ቁጠባ
ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ስልጣነ ንምግባር ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ይግባእ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 10, 2026 110
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 30/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣዲስ ኣበባ ማእኸልን መርኣያን ስልጣነ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትካላት ናይ ምፈፃም ዓቕሞም ብምዕባይ ዝተደመረ ባህሊ ስራሕ 24/7 ምቕፃል ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2019 የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንሕብረተሰብ ካብ ዝተኣተወ ቓል ንላዕሊ ብምፍፃምን ብዓወት ብምዝዛም፣ ብዝበለፀ መገዲ ንምስራሕ ዘኽእል ዳግማይ ዕድል ከምዝተረኽበ ተዛሪበን። ኣብ ዝቕፅል እውን ስራሕቲ ብዝበለፀ ብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመትን ትልሚ በጀት ዓመት 2019 ተዳልዩን ተገምጊሙን ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፀን። ለውጢ ኣወዳድባን ኣመራርሓን ከምዝተገብረን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተተግበረ ትልሚ 90 መዓልቲ ብምድላው ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወን ዝሓበራ እተን ከንቲባ፤ ብዙይ እውን ዝንኣድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣረዲአን። ዝተኻየዱ ተግባራት ካብ ቑፅሪ ንላዕሊ ምርኣይን ውፅኢታት ምስ ምቅላል ፀቕጢ መነባብሮ ሕብረተሰብን ከምኡ’ውን ምስ መንፅር ምምሕያሽ መነባብሮ ምምዛን ከምዝግባእ ኣገንዚበን። ዘለና ዓቕምን እታዎታትን ንግቡእ ስራሕ ምውዓል ይግባእ ዘበላ እተን ከንቲባ፤ ከም መንግስቲ ኣንፈት ምህናፅ ስልጣነ መደመር ኢትዮጵያ ንኽተል ኣለና ኢለን። ስልጣነ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተጀመረ ምዕባይን ምድማርን ከምዝሓትት ብምሕባር፤ ነዙይ እውን ዓቕሚ ምፍፃም ትካላትን ባህሊ ስራሕ 24/7 ምዕባይ ከምዝግባእ ተዛሪበን። ብተተናፀላዊ ስራሕ ትካላት ዝድለ ውፅኢት ምምዝጋብ ከምዘይክኣል ብምግላፅ፣ ስራሕቲ ብሓባርን ብዝተዋደደ መገድን ምፍፃም ኣሰራርሓ ኾይኑ ንኸቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።
ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን መሰረት እዩ
Oct 10, 2026 78
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 30/2018 (ኢዜአ)፦ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ቁልፊ ግደ ዝፃወት ስትራቴጂካዊ ፕሮጀክት ምዃኑ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ጉዳያት ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ገሊጾም። ኣምባሳደር ዘሪሁን ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ዘጋጥሙ ከም ድንገተኛ ሓደጋ ውሕጅን ድርቅን ዝመመሰሉ ምስ ምዝባዕ ኣየር ንብረት ዝተኣሳሰሩ ተደራረብቲ ፈተናታት ንምፅዋር ዓቢይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም። ኢትዮጵያ ንምትሕብባር፣ ንዞባዊ ምትእስሳር ከምኡ’ውን ንፍትሓውን ምኽንያታውን ተጠቃምነት ማይ ዓባይ ዘይቀያየር ቅዋም ከምዘለዋ ተዛሪቦም። እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተሞርኮሰ ምትእስሳር ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦምሉ። ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ እንተሃንፅ ረብሓ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ዳይሬክተር ጄነራል፤ ንዞባዊ ልምዓት፣ ለውጢ ኣየር ንብረት ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ንምህናፅን ውሕስነት ኢነርጂ ንምርግጋፅን ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም። እቲ ግድብ ኣብ ዓውዲ ተሓዳሲ ሓይሊ ዝተገብረ ዓቢዪ ኢንቨስትመንትኣፍሪካ እዩ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ ፈተናታት ኣየር ንብረት ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ዕድላት ሒዙ ምምፅኡ ኣመላኺቶም። እቲ ግድብ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው፣ ማይ ብምኽዛንን ሓደጋ ውሕጅ ብምቕናስን ንሱዳንን ንግብፅን ዝበለፀ ረብሓ ከምዘረክብ ኣብሪሆም። እቶም ኣምባሳደር ወሲኾም ከምዝገበልዎ፣ ማይ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ኣከባቢ ምስ ናይ ግብፂ ግድብ ኣስዋን እንተነፃፀር ትሑት ትነት ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ብምኽንያት ትነት ዝባኽን መጠን ማይ ብዓቢይኡ ከምዝቕንሶ ገሊፆም። ብተወሳኺ እቲ ግድብ ዋሕዚ ማይ ብዝግባእ ኣብ ምቁፅፃር መዳይ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ዝለዓለብ ምዃኑ፣ ኣብ ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ንብረት፣ ህይወት ሰብን ኣብ መንበሪ ዜጋታትን ዝበፅሕ ሓደጋ ውሕጅን ዕንወትን ንምክልኻል ከምዘኽእል ኣመላኺቶም። ከይዲ ምፅዋር ድርቂ ብዝተመልከጽ፣ ኣብ ግድብ ህዳሸ ዝኽዘን ማይ ኣብ ነዊሕ እዋን ድርቅን ሕፅረት ማይን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ተፋሰስ ዝበለፀ ምትሕግጋዝ ከምዝፈጥርን ውሕስነት ማይ ከምዘረጋግፅን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም። እቲ ግድብ ናይቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ሃፍቲ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ዘምንጭዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድልየት ኢነርጂ ጎረባብቲ ሃገራት ንምምላእ ከምዘኽእል ተዘሪቦም።
ኢትዮጵያ ብኹለመደያዊ ጉዕዞ ልምዓታን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናትብዘመዝገበቶ ዓወትን ንኣፍሪካ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ እዩ
Oct 9, 2026 116
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 29/2019 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ብኹለመደያዊ ጉዕዞ ልምዓታን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ብዘመዝገበቶ ኣስደናቒ ዓወትን ንኣፍሪካ ከተኣሳስር ዝኽእል ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ ምዃኑ ምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ገሊፆም። ብምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ዝምርሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናይጀሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት የካይድ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ሎሚ ምስ ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ አበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዙሪያ ዕብየት ህፃናትን ልምዓት ከተማን መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ኣካይዱ። ምክትል ፕረዚደንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ኣብቲ ዘተ፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኣዲስ አበባን ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ልምዓትን ኣብ ልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ንዝተመዝገቡ ውፅኢት ናእዶም ገሊፆም። ዕብየት ኢትዮጵያ ዝረአን ዝጭበጥን ምዃኑ ብምሕባር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ህፃናትን ንልምዓት ቀዳማይ ህፃናት ዝሃቦ ትኹረት ኣሞጊሶም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ኣሰራርሓ ሓለዋ ህፃናትን ንምምሕያሽ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዓቢዪ ኣበርክቶ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንተጠቃምነትን ድሕነትን ህዝቦም ቀዳምነት ሂቦም ምስራሖም እውን ንኢዶም። ናይጄሪያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብሓባር ብምስራሕ ኣወንታዊ ፅልዋ ክፈጥራ ተኽኢለን እዚ ክፍለ ዘመን ናይ ኣፍሪካ ዘመን ከም ዝኸውን እምነቶም ገሊፆም። ኣፍሪካ ካብ ነባር ዘመን ሕርሻን ኢንዱስትሪን ሓሊፋ ሐዚ ኣብ ፍልጠት ናብ ዝተመስረተ ሰብ ስራሕ ብልሕን ዘመን ዓበይቲ ሓበሬታታትን ክትኣቱ ዓቕሚ ኣእምሮ መንእሰያት ምዕባይ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም። መንግስትን ህዝብን ናይጄሪያ ካብ ውፅኢታዊ ዓለምለኻዊ ተሞክሮታት ንምምሃርን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻርን ድሉው ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣዲስ ኣበባ መፃኢ ወለዶ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት እያ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 9, 2026 85
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019 (ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንመፃኢ ወለዶ እውን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት ከም ዝኾነት ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ብምክትል ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ ካሺም ሸቲማ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዕቤት ህፃናትን ልምዓትን ከተማን ልውውጥ ልምዲ ገይረን። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብታ ከተማ ኣብ መንገዲ፣ኣባይቲ፣ትራንስፖርት፣ወሰና ወሰን ሩባ፣ፓርክታትን ዲጂታል ኣገልግሎታትን ከምኡ እውን ካልኦት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ተሳሊጦም እዮም። ዕቤት እታ ከተማ ሂወት ሰባት ዝቕይር ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን። እታ ከተማ ናይ ሎሚ ድሌት ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ወለዶ እውን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እናተሃነፀት እያ ኢለን። ኣዲስ ኣበባ ንህፃናት ምችው ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡን ቁፅሪ መፃወቲ ሜዳታትን መፅንሒ ማእኸላትን ብዝለዓለ ኩነታት ከም ዝወሰኸን ኣመላኺተን። ምገባ ቤት ትምህርቲ፣ምስፍሕፋሕ ተበፃሕነት ቅድመ ስሩዕ ትምህርትን ኣብ ዕቤት ህፃናትን ደገፍ ምግባር ንቀፃሊ ወለዶ ዝግበር ዓብይ ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ኣረዲአን።
ብፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ዝቐረቡ ዋና ዋና ትኹረት መንግስቲ
Oct 6, 2026 178
1. ሰላም ንዕብየትን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዘለዎ ዋጋ ዝተገንዘበን ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ሓድነት፣ ምትሕብባርን ንኢትዮጵያ ዘቐድም ተግባር ዝፍፀም ይኸውን ። 2. ፅሬት መሰረት ዝገበረ ሓፈሻዊ መዋቅራዊ ሽግግር ንክህሉ ክግበር እዩ። 3. ትምህርቲ፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ሓለዋን ካብ ስፍሓት ናብ ፅሬት ብምስግጋር ዜጋ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት ክቀላጠፍ እዩ። 4. ንዕብየትና ቁልፊ ረብሓ ንዘለዎም ኢንዱስትሪያዊን ሕርሻዊን እታዎትን ከምኡ እውን ዓቕሚ ዘመናዊ ህንፀት መሰረተ ልምዓትና ዓርሱ ክኽእል ክግበር እዩ፡፡ 5. ኣፈፃፅም ፕሮጀክትን ፋይናንስ ፕሮጀክትን ዘመናዊ፣ ቅልጡፍ፣ ውፅኢታዊን ተሓታትነት ዘለዎ ንኽኸውን ክስራሕ እዩ። 6. መሰረት ታክስ ብምዕባይ፣ ዕዳ ብግቡእ መገዲ ብምምሕዳር ከምኡ እውን ዓቕሚ ኣታዊን ወፃኢን መንግስቲ ብግቡእ ምቁፅፃር ክዓቢ እዩ። 7. ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ዘሎ ምውዳድ ስራሕ ኩነታት ኣፈፃፅማን ዝተሓባበረ፣ ዝተደጋገፈ፣ ውፅኢታዊን እንከን ኣልቦን ንኽኸውን ክግበር እዩ። 8. ርክብ ወፃኢ ኢትዮጵያ ካብ ተቐባልነት ናብ ፅልዋ ፈጣሪነት ንክሰጋገር ዝገብር፤ ብፍላይ መሓዙት ኣብ ምብዛሕ ዝተግህ፣ ኣረኣእያ ፅልኢ ንዘለዎም ድማ ዝመክር፤ ንዞባዊ ሰላምን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ዝህብን ዓለምለኻዊ ተቐባልነትና ዝያዳ ዘዕብን ክኸውን እዩ።
ሕቶ ዘተኣማምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ እናዕበየ መፂኡ እዩ- ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ
Oct 6, 2026 160
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ)፦ ሕቶ ዘተኣማምን ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ እእናዕበየ ምምፃኡ ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም ዝርከቡ። ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ቤት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፣ ልምዓትን ዕብየትን ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምቕፃል ኣፍ ደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ ተዛሪቦም። ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ረብሓታታ ንምሕላው ወሳኒ ግደ ከም ዝፃወት ኣመላኺቶም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምዃን ዘለዋ ድልየት ዓለምለኻዊ ተቐባልነቱ ክዓቢ መሰረት ከም ዝተነብረ ገሊፆም። እዚ ድሌት ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓባር ናይ ምዕባይን ምልማዕን ፅኑዕ ድልየታ ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ ጉዳይ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምኻን ሂብካ ብምቕባልን ኣብ ሓበራዊ ተጠቃምነትን ብሰላማዊ መገዲን ንክዕወት ፃዕሪ ከም ዝግበር ገሊጾም።
ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ እዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Oct 6, 2026 76
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ ከም ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም ዝርከቡ። ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ነቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ መኽፈቲ መደረ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንቀፃሊ ስራሕቲ መሰረት ዝኾኑ እዮም ኢሎም።\ ኣብ ግብርና፣ንግዲ ወፃኢ፣ቱሪዝም፣ኢንዱስትሪ፣ዲጂታን ካልኦት ዓውድታትን ዝተመዝገቡ ዓወታት ዕቤት ኢኮኖሚ ንክቀላጠፍ ከም ዘኽኣሉ ተዛሪቦም። መንግሥቲ ልቓሕ ንግዲ ብምቁራፅን ንነዊሕ እዋን ዝተጓተቱ መሰረተ ልምዓታት ብብቕዓት ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምዕባዩ ነቲ ዕቤት ወሳኒ እጃም ከም ዘበርከተ እውን ሓቢሮም። ኣብቲ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ፈተናን ፀገምን ምስጋር ጥራሕ ዘይኮነስ ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፁ እዮም ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ዋናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክትኣሳሰር ዝገብር እዩ
Oct 4, 2026 118
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜኣ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዋናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምዃን እቲ ዞባ ብኢንዱስትሪ ክትኣሳሰር ከም ዝገብር በዓል ሞያ ቁጠባ ዘመደነህ ንጋቱ ገሊፆም። በዓል ሞያ ቁጠባ ዘመደነህ ንጋቱ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ቅልጡፍ ቁጠባ ዘመዝገባት ሃገር ዋላ እንተኾነት፣ እቲ ዕብየት ብዘላቕነት ንምቕፃል ፀገም ወደብ ክፋትሕ ከም ዘለዎ ገሊፆም። እታ ሃገር ዝለዓለ ቁፅሪ ህዝቢ፣ ዓብይ ቁጠባ፣ ሰፊሕ ሃፍትን ሰፊሕ ዕዳጋን ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፤ ፀገም ኣፍ ደገ ባሕሪ ተተፈቲሑ ማእኸል ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪካን ክትከውን ከም ትኽእል ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠሙ ከም ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ከምኡ እውን ቅልውላው ጂኦፖለቲካ ንቁጠባ ዓለም ከም ዝተፈተንዎ ብምጥቃስ፤ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምዕባዩ፣ ጠንካራን ፀገማት ዝፀወርን ቁጠባ ምህናፁ ሓበሬታታት ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለምን ከም ዘረጋግፁ እውን ተዛሪቦም። ነዚ ዓወት ምምሕያሽ ሸርፊ ወፃኢ፣ዓውድታት ንኢንቨስተራት ወፃኢ ክፉቲ ምግባርን ሪፎርም ትካላት ዝሓቖፈ ሃገር በቀል ሪፎርም ኢኮኖሚ ዓብይ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ገሊፆም። ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ምምሕያሽ ፖሊሲታት ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ካብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ናብ 11 ቢልዮን ዶላር ዝዓበየ ኮይኑ ፤ እዙይ ድማ ብኣጋጣሚ ዘይኰነስ ብትኵረት ብዝተሰርሐ ስራሕ ዝተረኽበ ምዃኑ ተዛሪቦም። ካብ ቡን ብተወሳኺ ምህርቲ ወርቂ ነቲ ለውጢ ብግንባር ቀዳምነች ከም ዘመሓየሾ ጠቒሶም። ብሓፈሻ ምምሕያሽ ኣሰራርሓን ፖሊሲታትን ከምኡ እውን ዓይነታት ምህርቲ ንግዲ ወፃኢ ምብዛሕ ንቀፃሊ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘላቕነት ወሳኒ ምዃኖም ኣረዲኦም። ዕዳጋ ካፒታል ምምስራቱ ዜጋታት በብዕለቱ ኣክስዮን ንኽዕድጉን ኩባንያታት ካፒታሎም ንኸዕብዩን ከም ዝኽኣለ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ቴክኖሎጂ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝምን ሕርሻን ሃገራዊ ተወዳዳርነት ዘዕብዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ገሊፆም። ፀብፃብ ትካል ንግድን ልምዓትን ሕቡራት መንግስታት (UNCTAD) መሰረት ብምግባር ከም ዝገለፆዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዋሚነት ካብተን ሓሙሽተ ዓበይቲ ተቐበልቲ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣፍሪካ እንትትኸውን፤ እዙይ ድማ ውፅኢት ንኢንቨስትመንት ምቹዋት ዝዀኑ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ምዃኑ ኣመልኪቶም። መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣ ፕሮጀክትታት ፋብሪካ ማዳበሪያን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ኣብ ቀፃሊ ንቁጠባዊ ዕብየት ዓብይ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዓበይቲ ልምዓታት ምዃኖም ጠቒሶም። እታ ሃገር ዘለዋ ሰሓባይነት ቁጠባ ዘላቒ ንምግባርን ኢንቨስትመንት ምስሓባ ንምቕፃልን፣ ትካላት ምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ብዝበለፀ ክዝርግሑ ከም ዘለዎም ጠቒሶም። ኣብ ቀፃሊ ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ሓደሽቲ ኢንሼቲቫት ተግባራዊ ምግባር የድሊ እውን ኢሎም።  
ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ዕዳጋ ካፒታል ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ መፂኡ እዩ
Oct 4, 2026 92
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜኣ)፦ ዜጋታት ኣብ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ እናገበርዎ ዘለዉ ተሳትፎ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ ምምፃኡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ሃና ተህልቁ ገሊፀን። ትግባራ ሃገር በቀል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት እናርከበ እዩ። ካብ ፍረታት እቲ ሪፎርም ሓደ ምምስራት ዕዳጋ ካፒታል እንትኸውን፣ ዜጋታት ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ብንጥፈት ንክሳተፉን ተጠቃምነቶም ንክረጋገፅን ዝተወሰደ ስጉምቲ ዝጥቀስ እዩ። ምስ ኢዜአ ፃንሒት ዝገበራ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ሃና ተህልቁ፤ እቲ ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ካብ ዘርከቦም ውፅኢታት እቲ ሓደ ምምስራት በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ ምዃኑ ገሊፀን። ኣብቲ ዕዳጋ ተሳትፎ ዜጋታት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዓበየ ምምፃኡ ዝገለፃ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 50 ሚልዮንን 60 ሚልዮን ብር ዔድጊት ንክፍፀም ምግባር ከም ዝተኽኣለ ገሊፀን። ሕብረተሰብ ኣብቲ ዕዳጋ ንክሳተፉ ዘሎ ድልየት ምውሳኹ እቲ ዓብይ ዓወት ምዃኑ እውን ኣመላኺተን። ናብቲ ዕዳጋ ዝፅምበሩ ተዋሳእቲ ፍቓድ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ጠንካራ ምርመራ ከም ዝግበረሎም ብምግላፅ፤ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ውሃቢ ዕዳጋ ካፒታልን መውፅኢ መዋእለ ንዋይን ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ ኣብቲ ኣሰራርሓ ቁፅፅር ከም ዝግበረሉ ገሊፀን።    
ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም
Oct 1, 2026 226
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምዕባይ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ተዛቲዮም። ኣብቲ ዘተ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚዳንት ምብራቕን ደቡባዊ ኣፍሪካን ባንኪ ዓለም ንድያሜ ዲዮፕ ተረኺቦም እዮም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓገዝ በጀት ሓዊሱ ንዝገብሮ ዘሎ ዘላቒ ሓገዝ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ትትግብሮ ዘላ ኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ንመራሕቲ ባንኪ ዓለም ገለፃ ገይሮም። በዙይ እውን ዓቕሚ ምእካብ እቶት ውሽጢ ሃገር፣ ምቹውነት ስራሕ ንግድን ተሳትፎ ሰብሃፍቲ ውልቀ ኣብ ንግዲ ክዓቢ ምግባሩ ኣመላኺቶም። ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ብኣጀንዳ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ለውጢ ንኢዶን። መንግስቲ ዓውዲ ውልቀ ማእኸል ዝገበረ ዕብየት ንኽህሉን፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምዕባይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝረአዮም ጭቡጣት ለውጢታት ኣልዒለን። ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቀዳሚ ትኹረት ልምዓት እታ ሃገር ንምድጋፍን ቆራፅ ምዃኑ ኣረጋጊፁ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሓዱሽ ማዕቐፍ ሽርክና ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ብዋንነት ናብ ዝመርሖ ምዕራፍ ዕብየት ንምስግጋር ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጥንኻር ድልየት ከም ዘሎ ኣልዒለን። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣቕርቦት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንኹሉ ዜጋ ተበፃሒ ምግባር፣ ምትእስሳር ዓውዲ ሕርሻን ቴክኖሎጂን እታዎትን ምዕባይ፣ መካይን ኤሌክትሪክ ሓዊሱ ዘመናዊ ስርዓት መጓዓዝያ ምዝርጋሕ፣ ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማን ተበፃሕነትን ሃፍቲ ማይ ንምርግጋፅ ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ገሊፆም። ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ጸገማት ንምፅዋር ዘኽእላ ተወሳኺ መገዲ መርከቢ ሓገዝ ገንዘብ ምስፍሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘቲዮም። ክልቲኦም ወገናት ስርሕቲ ልምዓት ብቅልጡፍን ብፅሬትን ንምስራሕ ኣብ ውሽጢ ዝተዳለወ ማዕቀፍ ድልዉነት ልምዓት ብቆራፅነት ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም። እቲ ማዕቀፍ ንቀጥታዊ ተረባሕነት ህዝቢ ዝውዕሉን ጭቡጥ ለውጢ ዘምፅኡ ውፅኢታት ንምምጋብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት ዳግም ዘረጋጋገፀ ምዃኑ ኢዜኣ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። እዙይ ድማ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምቆልጣፍ፣ ፀገማት ተፀዊርካ ንምሕላፍ፣ ከምኡ'ውን ዕብየት ዓውዲ ውልቀ ምምራሑ ዝህልዎ ዘላቒ ዕብየት ንምዕዋት ጠንካራ ሓባራዊ ቆራፅነት ከም ዘለዎም ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ
Oct 1, 2026 187
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ትርጉም ዘለዎ ውፅኢት ከም ዝተረኸበሉ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ትርካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም። ዓባይ ሃገር፣ ዓብይ ህዝቢ፣ዓብይ ራኢ ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልትታት ክካየድ ዝፀንሐ መበል 2ይ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ 2026 ተዛዚሙ። ኣብቲ ፎረም ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝፀንሕ ፈላማይ ብሄራዊ ስትራቴጂ ፋይናንስ ካብ ወለድ ነፃ 5 ዓመት ዕላዊ ኮይኑ። ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ትርካልኝ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝሪአሉ መንገዲ ካብ መሰረቱ ተለዊጡ እዩ። ኢትዮጵያ ፍልፍል ዕቤት ኢኮኖሚኣ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ኣይ. ሲ. ቲን ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ እያ ኢሎም። ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ምንቕቓሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከም ዝፈጠረ ብምግላፅ መዓድን ወሳኒ ፍልፍል ሸርፊ ወፃኢ ኮይኑ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም። ዲጂታል ዕድጊት ብዝለዓለ መጠን እናዓበየ ከም ዝመፀ ብምሕባር፤ ትግበራ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ጭቡጥ ለውጢ እናተረኸበሉ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ብምፅዋር ንቕድሚት እናተጉዓዘ ከም ዝርከብ ዝገለፁ እቶም ገዛኢ፤ እቲ ኢኮኖሚ ኣብ ትኽክለኛ ኣንፈት ከም ዘሎ መረጋገፂ እዩ ኢሎም። እቲ ሪፎርም ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃኢ ብምዕባይብን ቱሪዝም ብምስፍሕፋሕን ኢትዮጵያ መባፅሒት ኢንቨስትመንት ንክትኸውን እናኽኣላ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም።
ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዝለዓለ ዞባዊ ፋይዳ ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 30, 2026 207
ኣዲስ ኣበባ፤መስከረም 20/2019 (ኢዜኣ) ህንፀት ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ካብ ኬንያ ዝተሳገረን ዝለዓለ ዞባዊ ፋይዳ ዘለዎን ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኬንያ ላሙ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ፕሮጀክት ላሙ ተቓላዕነት ብምኽንያት ንነዊሕ እዋን ብሃገራት ወፃኢ እናተፃረየ ዝነበረ ነዳዲ ዘጋጥም ዝነበረ ምዝባዕ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዝቕንስን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥርን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ከተማታትን ኢንዱስትሪታትን እናዓበዩ ብምምፅኦም ድሌት ነዳዲ እናወሰኸ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ዞባዊ ፍልፍል ነዳዲ ብምዃን ኣማራፂ ቀረብ ከም ዘስፍሕን ንንግድን ኢንቨስትመንትን ሓደሽቲ ዕድላት ከም ዝፈጥርን ኣብራህሪሆም። ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ኣብ ኮሪደር ልምዓት ላፕስት ዝርከብ ስለ ዝኾነ እቲ ምፅራይ ነዳዲ ምስ ዞባዊ ዕዳጋታት ብዝበለፀ ዘራኽብን ካብ ምዃኑ ብዝዘለለ ተዛመድቲ ኢንዱስትሪታት ንክስፋሕፍሑ ከም ዝገብር ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ሲሚኒቶ፣ ማዳበሪያን ነዳድን ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ኢንዱስትሪታት ኣፍሪካ ልምዶም ናብ ላሙ ስለ ዘምፅእዎ ንዕዉትነት እቲ ፕሮጀክት ዓብይ ትርጉም ከም ዝወሃቦ ተዛሪቦም። መናእሰይ ኣፍሪካውያን ናይዞም ተዛመድቲ ፕሮጀክትታት ተዓዛቢ ጥራሕ ዘይኮኑስ መሃንዲሳት፣ ቴክኒሻናት፣ ፈጠርቲ ስራሕን መራሕትን ክኾኑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ፕሮጀክት መፃረዪ ነዳዲ ካብ ኬንያ ዝተሳገረን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ዞባዊ ፋይዳ ዘለዎን እዩ ኢሎም።
ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ መረጋገፂ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 30, 2026 194
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 20/2019 (ኢዜኣ) ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ሰፋሕቲ ዕድላት ንምፍጣርን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝለዓለ ሉኣላዊነት ኢንዱስትርን ኢኮኖሚን መሰረት ንምንባር ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ላሙ ዓቕሚ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ፣ሰፋሕቲ ዕድላት ንምፍጣርን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝለዓለ ሉኣላዊነት ኢንዱስትርን ኢኮኖሚን መሰረት ንምንባር ዓብይ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ እዩ። ኣብ ኣህጉርና ትርከቡ መራሕቲ ኢንዱስትሪ፣ ሰብ ሃፍትን ፈጠርቲ ስራሕን፣ኣብ ኣፍሪካ ኢንቨስት ክትገብሩ፣ ብዘለና ዓቕምን ሓባራዊ ፀጋን እምነት ክህልወኩም ከምኡ እውን መፃኢ ዕድል ኣህጉርና ዝውስኑ ለውጢ ኣምፃእቲ ፕሮጀክታት ክትሃንፁ ይግባእ ኢሎም። መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ብሓባር ክንሃንፆ ዝግባእ ሓባራዊ ሓላፍነትና እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። #ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ኩባንያ ቦይንግ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ ተፈራሪሙ
Sep 30, 2026 95
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 20/2019 (ኢዜአ) ፦ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓቕሚ ካርጎኡ ብዝለዓለ ብርኪ ዘዕቢ ስምምዕነት ዕድጊት 10 ነፈርቲ ፅዕነት ቦይንግ 777 ምስ ኩባንያ ቦይንግ ተፈራሪሙ። ንዕውትነት ዓባይ ሃገር፣ ዓብይ ህዝብን ዓባይ ትልሚን ዝልዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ዝርከብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዓወት ዘሰጋገሮ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ እዩ ኣብዚ ዕለት ተፈራሪሙ ዘሎ። እቲ ስምምዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰውን ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ንግዲ መሸጣን ማርኬቲንግን ኩባንያ ቦይንግ ብራድ ማክሙለን (Brad McMullen) ተፈራሪሞምዎ። እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን መጓዓዝያ ፅዕነት ኣየር ዘለዋ ግደ ንምጥንኻር ከምኡ እውን እቲ መገዲ ኣየር እናወሰኸ ዝመፀ ድልየት ዓማዊል ንምምላእ ዘለዎ ዓቕሚ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ብተወሳኺ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ፅዕነቱ ንምስፍሓሕ ዝነደፎ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂ ዝድግፍ ምዃኑ እውን ተገለፁ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ስነ-ሰርዓት ፊርማ ከምዝገለፅዎ፤ ሎሚ ዝተገብረ ስምምዕነት ሾመንተ ኣዝየን ዘመናውያን ነፈርቲ ፅዕነት B777-8Fን ኽልተ ነፈርቲ ፅዕነት B777 ንምግዛእ ዘኽእል እዩ። እቲ ስምምዕነት ዕድጊት ነፈርቲ ኣካል እቲ መገዲ ኣየር ኣብ 2040 ንምዕዋት ዝሓዞ ትልሚ ዕብየት ስትራቴጂ ቁፅሪ ነፈርቲ ምዕባይን ብቴክኖሎጂ ምዝማን ኮይኑ፣ ካብቶም ዋና ዋና ዓምድታት ሓደ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም። እተን ነፈርቲ ሕድሕደን ክሳብ 117 ቶን ዝመዛዘን ፅዕነት ክሽከማ ዝኽእላን ነዳጅ ቆጠብትን ምዃነን ዝገለፁ እቲ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፣ እዙይ ድማ ንስረሕቲ ካርጎ እቲ መገዲ ኣየር ብዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ከምዝጠቅም ተዛሪቦም።   እቲ መገዲ ኣየር በዓል ዋና ብዘመናውያን ቴክኖሎጂታት ዝተደገፋ ነፈርቲ ብምዃን ኣብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ኣገልግሎት ውሃብነቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም። ላዕለዋይ ምክትል ፕረዚደንት ንግዲ መሸጣን ማርኬቲንግ ኩባንያ ቦይንግ ብራድ ማክሙለን ብወገኖም፣ ኣብ መንጎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኩባንያ ቦይንግን ዘሎ ሽርክና 80 ዓመታት ዘቑፀረ ምዃኑ ገሊፆም። ቅድሚ ክልተ ዓመት ነፈርቲ ቦይንግ 777-9 ከምዝኣዘዘ ብምዝኽኻር፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ነፋሪት ብምእዛዝ ኣብ ኣፍሪካ ፈለማይ ምዃኑ ጠቒሶም። ሎሚ መዓልቲ እውን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋርቲ ፅዕነት ቦይንግ 777-8F ብምእዛዝ ፈለማይ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ምዃኑ ገሊፆም። እቲ ስምምዕነት ተወዳዳርነት እቲ መገዲ ኣየር ዘዕብን እናወሰኸ ዝመፀ ድልየት ካርጎ ንምምላእን ዝኽእል ምዃኑ ኣረዲኦም። #ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ዕዳ ኣብ ምንካይን ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕን መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ
Sep 29, 2026 119
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ) ፦ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ዕዳ ኣብ ምንካይን ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕን መዳይ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዘመዝገበ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ካልኣይ ፎረም ፋይናንስ 2026 ኣብ መዘክር ዓድዋ ዓወት ምክያድ ጀሚሩ። ዕውትነት ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ንዓባይ ሃገር፣ ዓብዪ ህዝብን ዓብዪ ትልምን ኢትዮጵያ ከም ዓብዪ መርኣያ ዝጥቀስ እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ከም ዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኩሉመደያዊ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ትገብር ኣላ። ስምምዕነት ምምሕያሽ ዕዳ ብውፅኢታውነት ምዝዛሙ ኣመልኪቶም፤ እቲ ምምሕያሽ ዕዳ ምስቲ ሰፊሕ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ፀቕጢ ፊስካልን ሸርፊን ወፃእን ንምንካይ ዕድል ከም ዝፈጥር ገሊፆም ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፣ ዕቋር ባንክታት፣ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ፣ ሽርክና መንግስትን ውልቀን፣ ፋይናንስ ዲያስፖራን ልምዓት ዕዳጋ ካፒታልን ዘላቒ ዓቕሚ ፋይናንስ እታ ሃገር ከም ዘጠናኽርዎ ኣረዲኦም። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ብግደአን፤ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምቍፅፃር ውፅኢት ከም ዘመዝገበ ገሊፀን። ቅድሚ ሓደ ዓመት እቲ ሪፎርም ልዕሊ 26 ሚእታዊት ዝነበረ ዓመታዊ ማእኸላይ ናህሪ ዋጋ ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ሪፎርም ናብ 16 ሚእታዊት ትሕት ክብል ከም ዝኽኣለ ገሊፀን። እቲ ውፅኢት ብምውዳድ ብዝተፈፀሙ ሪፎርምታት ፖሊሲ ገንዘብን ፊስካልን ዝተረኽበ ምዃኑ ገሊፀን። ኣብ መዳይ ኣቕርቦት ስራሕቲ መስኖ፣ መካናይዜሽን፣ ኣጠቓቕማ መሬትን ሕርሻ ክላስተርን ዕብየት ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ኣቕርቦት ምግቢ ኣመሓይሾም እዮም።   ይኹን እምበር ናህሪ ዋጋ ብዝተላቕነት ንምቍፅፃር ስግኣታት ወፃእን ውሽጥን ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ ምትእጉጓል ሰንሰለት ኣቕርቦት፣ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን መጓዓዝያን፣ ተኣማንነት ፖሊሲ ገንዘብን ዘላቒ ምጥንኻር ፊስካልን ኣብ ቀፃሊ ኣቓልቦ ዝደልዩ ጉዳያት ምዃኖም ኣረዲኤን።
ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ውሳነታት ኢኮኖምን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ዝድህሰሰሉ መድረኽ እዩ
Sep 29, 2026 70
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ውሳነታት ኢኮኖሚ ዝድህሰስሉን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ዕላዊ ዝግበርሉን ኣህጉራዊ ፅልዋ ዘለዎ ጉባኤ እናኾነ ከም ዝመፀ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 2ይ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ 2026 ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ኢኮኖምን ፋይናንስን ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፖሊሲ፣ መመሓየሺታት ሸርፊ ወፃኢ፣ ምንቅስቓስ ባንክታት ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋን ሃገራዊ ሽቶታትን ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም። ኣብ መገልፂኦም እውን ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ ብሃንቀውታ ዝፅበ፣ ዓበይቲ ጉዳያት ኢኮኖምን ፋይናንስን ዝድህሰስሉን ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት ዕላዊ ዝግበርሉን ኣህጉራዊ ፅልዋ ዘለዎ ጉባኤ እናኾነ ከም ዝመፀ ተዛሪቦም። 3ይ ዙር ስትራቴጂ ተበፃሕነት ፋይናንስ ዕላዊ ከም ዝተገበረ ብምሕባር፤ ስርዓት ክፍሊት እታ ሃገር ምስ ኣህጉራዊ ስርዓት ክፍሊት ኣፍሪካ(PAPSS) ናይ ምርኻብ ስራሕ ከም ዝስራሕ እውን ሓቢሮም። ዋና ስራሕ ብሄራዊ ባንኪ ምርግጋዕ ዋጋ ንክዓስል ምግባር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ናህሪ ዋጋ ንምቕናስ ዝሳለጡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም። ምርግጋዕ ዋጋ ምፍጣርን ናህሪ ዋጋ ምቁፅፃርን ሓደ ጉዳይ ምምሕያሽ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ገዛኢ፤ እዚ ውፅኢት ድማ ብዕቤት ኣታዊ ዜጋታት ከምኡ እውን ከም ምግብን ገዛ ክራይን ዝበሉ መሰረታዊ ቀረባት ዋጋ ብምቕናስ እዩ ዝልካዕ ኢሎም። ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ዝተረኸበ ዓወት መመሓየሺ ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት እውን ከም ዝበልዎ፤ ካልኦት ሃገራት ቅብ 10 ዓመታት ዘዐወትኦ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ንምዕዋት እናሰርሐት ከም ዝኾነት ኣረዲኦም። ዋና ዕላማ ብሄራዊ ባንኪ ኣብ መንጎ ኦፍሴላውን ፀሊም ዕዳጋን ዘሎ ኣፈላላይ ብምፅባብ ሓደ ዕዳጋ (Converge) ንክፍጠር ምግባር እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ምስ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ብምትሕብባር ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ቁፅፅር ዝገብር ዝተወደበ ስርዓት እናተዘርገሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብሄራዊ ባንኪ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ንጨረታ ከም ዘቕረበን እዚ ቀረብ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን ኣረጋጊፆም።  
ኣንፈታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገር ኣብ ምህናፅ መሰረታዊ ዓወታት እናምዝገቡ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Sep 29, 2026 81
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ኣንፈታት ልምዓት ኢትዮጵያ ዕቤት ሃገር ኣብ ምህናፅ መሰረታዊ ዓወታት እናምዝገቡ ከም ዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። መበል 2ይ ፎረም ፋይናስ ኢትዮጵያ 2026 ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ፀገማት ብፅንዓትን ብዓወትን ብምሕላው ናይ ምህናፅ ጥታሪኽ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ ዓብይ ምዕራፍ ከም ትርከብ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተገበሩ ጠንካራ ሪፎርማት ቀረብን ምምሕያሽ ኣሰራርሓ ዕዳጋ ሸርፊ ወፃእን ምዕባይ፣ ናህሪ ዋጋ እናቐነሰ ምምፃእ፣ ምዕባይ ንግዲ ወፃእን ኣታዊ መንግሥትን፣ ዕንቅፋታት ኢንቨስትመንት ውልቀ ምፍታሕ፣ ዘበናውነት ፖሊሲ ገንዘብን ደንቢ ዓውዲ ፋይናንስን ኣብ ምጥንኻር ዝጭበጡ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ኣረዲኦም። እዞም ዕዉት መመሓየሺታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ናብ ዓብይ ስግግር ኢኮኖሚ እናመርሕዋ ከም ዝርከቡ እውን ተዛሪቦም። ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ፋይናንስ ክረኽቡ ዝኽእሉ ሓረስቶት፣ ኩባንያ ክፈጥሩ ዝኽእሉ መናእሰይ፣ ልቓሕ ረኺቦም ንግዲ ምስፍሕፋሕ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ስራሕ ከምኡ እውን ናይ ነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት ዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ ምህላዎም ሓቃዊ መልክዕታት እቲ ለውጢ እዮም ኢሎም። ኣንፈ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያክ ኣብ ሓደ ፍፃመ ጥራሕ ዝተሃነፀ ከም ዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣኣብ ትካላት፣ ሕግታት፣ ዕዳጋታት፣ መሰረተ ልምዓታት፣ ዓቕሚ ሰባትን ካብ መዓልታዊ ፖለቲካ ብዝለዓለ መልክዑ ኣብ ጠንካራ ከይዲ ለውጢ ዝተመስረተ ከም ዝኾነ ገሊፆም። ነዚ ድማ መንግሥቲ ዕቤት፣ ቅልጣፈ ለውጥን ዲስፕሊን ኣማክሮ ኢኮኖሚ ምሕላው፣ ሓደጋታት ቀዲምካ ብምግማት ብኣግባቡ ኣብ ምምሕዳር ቆራፅነት ከም ዘለዎ ኣረጋጊፆም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም