ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ተረባሕነት ብምትእስሳር ዕዉታት ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ተረባሕነት ህዝቢ ብምትእስሳር ዕዉታት ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
መበል 7ይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሎሚ መዓልቲ እውን መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ እውን ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ናይ ሎሚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያውያን 700 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ዝረባረብሉ እዩ።
ክሳብ ቀፃሊ ዓመት 50 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተሓንፀፀ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልየን ፈልስታት ከምዝትከሉ ብምሕባር፤ ሓምለዋይ ኣሰር ምስ ተረባሕነት ህዝቢ ምትእስሳር ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ሶማሌ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ዓውዲ ግብርና መፍረያይነት ንምዕባይ ዓበይቲ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም