ሕቶ ኣፍሪካ ምፅዋት ኣይኮነን፤ እንደልዮ ፍትሒ ክሌማን ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስን እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ኣፍሪካ ምፅዋት ኣይኮነን፤ እንደልዮ ፍትሒ ክሌማን ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስን እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ምፅዋት ኣይትደልን ሕቶና ፍትሒ ክሌማን ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንስን ክህሉ ይግባእ ዝብል እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 30) ካብ 1 ክሳብ 12 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ብራዚል ቤለም ክካየድ እዩ።
“ስጉምትን ተግባራውነትን ክሌማ”መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ እዩ።
ቅድሚ እቲ ዋና ጉባኤ፤ ጉባኤ መራሕቲ ክሌማ ቤለም ተኻይዱ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብዚ እዋን፤ ኣፍሪካ ናብ ጉባኤ ኮፕ 30 ብጠንካራ ቅዋም ከምዝመፀት ብምግላፅ እታ ኣህጉር ወኪል ለውጢ እያ ኢሎም።
ካብ ስፍራታት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ክሳብ ሓምለዋይ ኢንቬሽን ዝወነኑ መናእሰይ ዝሓዘት ኣፍሪካ ቀፃሊ ግዚ ፍትሓዊ፣ኩለ መዳያውን ትሑት ልቀት ካርቦንን ንክኸውን እጃም መሪሕነታ እናተዋፅአት ከምትርከብ ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ዋላ ኳ 40 ሚኢታዊ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊ ዓለም ዘለዋ እንተኾነት እትረኽቦ ፋይናንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ግና ትሕቲ 12 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ንሕና ዝሓተትናዮ ሰናይ ተግባር ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ኣቦ መንበር፤ ፍትሒ ክሌማ፣ፍትሓዊ ተበፃሕነት ፋይናንስ፣ቴክኖሎጅን ዕድላት እዩ ኢሎም።
ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ትሑት ብፅሒት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ጉድኣት ክሽከማ ኣይግባእ እውን ኢሎም።
ኮፕ 30 ቃል ካብ ምእታው ናብ ለውጢ፣ካብ ተቓላዕነት ናብ ጥንካረ ክሰጋገር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ስራሕ ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምሕዝነት፣ፍትሓዊነትን ኣተሓሳስባ ሓባራዊ ብልፅግናን ክምራሕ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ፍርቂ መፍትሒ ጥራሕ ዘምፅኡ ስጉምትታት ምውሳድ ግዚኡ ኣብቂዑ እዩ፤ ሕዚ ዘድሊ ድፍረት ዝተመልኦን ሓባራውን ተግባራዊ ምላሽ እዩ ምባሎም ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።