ማሕበራዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራዊ
ኣብ ዋና ከተማ መዓልቲ ምንስርራእ ምኽንያት ብምግባር ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ይወሃብ ኣሎ
Sep 7, 2026 243
ኣዲስ ኣበባ፤ ጳጉሜን 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መዓልቲ ምንስርራእ ምኽንያት ብምግባር ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት እናተውሃበ ከም ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ። መቐበሊት ሓዱሽ ዓመት ዝኾነት መዓልትታት ጳጉሜን ብዝተፈላዩ ስያመታት እናተኸበረ እንትኸውን ሎሚ 2 ጳጉሜን እውን መዓልቲ ምንስርራእ ብዝብል እዩ ዝኽበር ዘሎ። መርኣያ ምንስርራእ ዝኾነ ዓውዲ ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንነበርቲ እታ ከተማ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብምሃብ እቲ መዓልቲ እናኽበረ ከም ዝኾነ ተገሊፁ። ኣብቲ ንፍርቂ መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ፣ኣውቶብሳት ከተማን ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባን ንዓማዊሎም ሰናይ ሓዱሽ ዓመት ብምምናይ እናተሳተፉ ከም ዝኾኑ እውን ተሓቢሩ። ኣብ ቦሌ ሚሊኔም ከባቢ ዝተውሃበ ነፃ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዘጀመሩ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዳኛቸው ሽፈራው ከም ዝበልዎ፤ ኣብቲ ነፃ ትራንስፖርት 1 ነጥቢ 1 ሚልዮን ነበርቲ እታ ከተማ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም። መርኣያ ምንስርራእ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኾኑ ልምዓታት ዓውዲ ትራንስፖርት እቲ ዋና ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕቤት እታ ከተማ ዝምጥን ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ብምስፍሕፋሕ እቲ ዓውዲ ምንስርራእ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቦም።
ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው ንዘላቒ ብልፅግና ሃገር መሰረት እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Sep 4, 2026 799
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 29/2018 (ኢዜኣ) ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው ንዘላቒ ብልፅግና ሃገር መሰረት ከም ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምንቅስቓስ ስራሕ ንኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ዘገልገል፣ታሪኻዊ ፀጋን ዘበናዊ ዓቕምን ዘጣመረ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሎሚ ተዓዚብና ኢሎም። ድምር ውፅኢት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ኩሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ዝሰርሕን ንኩለ መዳያዊ ብልፅግና ሃገሩ ዝተግህን መፍረያይ ሕብረተሰብ ምህናፅ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ጥዕና ሕብረተሰብ ምሕላው ንዘላቒ ብልፅግና ሃገር መሰረት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ እውን ኣብ ምፍላይ ለበዳ፣ ክትትልን ምላሽን ሕማም፣ ላብራቶሪ፣ ምርምር፣ ዲጂታላይዜሽንን ድሉውነት ስግኣት ጥዕናን ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር እናደገፈ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም። ኣብ ክልላት ማእኸል መቆፃፀርን መከላኸልን ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ምጥያሹን ሪፈራል ላብራቶሪታት ምስፍሕፍሑን እውን ዓቕሚ ድሉውነት ጥዕና እታ ሃገር እናጠናኸረ ዘሎ ወሳኒ ተግባር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን ማእኸል ልህቀት ጥዕና ኣፍሪካ ንምዃን ብልዑል ትግሃት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ማእኸል ምትሕብባር ትካል ጥዕና ዓለም ብምዃን ዓለም ለኸ እጃሙ ንምጥንኻር ብርቱዕ ፃዕሪ እናገበረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ናይ ትማሊ ታሪኽ፣ ንሎሚ ብዘበናዊነት ኣዋዲዱ ናብ ፅባሕ ዝግስግስ ከምዚ ዝበለ ትካል ምድጋፍን ምጥንኻርን ንፅባሕ ዘይበሃል ተግባር እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም። እቲ ኢንስቲትዩት ብልፅግና ሃገር ንምቅልጣፍ ወሳኒ ዓቕሚ ስለ ዝኾነ መንግሥቲ ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም።
ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢት እናርኣዩ እዮም - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ
Sep 3, 2026 521
ኣሶሳ፤ ነሓሰ 28/2018 (ኢዜኣ)፡- ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምዕባይ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ውፅኢት የርእዩ ምህላዎም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም። ቢሮ ትምህርቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ "ፅሬቱን ፍትሓውነቱን ዝተረጋገፀ ትምህርቲ ንዝሓሸ ውፅኢት" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 28 ክልላዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ከተማ ኣሶሳ የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽቡ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ከምዝተዛረብዎ፤ ምስፍሕፋሕ ኣብያተ ትምህርቲ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ፅሬትን ተባፅሕነትን ትምህርቲ ንምዕባይ ዓብዪ ግደ እናተፃወተ ይርከብ። ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ መዳርግቲ ኣካላት ትምህርቲ ብምስታፍ ዝተሳለጡ ተግባራት ዘተባብዕ ውፅኢት እንተምፅኡ እውን በቲ ዝድለ ብርኪ ብዘይምዃኑ ተወሳኺ ስራሕ ከምዝሓትት ገሊፆም። ኣብ ዘበን ትምህርቲ 2019 ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምስ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምትእስሳር ብቕዓትን ዓቕሚ ፈጠራን ተምሃሮ ንምዕባይ ብትኹረት ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም። ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ዝወሰዶም ስጉምትታት ውፅኢታውያን ካብ ምዃኖም ሓሊፉ ኣብ ምገባ ተምሃሮ ዝተሓሸ ተመክሮ ከምዘርኣየ ኣልዒሎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻደሊ ሃሰን ብወገኖም፤ ኣብቲ ክልል እታዎትን መሰረተ ልምዓትን ትምህርቲ ብምምላእ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ጋህዲ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ። ኣብቲ ክልል ሓደሽቲ ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናፅ ምጥማር ተምሃሮ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ስልጠና መማሓየሺ ሞያ መምህራን ከምዝተወሃበ ጠቒሶም። መሳርሒታት ሓገዝ ትምህርቲ ብምድላው ንውፅኢታውነት እቲ ዓውዲ ትኹረት ተወሂቡ ክስራሕ ምፅንሑ እውን ኣመላኺቶም።
መዓልትታት ጳጉሜን ዓወታትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ብዘርኢ መልክዑ ክኽበሩ እዮም
Sep 2, 2026 612
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 27/2018 (ኢዜኣ) መዓልትታት ጳጉሜን ዓወታትን ፈተናታትን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ብዘርኢ መልክዑ ከም ዝኽበሩ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምድላውን ስያመን 5 መዓልትታት ወርሒ ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም። መዓልትታት ጳጉሜን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታትን ፀብለልታዊ ውፅኢታትን ዝዝከርሎምን እቲ ህዝቢ ንክፈልጦም ዝግበረሎምን ከም ዝኾኑ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም። ዝተሓላለኹ ፈተናታት ሓሊፉ ዓቕሚ ምስጋር ምጥንኻርን ንዓወት ዘብቅዑ ተሞኩሮታት ዝድህሰሰሉን ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም። 5 መዓልትታት ጳጉሜን 2018 ዓ/ም ብበርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላውን ስያመን ንምኽባር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ከም ዝተሳለጡ ኣረዲኦም። በዚ መሰረት ድማ 1 ጳጉሜን (መዓልቲ ፀብለልታ)፣2 ጳጉሜን(መዓልቲ ምንስርራእ)፣3 ጳጉሜን (መዓልቲ ፅንዓት)፣4 ጳጉሜን (መዓልቲ ሕብር) ከምኡ እውን 5 ጳጉሜን(መዓልቲ ፅባሕ) ብዝብሉ ስያመታት ከም ዝኽበሩ ገሊፆም። እቶም መዓልትታ ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩሎም ክልላት፣ምምሕዳር ከተማታት፣መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታትን ኣባላት ማሕበረሰብን ከም ዝኽበሩ ሓቢሮም። ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምንስርራእን ፀብለልታን ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ ኢሎም። እቲ ሓዱሽ ዓመት ናይ ብልፅግና፣ምትሕብባርን ምትእስሳርን ዓመት ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ሃይማኖታዊ ፀጋታት ኢትዮጵያ መግለፂ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ድልድላት ሃገራዊ ምርድዳእን እዮም
Sep 1, 2026 588
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ሃይማኖታዊ ፀጋታት ኢትዮጵያ መግለፂ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ድልድላት ሃገራዊ ምርድዳእን ከም ዝኾኑ ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም። መበል 15 ዓመት ምስረታን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝደመቐትን ብዝሃ እምነታት፣ ባህልታትን ቋንቋታትን ተኸኣኢሎም ዝነብሩላን ሃገር እያ። ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘበናት ዝተሳገረ ምትእስሳርን ዕሙቕ መስተጋብርን እውን ሉኣላዊ ዶብ ሃገር ብምሕላው መስዋእቲ ምኽፋል እውን ዝሓውስ ምልክት ሓድነት ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ሃይማኖታት ኢትዮጵያ መግለፅታት ሰላም፣ ሓድነት፣ምኽክርን መንፈሳዊ ኣስተምህሮን ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣቦታት እምነት እውን እዚ ፀጋ ብምቕፃል ድልድል ሃገራዊ ምርድዳእ ክሃንፁ ይግባእ ኢሎም። ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ እውን ኩሎም ሃይማኖታት ሕድ ሕዳዊ መስተጋብሮም ብምጥንኻር ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ እጃሙ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ስለ ዝኾነ ድማ ብሄራዊ ረብሓን ሓድነትን ኢትዮጵያ ብምሕላው፣ ሕብረ ብሄራዊነት ከም ገይፅን ፍሉይ ፀጋን ዝቖፅር ወለዶ ምፍራይ ዘኽእል መሰረት እናተነፀፈ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ምድኻም ኢትዮጵያ ዝደልዩ ሓይልታት ጥፍኣት እውን እኩይ ተግባሮም ብኣግባቡ ብምርዳእ ኩሉ ዜጋ ንሰላምን ሓድነትን ሃገር እጃሙ ክዋፃእ ከም ዝግባእ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍሉይ ትኹረት ብምስርሑ ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Sep 1, 2026 312
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍሉይ ትኹረት ስለዝተሰርሐ ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ ከም ዝመፀ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። እተን ከንቲባ ሎሚ መዓልቲ “ብሩህ ፅባሕ ብናይ ሎሚ ኣእምሮታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 33 ከተማ ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ከም ዘጀመራ ኣፍሊጠን። እዚ ጉባኤ በቢ ዓመቱ እነካይዶ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ፣ተበፀሕነት ንምስፋሕ፣ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጥዕና ዘለዎን ውፅኢታውን ንምግባር፣ኣብቲ ዓውዲ ዝተሰርሑ ጠንካራ ስራሕቲ ልምዲ እንረኽበሉ፣ዝእረሙ ፈሊኻ ብሓባር መፍትሒ እንህበሉን ብሓባር ኣንፈት እንሕዘሉን ጉባኤ እዩ ኢለን። ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ምምሕዳር ከተማና ብፍሉይ ትኹረት ሰሪሕና ውፅኢት ተምሃሮ እናተመሓየሸ እዩ መፂኡ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ በዚ ድማ ኣብ ከተማና ውፅኢት ክፍሊ 12 ናብ 33 ሚኢታዊ ዓብዩ እዩ ክብላ ሓቢረን። ይኹን እምበር ዋላ ሕዚ እውን ልዑል ውፅኢት ትፅቢት ከም ዝግበርን ብዙሕ ምስራሕ ከም ዝግባእን ኣረዲአን።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንህዝብን ሃገርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብተግባር እናረጋገፀ እዩ-ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ
Sep 1, 2026 242
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንህዝብን ሃገርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብተግባር እናረጋገፀ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ ገሊፆም። መበል 15 ዓመት ምስረታን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። ሚኒስትር ሰላም መሐመድ እድሪስ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ኣባል ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባር ሓድነት ንምህናፅን ሰላም ንምፅናዕን ዝተባብዑ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነትን ምሕዝነትን ንምህናፅ ዝተጀመረ ሃገራዊ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን እቲ ጉባኤ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ጉባኤ ካብ ዝምስረት እዋን ጀሚሩ ኣባል ትካላት ሃይማኖት ፀገማት ብሓባር ብምፍታሕ ብሓድነት ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝፀሓፉ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ክኾርዑ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም። ሃገራዊ ምኽክር ሓዊሱ ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ንሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኣበርክቶ ብተግባር ዘመስከረ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም። እቲ ጉባኤ ንዝበለፀ ውፅኢታውነት ዝመፀሉ ጉዕዞ ብምግምጋም ጥንካርኡ ከቐፅል ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ድማ ብሓባር ምስርሑ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ ኢሎም።
ትካላት ሃይማኖት ልዕና ሞራልን ሓባራዊ ሕብረትን እቲ ሕብረተሰብ ሓሊኻ ኣብ ምፅናሕ ዘለዎም እጃም ከጠናኽሩ ኣለዎም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Sep 1, 2026 167
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 26/2018 (ኢዜኣ) ትካላት ሃይማኖት ልዕልና ሞራል፣ ፀጋታት ሰላምን ሕብረትን ሓሊኻ ኣብ ምፅናሕ ዘለዎን እጃም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከም ዘለዎም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መበል 15 ዓመት ምስረታን መበል 18 ሓፈሻዊ ጉባኤን ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ። ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ጉባኤ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ህዝባን ሓባራዊ ድሌታትናን እንዝክረሉን እንዝትየሉን ታሪኻዊ መድረኽ እዩ ኢሎም። እቲ ጉባኤ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባርን ብሕብረትን ንጉዕዞ ዕቤት ኢትዮጵያ ልዑል ፋይዳን መሰረትን ከም ዘለዎ ዘመስከርሉ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ተኸታተልቲ ወለዶታት ብሓሳቦም፣ ጉልበቶምን ፀሎቶምን ዝሃነፅዋ ዓባይ ሃገር ከም ዝኾነት ሓቢሮም። ካብ ዓምድታትን ማእገራትን ኢትዮጵያ ድማ ንዘበናት ሞራልን ስብ እናን እቲ ህዝቢ እናሃነፁ ዝፀንሑ ትካላት እምነት ከም ዝኾኑ ኣመላኺቶም። ኣቦታት ሃይማኖት ዋና ሓለውቲ ሞራልን ስነ ምግባርን እቲ ህዝቢ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ሰገናትን መናእሰይን ብደጋዊ ሓሳባትን ባህልታትን ንከይውሰዱ ትምህርቲ ምሃብ ኣድላይ እዩ ኢሎም። ፅንዓት ኢትዮጵያን ህዝብና ኣብ ጠንካራ መሰረት ንክህነፅ ዘለዎም ልዑል እጃም ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ከም ዝግባእ እውን ኣረዲኦም። መድረኻት ንዘበናት ዝሃነፅናዮ ምትሕስሳብ፣ ምድግጋፍን ምክብባርን ንምፍራስ ዝፅዕሩ ከምኡ እውን ምክፍፋል ከም ዓብይ ዓወት ዝቖፅሩ ድምፅታት ዝበዝሕሉ እዋን ከም ዝኾነ ፀሪሖም. ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር እጃም ተወከልቲ እምነት ልክዕ ከም ካልኦት ልዑል ከም ዝነበረ ምዕዛቦም እውን ሓቢሮም። ምምኽኻር ኣብ ሓቂ፣ ይቅርታ በሃላይነትን ሓባራዊ ምርድዳእን ንክፀንዕ፣ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓሳቡ ንከካፍል ከምኡ እውን ንዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ኢትዮጵያ መሰረት ንክኾን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ከም ዝተዋፅኡ እውን ተዛሪቦም። መንግስቲ ትካላት እምነት ንዘላቒ ሰላም፣ ማሕበራዊ ውህደትን ሓባራዊ ዕቤትን ኢትዮጵያ ዘለዎም ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዝርዳእን ልዑል ኣፍልጦን ክብርን ከም ዝህብን ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዕረፍቲ ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
Aug 30, 2026 236
ኣዲስ ኣበባ ፤ነሓሰ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዕረፍቲ ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ብዕረፍቲ ንጉስ ሃራልድ 5ይ ዝተሰመዖም ሓዘን ብስም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝገገፁ እንትኾኑ፤ ኖርወይ ተተኣማምን መሓዚ ኢትዮጵያ እያ ኢሎም። ኣብዚ እዋን ሓዘን እውን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኖርወይ ደው ከም ዝብል ኣመላኺቶም።
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዝምን እናገበረ እዩ
Aug 26, 2026 182
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 20/2018 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዘምን እናገበረ እዩ ክብሉ ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ተፃዋዕነቶም ንቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾኑ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራልን ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣትን ብሓባር ብምዃን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ወረዳ ጊኒር ጣብያ ሸወዴ ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዝተፈላለዩ ተግባራት ብዕሊ ኣጀሚሮም። ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቶም ትካላት ኣብ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ኣብ ዝርከብ ኣስደናቒ በዓቲ ሶፍ ዑመር እውን ዑደት ኣካይዶም። እቶም ትካላት ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መላእ ሃገር እናተኻየደ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ንምድጋፍ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ምጅማሮም እውን ሓቢሮም። ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ እናዓበየ ምምፃኡ ሜላ መነባብሮ ኸባቢታት ገፀር ሃገርና ክዘምን እናገበረ እዩ ኢሎም፡፡ ልምዲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ምዕባዪ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝካየዱ ተግባራት ዘጠናኸረ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም። ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገፀር ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ነዙይ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ ምዃኖም ገሊፆም። ልዕልና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩሉ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ ህዝብን ሃገርን ብቕንዕና ምግልጋል ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም። ምስ ኮሚሽን ስራሕ ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ብምትሕብባር ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ወረዳ ጊኒር ጣብያ ሸወዴ ካብ 100 ሚሊዮን ብር ንላዕሊ ዝወፅኡ ዝተፈላለዩ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ምጅማሮም እውን ተዛሪቦም። ካብቶም ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ምስ ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ብዝተዋደደ መገዲ 20 ኣባይቲን ሓደ መዋእለ ህፃናትን ንምህናፅ እምነ ኹርናዕ ምንባሩ ብምግላፅ፤ ካብቶም ዝህነፁ ኣባይቲ እቶም ሓሙሽተ ብምምሕዳር ዞቦ ምብራቕ ባሌ ከምዝህነፁ ገሊፆም። ን540 ተምሃሮ ዝኾኑ ንምህሮን ምምሃርን ዝጠቕሙ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ከምዝተገብረን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ከም ዝተሳለጠ እውን ሓቢሮም፡፡ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ስግኣት ኢትዮጵያ ኣይድሩስ ሀሰን ብወገኖም፤ ብመርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ዜጋታት ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ እቲ ኮሚሽን እናተሳተፈ ይርከብ ኢሎም። ኩለመደያዊ ልምዓታ ዝተረጋገፀላ ኢትዮጵያ ንወለዶ ንምርካብ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ወሰንቲ ምዃኖም እውን ወሲኾም ተዛሪቦም። ብምዃኑ እውን ምስ ሲቪል ሰርቪስ ኮሚሽን ፌዴራል ብምትሕብባር ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ዝገብሩ ተግባራት ሰናይ ፈቓድ ኣብ ዞቦ ምብራቕ ባሌ ምጅማሮም ገሊፆም፡። ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና ትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፈቓድ ክረምቲ ብዝተጠናኸረ መገዲ ምቕፃል ከምዘድሊ ገሊፆም።
ሃገራት ኣፍሪካ ተበፃሕነትን ዘላቕነትን ጥዕና ዘረጋግፁ ዓቕምታት ክሃንፃ ኣለወን-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Aug 25, 2026 256
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ሃገራት ኣፍሪካ ተበፃሕነትን ዘላቕነትን ኣገልግሎት ጥዕና ዜጋታተን ዘረጋግፁ ዓቕምታት ክሃንፃ ከም ዘለወን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። ኣብ 5 ዓምድታት ዓውዲ ጥዕና ትኹረት ብምግባር ን4 መዓልትታት ዝፀንሕ መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኩሎም ኣማራፅታት ብምጥቃም ሉኣላዊነት ጥዕና እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ቀፃልነት ዘለዎ ስራሕ እዩ ዝሓትት። ዘላቕነት ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንባር ዓቕሚ ፋይናንስ ብምጥንኻር ዓቕምታት ምርምርን ፈጠራን ምዕባይ ከም ዝግባእ እውን ኣመላኺቶም። ጭብጢ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እዚ ዓመት ኣፍሪካውያን ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ኣብ ሓለዋ ፅሬት ማይን ከባብን ትኹረት ዝገበረ እዩ ኢሎም። ሃገራት ኣባል እታ ኣህጉር እውን ስርዓት ጥዕና ዜጋታተን ዘመሓይሹ ውፅኢታት ፋይናንስ፣ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ብባዕላዊ ዓቕሚ ናይ ምጥያሽ ባህሉ ከማዕብላ ከም ዘለወን ኣገንዚቦም። ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና እታ ኣህጉር ንምምሕያሽ ምስ ኣባል ሃገራት፣ መሓዙት ልምዓትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብቆራፅነት እናሰርሐ ከም ዝኾነ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ትካል ጥዕና ዓልርምን መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር ስርዓታት ጥዕና እታ ኣህጉር ብዝተዋደደ ትልሚ ንምምራሕ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና ንምምዕባል ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ሃገራት ምጥንኻር ወሳኒ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Aug 25, 2026 276
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ስርዓት ጥዕና ንምምዕባል ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ወሳኒ ከም ዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መበል 76 ኣኼባ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ። ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብብርኪ ዓለም ተለዋዋጢ ፈተናታት ተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ኣብ ስርዓት ጥዕና ዜጋታት ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደሩ እዮም ። በዚ ድማ ኣፍሪካ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ዜጋታታ ብምምዕባል ኣብ ዓለም ዝበፅሕ ተቓላዕነት ጥዕና ብባዕላዊ ዓቕሚ ምላሽ ክትህብ ከም ዘለዋ ሓቢሮም። እዞም ፀገማት ኣፍሪካ ኣብ ዞባዊ ምትሕብባር ሓባራዊ ድምፃ ንምጥንኻርን ኣብ ጉዳያት ጥዕናኣ ሙሉእ ዋንነት ንምሓዝን ታሪኻዊ ዕድል ከም ዝፈጥሩ ተዛሪቦም። ኣፍሪካ ኣብ ግልፅን ደፋርን ኣንፈር መሰረት ዝግበረ፣ ዝተዋደደ ሓባራዊ ስትራቴጂ ከም ዘድልያን ብምግላፅ፤ ኣብ ጥዕና ትገብሮ ዘላ ኢንቨስትመንት ውሽጢ ሃገር ክተዕብዮ ከም ዘለዋ ኣረዲኦም። ስርዓት ጥዕና እታ ኣህጊር ንምምዕባል እውን ስትራቴጂክ ምሕዝነት ብምጥንኻር ባዕላዊ መድሓኒትታ ድሕንነት ጥዕና፣ ክትባታትን መሳርሕታት ምርመራን ምፍራይ ትፅቢት ከም ዝግበረላ ገሊፆም። ኣብ መንጎ ትካል ጥዕና ዓለምን ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ኣፍሪካን ተግባራዊ ምውዳድ ምጥንኻር ከም ዝግባእ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብቲ ጉባኤ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ምስ ሽቶ ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካ ኣዋዲድካ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝግባእ ሓቢሮም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ጥዕና ከም ስትራቴጂካዊ ብሄራዊ ኢንቨስትመንት ከም ትርእዮ ብምሕባር፤ ንጥዕና ዝምደብ በጀት ብተኸታታሊ እናወሰኸ ከም ዝመፀ ፀሪሖም። ዘላቒ ስርዓት ጥዕና ብዘይ ሰላምን ምርግጋዕን ክህሉ ከም ዘይኽእል ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ፖከቲካዊ ኣረኣእያታት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ዝተሳተፍሉ ሓቛፊ ብሄራዊ ምኽክር ብምክያድ ዓብይ ምዕራፍ ከም ዘሕለፈት ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ እውን ኣብ ብሄራዊ ኢንቨስትመንት፣ዞባዊ ምትሕብባርን ደገፍ ኣህጉራዊ ትካላትን እጃማ ንምውፃእ ድልውቲ ከም ዝኾነት ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ጥዕና ሕማም ብምክልኻልን ሓኪምካ ብምድሓንን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝግብ ኣላ - ሚኒስትር ዶክተር መቅደስ ዳባ
Aug 25, 2026 191
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብዲጂታል ስርዓት ጥዕና ሕማም ብምክልኻልን ሓኪምካ ብምድሓንን ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝግብ ምህላዋ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን። መበል 76 ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ኣሊ ዩሱፍ፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶክትር መቅደስ ዳባ፣ ሚኒስትራት ጥዕና ዝተፈላለያ ሃገራት፣ መራሕቲ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ትካላት ጥዕና ተራኺቦም እዮም። መበል 76 ጉባኤ ኮሚቴ ዞባ ኣፍሪካ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጀንዳ ጥዕና እቲ ዞባ ብምቕራፅ፣ ሓባራዊ ምትሕብባር ብምጥንኻርን ኣብታ ኣህጉር ጥዑይ፣ ውሑስን ፈተናታት ዝፃወር ሕብረተሰብ ንምህናፅን ዘኽእል እዩ። ብመሰረት እዙይ ኢትዮጵያ ነዚ መድረኽ ምድላዋ ኣብቲ ዞባ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ ስርዓት ጥዕና ንምፍጣር ዘለዋ ጠንካራ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ። ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መዳረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ስርዓት ጥዕናኣ ብምጥንኻርን ሃገራዊ ትኹረት ዝወሃቦም ጉዳዮት ጥዕና ንምዕዋት ዝመዝገበቶም ውፅኢታት ንምርኣይ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ምግባር፣ ኣፈፃፅማ ስርዓት ጥዕና ምጥንኻርን ንተላባዲ ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ብዓወት ምቁፅጻርን ሓዊሱ ዝተመዝገቡ ኣወንታዊ ውፅኢታት ዘይናዋፅ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ዘለዋ ዘላቒ ፃዕሪ ዘርኢ እዩ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበላኦ፤ ፅልዋ ለውጢ ኣየርን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳዮትን ኣብ ስርዓት ጥዕና ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድሩ ኣለዉ። ኢትዮጵያ ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ጥዕና ብዘላቕነት ንምምሕያሽ ብሔራዊ ስትራቴጂ ጥዕና ቐሪፃ ትሰርሕ ምህላዋ ገሊፀን። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ሙያ ሕክምና ብምብቃዕን መሳርሒታት ሕክምና ብምዘማንን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ብመሰረታዊነት ምቕናስ ተኻኢሉ እዩ ኢለን። ስርዓት ዲጂታል ጥዕና ብምዕባይ ልኡላውነት ጥዕናን ቴክኖሎጂን ንምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ይፈጣር ምህላዉ እውን ገሊፀን። ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ማቹሪቲ ሌቭል 3 ደረጃ ምብፃሓ ብምግላፅ፤ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ካብ ኢንዱስትሪ ፖሊሲ ንላዕሊ ስትራቴጂ ጥዕና እዩ ኢለን። ቴክኖሎጂ ኣብ ስርዓት ጥዕና ዜጋታት መሰረታዊ ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ ብምልዓል፤ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ብዙሕ ተመክሮ ከምዝተረኸበ ተዛሪበን። ኣፍሪካ ናይ ፍልጠትን ክእለት ፀገም የብላን፣ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣዋዲድካ ምጥቃም ይግባእ ኢለን። ንልኡላውነት ጥዕና ኣፍሪካ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ወሳኒ ምዃኑ ብምልዓል፣ ኢትዮጵያ ምስ ኣፍሪካውያን ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፀን።
ኣፍሪካውያን ኣብ ሪፎርም ስርዓት ጥዕና ዓለም ብንቕሓት ብምስታፍ ሓባራዊ ቅዋም ክሕዙ ኣለዎም-ትካል ጥዕና ዓለም
Aug 25, 2026 163
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) ኣፍሪካውያን ኣብ ሪፎርም ስርዓት ጥዕና ዓለም ብንቕሓት ብምስታፍ ሓባራዊ ቅዋም ክሕዙ ከም ዘለዎም ትካል ጥዕና ዓለም ገሊፁ። መበል 76 ኣኼባ ኮሚቲር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ዳይሬክተር ዞባ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም መሀመድ ያኩብ ጃናቢ፣ሚኒስትራት ጥዕና ሃገራት ኣፍሪካ፣ መራሕቲ ዞባውን ዓለም ለኻውን ትካላት ጥዕና ተረኺቦም። ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ ኣኼባ ብዝምልከት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጥሙ ለበዳታት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝውሰዱ ስጉምትታት ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ ኢሎም። ዓቕሚ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኣፍሪካ እናዓበየ ከም ዝመፀ ብምግላፅ፤ ሃገራ ዘለወን ምትሕብባር ከጠናኽራ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ለበዳ ማርበርግ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልትታት ጥራሕ ምቁፅፃርን ምጥፋእን ምኽኣላ ዓቕሚ ምፍፃም ኣፍሪካውያን ከም ዝመፀ መርኣያ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ኣብ ኣፍሪካ ዕቑር ፍልጠትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከም ዘሎ ብምሕባር፤ ፍርያት እታዎታት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ውሽጢ ሃግር ምዕባይ ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ማቹሪቲ ሌቭል 3 ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝበፅሓ ወሲኾም ገሊፆም። ኣፍሪካውያን ዘለዎም ምትሕብባር ብምጥንኻር ካብ ግዳማዊ ኢድ ኣታውነት ነፃ ኮይኖም ፍርያት ውሽጢ ሃገሮም ከዕብዩ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብናይ ኣፍሪካ ዓቕሚ ብምህናፅ ቀፃልነት ዘለዎ ፍልፍል ፋይናንስ ክፈጥሩ ከም ዘለዎም እውን ኣረዲኦም። ኣብ ሪፎርም ስርዓት ጥዕና ዓለም ንቑሕ ተሳትፎ ምዃን ዘኽእሎም ምትሕብባርን ምውዳድን ክፈጥሩ ኣለዎም ኢሎም።
መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ሎሚ ክጅመር እዩ
Aug 25, 2026 150
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 19/2018 (ኢዜኣ) መበል 76 ኣኼባ ዞባዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓለም ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ክጅምር እዩ። እቲ ኣኼባ ምስ ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ኣፍሪካ ትካል ጥዕና ዓል ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ተገሊፁ። ብመሰረት ኣብ ገፅ ትካል ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪካ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፤ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣጀንዳታት ጥዕና ንምዝታይን ኣህጉራዊ ንምትሕብባር ምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ። ሚኒስትራት ጥዕና 47 ሃገራት ኣባል ዞባ ኣፍሪካ፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ መራሕይ ዓለም ለኸ ጥዕና፣ መሓዙት ልምዓት፣ ለገስትን ተወከልቲ ትካል ጥዕና ዓለምን ሓዊሱ ልዕሊ 600 ተወከልቲ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ እዮም። ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዞባዊ ትልምታ ጥዕና ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝግምግም እንትኸውን፤ ኣብ ሓደሽቲ ስትራቴጂታትን ሓሳባት ውሳነን ክዝትዩ እዮም። ተወካሊ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(UNECA)ን ፕሮፌሰር ፍራንሲስ ካሶሎ፤ እቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኣጀንዳ ጥዕና እቲ ዞባ ንክሕንፅፁ፣ ምሕዝነቶም ንከጠናኽሩን ኣብ መላእ ኣፍሪካ ጥዕና ዘለዎ፣ ዘተኣማምንን ጠንካራን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዓብይ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ እቲ ኣኼባ ንምትእንጋድ ንዞባዊ ሕውነትን ሓባራዊ ምትሕብባርን ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። እቲ ኣኼባ ክሳብ 22 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ እዩ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መውሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Aug 24, 2026 299
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 18/2018 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መውሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ሙሉእ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡- እንኳዕ ንመበል 1 ሽሕን 501 በዓል መውሊድ ነብዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ኣብፀሐኩም! መውሊድ ዓበይቲ ኣሕዋትና እንሓስበሉ፣ ምትሕብባርን ሓድነትን፣ ምትሕዝዛንን ምፍቕቓድን ብተግባር ንገልፀሉ እዩ። ዘለዎ ንዘይብሉ ዘካፍለሉ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝጠናኸረሉን ብሓድነት ሓቢሩ ዘሕልፍርሉን ዓብይ በዓል እዩ። ሰናይ ተግባራት ነቢዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ከይደብዘዙ ብድምቀት፣ከይተሸራረፉ ብህያውነት ክሳብ ሎሚ ኣለዉ። እዚ በዓል ብሓባር እንትነኽብር ብዝተማልአ ፀጋ ሰናይነት፣ፍቕርን ሓድነትን፣ሰላም፣ምትሕስሳብ ከምኡ እውን ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ። ጠጠው ንዝበልናሉ ዕላማ ምትጋህ፣ንካልኦት ዝተርፍ ሰናይ ፍረ ምሃብ፣ሃገርን ህዝብን ዝዝክርዎ ኣሰር ምዕራፍ፣ብሕብረት ምስራሕ፣ብፅንዓት ጠጠው ምባልን ብፍልጠትን ትዕግስትን ናብ ሽቶና ምግስጋስ የድሊ። ደጊመ እንኳዕ ንመበል 1 ሽሕን 501 በዓል መውሊድ ነቢዩ መሐመድ (ሰ.ዐ.ወ) ብሰላም ኣብፀሐኩም!
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1501 በዓል መውሊድ ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Aug 24, 2026 229
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 18/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንመበል 1501 በዓል መውሊድ ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ከም ዝበልዎ፤ ታሪኽ ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) ወለዶ ንሰናይ ዕላማ ካብ ዝቐርፁ ታሪኻት እቲ ሓደ እዩ። ዝተፀውዕሉ ዕላማ ምኽባር፣ንዝተፀውዕሉ ዕላማ ዋጋ ምሃብ፣ዝተፀውዕሉ ንካልኦት ምክፋልን ንዝተፀውዕሉ ኣኽቢርካ ምንባርን ሽሕ መፅሓፍቲ ዝወፁሎም ትምህርትታት እዮም ኢሎም። ነቢዩ ዝተፀውዕሉ ዕላማ ብኣግባቡ ስለዝተረድኡ ኣኽቢሮም ነቢሮም እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተፀውዕሉ ንዘይረብሕን ርካሽን ነገር ከም ዘይኮነ እውን ተገንዚቦም እዮመ ክብሉ ሓቢሮም። ዝተፀውዑ ወለዶ ንምቕራፅን ታሪኽ ንምቕያርን ከም ዝኾነ እውን ከም ዝኣመኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ቃሎም፣ስርሖምን መነባብሮኦምን ኣኽቢሮም ከም ዝነበርሉ ገሊፆም። ንዓብይ ሃገራዊ ዕላማ ተፀዊዕና ኢና ኢልና ንኣምን እንተኾይንና እዚ ሂወት ነቢዩ ዓብይ ትምህርቲ ከም ዝኸውን ኣረዲኦም። ዝተፀዋዕናሉ ዕላማ ኣብ ዘረባና፣ስራሕናን ሂወትናን ንግልፆ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ነቢዩ ንዝተፀውዕሉ ዕላማ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ብምሕባር፤ ካብ ቦትኦም ተሰዲዶም፣ምግብን መፅለልን ተኸሊኦም፣ካብ ቤተሶቦም ተፈልዮም እዮም ኢሎም። ንሞት ብዘብቅዑ ፈተናታት ከም ዝሓለፉን ኵናት ከም ዝተኸፈተሎምን እውን ፀሪሖም። ይኹን እምበር ንኹሉ ብሓይሊ ኣላህ ስዒሮም እዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ክብሪ ብዘይ መከራ ስለዘይርከብ ሓቃዊ ሰብ ንዕላምኡ ከም ነቢዩ መሐመድ(ሰዐወ) ዋጋ ከም ዝኸፍል ሓቢሮም። ዕላምኡ ዝረኽቦ ጥቕምን ክብርን ጥራሕ ዘይኮነስ ዕላምኡ ዘኽፍሎ መስዋእቲ ንምኽፋል እውን ድሉው እዩ ዝኸውን ኢሎም። ነቢይ መሓመድ (ሰዐወ) ካብ ኣላህ ዝበፅሖም መልእኽቲ ንባዕሎም ጥራሕ ከም ዘየትረፍዎ ብምግላፅ፤ ዝተፀውዑሉ ንካልኦት ንምክፋል ተጊሆም እዮም ክብሉ ገሊፆም። መጀመርታ ንውሑዳት ሰባት፣ድሕሪኡ ድማ ንቐረባ ሱሓባታት፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓለም እቲ መልእኽቲ ኣብፂሖምዎ እዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንሶም ዝዘርእዎ ዘርኢ እናፈረየን እናዐንበበን ከም ዝተጉዓዘ ብምሕባር፤ ንዕላማና ንሕና ጥራሕ ምፍላጥናን ምእማንናን ጥቕሚ ከም ዘይብሉን ካልኦት ክፈልጡን ክኣምኑን ልክዕ ከም ነቢይ ተጊህና ክንደክምን ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም። መውሊድ ነቢይ እንትነኽብር ካብ ህይወቶም እናተመሃርና፤ ዝተመሃርናዮ ድማ ንህንፀት ሃገረ-መንግስትና እናተጠቐምናሉ ንክኸውን እውን ሓደራ ኢሎም።
ነበር ጋዜጠኛ ኢዜኣ መስፍን ኣራጌ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ
Aug 24, 2026 265
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 18/2018 (ኢዜኣ)፦ ነበር ጋዜጠኛን መሳርሕትን ኢዜኣ መስፍን ኣራጌ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ብ1965 ዓ.ም ዝተወለደ ጋዜጠኛ መስፍን ኣራጌ ካብ ሕዳር 2008 ክሳብ ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ ኢዜኣ ጨንፈር ደሴ ብጋዜጠኝነትን ብኣተሓባባሪነትን ኣገልጊሉ እዩ። ጋዜጠኛ መስፍን ኣራጌ ካብ ኢዜኣ ብተወሳኺ ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ጨንፈር ደሴን ኮርፖሬሽን ሚዲያ ኣማራን (ኣሚኮ) ብጋዜጠኝነት ሰሪሑ እየ። ደራስን ገጣምን መስፍን ካብ ጋዜጠኝነት ሞይኡ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ስነ-ፅሑፍ ንንባብ ኣብቂዑ እዩ። መስፍን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ነይሩ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ መስፍን ኣራጌ ሎሚ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደሴ ደብረ መድሃኒት መድኃኔኣለም ቤተክርስቲያን ክፍፀም እዩ።
ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ሪከርድ ፍርቂ ማራቶን ዓለም ሰቢሩ
Aug 23, 2026 516
ኣዲስ ኣበባ፤ ነሐሴ 17/ 2018 (ኢዜኣ) ፦ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ኣብ ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሪከርድ ፍርቂ ማራቶን ዓለም ሰቢሩ። ኣብ ጉያ ታሪኽ እናፅሓፈ ዝርከብ ኣትሌት ዮሚፍ ነቲ ርሕቐት ብ56 ደቂቕን 51 ሰከንድን ብምውዳእ ሓዱሽ ሪከርድ ዓለም ኣመዝጊቡ ኣሎ። በዙይ ድማ ኣትሌት ዮሚፍ ዩጋንዳዊ ጃኮብ ኪፕሊሞ ቀዲሙ ኣመዝጊብዎ ዝነበረ 57 ደቂቕን 20 ሴኮንድን ሪከርድ ዓለም ብ29 ሴኮንዶች ብምምሕያሽ ናይቲ ርሕቐት ናይ ዓለም ፈጣን ኣትሌት ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።