ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዎ ልዑል ቁሩብነት ዝተርኣየሉ ኢዩ - ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዎ ልዑል ቁሩብነት ዝተርኣየሉ ኢዩ - ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/16/ 2017 /ኢዜኣ/መበል 20 ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ዜጋታታ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዋ ልዑል ቁሩብነት ዘርአየትሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን፡፡
መበል 20 ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ስራሕ ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ኣኼባ ሰብ ሞያ እንትዛዘም ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ከምዝገለፀኦ፤ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ንማሕለኻታትን ሰናይ ዕድላትን ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ።
መርሃ ግብሪታት ምውፋር ስራሕ ምስ ሃገራዊ ልምዓት ብምውዳድ ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ሓበራዊ ቅዋም ዝተትሓዘሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።
እቲ ጉባኤ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ማሕበራዊ ሓለዋን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ምስ ዝዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ብምወሃድ ኣብ ዘኽእሉ ሜላታት ብምጥማት ትኹረት ምግባሩ ኣረዲአን።
ቀፃሊ ዕድል እታ ኣህጉር ዝውስኑ ኩለመዳይ ዕድላት ኢኮኖሚ ኣብ ዘባብዑ ፖሊሲታት ዓሚቕ ዘተ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪበን።
ካብዚ ብተወሳኺ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ መንግስታት፣ ኤጀንሲታት ልምዓት፣ ሲቪል ማሕበራትን ዘፈር ውልቀን ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘድሊ ከምዝተሓበረ ኣመልኪተን።
ዳይሬክተር ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ፋንፋን ሩዋንዪንዶ ካዪራንጉዋ ብግደኦም ኢትዮጵያ ዕዉት ጉባኤ ከምዘካየደት ብምሕባር፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተገበሩ ዝሐሸ ተሳተፍቲ ዝተረኸቡሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ 30 ሚኒስትራት፣ ክልተ ሺሕ ተሳተፍቲን 50 ሃገራትን ዝተረኸቡሉ ኢዩ ኢሎም።