕቲ ምርምር ብተወሳኺ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን ውሕመ(ዩኔስኮ) ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ማይ እዮም። እቶም ፕሮፌሰር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ተመሪቑ ስራሕ ዝጀመረሉ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ ኣፍሪካ እናዓበየ ዝመፀ ፅልዋ ፈጣሪነታ ብዝበለፀ እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ ከምዝኾነ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኣፍሪካ ጠንካራ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት እውን ሓቢሮም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዓብይ ዓወት ምህንድስናን ዲፕሎማስን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ህንፀት ግዳማዊ ፅልዋ ብምፅዋርን ብትልሚ ብምምራሕን ንዓወት ምብቅዑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ካብ ግብፅን መሻርኽታን ዝበፅሓ ፅልዋ ብምፅዋር እዚ ዓብይ ፕሮጀክት ዛዚማ እያ ኢሎም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ምስ መንግሥቲ ብሓባር ብምዃን ጋህዲ ዝገበርዎ ብሄራዊ ዓወት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። እቲ ግድብ ኣፍሪካ ብባዕላ ምስራሕን ምፍፃምን ትኽእክል እያ ዝብል ኣተሓሳስባ ብተግባር ገሊፁ ዘርኣየ እዩ ኢሎም። እቲ ግድብ ሩባ ኣባይ ናይ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ብዝብል ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንከብቅዕ ከምዝገበረ እውን ፀሪሖም። ሩባ ኣባይ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ረብሓ ዘለዎ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኣባይ ብፍትሓውን ማዕርነትን ምጥቃም ከምዝከኣል ኣርእዩ እዩ ክብሉ ሓቢሮም። ግብፂ ኣብ ምትሕብባር ሓይሊ እቲ ዞባ ተረባሒት ምዃን ከምትኽእል ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር፤ ኣብ ጉዳያት ማይ ብሕታዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ምስ ሃገራት ተፋሰስ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኣለዋ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ ትኽክለኛ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ዘተዓናቕፉ ምንቅስቓሳት ትኽክል ከምዘይኮኑ ኣተሓሳሲቦም። ሃገራት እቲ ተፋሰስ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ዘለዉ ጉዳያት ብዘተ ክፈትሕኦ ከምዘለወን እውን ሓቢሮም።
ንማሕበረሰብ ገጠር ብመሰረተ ልምዓት ብምርኻብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ንምርግጋፅ ትኹረት ተገይሩ እዩ
Dec 30, 2025 98
ሆሳዕና/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ንማሕበረሰብ ገጠር ብመሰረተ ልምዓት ብምርኻብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ንምርግጋፅ ትኹረት ከምዝተገበረ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን። ሃገራዊ መድረኽ ጎስጓስ ኣባይትን መሰረተ ልምዓትን ማዕቐፍ ትራንስፎርሜሽን ገጠር ኣብ ከተማ ሆሳእና ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መነባብሮ ማሕበረሰብ ገጠር ብምምዕባል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ተረባሕነት ንምዕባይ ማእኸላት መንደራት ገጠር ተመስሪቶም እዮም። እቶም ማእኸላት ተበታቲኑ ዝነብር ሓረስታይ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ብምእካብ ማሕባረውን ኢኮኖሚያውን ትካላት ብምህናፅ ተረባሒ መሰረተ ልምዓት ንምግባር ዝዓለሙ እዮም ኢለን። ተበፃሕነት እቶም ማእኸላት መንደራት ገጠር ንምስፋሕን ብፕላን ንምምራሕን ድማ እዚ መድረኽ ጎስጓስ ከምዘድለየ ሓቢረን። ስለዝኾነ ድማ እቲ ማዕቐፍ ትራንስፎርሜሽን ገጠር ንምዕዋት እቶም ማእኸላት ገጠር ተዋዲዶም ብምስራሕ ግብርና ንምምዕባል፣መሰረተ ልምዓት ገጠር ንምምላእን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ዕላማ ከምዘለዎም ኣረዲአን። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ካብቲ መድረኽ ዝርከቡ ተሞኩሮታት ብምውዳድ ንማሕበረሰብ ገጠር ምችው ከባቢ ንምፍጣርን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይን ብትኹረት ከምዝስራሕ ተዛሪበን።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ይፈፀም ናብ ዝብል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ዓወት ዲፕሎማሲ ምስግጋር ተኻኢሉ እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)
Dec 30, 2025 86
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ)ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ይፈፀም ናብ ዝብል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ዓወት ዲፕሎማሲ ምስግጋር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 6ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ እውን፤ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ዓለም ለኸ ተሰማዕነትን ዓወታት ዲፕሎማሲን እናመዝገበት እያ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን ብሄራዊ ረብሓን ክብርን ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ስራሕቲ ምትሕብባር ዲፕሎማሲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቶም። ኢትዮጵያ ምስ መብዛሕቲአን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ቅዋም ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ሰናይ ጉርብትናን ርክብን ከምዘለዋ እውን ኣረዲኦም። ሓያላት ሃገራት ብሄራዊ ረብሐአን ንምሕላው ኣብ ዝነሓናሓሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘሐልዉ ዕዉታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣብራህሪሆም። ርክብ ጎረቤት ሃገራት እውን ብሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ባቡር፣ መንገድን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም። ኣብ ፐብሊክን ዲጂታል ዲፕሎማሲን እውን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ብምጥንኻር ረብሓን ክብርን ዜጋታት ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም። ብዘይሕጋዊ ደላሎ ተታሊሎም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ሳዑዲ ዓረቢያን ማይናማርን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ከምዝተገበረ ሓቢሮም። ሕጋዊ ስምምዕ ወፍሪ ስራሕ ናብ ዝተገበረለን ሃገራት ዝተጉዓዙ ዜጋታት መሰሎምን ረብሐኦምን ተሓልዩ ኣገልግሎት ቆንስላን ዲፕሎማስን ዝሰርሑለን ሃገራት እናተውሃበ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ነዊሕ ዓመታት፣ ብሄራዊ ረብሓ ሃገርን ወለዶን ብዘገናዘበ ምልክዑ ምላሽ ዝረኽበሉ ስራሕ ዲፕሎማሲ እናተሳለጠ እዩ ኢሎም። ኣጀንዳ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምርዳእ ዘኽኣሉ ዕዉታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝተሰርሑ እውን ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ይፈፀም ናብ ዝብል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ዓወት ዲፕሎማሲ ምስግጋር ከምዝተኽኣለ ኣገንዚቦም። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ካብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ሃገሮም ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘበን ተሳጋሪ ሽቶ ዘለዎ ሕቶ እዩ-ሚኒስትር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር)
Dec 30, 2025 52
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘበን ተሳጋሪ ሽቶ ዘለዎ ሕቶ ወለዶ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ መበል 6ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልስን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን እውን፤ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ወለዶ ተሳጋሪ ሽቶ ዘለዎ ሕቶ ወለዶ እዩ ኢሎም። ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ ሚኒስቴር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ልዑል ስራሕ እናሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። ካብ መንግሥቲ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ከይተገበረሎም ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ሚድያ ንዝቃለሱ ዘለዉ ዜጋታት እውን እቲ ሚኒስቴር ምስጋና ኣቕሪቡ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት እውን ድሌት ኣፍ ደገ ባሕሪ እታ ሃገር ንምዕዋት ዘሳልጥዎ ዘለዉ ስራሕ ዝተበባዕ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።
ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ስርዓት ንግድን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት እናተርኣይሉ እዮም
Dec 30, 2025 41
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 21/2018(ኢዜኣ) ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ስርዓት ንግድን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ ምቅልጣፍ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት እናተርኣይሉ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዙርያ ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ኣብ ቀፃሊ ንዝሳለጡ ስራሕቲ ግልፅነት ንምፍጣርን ሰብ ሃፍቲ ኣብቲ ዞባ ብሰፊሑ ንክሳተፉ ንምትብባዕን ዝዓለመ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት የካይድ ኣሎ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ናብ ሙሉእ ትግበራ ካብ ዝኣትው ዋላ ኳ ገና ሓደ ዓመት ዘይመልኦ እንተኾነ ስርዓት ንግድን ሎጂስቲክስን እታ ሃገር ኣብ ምቅልጣፍ ግና ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት እናተርኣይሉ እዮም ዝርከቡ። ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ከባቢ 4 ቢልዮን ዶላር ፍርያት ብነፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ኣቢሉ ንምስላጥ ሽቶ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም። እቲ ዞባ ንብልፅግና ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘለዎ እጃም ንምዕባይ ትካላት መንግስትን ዓውዲ ውልቀን ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፃውዒት ብምቕራብ፤ ፍቓድ ስራሕ ዝወሰዱ ሰብ ሃፍቲ እውን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ኣለዎም ኢሎም።
ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ
Dec 29, 2025 82
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 20/2018(ኢዜኣ) ፕሮግራም ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘመዝገቦም ጭቡጥን ዘላቕን ውፅኢታት ዕቤት ንጠንካራን ተወዳዳርን ኢኮኖሚ መሰረት ከምዘንበሩ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ፌዴሪኢ ገሊፁ። እቲ ኣገልግሎት ‘ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ’ብዝብል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ እቲ ዝተገበረ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ሃገር ካብ ውድቀት ዘድሓነ እዩ ኢሉ። ሙሉእ መግለፂ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፤ ካብ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ምንስርራእ ፕሮግራም ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጭቡጥን ዘላቕን ውፅኢታት ዕቤት ብምምዝጋብ ንጠንካራን ተወዳዳርን ኢኮኖሚ መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ቆራፅነት መንግሥቲ ኣብ ዝተርኣየሉ እዚ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ኣንፀላሊዎም ዝነበሩ መዋቕራዊ ፀገማት በቢብርኩ ንክቕንሱን ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘለዎ፣ምስ ዓለም ዝተኣሳሰረን ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ዝኾነን ጠንካራ ኢኮኖሚ ንክህነፅን ምችው ኩነታት ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ። እቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ብዝለዓለ ብርኪ ንክቀላጠፍ ብፍላይ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕ፣ውህላል ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ምዕባይ፣ተካእቲ ፍርያታት ኣብ ምትብባዕ፣ሓደሽቲ ዋሕዝታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓብን እቲ መመሓየሺ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ጉዕዞ ዘመዝገቦም ዓወታት እዮም። ጎና ጎኒ እዚ እውን መንግሥቲ ብተኸታታሊ ዝወሰዶም ቆራፅ ውሳነታት መመሓየሽታት ንዝተረኸበ ውፅኢት መሰረት እዮም። መንግሥቲ እቲ ስምብራት ኢኮኖሚ ንክፅገንን ዳግማይ ንከንሰራርእን ካብ ዝወሰዶም ቁልፊ ስጉምትታትን ካብ ዘሳለጦም ስራሕትን ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክምራሕን ገንዘብ ኢትዮጵያ ትኽክለኛ ዋጋ ንክረክብን ምግባሩ ይርከብዎም። ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክዘዋወር ዝፀንሐ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ሕጋዊ ስርዓት ባንኪ ንክኣትው ብምግባር ብምኽንያት ሕፅረት ዶላር ንክዕፀዉ ኣብ ጫፍ በፂሖም ዝነበሩ ትካላት ኢንቨስትመንት ናብ ስራሕ ንክኣትዉን እቲ ኢኮኖሚ ካብ ዝገጠሞ ስምብራት ዳግማይ ንክድሕንን ዘኽኣለ ውፅኢት ምስላጥ ተኻኢሉ እዩ። ካሊእ መንግሥቲ ካብ ዘሳለጦም ቁልፊ ስራሕቲ ልቓሕ ወፃኢ ምምጥጣንን ምስራዝን ንክግበር ዕዉት ድርድር ምግባሩ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ዝወሰደቶም ልቓሓት ልዑል ወለድ ዝኽፈለሎምን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝኽፈሉን ኮሜርሺል ሎን ብምዃኖም ሃገር ንከቢድ ፈተና ኣቃሊዖም ፀኒሖም እዮም። እዚ ፀገም ንምፍታሕ መንግሥቲ ምስ ኣለቃሕቲ ሃገራትን ትካላት ፋይናንስን ብዝገበሮ ዕዉት ድርድር ከባቢ 4.5 ቢሊዮን ዶላር ዝፅጋዕ ምምጥጣን ልቓሕ ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ስለዝኾነ ድማ እታ ሃገር ልቓሕ ወፃኢ ንምኽፋል እትጥቀመሉ ዝነበረት ሃፍቲ ውህላል ሸርፊ ወፃኢ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይን ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕ ልምዓት ንክውዕልን ዕድል ፈጢሩ እዩ፤ ትካላት ፋይናንስ ኣዝዩ ኣጠናኺሩ እዩ። ካብ ኹሎም ብዝበለፀ ድማ እቲ ትግበራ ዝተማልአ መመሓሺ ኢኮኖሚ ዝተረኸበሉ ውፅኢት ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ግልፅን ዝግመትን ስርዓት ሸርፊ ምፍጣሩ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ሃገርና ዘለዎም እምነት ንክጠናኸር፣ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትው ካፒታል ንክውስኽን ከም ሃገር ኩለ መዳያዊ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ንክፍጠርን ገይሩ እዩ። ብሓፈሻ እቲ ዝተገበረ መመሓሺ ኢኮኖሚ ንሃገር ካብ ውድቀት ብምድሓን፣ውህላል ሸርፊ ወፃኢ ብምዕባይን ጥንካረ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምጥንኻርን ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ዓለም ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንክሰጋገር ገይሩ እዩ። እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት ዘላቒ ንክኾኑ ንግዲ ወፃኢ(Export) ምዕባይ፣ተካእቲ ፍርያታትን መፍረያይነትን ምውሳኽ ቀንዲ ትኹረት መንግሥቲ ኮይኖም ክቕፅሉ እዮም።
ግብርና ምምዕባልን መፍረያይነት ምዕባይን ቁልፊ ኣጀንዳ መንግሥቲ እዩ -ሚኒስትር ኣዲሱ ኣረጋ
Dec 27, 2025 90
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 18/2018 (ኢዜኣ) ንግብርና ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ቁልፊ ኣጀንዳ መንግሥቲ ከምዝኾነ ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም። ኣብ ስትራቴጂታት ሜካናይዜሽን ግብርናን ልምዓት ግብርና ከተማን ዝጠመተ መድረኽ ምኽክር መዳርግቲ ኣካላት ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ንዓውዲ ግብርና ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ውፅኢታዊ ንምግባር ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። መንግሥቲ እቲ ዓውዲ ብምምዕባል ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ከምኡ እውን ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ቁልፊ ኣጀንዳ ገይሩ እናሰርሐ እዩ ኢሎም። ስትራቴጂ ሜካናይዜሽን ግብርና ምድላዉ እቲ ግብርና ንክምዕብልን ሰንሰለት ፀጋ ኣብ ምሕፃርን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም። መንግስት ግብርና ንምምዕባል ማሽነሪታት ሜካናይዜሽን ግብርና ካብ ቀረፅ ነፃ ንክኣትዉ ከምዝገበረን ትራክተራት ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ኮምባይነራት ናብ ሓረስታይ ከምዘብፀሐን ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 6 ነጥቢ 3 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብሜካናይዜሽን ግብርና ምልማዕ ከምዝኸኣለ ኣረዲኦም። ምስ ቀረብ ልቓሕ ማሽነሪታት ብዝተኣሳሰረ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ እውን ዝተፈላለዩ ኣመራፅታት ተግባራዊ እናተገበሩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ስትራቴጂ ልምዓት ግብርና ከተማ እውን ትራርፎርሜሽን ግብርና ካብ ነዐውተሎም ጉዳያት እቲ ሓደ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ስትራቴጂ መሬታት ከተማ ብኣግባቡ ንምጥቃም ዘኽእል እዩ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ግብርና ከተማ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ እቲ ውፅኢት ቀፃልነት ንክህልዎ ብኣግባቡን ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑን ምድጋፍ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ መፍረያይነት ዝራእቲ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ እዩ
Dec 26, 2025 165
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018(ኢዜኣ) ብመስኖ ስርናይ ሓጋይ መፍረያይነት ዝራእቲ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መፍረያይነት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል እመርታዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ እዩ። ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ 3 ሽሕን 500 ሄክታር መሬት ዝተጀመረ ሕርሻ መስኖ ስርናይ ሓጋይ ናብ 4 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብምስፋሕ ካብ ንዓርስኻ ብተወሳኺ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽኣለ ዓቕሚ ፍርያት ከምዝተፈጠረ እውን ተዛሪቦም። ኣብ 2017 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ካብ ዝፈረየ ፍርያት 128 ሚልዮን ኩንታል ምእካብ ዘኽኣለ ዓወት ከምዝተመዝገበ ኣረዲኦም። ኣብዚ ዓመት እውን መርሃ ግብሪ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ 4 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን 175 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ከምዝተተለመ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ሃገር 3 ነጥቢ 1 ሚልዮን ሄክታር ሕርሻ ዝራእቲ ብምድላው ካብዚ ድማ ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብስርናይ ከምዝተሸፈነ ኣፍሊጦም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን መንፈስ ይከኣል እዩ ዝፈጠረ እዩ-ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር)
Dec 26, 2025 137
ኣዲስ ኣበበ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን መንፈስ ይከኣል እዩ ዝፈጠረ እዩ ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ገሊፆም። “ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንምንስርራእ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ’ምእንተ ኢትዮጵያ’ እቲ ግድብ ኣብ ዝርከበሉ ተኻይዱ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ኩሎም ኢትዮጵያውያን መንፈስ ይከኣል እዩ ዝፈጠረ እዩ። ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ ዝተርኣየ ሕብረት ካልኦት ስራሕቲ እውን ጋህዲ ንምግባር ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ እዩ-ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ
Dec 26, 2025 119
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 17/2018 (ኢዜኣ) ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። “ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንምንስርራእ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ’ምእንተ ኢትዮጵያ’ እቲ ግድብ ኣብ ዝርከበሉ ተኻይዱ። ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ እዩ። ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝግባእ ብተግባር ዘርኣየን መሰረታዊ ተረባሕነት ዘረጋገፀን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ዞባዊ ምትእስሳር ንምፍጣርን ሕውነት ንምጥንኻርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ዝተዋደዱ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ክህነፁ እዮም
Dec 25, 2025 84
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ተበፃሕነት ዕዳጋ ፍርያታት ግብርና ምስፋሕ ዘኽእሉ ህንፀት ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ዘለዎም ዝተዋደዱ ፓርክታት ኢንዱስትሪ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም። ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ውልቀ ኣልማዕቲ ዘሳተፈ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ። ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኣብ ምንቕቓሕ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናተዋፅአ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ዕዳጋ ፍርያታት ግብርና ንምስፋሕ ኣድላይ መሰረተ ልምዓት ዝተማልአሎም ዝተዋደዱ ፓርክታት ኢንዱስትሪ እናተሃነፁ እዮም ኢሎም። ከም ሃገር ህንፀት ሰለስተ ዝተዋደዱ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ከምዝተዛዘሙ ብምግላፅ፤ ህንፀት ዝተዋደደ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ነቀምትን ማእኸላይ ጎንደርን ከምዝተጀመሩ ሓቢሮም። ህንፀት ዝተዋደደ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ብምዕባይ ሃገራዊ ተወዳዳሪነት ዘዕቢ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። መሰረተ ልምዓት ዝተማልአሎም ዝተዋደደ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተዋደደ ደገፍን ቅልጡፍ ኣገልግሎትን ምሃብ ከምዘኽእሉን ዝለዓለ ኣዋፃኣይነት ከምዘለዎምን ተዛሪቦም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳስር መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ እዩ
Dec 25, 2025 63
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳስር መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ገሊፆም። “ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንምንስርራእ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ’ምእንተ ኢትዮጵያ’ እቲ ግድብ ኣብ ዝርከበሉ ጉባ ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ተረባሪቦም ህንፀቱ ጋህዲ ዝገበርዎ እዩ። እንተተደሚርና እንታይ ዝኣክል ዕዉታት ምዃን ከምዝከኣል እቲ ግድብ ታሪኻዊ መርኣያ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝበለፀ ንክጠናኸር ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ እዩ ኢሎም። እቲ ግድብ ሓባራዊ ሕልምን ተስፋን ጋህዲ ዝገበረ ዓብይ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ግድብ ትማሊ፣ሎምን ፅባሕን ዘተኣሳሰረ ዓብይ መሳርሒ መህነፂ ሓባራዊ ተረኽ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምህናፅ ንኣፍሪካውያን ብመንፈስ ይከኣል እዩ ዳግማይ ንዓብይ ዓወት ከምዘለዓዓለት እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ፍርያት ዘለዋ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪካ ብምክፋል ኣህጉራዊ እጃማ እናተዋፅአት እያ
Dec 25, 2025 63
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 16/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ኣሰራርሓ ዕዳጋ ፍርያት ዘኻዕበተቶ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪካ ብምክፋል ኣህጉራዊ እጃማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ መርጊያ ባይሳ ገሊፆም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ መርጊያ ባይሳ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ትካላዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ምምሕያሽ ኣገልግሎታት ዕዳጋ ፍርያት እናማዕበለ እዩ ዝርከብ። ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ወሳኒ ዓቕሚ ሃገራት ኣፍሪካ ልምድን ተሞኩሮን ዝቐስማሉ ግንባር ቀደም ኣህጉራዊ ትካል ምዃን ከምዘኽኣሎ ተዛሪቦም። እቲ ትካል ፅሬት ቀንዲ መለክዒ ዕድጊት ኣብ ምግባር ዓብይ ውፅኢት ከምዘመዝገበ እውን ኣብራህሪሆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ን28 ዓይነታት ፍርያት ዝርዝር መለክዒ ፅሬት ወፂእሎም ዕድጊት እናተሳለጠ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሕፅረት በዓል ሞያ ንምምላእ ኣካዳሚ ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ተጣይሹ ሰፋሕቲ ስልጠናታት እናሃበ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም። ዕዳጋ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዝተዋደደ ሞዴል ኣሰራርሓ ንካልኦት ሃገራት መርኣያ እናኾነ ከምዝርከብ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም። ነዚ ስዒቡ ድማ ታንዛኒያ፣ኣንጎላን ጋናን ስርዓት ሞዴል ቢዝነስን ቁፅፅር ፅሬትን ኢትዮጵያ መበገሲ ብምግባር ናይ ባዕለን ዕዳጋ ፍርያት ምምስራተን ሓቢሮም። ኣብ ቀረባ እዋን እውን ካብ ታንዛኒያን ኬንያን ዝመፁ ሰብ ሞያ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጠና ዝወሰዱ እንትኸውን፤ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ እውን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ደገፍን ስልጠናን እናሃቡ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።