ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ክፃወር ዝኽእል ቁጠባ ንምህናፅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብስራሕቲ ተፋሰስ ክድገፍ ይግባእ-ሚኒስቴር ግብርና

2036

ኣዲስ ኣበባ ፣ጥሪ 15፣2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ክፃወር ዝኽእል ቁጠባ ንምህናፅ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብስራሕቲ ተፋሰስ ክድገፍ ከምዘለዎ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ግብርና ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ኣብ ክልል ደቡብ ልምዓት ተፋሰስ ኣጀሚሮም።
ሒዝናዮ ኣብ ዘለና በጀት ዓመት ካብ 1 ነጥቢ 5 ሚልየን ሄክታር መሬት ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ክሳለጡ እዮም ኢሎም።
ዝተጀመሩ ስራሕትታት ልምዓት ንምርግጋፅ ንሓመድ ኣብ ሕርሻ ናይ ምፅናሕ መትከል ብዝስዕብ መልክዑ ሕብረተሰብ በዓል ዋና ተፋሰስ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ብወገኖም፤ ምህርቲ ግብርና ንምስሳን ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም