ማሕበራዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራዊ
ምዝገባ ጉዕዞ ሓጅ 2019 ዓ/ም ቀፃሊ ሓሙስ ክጅመር እዩ
Oct 20, 2026 383
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 10/2019 (ኢዜኣ) ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምዝገባ ጉዕዞ ሓጅ 2019 ዓ/ም ቀፃሊ ሓሙስ ከም ዝጅመር ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምዝገባ ጉዕዞ ሓጅ 2019 ዓ/ም ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ። ምክትል ፕሬዚዳንት ዘፈር ጉዳይ ዑለማን ማሕበራውን እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሼህ ሃሚድ ሙሳ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ምግዘባ ሓጅ ካብ ቀፃሊ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳለጥ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ምዝገባ ግልፂ፣ቅልጡፍን ደረጅኡ ዝሓለወን ንምግባር ኣገልግሎቱ ከም ዘማዕበለ ብምግላፅ፤ ህዝበ ሙስሊም ክምዝገብ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ኡስታዝ ኣቡበከር ኣህመድ ብግደኦም፤ ከይዲ ምዝገባ እዚ ዓመት ቅድሚ ሕዚ ዝረኣዩ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ብዘትርፍን ንሙስሊም ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንታሪኽ ነጃሺ ብዝምጥንን መልክዑ ከም ዝተዳለወ ገሊፆም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘቕረቦ ዝለዓለ ኣገልግሎት ካብ ሳዑዲ ዓረቢያ ሽልማት "ዳይመንድ ደረጃ" (Diamond Award) ከም ዝረኸበ እውን ሓቢሮም። እቲ ከይዲ ምዝገባ ቴክኖሎጂ ብዝጥቀሙ ማእኸላት ምዝገባ ሓጅ ክሳብ 10 ጥሪ 2019 ዓ/ም ከም ዝፀንሕ ኣፍሊጦም።
ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዝተፀገሙ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ እናተገበረ እዩ
Oct 14, 2026 469
ሰመራ፣ ጥቅምቲ 4/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዝተፀገሙ ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ ተበፃሒ ይግበር ኣሎ። ካብ ኣዳማ ማእኸል መኻዚን መዋህለሊ እኽሊ ብቀዳማይ ዙር ዝተፀዕነ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት ይዕደል ኣሎ። ሎሚ ዕለት እውን ኣብ ወረዳ ቢዱ ጣብያ ጊሪፎ ንብዙሓት ወገናት ተበፃሒ ዝተገበረ እንትኸውን፤ ሓገዝ ዝተገብረሎም ወገናት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም። ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ምዝባዕ ኣብቲ ኣከባቢ ብዝተከሰተ ድርቂ ንፀገም ምግላፆም ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፣ ሓገዝ ኣብ ዘድለየና እዋን በፂሑልና ኢሎም። ሓገዝ ካብ ዝተገብረሎም ወይዘሮ መይረም ኣብዱ፤ ዝተገብረልና ሓገዝ ንደቅናን ንመላእ ቤተሰብናን ዘጋጠመና ሕፅረት ምግቢ መፍትሒ ዝኾነና እዩ ብምባል ገሊፀን። መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብምርዳእ ቕልጡፍ ምላሽን ሓገዝን ብምግባሩ ኣመስጊነን። ካልእ ተጠቃሚት እቲ ሓገዝ ወይዘሮ ኣሲያ መሓመድ፤ ኣብቲ ኣከባቢ ዘጋጠመ ፀገም መንግስቲ ፈሊጡ ኣድላይ ሓገዝ ስለዝገበረልና ነመስግን ኢለን። ብመንግስቲ ሓገዝ እንተዘይግበረሎም ነይሩ ባዕለንን ቤተሰበን ናብ ዝገደደ ፀገም ክወድቃ ከም ዝነበሩ ገሊፀን። ብምዃኑ ድማ ንዓኣን ሓዊሱ ንካልኦት ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተገብረሎም ሓገዝ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ገሊፀን። ኣብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ክልል ዓፋር መራሒ ጉጅለ ፅሬትን ቁጽጽርን መኽዝን ኣይተ መሓመድ ኣብደላ፤ ኣብቲ ክልል ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ሓገዝ ንዝደልዮም ወገናት ሓገዝ ይግበረሎም ምህላዉ ተዛሪቦም። እቲ ክልል ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ሓገዝ ንዝደልዩ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብር ምፅንሑን ሐዚ እውን እናገበረ ምህላዉን ብምልዓል፣ ካብ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ዝተልኣኸ እውን ቀዳምነት ንዝደልዮም ወገናት ይበፅሕ ምህላዉ ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ተፈጥሮ ሃፍትን ወረዳ ቢዱ ኣይተ የሱፍ መሓመድ፤ ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብቲ ኣከባቢ ዝተከሰተ ድርቂ ንነበርቲ ንፀገም ከምዘቃለዖም ገሊፆም። ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ዘሎ ፀገም ብምርዳእ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ምግባር እዋናውን ኣድላይን ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድልዮም ወገናት ካልኣይ ዙርያ ደገፍ ተጓዓዒዙ
Oct 14, 2026 309
ኣዳማ /ጥቅምት /4/2019 (ኢዜኣ) ፦ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ሰብኣዊ ደገፍ ንዘድልዮም ወገናት ካልኣይ ዙር ደገፍ ይጓዓዓዝ ምህላዉ ከሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጲያ ኣፍሊጡ ። ሎሚ ዕለት ካብ ኣዳማ መኸዝን ማእከል መዋህለሊ እኸሊ ሰብኣዊ ደገፍ ንዝፃዓኑ ተሽከርከርቲ ናብ እቲ ክልል ኣምሪሐን ኣለዋ ። እቲ ክልል ብዓቕሙ ምላሽ ንምሃብ ፃዕሪ እናገበረ እንትኸውን፤ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ እውን ቀዳምነት ንዝወሃቦም ወገናት ሓገዝ እናበፅሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ እናሀቦ ዝነበረ ሓገዝ ብምጥንኻር ተፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ብዓቕሚ ሃገር ምላሽ ናይ ምሃብ ፃዕሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቱ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ቀዳምነት ሓገዝ ንዝሓቱ ወገናት ይለኣኽ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ክበፅሖም ከም ዝግበር እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ ኣሎ ።
ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሃገርን ሕብረት ህዝብታትን ዓብዪ ሃገራዊ ሓይሊ እዮም
Oct 13, 2026 379
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ትካላት ሃይማኖት ንህንፀት ሃገር፣ ንሕብረት ህዝብታትን ከምኡ’ውን ንሓድነት ዓብዪ ዓቕሚ ምዃኖም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። መበል 45 ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ሓፈሻዊ ቤተ ክህነት ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምክያድ ጀሚሩ ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከም ዝገለፅዎ፤ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ባህሊ፡ ስነ-ጥሑፍ፡ ሓድግታትን ህንፀት ጥበብ ምህንድስናን ታሪኻዊን ዘላቕን ግደ ኣበርኪታ እያ። እታ ቤተ ክርስቲያን ንዘመናት ማእኸል ትምህርቲ፣ ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን ኰይና ብምግልጋል ንናፅነት ሃገርን ንሕብረት ህዝብታትን ግንባር ቀደም ኰይና ምፅናሓ እውን ኣብሪሆም፡፡ ኣቦታት፡ ኣዴታት ዝነበሮም ጠንካራ መንፈሳዊ ተጋድሎን እምነትን ንሃገርን ንቤተ ክርስቲያን ዘላቒ ማሕተም ምዕራፎም ብምዝካር፣ እዚ ወለዶ እውን እዚ መርኣያ ብምስዓብ ሃገራዊ ፀገማት ብምፍታሕ ግደኡ ክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኵሎም ትካላት ሃይማኖት ብሓባር ዘራኽቦም ቀንዲ መሰረት ኢትዮጵያዊነት ምዃኑ ኣገንዚቦም። ትካላት ሃይማኖት መሰረት ህንፀት ሃገርን ሰላምን ምዃኖም ብምግላፅ፤ እዚ ኣበርክቶኦም ከጠናኽሩ ሓቲቶም። መንፈሳዊ ኣቦታት፣ ካህናት፣ ሊቃውንትን ምእመናንን ተዋሂብዎም ዘሎ ሓደራ ብምፍፃም ዘላቒ ሰላም ብምፅናዕ፣ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር፣ ድኽነትን ድሕረትን ብምውጋድ ኣወንታዊ ግደኦም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት፤ እቲ ጉባኤ ሰበካ ብዕሊ ምጅማሩ ኣበሲሮም። ቀንዲ ዕላማ እቲ ጉባኤ ፍቕሪ ብምስፋሕ፣ ሓድነት ንምጥንኻርን ተጊህኻ ንምስራሕን ቆራፅነት ዝሕደሰሉ ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።
ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው እዩ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Oct 13, 2026 256
ኣዲስ ኣበባ፤ ጥቅምቲ 3/2019 (ኢዜኣ)፦ ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሒቢሩ ንምስራሕ ድሉው እዩ ክሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሎሚ ኣብ መኸፈቲ መበል 45 ጉባኤ ሰበካ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ተረኺበ ኣለኹ ኢሎም። ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ፣ ኣብ ሓድጊ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፣ ኣብ ሓለዋ ዱር ፣ ብሓፈሻ ኣብ ህንፀት ሃገር ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ መተካእታ የብሉን ኢሎም። እዚ ዕቑር ዓቕሚ ብምጥቃም ድኽነትን ድሕረትን ንምጥፋእ፣ ሰላም ንምፅናዕን ህዝብታት ንምትእስሳርን ቀዳሚ ተራ ከም ትፃወት ተስፋ ይገብር ኢሎም። ትካላት ሃይማኖት መንፈሳውነት ሓይሊ ብምግባር ንህንፀት ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ኩሉ መንግስቲ ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና-ተጠቀምቲ
Oct 11, 2026 206
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 1/2019 (ኢዜኣ) ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ኣገልግሎት በረራ ኣውሮፕላን ዳግማይ ብምጅማሩ ተሓጒስና ኢና ክብሉ ተጠቀምቲ ተዛሪቦም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ 1 ይቅምቲ 2019 ዓ/ም ናብ ከተማ መቐለ ዳግማይ በረራ ከም ዝጅምር ብዝገለፆ መሰረት ስሩዕ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሎሚ ጀሚሩ። ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኣውሮፕላን እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዓሪፋ። ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ስዒቡ እውን ብርክት ዝበሉ ነበርዪ ከተማ መቐለ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ዝተሰምዕ ታሕጓስ ገሊፆም እዮም። ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማን ካልኦት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎትን እቲ ትራንስፖርት ዳግማይ ብምጅማሩ ከም ዝተሓጎሱ ሓቢሮም። እዚ ድማ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ልምዓት ንምቅልጣፍን ዘለዎ ቆራፅነትን ተግባራዊ ስጉምትን ብግልፂ ዘርኢ እዩ ኢሎም። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ምጅማሩ ኣብቲ ክልል መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንዝግበር ፃዕሪ ከም ዘቀላጥፎ እውን ተዛሪቦም። ኣይተ ኣሸናፊ ፀጋይ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ንስራሕ ጉዳይ ናብ መቐለ ኣብ ዝኸድሉ እዋን እቲ በረራ ብምቛረፁ ምኽንያት ንፀገም ዋላ ተቓሊዖም እንተፀንሑ ሐዚ እቲ ኣገልግሎት ብምጅማሩ ዓቢዪ ደስታ ተሰሚዕዎም እዩ፤ ተስፋኦም እውን ለምሊሙ እዩ። ምጅማር ኣገልግሎት በረራ እቲ መንገዲ ኣየር ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ኩለ መደያዊ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ስጉምትታት ሓደ ምዃኑ እውን ገሊፆም። እቲ ክልል ንሕፅረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ኣቑሑት ተቓሊዑ ምፅናሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣሸናፊ፤ መንግስቲ ፌደራል ሐዚ ዝጀመሮ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ከም ዘፅንዕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም። ኣይተ ናትኤል ሰለሞን ብወገኖም፤ ኣገልግሎት በረራ ዳግም ብምጅማሩ ኣዝዮም ሕጉስ ምዃኖም ተዛሪቦም። ወሲኾም እውን ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ህዝቢ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝተጀመረ ዘበረታትዕ ኣገልግሎት በረራ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነቶም ገሊፆም። ኣይተ ሃድራት ኮት ኣገልግሎት በረራ ዳግማይ ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ልዑል ደስታ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ንህዝቢ እቲ ክልል ዝለዓለ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ይርከብ
Oct 10, 2026 137
መራ /መስከረም/ 30/2019ዓ/ም/ኢዜአ/ አብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብዝተፈጠረ ጸቅጢ ድጋፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ሰብኣዊ ደገፍ እናተጓዓዓዘ ከምዝኾነ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጲያ አፍሊጡ። ካብ መአኸል መኸዘኒ እኸሊ አዳማ ተጻዒኑ ህጹጽ ሰብአዊ ሓገዝ ናብ ክልለ ዓፋር አብ ምጉዕዓዝ ከምዘርከብ እቲ ኮምሽን ገለጹ። ንዘጋጥሙ ተፈጥራዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ክልላት ብናይ ባዓለን ዓቅሚ ምላሽ ንምሀብ እናተረባረባ እንትኾና እቲ ኮምሽን እውን ቀዳምነት ንዝሓረየን ከባቢታት ተወሳኺ ሰብአዊ ሐገዝ እናገበረ ይርከብ። ብ መሰረት እዚ አብ ክልል ዓፋር ብቀዳምነት አብ ዝተሓረዩ ድጋፍ ንዘድልዮም ወገናት እቲ ሓገዝ ኣብ ምብፃሕ ከምዝርከብ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ ኣሎ ። ክልል ዓፋር እቲ ብባዓሉ ዓቅሚ ዝገብሮ ሓገዝ ክትትልን ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ኮምሽን ናይ ቀረባ ድጋፍን ክትትልን እናገበረ ምኻኑ ገሊፁ ኣሎ። ካብ አዳማ መሕለውታ ናይ እኽሊ መኻዝን ሐገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ዓፋር ተንቀሳቂሰን አለዋ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበር ስሩዕ በረራ ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክጅምር እዩ
Oct 9, 2026 221
ኣዲስ አበባ ፤ መስከረም 29/2019 (ኢዜአ)፦ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብግዝያውነት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበር ስሩዕ በረራ ካብ 1 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ከም ዝጅምር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኣየር መንገድ ዓማዊል ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ቢሮ መገዲ ኣየር ብምኻድ ወይ ድማ ናብ ማእኸል ፃዋዒት 6787 ብምድዋል ጉዕዞ ምዝገባ ከትሕዙ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንጥዑይን ኣፍራዪን ወለዶ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ብቆራፅነት ክሰርሓ እየን -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Oct 7, 2026 297
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 27/2019 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንጥዑይን ኣፍራዪን ወለዶ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ብቆራፅነት ከም ዝሰርሓ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መፃኢ እ ኣፍሪካ ንምቕያር ጥዕና ሕፅናት ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም። መድረክ ልውውጥ ተሞክሮ መራሕቲ ስርዓተ ምግብ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማን ላዕለዎት ልኡካኖምን ብምዃን ብወግዒ ከም ዝጀመሩ ገሊፆም። ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ብስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዝተኣሳሰራ እንተኾና፣ ሰፊሕ ህዝቢ፣ ሰብኣዊ ዓቕምን ቁጠባዊ ዓቕምን ናይተን ክልተ ሃገራት ብዝተዋደደ ፃዕሪ ክምራሕ እንተሎ ንዕብየትን ምዕባለን ኣፍሪካ ግዙፍ ዕድል ዝፈጥር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ናይጄሪያ ኣብ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ዘመዝገብናዮ ጭቡጥ ተሞክሮ ንምቕሳም ዝገበረቶ ዑደት ናይዚ ምሕዝነት ጭቡጥ መርአያ ምዃኑ ሓቢሮም። ስርዓተ ምግብ ጉዳይ ጥዕና ጥራሕ ዘይኮነስ ፤ መሰረት ልምዓት ዓቕሚ ሰቅ፣ ውፅኢት ትምህርቲ፣ ዓቕሚ ፍርያትን መሰረት መፃኢ ምዕባለን እውን እዩ ስለዝኾነ ጉዳይ ስርዓተ ምግቢ ብዝለዓለ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፣ ብዝተዋደደ ስራሕ መንግስትን ብሕታትነትን ክምራሕ ከም ዘለዎ ኣልዒሎም። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብቃል ኪዳን ሰቆጣ ዝጀመረቶ ጓዕዞ ብጠንካራ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፣ ብትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ብዝግበር ክትትልን ብዝተዋደደ ምድባ በጀት ብምስፍሕፋሕ ጭቡጥ ውፅኢት ከም ዝተመዝገፆ ገሊጾም። ልውውጥ ተሞክሮ መራሕቲ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ነዚ ተሞክሮ ካብ ምክፋል ሓሊፉ ዓቕሚ ክልቲኤን ሃገራት ብምውህሃድ ጥዕና፣ መፍርያይነታን ምዕባለኣ ዝተረጋገፀትሪካ ኣፍሪካ ሓባራዊ መፍትሒ ንምርካብ ዕድል ከም ዝኸፍት እውን ኣልዒሎም። ጥዕና ሕፅናት ሎሚ ዓቕሚ ኣፍሪካ ፅባሕ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ በዚ እምነት ምትሕብባርን ቆራፅነትን መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራትን ብምጥንኻር ንጥዑይን ኣፍራዪ ወለዶ ጽኑዕ መሰረት ክንተክል ኢና ኢሎም።
በዓል ሆረ ኣርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ
Oct 4, 2026 354
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 24/2019 (ኢዜአ)፦ በዓል ሆረ አርሰዴ ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ መልካ ኣርሰዴ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ። በዓል ሆረ ኣርሰዴ ኢሬቻ ብኣባገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን ስነ-ስርዓት ምርቃት ዝተጀመረ እንትኸውን፤ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መልካ አርሰዴ ስነ-ስርዓት ኢሬፈና (ምስጋና) ይካየድ ኣሎ። ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ብሰላም ብምዝዛሙ ንኹሉ ነገር ንዝፈጠረ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉን ዝመፅእ ዘመን ሰናይ ንኽኸውን ፈጣሪ ዝልምነሉን በዓል እዩ።
በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብፍሉይ ድምቀት ብምኽባር ተዛዚሙ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 3, 2026 374
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 23/2019 (ኢዜኣ) በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ እዚ ዓመት ባህላዊ ክብሩን ፀግኡን ሓልዩ ብሰላምን ሓጎስን ብፍሉይ ድምቀት ብምኽባር ከም ዝተዛዘመ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፤ ኢሬቻ መግለፂ ምስጋና፣ሰላም፣ፍቕርን ሓድነትን እዩ ኢለን። ፀጋታት ኢሬቻ ብተግባር ብምግላፅ፣ዓቕምታትና ኣተሓባቢርናን ሓድነትና ኣፅኒዕናን ንሰላም ኢትዮጵያ፣ሃገራዊ ምርድዳእን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ንትጋህ ክብላ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን። እቲ በዓል ብሰላም ንክዛዘም ንዝገበሩ ኣካለት ኩሎም ድማ ምስጋና ኣቕሪበን።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Oct 2, 2026 352
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 22 /2019(ኢዜኣ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ በዓል ኢሬቻ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፎም። ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መልእኽቶም፤ ኢሬቻ ንክብሪታት ሓቢርካ ምንባር፣ ሰላም፣ ምክብባር፣ ዕርቂን ፅኑዕ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘጉልህ ዓብዪ ባህላዊ መድረኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። እቲ በዓል ንሰላም፣ ብሄራዊ ሓድነትን ምዕባለን ሃገርና ብዝበለፀ ንክንተግህ ዓብዪ ምንቕቓሕ ዝፈጥር ክኸውን ይምነ ኢሎም።
ኢሬቻ ሓባራዊነትን ሃገራዊ ምርድዳእን ዘጠናኽር ሓባራዊ ክብሪ እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Oct 2, 2026 135
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/22/ 2019 (ኢዜኣ) ኢሬቻ ሓባራዊነትን ሃገራዊ ምርድዳእን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ሃገራዊ ልምዓት ንምቕልጣፍ ዝሕግዝ ሓባራዊ ክብሪ እዩ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡ “ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 8ይ ፎረም ኢሬቻ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ፎረም ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኢሬቻ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ሓድነት፣ ሓባራዊነት፣ ምክእኣልን ዘጎልብት ክብሪ እዩ ኢለን። እቲ በዓል ሰላም፣ ሓባራዊነትን ምርድዳእን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ዜጋታት ብሓባር ደው ብምባል ሃገራዊ ልምዓት ንምቕልጣፍን ካብ ድኽነት ንምውፃእን ዝሕግዝ ሓባራዊ ክብሪ ምዃኑ ኣመልኪተን ። #ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Oct 2, 2026 97
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 22/2019 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፤ ህዝቢ ኦሮሞ ኢሬቻ ፈተናን ዝናብን እዋን ክረምቲ ሓሊፉ ተፈጥሮ ብሓምለዋይ ፅባቕአን ዕምበባን ተዋሂዳ እዋን ብራ እንትብሰር ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ፅቡቕ በዓል ምስጋና እዩ ኢሎም። ኢሬቻ ዝሓለፈ ብምስጋና ብምዝካር ንሕዚ ድማ ብሰላም ዘኽብር፣ መፃኢ እውን ብተስፋ ዝቕበል መግለፂ ሓድነት እዩ ክብሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኢሬቻ መሰረት ሰላምና፣ ጥንካረ ሓድነትናን ሓባራዊ ፅባሕናን ብዝበለፀ ዘብርሀሉ በዓል ይኹን ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። #ዓባይሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ሽልማት ሂበን
Oct 1, 2026 116
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2019 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘምፅኡ ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን ሂበን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገብኩም ተምሃሮ ሎሚ ኣፍልጦን ሽልማትን እንትንህበኩም ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ይስመዓና ኢለን። እቲ ስነ ስርዓት ኣፍልጦን ሽልማትን ዋጋ ውፅኢትኩም ኣፍልጦ ንምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ተምሃሮ እውን ተስፋ ዝኾንኩምሉ እጃም ንምጉላህ እዩ ክብላ እውን ሓቢረን። ውፅኢት ብኣጋጣሚ ከም ዘይርከብ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ካብ ግልፂ ዕላማ፣ ትግሃት፣ ግዜ ብኣግባቢ ምጥቃምን ፅንዓትን ዝፍልፍል ከም ዝኾነ ገሊፀን። እዚ ሎሚ ዘመዝገብኩሞ ዓወት ናይዞም ፃዕርታት ውፅኢት እዩ ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ እዚ ክብሪ ድማ ንዓኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ንቤተሰብኩም፣ መምህራንኩምን መላእ ማሕበረሰብ ትምህርትን ዝግባእ እዩ ኢለን። ይኹን እምበር ውፅኢት መወዳእታ ዘይኮነስ መበገሲ ቀፃሊ ዓወት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ሕዚ ዝፅበየኩም ዝበለፀ ፍልጠት፣ ሓላፍነትን ዓብይ ዕላማን ከም ዝኾነ ኣብሪሀን። ክቡራት ተምሃሮና እትመሃሩ ንፈተና ጥራሕ ዘይኮነስ ንህንፀት ሃገር፣ ማሕበረሰባዊ ለውጥን ንዝሓሸ ፅባሕን እዩ ኢለን።