ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብሙሩፅ ዘላቒ ልምዓት ደኒ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ተዋሂብዋ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብሙሩፅ ዘላቒ ልምዓት ደኒ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ተዋሂብዋ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋ።
ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበቶ ኣብ ጣልያን ሮም እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ምግቢ ዓለም እዩ።
እቲ ጉባኤ ኣካል መዓልቲ ምስረታ ፋኦ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተሳቲፈን።
እቲ ትካል ንኢትዮጵያ“ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ”ብዝብል ዘፈር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝሃበ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ካሳ ንመንግሥቲ ኢትዮጵያ ወኪለን እቲ ሽልማት ተቐቢለን።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብዚ እዋን፤ ፋኦ ጥሜት ንምጥፋእ፣ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻርን ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ልዑል ኣሰር ከምዘዕረፈ ሓቢረን።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ብመርኣያነት ሙሩፅ ዘላቒ ልምዓትን ሓለዋን ደኒ ኣፍልጦ ብምርካቡ ኮሪዕና ኢና ኢለን።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ብብዙሕ ቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ሽፋን ደኒ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪበን።
እዚ ድማ ብግልፂ ራኢ መራሕን ጠንካራ ተሳትፎ ህዝብን ዝተረኸበን ተስፋና ዘለምለመን ዓወት እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ እዚ ጭቡጥ ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ንክጉብንይዎን ብዓይኖም ሪኦም ንክምስክሩን እውን ዓዲመን።
ፋኦ ቅድሚ ሕዚ ብልዑል ኣፈፃፅማ ውሕስና ምግቢ፣ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግብን ፍርያት ስርናይን ንዘርኣይዎ ቆራፅነት ክቡር ሜዳሊያ አግሪኮላ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምሽላሙ ዝዝከር እዩ።
ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ስራሕቲ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ትካል ብዝድህስሱ ከምኡ እውን ቀፃሊ ራእዩ ብዝገልፁ ምድላዋት መበል 80 ዓመት ምስረትኡ እናኽበረ እዩ ዝርከብ።