ኢትዮጵያውያን እንትተሓባበሩ ተኣምር ከምዝሰርሑ ሎሚ ዳግማይ ተራእዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

 


ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያውያን እንትተሓባበሩ ተኣምር ከምዝሰርሑ ሎሚ ዳግማይ ተራእዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።


እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ሓደ መዓልቲ 700 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተለምናዮ ትልሚ ልዕሊ እቲ ዝተሓሰበ ተዓዊቱ ኢሎም።


ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን፣ትካላት መንግስትን ውልቀን፣ኤምባሲታትን ዓለም ለኸ ትካላትን፣ ህፃናት፣ መናእሰይ፣ኣረጋውያን፣ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሎሚ ንጉሆ ቅድሚ ኣዕዋፍ ሓምለዋይ ኣሰር ንምንባር ወፂኦም ክብሉ እውን ሓቢሮም።


ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኢትዮጵያውያን እናኾነ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስሊ ኢትዮጵያ እውን እናቐየረ እዩ ኢሎም።


እዚ ልኡኽቶ ንዘተሓባብሩ፣ፃውዒትና ሰሚዖም ወፂኦም ንዝተኸሉ ኩሎም ኣመስጊኖም።
ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያን ዜጋታት ወፃእን ብበዝሕን ብምልኣትን ንዝገበርዎ ተሳትፎ ብሽም ኢትዮጵያ ነመስግን ኢሎም።


ምትካል ንደቅና ፅላል ምዝርጋሕ እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም