ሳይንስን ቴክኖሎጅን - ኢዜአ ትግርኛ
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 21, 2026 225
ኣዲስ ኣበባ/ጥቀምቲ 11/2019 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ከም ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ሎሚ ከም ዝጎብነዩ ሓቢሮም። እዚ ትካል ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣለዎ ክብሉ እውን ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ኣዝዩ ልዑል ብዝኾነ ዕቑርን ትርፍን ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ንነዊሕ እዋን ከም ትፍለጥ ብምግላፅ፤ እቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ድማ እዞም ሃፍትታት ናብ ጭቡጥ ልምዓት፣ዕቤት ቴክኖሎጅን ሓባራዊ ብልፅግናን ኣብ ምልዋጥ ትኹረት ከም ዝገብር ኣረዲኦም። ዘተኣማምንን ዘላቕን ቀረብ ሓይሊ ንኢንዱስትሪ፣ማኑፋክቸሪንግ፣ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊ ስግግርን ማእኸላይ እጃም ከም ዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቴክኖሎጂ ኒውክሊየር ድማ ውሕስና ሓይሊ ብምጥንኻር ንዝግስግስ ዘሎ ድሌት ንምምላእ ዓብይ ዝፈጥር እዩ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ካብ ፍርያት ሓይሊ ብዝዘለለ ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ግብርና፣ኢንዱስትርን ሓለዋ ከባብን ንሃገራዊ ልምዓትን ህንፀት ዓቕሚ ቴክኖሎጅን መሰረታዊ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ገሊፆም። ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንፕሮግራም ብሄራዊ ሓይሊ ኒውክሊየር ኣድላይ ዝኾኑ ትካላውን ቴክኒካውን መሰረታት ብምንፃፍ ነዚ ራኢ ንምዕዋት ስትራቴጂካዊ እጃም ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ፣ሳይንሳዊ ምርምር ምስፍሕፋሕን ፍልጠት እቲ ትካል ንቀፃሊ ወለዶ ምትሕልላፍን ወሰንቲ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ከም ዝኾኑ ሓቢሮም። እዚ ድማ ብሄራዊ ዓቕምን ፍሉይ ሞያዊ ብቕዓትን ብምምዕባል ልምዓት ሓይሊ ኒውክሊየር ሰላማዊ፣ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ዘተኣማምንን ዘላቕን ብዝኾነ መንገዲ ብስምዒት ሓላፍነት ንክሳጥ ከም ዝገብር ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪኻ ይኹን ዓለም ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ልዑል ዓቕሚ ኣለዋ
Oct 20, 2026 209
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪኻ ይኹን ዓለም ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ጉጅለ ልኡኽ ትካል ጥዕና ዓለም ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ጎብንዩ። ብተወሳኺ እውን እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ምስ ኣመራርሓ እቲ ኢንስቲትዩት ዘትዮም። ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪኻ ይኹን ዓለም ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ተዛሪቦም። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ታዬ ግርማ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ኣገልግሎት ጥዕና ንኩሉ ተበፃሒ ንምግባር ዝተዳለዉ መፍትሕትታ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣላልዮም። ኩሉ ዜጋ ካብቲ ቴክኖሎጂ ተረባሒ ንክኸውን ሰፊሕ ስራሕ እናተሳለጠ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብ እዋን እቲ ዘተ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ(AI) ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዝልውጠሉ፣ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ኣብ ስራሕ ኣብ ዝውዕለሉ ከምኡ እውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ሕክምና ንምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሓሳብ ተለዋዊጦም። ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ቅንብር ቋንቋ ተፈጥሮ (NLP) ዘሳለጦም ስራሕቲ ዝነኣዱ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ቴክኖሎጂታት ቋንቋ ማሽንን መፍለጢ ዘረባን ንዓውዲ ጥዕና ሰፊሕ ጥቕሚ ከም ዘለዎም ኣረዲኦም። ከም ሰብ ስራሕ ብልሒ ዝበሉ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ኣብታ ኣህጉር ክሰፍሑ ከም ዘለዎም ብምሕባር፤ ምስቲ ኢንስቲትዩት ብሓባር ንምስራሕን ምሕዝነት ንምጥንኻርን ድሌት ከም ዘለዎም እውን ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ንልምዓት ዲጂታል ክእለት ጠንካራ መሰረት ኣንፂፋ እያ-እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)
Oct 19, 2026 199
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 9/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንሰብ ስራሕ ብልሒ(AI)ን ልምዓት ዲጂታል ክእለትን ጠንካራ መሰረት ከም ዘንበረት ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም። ዓመታዊ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ታይላንድ ባንኮክ ተኻይዱ። ጎና ጎኒ እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለም ዘዳለዎ ላዕለዋይ መድረኽ ሚኒስትራ ሃፍቲ ማይ ተኻይዱ። ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንልምዓት ዲጂታል ክእለት ጠንካራ መሰረት ኣንፂፋ እያ። ብሄራዊ ፖሊሲ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ፣ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያር 2030፣ኢንሼቲቭ 5 ሚልዮን ኮደራትን ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ መደመርን ከም ኣብነት ፀሪሖም። ብተወሳኺ እውን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብብርኪ ፈተነ ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ፕሮግራማት ኣሰልጣኒ ኤኣይ(AI Coach)ን መምህር ኤኣይ (AI Tutor)ን ኣልዒሎም።
ኢንስቲትዩት ሜቴዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ልምዓት እታ ሃገር ናይ ምድጋፍ ዓቕሙ እናዕበየ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 13, 2026 334
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ሜቴዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ልምዓት እታ ሃገር ናይ ምድጋፍ ዓቕሙ እናዕበየ ከም ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝጎብነይሉ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ከም ሜቴዎሮሎጂ ዝበሉ ትካላት ዓቕሞም ምጥንካሩ ሓደጋታትን ስግኣታትን ኩነታት ፀሓይ ቀዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል እዩ። መንግሥቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዘሳለጦም ስራሕቲ ሪፎርም ትኽክለኛን እዋናውን ሓበሬታታት ብመልክዕ ቅድመ መጠንቀቕታ ምቕራብ ከም ዝተኽኣለን ኣድላይ ቅድመ ምድላው ብምግባር ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምትራፍ ከም ዘኽኣለን ተዛሪቦም። ዘተኣማምን ሓበሬታታት ሜቴዎሮሎጂ ናብ ተግባራዊ መምርሕታት ምቕያር ሂወት ዜጋታት ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ዓቕሚ ሃገራዊ ሃፍቲ ምሕላውን ብሓበሬታ ዝተደገፈ ውሳነ ምሃብን ከም ዘጠናኽር እውን ኣብራህሪሆም። ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ሓበሬታታት ሜቴዎሮሎጂ ብምውዳድ ብምስላጡ ዝሓሸ ውፅኢት ከም ዝተረኸበ ሓቢሮም። ደገፍ እቲ ኢንስቲትዩት ንብዙሓት ዓውድታት ዝጠቅምን ዓቕምን ድልዉነትን ምሃብ ውሳነ ዘጠናኽርን እዩ ኢሎም። ዓውድታት ብውፅኢታዊነት ንምምራሕ ዘተኣማምን ሓበሬታ ምርካብ ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓቕሚ እቲ ትካል ዝያዳ ምጥንኻር ወሳኒ ምዃኑ እውን ኣልዒሎም። ኣብዚ እዋን እቲ ትካል ካብ ምልከታ ሳተላይት ሓሊፉ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘቐመጦም ማእኸላት ዳታን ጣብያታት መአከቢ ዳታን ኣቢሉ ሓበሬታታት ብእዋኑ ብምእካብ፣ ብምውዳድን ብዕምቆት ብምንታንን ንኣገልግሎት ምብቃዕ ኣብ ዘኽእሎ ዘተኣማምን ብርኪ ምብፃሑ ኣመላኺቶም። ስራሕቲ እቲ ትካል ብልፅግና ንምርግጋጥ ዝተትሓዘ ውጥን ንምዕዋት ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ እውን ኣልዒሎም። ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ዝደመቐን ዘሐብንን ወናኒት ዓቕሚ ሜቴዎሮሎጂ ምዃና ዝጠቐሱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ በቐፃሊ ናይ ባዕላ ሳተላይት ተጠቒማ ሓበሬታታት ብቐጥታ ምስ ሳተላይት ተተኣሳስረሉ መንገዲ ምጥንኻር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም። እቲ ነባር ትካል ሐዚ ዘለዎ ብርኪ ተምሃሮ፣ ተመራመርትን መንእሰያትን ክጉብንይዎን ትምህርቲ ክወስዱሉን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ዘተኣማምን ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ ናብ ተግባር ምቕያር ህይወት የድሕን፤ ሃፍቲ እውን ይሕሉ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Oct 13, 2026 207
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ዘተኣማምን ሓበሬታ ሚቲዎሮሎጂ ናብ ተግባር ምቕያር ህይወት የድሕን፤ ሃፍቲ እውን ይሕሉ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም። እቲ ትካል ዝተማልአ ኣገልግሎት ትንበያ ኣየር ብምሃብ ንዓቕሚ ልምዓትን እታ ሃገር ወሳኒ ስራሕቲ ዘካይድ ናይ ነዊሕ ዘበን ዕድመ ዘለዎ ትካል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም። እቲ ዑደት ነቲ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ዘሎ ፀባይ ኣየርን ኩነታት ኣየርን ብትክክል ንምርዳእን ምላሽ ንምሃብ ዓቕሚ ንምጥንኻርን፤ ምእካብ ሓበሬታታት ሚቲዎሮሎጂያዊ፣ሳይንሳዊ ምርምር ከምኡ’ውን ዕብየት ቴክኖሎጂ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ዘረጋግፅ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ከም ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ዝመመሳሰሉ ትካላት ምጥንኻር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። ሕርሻ፡ ማይ፡ ጥዕና፡ ኣቪዬሽንን ምሕደራ ስጋኣት ሓደጋን ሓዊሱ ቐንዲ ዓውድታት ዝድገፉሎም ኣገልግሎታት ንምምሕያሽ፣ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ፣ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታትን መሰረተ-ልምዓት ሓበሬታን ፈሰስ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ ኣመላኺቶም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሓደጋታት ኣቐዲምካ ንምትንባይ፡ ኣብ ኣየኖት ኣከባቢታት ዝያዳ ጣልቃ-ኣእታዉነት ከም ዘድሊ ንምውሳን፣ ከምኡ’ውን እዋናዊን ውፅኢታዊን ብዝኾነ መንገዲ ንኽንቀሳቐስ ንምግባር ስርዓታት ቅድመ-መጠንቀቕታ ዘለዎም ኣገዳስነት ኣበረታቲዑኒ እዩ ክብሉ ገሊጾም። ዘተኣማምን ሓበሬታ ናብ ተግባራዊ መመርሒታት እንተተቐይሩ ህይወት የድሕን፡ ሃፍቲ ይሕሉ፣ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ውሳነ ንምሃብ ከም ዝሕግዝ እዮም ኣልዒሎም። ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ካብ ናይ ሳተላይት ትዕዝብቲ ሓሊፉ ሰፊሕ መዋቕር ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓበሬታታት ብእዋኑ ኣኪብካ፣ ኣዋዲድካን ተንቲንካን ቕልጡፍ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተዘርግሑ ጠንካራ ናይ ሓበሬታ መኣከቢ ጣብያታትን ማእኸላት መረብን ወሳኒ መሰረት ምዃኖም ገሊጾም።
ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ድሕንነት ሃገርናን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Oct 12, 2026 260
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 2/2019(ኢዜኣ) ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ዲጂታል ሉኣላዊነት ሃገርና፣ድሕንነት ዜጋታትን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ መበል 7ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር “ንቑሕ ዜጋ፤ድሕንነታ ዝተሓለወት ሃገር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዕሊ ኣጀሚርና ኢሎም። ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዘዐወትናዮም ምስፍሕፋሕ ተጠቃሚነት ኢንተርኔት፣ዓውዲ ቴሌኮም ንውድድር ምኽፋት፣ምስፍሕፋሕ ስርዓታት ዲጂታል ክፍሊትን ኣገልግሎታት መንግሥቲ ብዲጂታል መልክዑ ምምዕባልን ንዲጂታል ስግግር መሰረት ኣንቢሮም እዮም ክብሉ እውን ሓቢሮም። እዚ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ብምስግጋር ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ጋህዲ ንምግባርን ዕቤት ቴክኖሎጂ ወሳኒ ዓቕሚ ሃገራዊ ብልፅግና ንክኸውንን ኣብ ኩሎም ዓውድታት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ምህዳር ሳይበር ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ዘተኣማምን ብምግባር ንሃገራዊ ልምዓት፣ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030ን ንዝለዓለ ሃገራዊ ብልፅግናን ዝገብሮ ፃዕሪ 24/7 ኣፍልጦ ምሃብ ከም ዘድሊ ኣብሪሆም። ስለ ዝኾነ ድማ ዲጂታል ምህዳርና ካብ ስግኣታት ሳይበር ምሕላው ጉዳይ ምርግጋፅ ዲጂታል ሉኣላዊነት ሃገርና፣ድሕንነት ዜጋታትን ጉዕዞ ልምዓትናን እዩ ኢሎም። ንዲጂታል ምህዳርና ዝሕልው፣ድሕንነት ሃገርና ዘጠናኽርን ቀፃኢ ዲጂታል ጉዕዞና ዘረጋግፅን ንቑሕን ሓላፍነት ዝስመዖን ዜጋ ምህናፅ ካብ ኩላትና ትፅቢት ዝግበር እዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክኽበር እዩ
Oct 9, 2026 264
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 29/2019 (ኢዜኣ) ግንዛበ ድሕንነት ሳይበር እቲ ማሕበረሰብ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ካብ 1-30 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ከም ዝኽበር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ “ንቑሕ ዜጋ ድሕንነታ ንዝተሓለወት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንቀፃሊ ሓደ ወርሒ ዝኽበር መበል 7ይ ሃገር ልኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሃሚድ ኣብ መገልፂአ፤ ተጠቃምነት ቴክኖሎጂ ብቕልጡፍ ምዕባዩ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፣ ትካላትን ቁልፊ መሰረተ ልምዓታትን መጥቃዕቲ ሳይበር ዝውስኸሉ ኩነታት ከም ዝረአ ገሊፀን። ስለ ዝኾነ ድማ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ትካላትን ማሕበረሰብን ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘለዎም ግንዛበ ብምዕባይ ዓርሶም ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ንክኽእሉ ወሳኒ እዩ ኢለን። ወርሒ ድሕንነት ሳይበር እዚ ዓመት ኣብ ሓለዋ በይነ መረብ ህፃናት ትኹረት ከም ዝገበረ ብምግላፅ፤ ኣብ ኣጠቓቕማ በይነ መረብ ህፃናትን ተዛምድቲ ጉዳያትን ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝኽበር ተዛሪበን። ኣብቲ ወርሒ ሰገናትን መናእሰይን ዘሳትፍ ውድድርን ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሕን ሳይበርን መድረኽ ዘተን ከም ዝካየድ እውን ኣረዲአን። ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ድሕንነት ሳይበር ኢትዮጵያ ናይ ምሕላው እጃሙ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ድሕንነት ሳይበር ኣብ ምሕላው ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ይግባእ ኢለን። ካብ 1-30 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ንሓደ ወርሒ ዝኽበርአበል 7ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብድሙቕ ምኽባር ዘኽእል ምድላው ከም ዝተገበረ እውን ኣፍሊጠን። ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ብብርኪ ኢትዮጵያ ን7ይ ግዜ ብብርኪ ዓለም ድማ ንመበል 23 ግዜ ከም ዝኽበር እውን ተገሊፁ።
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ እዮም
Sep 29, 2026 537
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፅፉ ከም ዝኾኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም። እቶም ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ውፅኢታት ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ብሰብ ስራሕ ብልሒ ናይ ምድጋፍ ስራሕ ክጠናኸር ከም ዘለዎ እውን ኣገንዚቦም። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂ፣ ምርምር ፈጠራን ኢንተርፕረነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ የካይድ ኣሎ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝተሳለጡ ተግባራት ብልጽግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር መሰረት ዘንፀፉ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ ንሳይንስን ቴክኖሎጂ ምቹው ምህዳር ዝፈጥሩ ኣዋጃት ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ብሰፊሑ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ። ንኣብነት ኣዋጃት ኤሌክትሮኒክ ፊርማ፣ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፣ ንግዲ ኤሌክትሮኒክ፣ ዲጂታል መለለዪ መንነትን ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታን በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቖም ካብቶም ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ምዃኖም ጠቒሶም። እቲ ቤት ምኽሪ ሕጊ ምውፃእ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝወፁ ሕግታት ተግባራዊ ምዃኖም ስራሕቲ ምክትታልን ምቁጥጣርን ብልዑል ቆራጥነት ክሰርሕ ጠኒሑ እዩ ኢሎም።
ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ
Sep 29, 2026 412
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ሰብ ስራሕ ብልሕን ብምጥቃም ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር እዚ ዝገለፃ ዓውዲ ቱሪዝም ብፈጠራ ዲጂታልን ብሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምዕባይ ኣብ ዘተኰረ መበል 6 ሰሙን ቱሪዝም ኦሮሚያ “ፈጠራ ዲጂታል ንሓቛፋይ ቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ እዩ። ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ሰብ ስራሕ ብልሒ (AI) መባፅሒታት ቱሪዝም ዝፋለጡሉ፣ ጉዕዞታት ዝትለምሉ፣ ንግዲ ቱሪዝም ዝንቀሳቐስሉ ከምኡ እውን ዑደተኛታት ዝረኽብዎ ተሞክሮ እናቐየሮ ምምፃኡ ገሊፀን። ሽግግር ዲጂታል ክፉት፣ ሓቛፋይን ሰብ ተኮር ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግላፅ፣ ጥቕሚ ቴክኖሎጂ ብውሑዳት መባፅሒታት ቱሪዝምን መድረኻት ዲጂታል ጥራሕከይግደቡ ኣገንዚበን። ፖሊሲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብዓውዲ ብቴክኖሎጂ ዲጂታልን ሰብ ስራሕ ብልሕን (AI) ንምምሕያሽ ኣንፈት ከም ዝተሓዘ ብምግላፅ፣ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ቱሪዝም ኢትዮጵያ እውን ንዑደተኛታት ሓበሬታ መባፅሒ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ምስ ዑደተኛታት፣ ሆቴላትን ካልኦት ተወሳእቲ እቲ ዓውዲን ንምራኸብ የገልግል ኣሎ ኢለን። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተሓወሶ መርበብ ሓበሬታ ቱሪዝም ኦሮሚያን ካልኦት መድረኻት ዲጂታል ቱሪዝምን ዕላዊ ኰይኖም እዮም።
ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ዝርከብ ወለዶ ንምፍራይ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ እዩ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ
Sep 29, 2026 418
ኣዲስ ኣበባ ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜኣ) ፦ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ምድላው ዝኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም። ኣብ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ፈጠራ፣ ዲጂታላይዜሽንን ኢንተርፕርነርሽፕን ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ይካየድ ኣሎ። እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ከም ዝበልዎ፤ ጥቕምን ጉድኣትን ቴክኖሎጂ ብምምዝዛን ንዝተደለየ ዕላማ ብኣግባቡ ንምጥቃም ግቡእ ክእለትን ተሞክሮን ምጭባጥ የድሊ። እዙይ ንምዕዋት ክእለት ተበፃሒ ምግባር ቀንዲ ጉዳይ ብምዃኑ መፃኢ ምህዳር ሳይንስ ዝረከብ ወለዶ ምፍራይ ጉዳይ ህልውና ተገይሩ ብትኹረት እናተሰርሐሉ እዩ ኢሎም። ተምሃሮን መምህራንን ቴክኖሎጂ ከም መሳርሒ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓበሬታ ብግቡእ ናይ ምድላይ፣ ናይ ምግምጋምን ናይ ምፍጣርን ዓቕሞም ብምዕባይ ዓቕሚ ዲጂታል ከዕብዩ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም። እዙይ ንምግባር መንግስቲ ኣብ ኩሎም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲታት ላብራቶሪ ኮምፒዩተር ንምምላእ ዕላማ ተታሒዙ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም። እዙይ ድማ ተምሃሮ ክእሎት ኮዲንግ፣ ዲጂታልን ፈጠራን ንምዕባይ ምቹእዉ ኩነታት ዝፈጥር ምዃኑ ኣመላኺቶም። ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ምህዳር ሳይንስን ፈጠራን ክረከብ ዝኽእል ወለዶ ንምድላው ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትምህርቲ እናተሃነፀ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህይወት ዜጋታት ንምዕባይ ዘኽእል መሰረተ ተነቢሩ እዩ
Sep 29, 2026 202
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 19/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህይወት ዜጋታት ንምዕባይ ዘኽእል መሰረተ እናተነበረ ምኻኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። ጉዕዞ 50 ዓመታት ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ትኹረቱ ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብጺ ካብ መስከረም 19 ክሳብ 21 2019 ዓ.ም ኣብ ዝጠንሕ መርሃ ግብሪ ምብሳር ስራሕቲ ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ስራሕቲ ፈጠራን ዲጂታላይዜሽንን ዝካየድ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተሳለጡ ትግበራታት ኢንተርፕረነርሽፕ፣ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተኣከቡ ቀንዲ ቀንዲ ዓወታት ብዝርዝር ክቐርቡ እዮም። ካብቲ ጉባኤ ጎኒ ንጎኒ ዘተ ፓነል ዝካየዱ እንትኸውን፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ (Artificial Intelligence) ፣ ሮቦቲክስን ስማርት ሲስተማትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ፈጠራ ንጎብነይቲ ክቕርቡ እዮም። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ካብ ኣናሎግ ናብ ስርዓት ዲጂታል፣ ከምኡ ድማ ናብ ዝተወደበን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ዝተሰጋገርናሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ተሳሊጡ እዩ። በዙ ድማ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ሃገር ካብ 17 ሚልዮን ናብ 65 ሚልዮን ከም ዝዓበየ ዝጠቆሙ እቶም ሚኒስትር፤ ዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ምዝርጋሑ፣ ትግበራ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዜጋታት ዝተመዝገብዎ ሃገራዊ መለለዪ መንነት 'ፋይዳ' ን ኣዋጃት ሓለዋ ውል ሓበሬታን ምውፃኦም እምነት መሰረት ዲጂታል ዘጠናኸሩ ቀንዲ ስጉምትታት ምዃኖም ተዛሪቦም። ዕላማና ቴክኖሎጂ ካብ ምልማድ ሓሊፉ ናብ ወፃኢ ናይ ምልኣኽ ብርኪ ምትሕልላፍ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ተልእኾኦም ስርዓት ዲጂታል ምህናፅ ጥራሕ ዘይኰነስ ምርምር ሳይንስ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምዕባይ እውን ምዃኑ ኣረዲኦም። ሽግግር ዲጂታል ሃግዲ ንምግባርን ንፀገማት ቁልፊ መፍትሒ ንዝዀኑ ስታርታፖት ንምሕጋዝ ኣዋጅ ስታርታፕ ኣብ ስራሕ ውዒሉ እዩ ብምባል፣ ብቐፃሊ እውን ምህዳር ቴክኖሎጂ ተረኪቡ ንዓወት ዝሰርሕ ወለዶ ናይ ምፍራይ ስራሕ ብትኹረት እናተሳለጠ ምዃኑ ኣመላኺቶም። ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲታት ሕክምና፣ ሕርሻን ኣገልግሎትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተግባራዊ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ኣበረታታዒ ውፅኢት እናተረኽበሉ ምዃኑን እዙይ ድማ ህይወት ዜጋታት ዘመሓይሽ መሰረት ምትካሉ መረጋገጢ እዩ ኢሎም። ኣብጺ መርሃ ግብሪ ሚኒስጽራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ወከልቲ ዓውዲ ልቀን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።
ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት ይህነፁ ኣለዉ
Sep 28, 2026 169
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 18/2019 (ኢዜአ)፦ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ ወለዶን ፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት ይህነፁ ምህላዎም ኣዶ መንበር ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባን ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ሓበሬታን ደሕንነት መረበብን ትዕግስት ሃሚድ ገሊፀን። ወ/ሮ ትዕግስት ሃሚድ፤ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ መሪቐን ከፊተን፡፡ እቲ ዝተመረቐ ቤት ትምህርቲ ፤ ካብ ቅድመ ስሩዕ ክሳብ ክፍሊ 8 ትምህርቲ ዝህብ እዩ። ወ/ሮ ትዕግስት ሃሚድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበላኦ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሰብ ሰራሕ ብልሒ፣ ሮቦቲክስ፣ ብዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ግንባር ቀደም ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ እውን ክእለት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰገናት ብምዕባይ ምትሕብባር ዩኒቨርሲቲን ማሕበረሰብን ዘጠናኽር እዩ ኢለን። ንማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰገናት ስቲም (STEM) እቲ ዩኒቨርሲቲ ተደማሪ ዓቕሚ ብምዃን፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ንፈጠራን ልምዓት ክእለትን መሰረት ከም ዝኸውን ገሊፀን። ትምህርቲ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብፈጠራን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ ተረካቢ ወለዶ ሃገር ንምፍራይ ዘኽእሉ ቤተ-ፈተነን ወሳኒ መሰረተ ልምዓታትን ዝተማለአሉ ምዃኑ እውን ኣገንዚበን። እዙይ ድማ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ ወለዶን ንፅባሕ ዝሰርሑ ሰገናት ንምፍራይ ዘኽእል መሰረተ ልምዓታት እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ዘርኢ እዩ ኢለን።
እቲ ትካል ፈጠርቲ ቴክኖሎጂን ባዕሎም ዝኽኣሉ ኢንተርፕረነራትን ኣብ ምፍራይ መዳይ ግደኡ እናተዋፅአ ይርከብ
Sep 25, 2026 613
ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 15/2019 (ኢዜአ)፦ ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፌዴሪኢ ፈጠርቲ ቴክኖሎጂን ባዕሎም ዝኽኣሉ ኢንተርፕረነራትን ኣብ ምፍራይ መዳይ ግደኡ እናዋተዋፅአ ምዃኑ ገሊፁ። እቲ ትካል ምንቅስቓስ ስራሑ ንሕብረተሰብ ንምልላይ ዘኽእሎን ን15 መዓልታት ዝፀንሕን 'ሰሙን ሓበሬታ' ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶ/ር ሃብታሙ ሙሉጌታ ኣብቲ እዋን፤ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ትካል ዝተወደቡ ዎርክሾፖት፣ ላቦራቶሪታትን መለማመዲ ቦታታትን ምህላዎም ንማእሰይ ዓቕምን ዕድልን ከም ዝፈጥር ገሊፆም። እቲ ትካል መንእሰያት ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእሎም ዓቢዪ ዕድል ከም ዘተኣታተወ ጠቒሶም። ብመሰረት እዙይ እቲ ትካል ሃገር ክልውጡ ዝኽእሉ ፈጠርቲ ቴክኖሎጂን ባዕሎም ዝኽኣሉ ኢንተርፕረነራትን ኣብ ምፍራይ መዳይ ግደኡ እናተዋፅአ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ንዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ
Sep 15, 2026 1709
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 5/2019 (ኢዜኣ)፦ ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ኢትዮጵያ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ንምግባር ዝተትሓዘ ዕላማ ምዕዋት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ሄኖክ ታደሰ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ቀረባ እዋን ንጥፈታት ስራሕ ሚሊኒየም ሜዲካል ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ምዕዛቦም ይዝከር። ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣ ኣኩቴክ (ACCU-TECH) ዲያግኖስቲክ ላቦራቶሪ ዓውዲ ጥዕና እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ዘሸጋገርን ነቲ ዓውዲ ፍሉይ መለለዪ ዓቕምን እዩ። እቲ ዘመናዊ ላቦራቶሪ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ናሙናታት ብምቕባል ንዝተወሰነ እዋን ሳንፕላት ብጥንቃቐ ምፅናሕ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ዋና ዳይሬክተር ኣኩቴክ ዲያግኖስቲክ ሄኖክ ታደሰ ንኢዜኣ ከምዝሓበሩዎ፣ ስያሜኡ "ኣኩ" ትኽክለኛነትን "ቴክ" ድማ ቴክኖሎጂን ዝወክል እንትኸውን፣ ዝጥቀመሎም ዘመናውያን ቴክኖሎጂታት ውፅኢታት ምርመራ ፅርየት ኽህልዎም ዘኽእሉ እዮም። እዚ ዓለምለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወ ዘመናዊ ላቦራቶሪ ናብ ወፃኢ ሃገር ተልኢኾም ዝስርሑ ዝነበሩ ውፅኢታት ምርመራ ኣብ ምትርፍ መዳይ ዓቢይ ተራ ከምዝፃወት እውን ገሊፆም። ሚሊኒየም ሕክምና ኮሌጅ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ሪቲና ፋርማሲዩቲካል ብምትሕብባር ዝተጣየሽዊ እቲ ላቦራቶሪ ኣብ ኢትዮጵያ ፈለማይ ሙሉእ ንሙሉእ ኣውቶሜትድ ዝኾነ እዩ ኢሎም፡።
ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዓብይ እጃም ከበርክት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Sep 12, 2026 1527
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 2/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንክትመርሕ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር ቁልፊ እጃም ከም ዘበርክ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 18 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ ኔው ዴልሂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መደረ ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደርኦም፤ ዓለም ለኸ ቅልውላዋት ዘስዕብዎ ጉድኣት ኣብ ሓደ ዓውዲ ጥራ ከይተገደቡ ተደራራቢ ምትእጉጓል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም። ሃገራት ቅልውላዋት ቅድሚ ምፍጣሮም ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ክሃንፃ ከም ዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ፈተና ምፅዋር ዘኽእሉ ስርዓታት እናሃነፀት ከም ትርከብ ኣረዲኦም። መንግሥቲ ኣብ ውሕስና ምግቢ ብዘሳለጦ ስራሕ ኢትዮጵያ ካብ ፅግዕተኛነት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሙሉእ ብሙሉእ ምውፃእ ክኢላ እያ ኢሎም። ስለ ዝኾነ ድማ እታ ሃገር ነቲ ዝተሓሰበ ማዕቐፍ ልውውጥ ዝራእቲ ብሪክስ (BRICS Grain Exchange) ከም ኣፍራይትን ኣቕራቢትን ንምስታ ድልውቲ ከም ዝኾነት ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ንምፅዋር ዓቕሚ ምፍራይ ውሽጢ ሃገር እናዕበየት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ መፍረይቲ ፋርማሲዩቲካልን መድሓኒትን እናስፋሕፍሐት ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ስርዓታት ክፍሊትን ልውውጥ ሓበሬታን ብሰፊሑ እናተሃነፁ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም። ሓበሬታታት ድሕንነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ብኣግባብ ሕጊ ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ነዚ ለውጢ ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽሮ ፀሪሖም። ኣፍሪካ ናይ ፅባሕ ዘበነ ቴክኖሎጂ በበዓል ዋንነት ንምምራሕ ዓቕሚ ምርምር፣ ኮምፒውቲንግ፣ ክእለትን ትካላትን ከም ዘድልያ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ትሃንፆ ዘላ ዩኒቨርሲቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መደመር እውን ኣፍሪካ ዝወጠነቶ ሽቶ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ዝውክል ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ምስ ትካላት ብሪክስ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከም ዘለዋ እውን ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን ንሰባት ማእኸል ዝገበረ ምምሕዳር ሰብ ስራሕ ብልሒ ክድገፍ ከም ዘለዎን ፅቡቕ ምም ምስ ብቕዓት ምጥዕዓም ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።
ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር እዩ
Sep 10, 2026 1260
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 5/2018 (ኢዜኣ)፦ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ናይ ፈተነ ትግበራ ክጅምር ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ ቨርስ) ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ ገሊፆም። ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ 50 ሚልዮን ምብፅሑ 'ውን ተዛሪቦም። እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ መዓልቲ ፅባሕ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፥ መለለዪ መንነት ፋይዳ “ሓደ ሰብ ሓደ እዩ” ብዝብል መሪሕ ስራሕቲ ምምዝጋብን ምርግጋፃን ዲጂታል መንነት እናተሳለጠ እዩ ኢሎም፡፡ እዙይ 'ውን ገበን ንምክልኻል፣ ኣገልግሎታት ብዲጂታል ብምትእስሳር ንምቅልጣፍን ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ፣ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘተኣማምን ምትእስሳር ንምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ ገሊፆም። ፋይዳ ምስ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ምትእስሳር ስራሕ ከም ዝተሰርሐን ክሳብ ሐዚ 150 ትካላት መንግስቲ፣ ውልቀ፣ ስታርታፕን ካልኦትን ብፋይዳ ምትእስሳር ምግባሮም ገሊፆም። ብኣገልግሎት ሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ካብ 200 ሚልዮን ንላዕሊ መንነት ናይ ምርጋፅ ተግባራት ከም ዝተኻየዱ ጠቒሶም። ኣገልግሎት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ የምፅኦ ብዘሎ ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ልዑል ትኹረት ከም ዝረኸበ ኣረዲኦም። እዙይ ድማ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ተመክሮታት ኢትዮጵያ ክቐስሙን ብምትሕብባር ንምስራሕ ካብ ድልየት ሃሊፉ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ህንፀት ዓቕምን፣ ምኽሪን ዲጂታል ስርዓት ኣብ ምህናፅን ብዙሓት ሃገራት ሓገዝ ንምርካብ ድልየት ከም ዘርኣያ ገሊጾም። ድልየት ካብ ዘርኣያ ሃገራት ምስ ዝተወሰና ስምምዕነት ተፈራሪመን ናብ ትግበራ ፕሮጀክት ፈተነ ንምስጋር ዝተዳለዋ ሃገራት ከም ዘለዋ ኣመላኺም። በዙይ እውን ቴክኖሎጂ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ፋይዳ ብፈተነ ደረጃ ኣብ ዛምቢያ፣ ሞዛምቢክን ቡሩንዲን ተግባራዊ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ 'ውን ኣብ ሓህጉራዊ ኢኒሼቲቫት ትግበራ ኣርኣያነት ዘለዎ ڕۆላ ክትህነፅ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Sep 10, 2026 1149
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ) ፅባሕ ዝውሰን በቲ ሎሚ ንሰርሖ ስራሕ እዩ! ዓወትና ናይ ፅባሕ ድማ ብፃዕርና ናይ ሎሚ ይቐረጽ። ካብ ጽባሕ ትማሊ ጽቡቓት ተሞክሮታት ብምውሳድ፣ ንሎሚ ብትኽክል ብምግምጋምን ብምርዳእን፣ ራእይ ናይ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ምህናጽ፣ ጽኑዕ እምነትን መለለዪ ባህርን መንግስትና እዩ። ፍልጠት ወለዶታትና ምስ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር፣ ንጽባሕ ንምቕባል ምድላው፣ ካብዚ ወለዶ ዝጽበ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ ኢሉ መንግስቲ ብጽኑዕ ይኣምን። ስለዚ እዩ ዲጂታላይዜሽን ከም ኣክኣሊ መሳርሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ሓደ ክፍሊ ኢኮኖሚ እውን ብምውሳድ፣ ዓቢይ ትኹረት ተዋሂብዎ እየ ዝስራሕ ዘሎ። ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ወለዶ ዕዳ ዘይኮነስ ፀጋ እያ እተውርስ። ንዝሓተቶ ጉዳይ እዋኑ ከሎ ምላሽ ክትህብ ዘይምኽኣል ግን ዕዳ ወለዶ እዩ።ስለዚ እዩ ሃገርና ንሚልዮናት ዝቑጸሩ ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምግቢ እናመገበት እተምህሮም ዘላ፤ ስለዚ እዩ ንሚልዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብነጻ ስልጠና ኮዲንግ (Coding) እናሰልጠነት እተኽእሎም ዘላ፤ ስለዚ እዩ እውን ናይ መጀመርታ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎን (Artificial Intelligence) እናተመስረተት ዘላ። ጽባሕ ብዘይ ፍልጠት ቴክኖሎጂ፣ ጽባሕ ብዘይ ሳይበር ድሕንነት፣ ጽባሕ ብዘይ ሉዓላውነት ሓበሬታ፣ ሓደጋ ህልውና ክኸውን ከምዝኽእል መንግስትና ይግንዘብ፤ ነቲ ወለዶ እውን ነዚ ንምምካት ይዳለው ኣሎ። ንዘመናት ድሑር ኢኮኖሚያዊ ዘርፊ ተባሂሉ ዝጸንሐ ሕርሻ፣ ጽባሕ ብዘይ ቴክኖሎጂ ህልውናኡ ኣብ ሓደጋ እዩ። ንተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ቀዲምካ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ዲጂታላይዜሽን ወሳኒ እዩ። ኣገልግሎታት መንግስቲ ብጽሬትን ብቕልጡፍን ንዜጋታት ተበጻሒ ንምግባር፣ እቶም ካብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝመጹ ኣሰራርሓታት ኣይኮነን ንጽባሕ፣ ሎሚ እውን ዘዋፅኡ ኣይኮኑን። ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተወዳደርትን ስራሕ ፈጠርትን መንእሰያት ንምፍራይ፣ ዲጂታላዊ ክእለት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኢትዮጵያ ንኹሎም እዞም ጉዳያት ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ስለዘላ እዩ “ኢትዮጵያ ጽባሕኣ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ” እንብል። መዓልቲ ጳጉሜን ሓምሸይቲ መዓልቲ ጽባሕ ብምባል እነብዕላ እውን፣ ዝመጽእ ዘመን ተወዳዳርነት ቴክኖሎጂ ዝሓትት፣ ኣብ ትንተና ሓበሬታ ዝተመስረተ ውሳነ ዝውሰነሉ፣ ካብ ሕርሻ ክሳብ ምርምር ሳይንስ ህዋ ብዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ዝድገፍ ዘመን ኣብ ዋዜማኡ ስለዘለና፣ ነዚ ዘመን ዝምጥን ወለዶ ንምፍራይ እንሰርሕ ምዃንና ንምግንዛብ እዩ። ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ጽባሕ” ብዝብል ስያመ ምኽባሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ንምህናጽ ኢትዮጵያ ናይ ጽባሕን ንሉዓላውነታ ንምኽባርን ወሳኒ ምዃኑ፣ ሃገርና ድማ ናብ ምዕራፍ ስግግር ዲጂታላይዜሽን እናኣተወት ከምዘላ ንምብሳር እዩ። 5 ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣዲስ ኣበባ
ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Sep 10, 2026 652
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2018(ኢዜኣ) ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ን5 ጳጉሜን መዓልቲ ፅባሕ ብዝምልት ካብ ወረቐት ናብ ዲጂታል፣ ካብ ተጠቃምነት ናብ ፈጣሪነት ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህልና እናኾነ እዩ ኢሎም። ንግድን ኣገልግሎትን የቀላጥፍ፣ ሓበሬታታት ተበፃሒ ይገብር፣ ንዓውድታት እውን የማዕብል ክብሉ እውን ሓቢሮም። ጎስጓስ ኮደራት 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያ መናእሰይ ፈጠርቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምግባር ናብ 7 ሚልዮን ሽቶና እናምረሐ እንትኸውን ተበፃሕነትን ፅሬትን ዲጂታል ኣገልግሎት ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም። ብሃገር ቦቆል ዓቕሚ ዝማዕበለ ናይ ሳይበር ሉኣላዊነትና ድማ ካብ ፅግዕተኛነት ዘይንቆፃፀሮም ቴክኖሎጂታት ብምልቓቕ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ጠጠው እትብል ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዓብይ ምዕራፍ ከም ዝኾነት ዘበስር እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና
Sep 9, 2026 677
ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 4 /2018 (ኢዜኣ)፦ ዲጂታል ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ብምስፋሕ ሓድነትን ልምዓትን ዘጠናኽር ባይታ ምፍጣር ዘኽእል ፅባሕ ንሃንፅ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ካልኦት ትካላት ፌደራል ብምትሕብባር ፅባሕ ጳጉሜን 5 መዓልቲ 2018 ዓ.ም ዝኽበር " ናይ ፅባሕ መዓልቲ" ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ መዓልትታት ጳጉሜን ብዝተፈላለዩ ስያመታት የኽብር ኣሎ። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር በዲጂታል ኢኮኖሚ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ተግባራት ዘርእይ መዓልቲ ፅባሕ ክኸብር እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ብምቕራፅ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምህናፅ ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት ምዃና ገሊፆም። ብዓቕሚ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝጎልበተ፣ ንዘመኑ ዝምጥን ሲቪል ሰርቪስ ብምህናፅ፣ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ኣገልግሎት መንግስቲ ብምሃብ እንታይ ዓይነት ፅባሕ ንህነፅ ኣብ ዝብል መሰረት ነንብር ኣለና ኢሎም። ፅባሕ ማለት መናእሰይ ዝርከብዋ ኢትዮጵያ ማለት እያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ነዚ ወለዶ ባይታ ሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ምፍጣር ዘኽእል ፅባሕ ንምህናፅ ምዃኒ ሓቢሮም። ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋን ሓሳብን ዝፍጠረሉ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ንህዝብና ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ክንፍፅም ይግባእ ኢሎም። እቲ ሓዱሽ ዓመት ፈተናታት ሓሊፍና ዕዉት ሰላምን ልምዓትን ንመዝግበሉ ክኸውን ተመንዮም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ እዩ
Sep 9, 2026 483
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ስራሕ ብልሒ ፣ ሳይበርን ደሕንነት ሓበሬታን ተካይዶ ዘላ ውፅኢታዊ ተግባር ኣብ ዲጂታል ዞባዊ ምትሕብባር ብተመክሮነት ዝጥቀስ ምዃኑ በዓል መዚ በይነ-መንግሰታዊ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ገሊፁ። ዳይሬክተር ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ኢጋድ ሙሂየልዲን ኣልቶሃሚ ጠሃ (ዶ/ር) ንኢዜአ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ብልሕን ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዘኻዕበተቶ ተመክሮ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝሓሸ ትምህርቲ ዝህብ እዩ። ኣብ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ደሕንነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ዓውድታት ሳይበር ደሕንነት፣ ሓለዋ ዳታን ሰብ ስራሕ ብልሕን ዝተኻየዱ ተግባራት ንስግግር ፍልጠት እዚ ዞባ ልዑል ጥቕሚ ከም ዘለዎም ምርዳኦም ተዛሪቦም። ኢጋድ ኣብዚ እዋን የዳልዎ ዘሎ ማዕቐፍ ሰብ ስራሕ ብልሒ ናይተን ኣባል ሃገራት ፖሊሲ እቲ ዓውዲ፣ ሓለዋ መረዳእታን ስነ ምግባር ኣጠቃቕማን፣ ትካላዊ ዓቕሚ፣ ኣብ ልምዓትን ፍልጠትን ሓይሊ ሰብን ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ክፍተት ዓቅሚ ንምምላእን ዞባዊ ምዕባለ ንምፍጣንን ከም ኢትዮጵያ ዝሓሸ ዓቕሚ ካብ ዘለወንን ውፅኢታዊ ተግባር የካይዳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ልምድን ተመክሮን ክወስዳ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቦም። ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ሰላምን ደሕንነትን ዝካየዱ ተግባርት ልምዓት ንምሕጋዝ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።