ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሓባራዊ ስጉምቲ ዘተባብዕ ውፅኢት ንምምፃእ ቆራፅ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኮፕ 32 ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሓባራዊ ስጉምቲ ዘተባብዕ ጠንካራን ትርጉም ዘለዎን ውፅኢት ንምምፃእ ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ ከምዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣረጋጊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልአኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኮፕ 32 ንክተተኣናግድ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዓብይ ሓላፍነት ስለዝሃበና ክብሪ ይስመዓና ኢሎም።
ኣፍሪካ ኣብ ኮንፈረንስ ለውጢ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት 2025(COP 30) ኣብ ብራዚል ብሓደ ድምፂ ተዛሪባ፤ ዓለም እውን ኣዳሚፅዋ ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ኮፕ 32 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምትእንጋድ ዘቕረበቶ ሕቶ ንዝደገፉ ኩሎም ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ምስጋና ኣቕሪቦም።



ኣብ መነባብሮ ወዲ ሰብ ኣዝዮም ኣንገብጋቢ ካብ ዝኾኑ ፈተናታት እቲ ሓደ ምፍታሕ ንኽከኣል ሓባራዊ ፃዕርታት ንምምራሕ እቲ ዕድል ስለዝረኸብና እውን ኣመስገንቲ ኢና ኢሎም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እዚ ዓብይ ሓላፍነት ስለዝሃበና እውን ክብሪ ይስመዐና ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።
እዚ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅ ስጉምቲ፣ኣመራርሓን ዋና ዋና ዓለም ለኸ ምድላዋት ናይ ምትእንጋድ ዓቕምን ከምዘርኢ እውን ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ተተኣናግዶ መድረኽ ኮፕ 32 ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሓባራዊ ስጉምቲ ዘዘተባብዕ ጠንካራን ትርጉም ዘለዎን ውፅኢት ንምምፃእ ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፃ እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም