መንግስትታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፃዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ይግበረሎም- ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 28/2017(ኢዜኣ) መንግስትታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፃዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
መበል 2ይ ዓለም ለኸ ቅነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣዳላውነት ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።



እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሂወት ሰባት ብምህዋኽን መሰረተ ልምዓታት ብምዕናውን ሰፊሕ ጉድኣት እናብፀሐ እዩ ዝርከብ።
ኣፍሪካ ንፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ እጃም ዋላ ኳ ኣብዚ እቶ ዝበሃል እንተዘይኮነ ነቲ ፅልዋ ከምዝተቓልዐት ግና ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብታ ኣህጉር ንከባብያዊ ኣየር ዝስማዕማዕ ልምዓት ምቅልጣፍ፣ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ውሕስና ምግቢ ምምሕያሽን ኩለመዳያዊ ቀረብ ሓይሊ ምርግጋፅን ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ስርዓት ኢኮኖሚ እናሃነፀት እያ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ተሓዳሲ ሓይልን ልምዓት ኮሪደርን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጭቡጥ ውፅኢት እናመዝገቡ እዮም ኢሎም።
መንግስትታት ካልኦት ሃገራት እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብግደኦም፤ ኣፍሪካ መበል ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ንምክያድ ከምዝተዳለወት ሓቢሮም።
ብለውጢ ከባብያዊ ኣየር እናተፈተነት እትርከብ ኣፍሪካ ድምፃ ሓፍ ኢሉ ንክስማዕን ምላሽ ንክረክብን ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ንፍትሓዊነት፣ስግግር ቴክኖሎጅን ህንፀት ዓቕምን ፋይናንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ጎኒ ኣፍሪካ ጠጠው ንክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም።



ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ እቲ ቅነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ካብ ቃል ዝሓለፈ ዕዉት ድርድርን ተግባራዊ ስጉምትን ንምውሳድ ድልድል ኮይኑ ከምዘገልግል ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ምስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዝስማዕማዕ መልክዑ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብ እውን ኣረዲአን።



ምክትል ዋና ፀሓፊ ስምምዕ ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ ኑራ ሀመላዲጂ፤ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበን ምልክት ነፃነትን ዲፕሎማስን ኣፍሪካ ኮይና ፀኒሓ እያ ኢለን።
ዓለም ለኸ ቅልውላው ብዘይ ትሕብብር ምስዓር ኣይከኣልን ዝበላ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊ፤ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጭቡጥ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምትሕብባር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢረን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም