ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ክሌማ ንክተተኣናግድ ተመሪፃ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 3/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ክሌማ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ተመሪፃ።
መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ክሌማ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 30) ኣብ ብራዚል ቤለም እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ኮፕ 32 ንምትእንጋድ ብዕሊ ሕቶ ዘቕረበት እንትኸውን ሃገራት ኣፍሪካ ንዘቕርበቶ ሕቶ ሙሉእ ድጋፍ ሂበን።
ኣቦ መንበር ጉጅለ ተደራደርቲ ለውጢ ክሌማ ኣፍሪካ ሪቻርድ ሙዩን፤ ኢትዮጵያ ሕቶ ኮፕ 32 ንምትእንጋድ ዘቕረበቶ ሕቶ ተቐቢሉ ከምዘፅደቖ ንኤኤፍፒ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ኮፕ 30 ዝኾነት ብራዚል እውን ሃገራት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ምምራፀን ኣረጋጊፃ። 
ስሩዕ ዘይኮነ ውሳነ እቲ ጉጅለ ተደራዳሪ ብኩለን ሃገራት ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ክፀድቕ ትፅቢት ከምዝግበረሉን እዚ ድማ ኮፕ 30 ኣብ ዝዛዘመሉ 12 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዕላዊ ከምዝኸውንን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም