ሳይንስን ቴክኖሎጅን - ኢዜአ ትግርኛ
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ
Sep 15, 2026 1012
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ኢትዮጵያ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ሄኖክ ታደሰ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ቀረባ እዋን ንጥፈታት ስራሕ ሚሊኒየም ሜዲካል ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ምዕዛቦም ይዝከር። ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣኩቴክ (ACCU-TECH) ዲያግኖስቲክ ላቦራቶሪ ዓውዲ ጥዕና እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሸጋገርን ነቲ ዓውዲ ፍሉይ መለለዪ ዓቕምን እዩ። እቲ ዘመናዊ ላቦራቶሪ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ናሙናታት ብምቕባል ንዝተወሰነ እዋን ሳንፕላት ብጥንቃቐ ምፅናሕ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ዋና ዳይሬክተር ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ሄኖክ ታደሰ ንኢዜኣ ከምዝሓበሩዎ፣ ስያሜኡ "ኣኩ" ትኽክለኛነትን "ቴክ" ድማ ቴክኖሎጂን ዝወክል እንትኸውን፣ ዝጥቀመሎም ዘመናውያን ቴክኖሎጂታት ውፅኢታት ምርመራ ፅርየት ኽህልዎም ዘኽእሉ እዮም። እዚ ዓለምለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወ ዘመናዊ ላቦራቶሪ ናብ ወፃኢ ሃገር ተልኢኾም ዝስርሑ ዝነበሩ ውፅኢታት ምርመራ ኣብ ምትርፍ መዳይ ዓቢይ ተራ ከምዝፃወት እውን ገሊፆም። ሚሊኒየም ሕክምና ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ሪቲና ፋርማሲዩቲካል ብምትሕብባር ዝተጣየሽዊ እቲ ላቦራቶሪ ኣብ ኢትዮጵያ ፈለማይ ሙሉእ ንሙሉእ ኣውቶሜትድ ዝኾነ እዩ ኢሎም፡።
ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዓብይ እጃም ከበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Sep 12, 2026 959
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ቁልፊ እጃም ከም ዘበርክ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ ኔው ዴልሂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መደረ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደርኦም፤ ዓለም ለኸ ቅልውላዋት ዘስዕብዎ ጉድኣት ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራ ከይተገደቡ ተደራራቢ ምትእጉጓል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም። ሃገራት ቅልውላዋት ቅድሚ ምፍጣሮም ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ክሃንፃ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ፈተና ምፅዋር ዘኽእሉ ስርዓታት እናሃነፀት ከም ትርከብ ኣረዲኦም። መንግሥቲ ኣብ ውሕስና ምግቢ ብዘሳለጦ ስራሕ ኢትዮጵያ ካብ ፅግዕተኛነት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ምውፃእ ክኢላ እያ ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ነቲ ዝተሓሰበ ማዕቐፍ ልውውጥ ዝራእቲ ብሪክስ (BRICS Grain Exchange) ከም ኣፍራይትን ኣቕራቢትን ንምስታ ድልውቲ ከም ዝኾነት ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ንምፅዋር ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር እናዕበየት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ መፍረይቲ ፋርማሲዩቲካልን መድሓኒትን እናስፋሕፍሐት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ስርዓታት ክፍሊትን ልውውጥ ሓበሬታን ብሰፊሑ እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም። ሓበሬታታት ድሕንነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ብኣግባብ ሕጊ ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ነዚ ለውጢ ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽሮ ፀሪሖም። ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንምምራሕ ዓቕሚ ምርምር፣ ኮምፒውቲንግ፣ ክእለትን ትካላትን ከም ዘድልያ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ትሃንፆ ዘላ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር እውን ኣፍሪካ ዝወጠነቶ ሽቶ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዝውክል ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ምስ ትካላት ብሪክስ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከም ዘለዋ እውን ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ንሰባት ማእኸል ዝገበረ ምምሕዳር ሰብ ስራሕ ብልሒ ክድገፍ ከም ዘለዎን ፅቡቕ ምም ምስ ብቕዓት ምጥዕዓም ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።
ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር እዩ
Sep 10, 2026 891
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ)፦ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ ቨርስ) ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ 50 ሚልዮን ምብፅሑ 'ውን ተዛሪቦም። እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መዓልቲ ፅባሕ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ መለለዪ መንነት ፋይዳ “ሓደ ሰብ ሓደ እዩ” ብዝብል መሪሕ ስራሕቲ ምምዝጋብን ምርግጋፃን ዲጂታል መንነት እናተሳለጠ እዩ ኢሎም፡፡ እዙይ 'ውን ገበን ንምክልኻል፣ ኣገልግሎታት ብዲጂታል ብምትእስሳር ንምቅልጣፍን ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ፣ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘተኣማምን ምትእስሳር ንምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም። ፋይዳ ምስ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ምትእስሳር ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ክሳብ ሐዚ 150 ትካላት መንግስቲ፣ ውልቀ፣ ስታርታፕን ካልኦትን ብፋይዳ ምትእስሳር ምግባሮም ገሊፆም። ብኣገልግሎት ሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ 200 ሚልዮን ንላዕሊ መንነት ናይ ምርጋፅ ተግባራት ከም ዝተኻየዱ ጠቒሶም። ኣገልግሎት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ የምፅኦ ብዘሎ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ልዑል ትኹረት ከም ዝረኸበ ኣረዲኦም። እዙይ ድማ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ተመክሮታት ኢትዮጵያ ክቐስሙን ብምትሕብባር ንምስራሕ ካብ ድልየት ሃሊፉ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ህንፀት ዓቕምን፣ ምኽሪን ዲጂታል ስርዓት ኣብ ምህናፅን ብዙሓት ሃገራት ሓገዝ ንምርካብ ድልየት ከም ዘርኣያ ገሊጾም። ድልየት ካብ ዘርኣያ ሃገራት ምስ ዝተወሰና ስምምዕነት ተፈራሪመን ናብ ትግበራ ፕሮጀክት ፈተነ ንምስጋር ዝተዳለዋ ሃገራት ከም ዘለዋ ኣመላኺም። በዙይ እውን ቴክኖሎጂ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብፈተነ ደረጃ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ተግባራዊ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ 'ውን ኣብ ሓህጉራዊ ኢኒሼቲቫት ትግበራ ኣርኣያነት ዘለዎ ڕۆላ ክትህነፅ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Sep 10, 2026 849
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ) ፅባሕ ዝውሰን በቲ ሎሚ ንሰርሖ ስራሕ እዩ! ዓወትና ናይ ፅባሕ ድማ ብፃዕርና ናይ ሎሚ ይቐረጽ። ካብ ጽባሕ ትማሊ ጽቡቓት ተሞክሮታት ብምውሳድ፣ ንሎሚ ብትኽክል ብምግምጋምን ብምርዳእን፣ ራእይ ናይ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ምህናጽ፣ ጽኑዕ እምነትን መለለዪ ባህርን መንግስትና እዩ። ፍልጠት ወለዶታትና ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር፣ ንጽባሕ ንምቕባል ምድላው፣ ካብዚ ወለዶ ዝጽበ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ ኢሉ መንግስቲ ብጽኑዕ ይኣምን። ስለዚ እዩ ዲጂታላይዜሽን ከም ኣክኣሊ መሳርሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ሓደ ክፍሊ ኢኮኖሚ እውን ብምውሳድ፣ ዓቢይ ትኹረት ተዋሂብዎ እየ ዝስራሕ ዘሎ። ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ወለዶ ዕዳ ዘይኮነስ ፀጋ እያ እተውርስ። ንዝሓተቶ ጉዳይ እዋኑ ከሎ ምላሽ ክትህብ ዘይምኽኣል ግን ዕዳ ወለዶ እዩ።ስለዚ እዩ ሃገርና ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ እናመገበት እተምህሮም ዘላ፤ ስለዚ እዩ ንሚልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብነጻ ስልጠና ኮዲንግ (Coding) እናሰልጠነት እተኽእሎም ዘላ፤ ስለዚ እዩ እውን ናይ መጀመርታ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎን (Artificial Intelligence) እናተመስረተት ዘላ። ጽባሕ ብዘይ ፍልጠት ቴክኖሎጂ፣ ጽባሕ ብዘይ ሳይበር ድሕንነት፣ ጽባሕ ብዘይ ሉዓላውነት ሓበሬታ፣ ሓደጋ ህልውና ክኸውን ከምዝኽእል መንግስትና ይግንዘብ፤ ነቲ ወለዶ እውን ነዚ ንምምካት ይዳለው ኣሎ። ንዘመናት ድሑር ኢኮኖሚያዊ ዘርፊ ተባሂሉ ዝጸንሐ ሕርሻ፣ ጽባሕ ብዘይ ቴክኖሎጂ ህልውናኡ ኣብ ሓደጋ እዩ። ንተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ዲጂታላይዜሽን ወሳኒ እዩ። ኣገልግሎታት መንግስቲ ብጽሬትን ብቕልጡፍን ንዜጋታት ተበጻሒ ንምግባር፣ እቶም ካብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝመጹ ኣሰራርሓታት ኣይኮነን ንጽባሕ፣ ሎሚ እውን ዘዋፅኡ ኣይኮኑን። ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተወዳደርትን ስራሕ ፈጠርትን መንእሰያት ንምፍራይ፣ ዲጂታላዊ ክእለት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኢትዮጵያ ንኹሎም እዞም ጉዳያት ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ስለዘላ እዩ “ኢትዮጵያ ጽባሕኣ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ” እንብል። መዓልቲ ጳጉሜን ሓምሸይቲ መዓልቲ ጽባሕ ብምባል እነብዕላ እውን፣ ዝመጽእ ዘመን ተወዳዳርነት ቴክኖሎጂ ዝሓትት፣ ኣብ ትንተና ሓበሬታ ዝተመስረተ ውሳነ ዝውሰነሉ፣ ካብ ሕርሻ ክሳብ ምርምር ሳይንስ ህዋ ብዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ዝድገፍ ዘመን ኣብ ዋዜማኡ ስለዘለና፣ ነዚ ዘመን ዝምጥን ወለዶ ንምፍራይ እንሰርሕ ምዃንና ንምግንዛብ እዩ። ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ጽባሕ” ብዝብል ስያመ ምኽባሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ንምህናጽ ኢትዮጵያ ናይ ጽባሕን ንሉዓላውነታ ንምኽባርን ወሳኒ ምዃኑ፣ ሃገርና ድማ ናብ ምዕራፍ ስግግር ዲጂታላይዜሽን እናኣተወት ከምዘላ ንምብሳር እዩ። 5 ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣዲስ ኣበባ
ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 10, 2026 420
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018(ኢዜኣ) ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ን5 ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ ብዝምልት ካብ ወረቐት ናብ ዲጂታል፣ ካብ ተጠቃምነት ናብ ፈጣሪነት ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ኢሎም። ንግድን ኣገልግሎትን የቀላጥፍ፣ ሓበሬታታት ተበፃሒ ይገብር፣ ንዓውድታት እውን የማዕብል ክብሉ እውን ሓቢሮም። ጎስጓስ ኮደራት 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያ መናእሰይ ፈጠርቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምግባር ናብ 7 ሚልዮን ሽቶና እናምረሐ እንትኸውን ተበፃሕነትን ፅሬትን ዲጂታል ኣገልግሎት ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም። ብሃገር ቦቆል ዓቕሚ ዝማዕበለ ናይ ሳይበር ሉኣላዊነትና ድማ ካብ ፅግዕተኛነት ዘይንቆፃፀሮም ቴክኖሎጂታት ብምልቓቕ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጠጠው እትብል ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነት ዘበስር እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና
Sep 9, 2026 442
ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 4 /2018 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ባይታ ምፍጣር ዘኽእል ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ካልኦት ትካላት ፌደራል ብምትሕብባር ፅባሕ ጳጉሜን 5 መዓልቲ 2018 ዓ.ም ዝኽበር " ናይ ፅባሕ መዓልቲ" ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ መዓልትታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ ስያመታት የኽብር ኣሎ። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር በዲጂታል ኢኮኖሚ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ተግባራት ዘርእይ መዓልቲ ፅባሕ ክኸብር እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ብምቕራፅ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅ ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት ምዃና ገሊፆም። ብዓቕሚ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝጎልበተ፣ ንዘመኑ ዝምጥን ሲቪል ሰርቪስ ብምህናፅ፣ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ኣገልግሎት መንግስቲ ብምሃብ እንታይ ዓይነት ፅባሕ ንህነፅ ኣብ ዝብል መሰረት ነንብር ኣለና ኢሎም። ፅባሕ ማለት መናእሰይ ዝርከብዋ ኢትዮጵያ ማለት እያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ነዚ ወለዶ ባይታ ሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ምፍጣር ዘኽእል ፅባሕ ንምህናፅ ምዃኒ ሓቢሮም። ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋን ሓሳብን ዝፍጠረሉ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንህዝብና ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ክንፍፅም ይግባእ ኢሎም። እቲ ሓዱሽ ዓመት ፈተናታት ሓሊፍና ዕዉት ሰላምን ልምዓትን ንመዝግበሉ ክኸውን ተመንዮም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ እዩ
Sep 9, 2026 256
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ፣ ሳይበርን ደሕንነት ሓበሬታን ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ ምዃኑ በዓል መዚ በይነ-መንግሰታዊ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ገሊፁ። ዳይሬክተር ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ኢጋድ ሙሂየልዲን ኣልቶሃሚ ጠሃ (ዶ/ር) ንኢዜአ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ብልሕን ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዘኻዕበተቶ ተመክሮ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝሓሸ ትምህርቲ ዝህብ እዩ። ኣብ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ደሕንነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ዓውድታት ሳይበር ደሕንነት፣ ሓለዋ ዳታን ሰብ ስራሕ ብልሕን ዝተኻየዱ ተግባራት ንስግግር ፍልጠት እዚ ዞባ ልዑል ጥቕሚ ከም ዘለዎም ምርዳኦም ተዛሪቦም። ኢጋድ ኣብዚ እዋን የዳልዎ ዘሎ ማዕቐፍ ሰብ ስራሕ ብልሒ ናይተን ኣባል ሃገራት ፖሊሲ እቲ ዓውዲ፣ ሓለዋ መረዳእታን ስነ ምግባር ኣጠቃቕማን፣ ትካላዊ ዓቕሚ፣ ኣብ ልምዓትን ፍልጠትን ሓይሊ ሰብን ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ክፍተት ዓቅሚ ንምምላእን ዞባዊ ምዕባለ ንምፍጣንን ከም ኢትዮጵያ ዝሓሸ ዓቕሚ ካብ ዘለወንን ውፅኢታዊ ተግባር የካይዳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ልምድን ተመክሮን ክወስዳ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቦም። ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ሰላምን ደሕንነትን ዝካየዱ ተግባርት ልምዓት ንምሕጋዝ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።
ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒ ምስ ብሄራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ኣባላት ሃገራት ዝተጠዓዓመ ዞባዊ ስርዓት ቁፅፅር ምዝርጋሕ የድሊ—ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)
Sep 4, 2026 1005
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሐሴ 29/2018 (ኢዜአ)፦ ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒን ሉኣላውነት ሓበሬታን ንምርግጋፅ ምስ ብሄራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ኣባላት ሃገራት ዝተጠዓዓመ ዞባዊ ስርዓት ቁፅፅር ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም። ካብ ሎሚ 29 ነሐሴ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕን ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድን መዳረግቲ ኣካላትን ዝተሳተፉሉ፣ ስትራቴጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ እቲ ዞባ ብሓባር ንምቕራፅ ዝዓለመ ዓውደ መፅናዕቲ ምካይድ ጀሚሩ። ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ቅልጡፍ ዕብየት ሰብ ስራሕ ኢኮኖሚ ዓለም፣ መንግስታትን ዓቕሚ ሰብ እናቐረፀ ይርከብ፡፡ ሰብ ስራሕ ብልሕን ዓውዲ ዲጂታልን ዞባዊ ውህደት ኢኮኖሚ ብምቅልጣፍ ንማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕብየት ወሳኒ ሓይሊ ምዃኖም ገሊፆም፡። ኣባል ሃገራት በዓል መዚ በይነ-መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) እውን ኣማራፂታት ሰብ ስራሕ ብልሒ ብኣግባቡ ብምጥቃም ውህደት ኢኮኖሚ ከፋጥኑ ከም ዘለዎም ተዛሪቦም። ነዙይ እውን ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒን ሉኣላውነት ሓበሬታን ንምርግጋፅ ምስ ብሄራዊ ማዕቐፋት ሕጊ ኣባላት ሃገራት ዝተጠዓዓመ ዞባዊ ስርዓት ቁፅፅር ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል ብምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምስፍሕፋሕን ጭቡጥ ውፅኢታት ተረኺቦም እዮም-ዋና ፈፃሚት ስራሕ ፍሬህይወት ታምሩ
Sep 3, 2026 739
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 28/2018 (ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል ብምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምስፍሕፋሕን ጭቡጥ ውፅኢታት ከም ዝተረኸቡ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን። ኢትዮ ቴሌኮም ኣካል ስትራቴጂካዊ ትልሚ ክልተ ዓመት”ቀፃሊ ኣድማስ” ዝኾነ ትልሚ ካልኣይ ዓመቱ በጀት ዓመት 2019 ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዘመዝገቦ ዓወት ብምአባይ ኣብ 2019 ዓ/ም እውን ቁፅሪ ዓማዊሉ ንምዐባይ፣ኣታዊኡ ንምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ንምስፍሕፋሕን ዝተፈላለዩ ሽቶታት ከም ዝተለመ ኣፍሊጠን። ኣብ በጀት ዓመት 2019 መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ብዝበለፀ ንምምዕባል ተበፃሕነት ኔትዎርክ 5 ጂን 4ጂን ንምዕባይ ከም ዝተለመ ሓቢረን። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል ብምዕባይን ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምስፍሕፋሕን ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ እውን ተዛሪበን። ኣብ በጀት ዓመት 2019 ንዲጂታል ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብዝበለፀ ዘንቀሳቕሱ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታትን ኣገልግሎታትን ተግባራዊ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ 295 ቢልዮን ብር ንምርካብ ከም ዝተተለመ ኣረዲአን። እቶም ዘቐመም ሽቶታትን ትልምታትን ንምዕዋት ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ምሕዝነት ከም ዘጠናኽርን ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕን ኣገንዚበን።
መንግስቲ መደመር ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምቅልጣፍ ቴክኖሎጂ ከም ቁልፊ መሳርሒ ብምጥቃም ዓበይቲ ለውጥታት እናምፅአ እዩ ዝርከብ
Aug 26, 2026 805
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 20/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ መደመር ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምቅልጣፍ ቴክኖሎጂ ከም ቁልፊ መሳርሒ ብምጥቃም ዓበይቲ ለውጥታት እናምፅአ ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት መሶብ ፌዴሪኢ ዮናስ ኣለማዮሁ ገሊፆም። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምንግልታዕ ዜጋታት ኣብ ምቕናስን ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣብ ምምዕባልን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ እዩ ዝርከብ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት መሶብ ፌዴሪኢ ዮናስ ኣለማዮሁ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምቕያርን ምምሕያሽን ዘድልዮ ዓብይ ክፍተት ስለዝኾነ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ክጣየሽ ክኢሉ እዩ። እቶም ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ተበታቲኖም ዝርከቡ ኣገልግሎታት መንግስቲ ናብ ሓደ ማእኸል ብምምፀእ ስሉጥን ውፅኢታውን ኣገልግሎት እናሃበ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም። ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 110 ማእኸላት ከም ዝበፅሐን ክሳብ ሕዚ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ተገልገልቲ ኣገልግሎት ከም ዝሃበን ኣረዲኦም። ብኣካል ናብቲ ማእኸል ምምፃእ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር እውን ኣገልግሎት ሞባይን ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎትን ከም ዝጀመረ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ብብርኪ ፌዴራል ክልተ ብብርኪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሓደ ብሓፈሻ ሰለስተ ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት መሶብ ከም ዝጀመሩ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ኦንላይን ኣገልግሎታትን ሞዳሊቲታት ኣፕሊኬሽንን ብምጥቃም ኣገልግሎት እናቕረቡ እዮም ዝርከቡ ኢሎም።
ዘተኣማምን ምህዳር ድሕንነት ሳይበር ንምህናፅ ወሳኒ ዝኾነ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ
Aug 11, 2026 1617
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ምህዳር ድሕንነት ሳይበር ንምህናፅ ወሳኒ ዝኾነ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሂሚድ ገሊፆም። 5ይ ዙር መርሃ ግብሪ ስልጠና ሰገናት ብሄራዊ ታለንት ሰመር ካምፕ ሳይበር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ መርሃ ግብሪ ብምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዝዳለው እንትኸውን፤ ኣብ ዓውድታት ድሕንነትን ቴክኖሎጂታትን ሳይበር ድሌት ዘለዎም ሰገናትን መናእሰይን ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ። ድሕንነት ሳይበር፣ ልምዓት ሶፍትዌር፣ ኮዲንግ፣ ኣቪዬሽን፣ ቴክኖሎጂ ኤሮ ስፔስን ሰብ ስራሕ ብልሕን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተኻተቱ ዓውድታት እዮም። ምድላው ዲዛይናት ሃርድ ዌርን ሴኪዩሪትን እውን ካሊእ ማእኸል ትኹረት እቲ መርሃ ግብሪ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሂሚድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ዲጂታል ስግግር ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ንምግባር ምርግጋፅ ድሕንነት ሳይበር ወሳኒ እዩ። ነዚ ድማ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣድላይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ምምሕዳር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ ኢለን። መርሃ ግብሪ ስልጠና ካምፕ ሰመር ኣካል እዚ እዩ ዝበላ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ እቲ መርሃ ግብሪ ተስፋ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተተካእቲ ወለዶ ኣብ ምፍራይ ዓብይ ብፅሒት ከም ዘለዎ ተዛሪበን። እቲ ስልጠና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተጀመረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ባህር ዳር፣ጅማ ፣ወላይታ ሶዶን ሃረማያን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ምምሕዳር እናተውሃበ ከም ዝርከብ ኣረዲአን። ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣስራት ኣፀደወይን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዓቕሚ ቴክኖሊጂኣ ዝተሃነፀ ሃገር ዝርከብ ወለዶ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዝጀመሮ ተተካእቲ ወለዶ ናይ ምፍራይ ስራሕ ዝነኣድ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕዉትነት እቲ መርሃ ግብሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም ከም ዝዋፃእ ኣረጋጊፆም።
መናእሰይ ምስ ዕቤት ቴክኖሎጂ እዚ ዘበን ማዕረ ክጎዓዙ ኣለዎም-ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ
Aug 10, 2026 1174
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4 /2018(ኢዜኣ) መናእሰይ ምስ ቴክኖሎጂ እዚ ዘበን ማዕረ ብምጉዓዝ ዓርሶም ብክእለት ብቑዓት ንክገብሩ ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ ፃውዒት ኣቕሪባ። ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝቐረበ መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኮደርስ ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንክጽምበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕን ዝተገበረ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ብኣዳላውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዙርያ እቲ ኢንሼቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል፤ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ልምዶምን ኣረኣእይኦምን ዘካፈሉ 4 ሰብ ሞያ ተሳቲፎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ታሪኾምን ልምዶምን ካብ ዘካፈሉ ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ቤተልሄም ደሴ፤ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ተሳትፎ ቅድሚ 17 ዓመት ገና ሰገን ኣብ ዝነበረትሉን ኣማራፅታት ዲጂታል ኣብ ዘይነበረሉን ከም ዝጀመረት ኣረዲኣ። ዝሓለፈ እዋን ምስ ሕዚ ብምንፅፃር ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቴክኖሎጂ ብሰፊሑ ተበጻሒ ስለዝኾነ መናእሰይ እዚ ዘበን ሕልሞም ምዕዋት ዘኽእል ምችው መንገዲ ከም ዘለዎም ሓቢራ። ዋላ ኳ እዚ ዓብይ ዕድል እንተሃለወ ዓወት ግና ቅልጡፍ ስጉምቲ ከም ዝሓትት ዝገለፀት መንእሰይ ቤተልሄም፤ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተፀባዪ ካብ ምዃን መራሕቲ ለውጢ ንክኾኑ ከምኡ እውን ምስ ዕቤት ቴክኖሎጂ ማዕረ ንምጉዓዝ ዓርሶም ብኽእለት ንከብቅዑ ፃውዒታ ኣመሓላሊፋ።
መናእሰይ ንዲጂታል ክእለት ተበግሶን ፃዕርን ብምግባር ዓበይቲ ፀገማት ምፍታሕ ይኽእሉ እዮም-ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ማህሌት ስዩም
Aug 10, 2026 1137
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4/ 2018(ኢዜኣ) መናእሰይ ንዲጂታል ክእለት ተበግሶን ፃዕርን ብምግባር ዓበይቲ ፀገማት ምፍታሕ ከም ዝኽእሉ ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ማህሌት ስዩም ገሊፃ። ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝቐረበ መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኮደርስ ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንክጽምበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕን ዝተገበረ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ብኣዳላውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዙርያ እቲ ኢንሼቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ። ተመራቒት ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያንን ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጅን ማህሌት ስዩም ኣብቲ ዘተ ፓነል ኣብ ዝሃበቶ ርኢቶ፤ ፕሮግራሚንግ ንምፍላጥ ኮምፒውተር ሳይንስ ወይ ድማ ፍሉይ ዓውዲ ትምህርቲ ግድን ከም ዘየድሊ ሓቢራ። እኳድኣስ ሰባት ኣብ ኢዶም ዘለዉ ሓበሬታታት ኢንተርኔትን ቴክኖሎጅን ብምጥቃም ከምኡ እውን ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ከባቢኦም ብምትንታን ተግባራዊ መፍትሒ ከምፅኡ ከም ዝኽእሉ ኣብራህሪሃ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዲጂታል ናውቲ ትምህርትን ኣማራፅታት መምሃርን ብቐሊሉ ኣብ ኢድና ከም ዝርከቡ ብምግላፅ፤ መናእሰይ ንዲጂታል ክእለት ተበግሶን ፃዕርን ብምግባር ዓበይቲ ፀገማት ምፍታሕ ከም ዝኽእሉ እውን ተዛሪባ። ስለዝኾነ ድማ መናእሰይ ኩሉ ግዜ ፍልጦም ክሕድሱ፣ሓፀርቲ ስልጠናታት ክወስዱ ከምኡ እውን ዓርሶም ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ከብቅዑ ይግባእ ኢላ።
ኢንሼቲቭ ኮደራት 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንዕቤት ቴክኖሎጂ መናእሰይ ጠንካራ መሰረት ኣንቢሩ እዩ
Aug 10, 2026 792
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 4 /2018(ኢዜኣ) ኢንሼቲቭ ኮደራት 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንዕቤት ቴክኖሎጂ መናእሰይ ጠንካራ መሰረት ከም ዘንበረ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝቐረበ መናእሰይ ኢትዮጵያ ናብ ኮደርስ ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንክጽምበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቁፅሪ ተሳተፍቲ ናብ 7 ሚልዮን ንምብፃሕን ዝተገበረ ሃገራዊ ፃውዒት ስዒቡ ብኣዳላውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዙርያ እቲ ኢንሼቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል፤ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ልምዶምን ኣረኣእይኦምን ዘካፈሉ 4 ሰብ ሞያ ተሳቲፎም። ኣዝመራው ታደሰ ተመራቒ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ፓናሊስት መርሃ ግብሪ ልምምድ ልምዲ ኮደራት ኢንሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን እዩ። ኣዝመራው ናብዚ ኢንሼቲቭ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመታት ፃንሒት ዩኒቨርሲቲኡ እዩ ተሓዊሱ። ኮድ ምግባር ምምሃር ዝጀመረሉ ፃዕሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ኮደራት ዘራኽብ ድሕረ ገፅ ዘማዕበለ እንትኸውን፤ ሎሚ ድማ መማዕበሊ ድሕረ ገፅ ፉል ስታክ ከም ዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ንመናእሰይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ ኣብ ሰርቲፊኬት ጥራሕ ኣይተብቅዑ፣ዝተምሃርኩሞ ኣብ ተግባር ኣውዕልዎ ድሕሪኡ ኣብ ዝኾነ እዋን ምልምማድ ቀፅልሉ፤ ዕቤት ዝመፅእ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋርን ግድን እዩ
Aug 10, 2026 301
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋር ግድን ከም ዝኾነን ንተግባራውነቱን ዘመናዊ ኣፈፃፅምኡን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከምዘድሊን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መናእሰይ ኢትዮጵያ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ክፅንበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምዛዛሙ ቁፅሪ ተሳተፍቲ 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ሃገራዊ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ስዒቡ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዳላውነት ኣብ ዙሪያ እቲ ኢኒሸቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ እዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር፣ ዝልዓሉ ዲጂታል መድረኻት ምህናፅን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምስግጋር ግድን ከም ዝኾነን ንተግባራውነቱን ዘመናዊ ኣፈፃፅምኡን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡ ዓቕሚ ሰባት ምዕባይ፣ ኣሳታፊ ዲጂታል ምህዳር ምፍጣር፣ ተበፃሕነት ምስፋሕን ሃገር ማእኸል ዲጂታል ምግባርን ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ዕላማታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሕድሕድ ብቴክኖሎጂ ዝመዝገብ ዓወት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ዓቕሚ ሰብ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ኣብሪሆም። እዚ ዓቕሚ ናብ ተግባር ንምቕያር ድማ መንእሰያት ኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውዲ ክእለቶም ብንቕሓት ከዕብዩን ንዝለዓለ ውፅኢታውነት ክጠናኸሩ ከምዘለዎምን ገሊፆም።
ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታል ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዓብዪ ተራ ይፃወት ኣሎ
Aug 10, 2026 134
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታል ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዓብዪ ተራ ይፃወት ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መናእሰይ ኢትዮጵያ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ክፅንበሩን እዋን ክረምቲ ቅድሚ ምዛዛሙ ቁፅሪ ተሳተፍቲ 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ሃገራዊ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ስዒቡ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዳላውነት ኣብ ዙሪያ እቲ ኢኒሸቲቭ መርሃ ግብሪ ልውውጥ ልምዲ ተኻይዱ። እቲ መርሃ ግብሪ መራሕቲ እቲ ዓወድን መውፃእቲ ፖሊሲን፣ ምስክር ወረቐት ዘለዎም ናይቲ ኢኒሸቲቭ ተመረቕቲ መንእሰያትን ሰብ ሙያታትን ኣብ ሓደ ቦታ ዘራኸበ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ተሳተፍቲ ልምዶምን ምልከታኦምንን ኣብቲ መድረኽ ንኸካፍሉ ዕድል ብምፍጣርመ እቲ መርሃ ግብሪ ብልምዓት ተግባራዊ ዲጂታላዊ ክእለት ኣቢሉ ንዕብየት ኣጀንዳ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ኣጀንዳ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከተ ኣመላኺቱ። እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ብዘተኮረ ዑደት ኤግዚቢሽን ዝተጀመረ እንትኸውን፡ ብምቕፃል እውን ብሓላፊት ፕረስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ናይ መኽፈቲ መደረ ተገይሩ እዩ። እተን ሓላፊት ኣብ መደረአን ብቕዓት ቴክኒካውን ዲጂታላውን ክእለት መናእሰይ ወሳኒ ሃገራዊ ሃፍቲ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ኣብዚ ክረምቲ ቁፅሪ ኮደራት 7 ሚልዮን ንምብፃሕ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝቐረበ ፃውዒት ተግባራውነቱ ኣረጋጊፀን። ብምቕፃል ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ፓነል ኣብ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ልምዶምን ርኢቶኦምን ዘካፈሉ ኣርባዕተ ሰብ ሙያታት ተሳቲፎም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብዮት ባዩ (ዶ/ር) ፣ዋና ፈፃሚት ስራሕ ጊሮ (gheero) ቤተልሔም ደሴ፣ ከምኡ እውን ናይቲ ኢኒሸቲቭ ምሩቓት ዝኾኑ ኣዝመራው ታደሰን ፈጣሪት ስራሕ ቴክኖሎጂ ማህሌት ስዩምን ዝተሳተፉ ሰብ ሙያታት እዮም። ተሳተፍቲን መንእሰያትን ክእለቶም ብዘይቋረፅ ንኸዕብዩ፣ ኣብ ተግባር ዝተኮሩ መፍትሒታት ንኸልምዑን ኣብ ዕብየትን ፈጠራን ዲጂታል ስነ-ምህዳር ኢትዮጵያ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽፃወቱን ናይቲ ዘተ ተሳተፍቲ ኣተባቢዖም። መንእሰያት ተሳተፍቲ ምስ ዲጂታል ክእለት ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ንፓነሊስትታት ኣቕሪቦም ምላሽ ዝረኸቡ እንተኾኑ፣ ሓፈሻዊ እቲ መርሃ ግብሪ ግልፂ ዘተን ልውውጥ ልምዲን ዝተገበረሉ እዩ። እቲ ልውውጥ ልምዲ ኢኒሸቲቭ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኮደራት ዲጂታላዊ ክእለት ንምዕባይን ሃገራዊ ለውጢ ንምፍጣንን ዘለዎ ዓብዪ ተራ ደጊሙ ዘረጋገፀ ምዃኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ቤት ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ዲጂታል ሉኣላዊነታ ዘረጋግፅ ቆራፅ ስጉምቲ እናወሰደት እያ ትርከብ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Aug 4, 2026 751
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዲጂታል ሉኣላዊነታ ዘረጋግፅ ቆራፅ ስጉምቲ እናወሰደት ከም ዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት(ፋይዳ) ከም ኣካል ትካል ልምዓት መንግስቲ ዳግማይ ብምጥያሽ “ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ ኢንተርፕራይዝ” ብዝብል ስያመ ኣብ ትሕቲ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ተኻቲቱ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ “ፋይዳቨርስ” ዕላዊ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስራሕ ተኻይዱ። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ምጅማር ስራሕ"ፋይዳቨርስ" ኢትዮጵያ ንዲጂታል ሉኣላዊነታ ዝሃበቶ ቆራፅነት ዘርኢ ታሪኻዊ ስጉምቲ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት(ፋይዳ) ንዲጂታል ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዓንዲ ሑቐ ኮይኑ ከም ዝተሃነፀ ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ከባቢ 50 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ከም ዝተመዝገቡ እውን ተዛሪቦም። ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ) ከም ትካል ልምዓት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ "ፋይዳቨርስ" ብዝብል ስያመ ዳግማይ ከም ዝተጣየሸ ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ብ6 ሚኢታዊ ንከዕብን ብቢልዮናት ዝልካዕ ቀጥታ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንከምፅእን ዓብይ ተስፋ ከም ዝተገበረሉ ኣረዲኦም። እቲ ኣገልግሎት ካብቲ ነባር መተግበሪ Fayda ID ብዝተሓመየሸ መልክዑ ብኣፕሊኬሽን FaydaPassን ካልኦት ዘበናዊ ዲጂታል ፍርያታትን ዝቐረበ ስለዝኾነ ተበፃሕነትን ዓቕምን እቲ ኣገልግሎት ኣዝዩ ከም ዘዕብዮ ተዛሪቦም። ዳታ ኣብ ዘበንና ቀንዲ ዓምዲ ኢኮኖምን ሉኣላዊነትን ስለዝኾነ ድሕንነት ሃገራዊ ሓበሬታታት ንምርግጋፅ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ድሕንነት ሳይበርን ፖሊሲታት ጠንካራ ምምሕዳር ዳታን ብተኸታታሊ ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ኢሎም። ብመሰረት ስትራቴጂ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030” ልምዲ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም። "ፋይዳቨርስ" ናብ ትካል ልምዓት መንግስቲ ምሕዋሱ እውን ዲጂታል መንነት ልክዕ ከም መንገዲ፣ ሓይልን ቴሌኮሙኒኬሽንን ወሳኒ ስትራቴጂካዊ መሰረተ ልምዓት ከም ዝኾነ ዘረጋግፅ ታሪኻዊ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ፀብለልታ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት መንግስቲ መደመር ተረባሕነት ዜጋታት እናረጋገፀ እዩ-ብሩክ ታዬ(ዶ/ር)
Aug 4, 2026 423
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 28/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ መደመር ኣብ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ዘመዝገቦ ፀብለልታ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት ዜጋታት እናረጋገፀ ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆንልዲንግስ ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ገሊፆም። ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት(ፋይዳ) ከም ኣካል ትካል ልምዓት መንግስቲ ዳግማይ ብምጥያሽ “ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ ኢንተርፕራይዝ” ብዝብል ስያመ ኣብ ትሕቲ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ተኻቲቱ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ “ፋይዳቨርስ” ዕላዊ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስራሕ ተኻይዱ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ፋይዳ ቨርስ ጥንካረን ዘላቕነትን ዲጂታል ዘመን ከምኡ እውን ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪነት ከም ዘጠናኽር ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት መንግስቲ መደመር መሰረተ ልምዓት ቴሌኮሙኒኬሽን ብምጥንኻር ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ድምፅን ኢንተርኔትን ብዝለዓለ ኩነታት ከም ዘዕበየ ተዛሪቦም። ኣገልግሎታት ሓደ ማእኸል መሶብ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን እውን ፅሬትን ተበፃሕነትን ኣገልግሎት መንግስቲ እናዕበዩ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣገልግሎት ፋይዳ ኣብ ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ካብ ስርዓታት ዲጂታል መንነት እቲ ሓደ እናኾነ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ፋይዳ ቨርስ ናብ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ምሕዋሱ ድማ ትካላዊ ጥንካረ ከም ዝፈጥር ሓቢሮም። መሰረተ ልምዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓቕምን ልምድን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ዲጂታል መንነት ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ብብርኪ ዓለም ትኹረት እናሰሓበ እዩ ኢሎም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ብግደኦም፤ ኣብ ውሑዳት ዓመታት መንነት ዜጋታት ብዲጂታል መንገዲ ናይ ምምዝጋብን ምርግጋፅን ስራሕ ከም ዝተሳለጠ ገሊፆም። ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ብሓዱሽ መልክዕ "ፋይዳቨርስ ዲጂታል ሶሉሽንስ" ብዝብል ናብ ትካል ልምዓት መንግስቲ ምዕባዩ እውን ውፅኢታውነት ዲጂታል ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝተወሰደ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።
ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ዝለዓለ ላብራቶሪ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከም ዝተሰጋገረ ዘርኢ እዩ-ሚኒስትር ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ
Jul 26, 2026 1487
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/2018(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ዝለዓለ ላብራቶሪ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከም ዝተሰጋገረ ዘርኢ እዩ ክብላ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ገሊፀን። ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ዝለዓለ ላብራቶሪ ስልጠናን ምርምርን ስራሕ ኣጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ረጋሳ፣ጄኔራል መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል፣ ተወከልቲ ሕቡራት ዓርርብ ኢመሬትስን ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም። ሚኒስትር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ መሰረተ ልምዓት እቲ ላብራቶሪ ዝማዕበሉ ቴክኖሎጂታት ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ጥራሕ እኹል ከም ዘይኮነ ሓቢረን። ፍልጠት ናብ ሞያዊ ብቕዓት፣ ምርምር ናብ ፈጠራ ከምኡ እውን ንኣገልግሎት ሃገርና ናብ ዝውዕሉ ተግባራዊ መፍትሕታት ዝቕይር ሓዱሽ ሳይንስ ትምህርትን ትካላዊ ዓቕምን ዝተኸፈተሉ ኣጋጣሚ እዩ ኢለን። መሰረት እዚ ምዕራፍ ልህቀት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትስን ዘበናት ዝተሳገረ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከም ዝኾነ እውን ተዛሪበን። እዚ ታሪኻዊ ምሕዝነት ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ዲፕሎማሲያውን ኢኮኖሚያውን ምትሕብባራት ብተወሳኺ ሃገራዊ ድሕንነት፣ ቴክኖሎጂካዊ ስግግርን ዘበናዊነት ትካላትን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዘጠናኽር ዝለዓለ ምዕራፍ ከም ዝተሰጋገረ ኣረዲአን።
ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ላዕለዋይ ላብራቶሪ መሰልጠንን ምርምርን ስራሕ ኣጀሚሩ
Jul 26, 2026 1179
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 19/2018(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ(UAE) ብምትሕብባር ዘህነፆ ዘበናዊ ላዕለዋይ ላብራቶሪ መሰልጠንን ምርምርን ስራሕ ኣጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ፣ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)፣ተወከልቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስን ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተረኺቦም። እቲ ላብራቶሪ ኣብ ልዕሊ 20 ሽሕን 850 ካሬ ምትር ዝዓረፈ እንትኸውን፤ ንዝለዓለ ስልጠናን ምርምርን ዘድልዩ ዘበናዊ ናውቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተማልአሉ ከም ዝኾነ ተገሊፁ። እቲ ማእኸል ዓውድታት ምርምር ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ምክልኻልን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ዘበናዊ ማእኸል ፍልጠት ከም ዝኾነ እውን ተሓቢሩ።