ኢትዮጵያ (ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንስጉምቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንዘለዋ ፅኑዕ ቆራፅነት ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ-ኢጋድ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንስጉምቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓምለዋይ ልምዓትን ዘለዋ ቆራፅነት ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ገሊፁ።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ስዒቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምትእንጋዳ ኣብ ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ልምዓትን ዘለዋ መሪሕነት እናዓበየ ምምፅኡ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ስነ ምህዳር ከባቢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ፣ ዘላቒ ዕቤትን ጠንካራ ዓቕምን ንምህናፅ ዘለዋ ጠንካራ ቆራፅነት ዘመላኽትን ነዚ ስርሓ ድማ ኣፍልጦ ዝሃበን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኮፕ 32 ንዞባ ኢጋድ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ድርቅን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዝፈጠሮ ምምዝባል ዜጋታትን ካልኦት ህፁፃት ኣጀንዳታትን ብዝበለፀ ትኹረት ንክወሃቦም ከምዝገብር እውን ኣረዲኦም።
ኢጋድ ምስ ኢትዮጵያ፣ቤት ፅሕፈት ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(UNFCCC Secretariat)ን ዓለም ለኸ መሓዙትን ብምዃን እቲ ጉባኤ ኣሳታፊ፣ ቀዳሞት ትኹረታት ኣፍሪካ ማእኸል ዝገበረን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉን ንክኸውን ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ብራዚል ቤለም ዝካየድ ዘሎ መበል 30 ጉባኤ ኮፕ 30 ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ዝካየድ ኮፕ 32 ኢትዮጵያ ንክተተኣናግዶ ምምራፃ ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም