ሓምለዋይ ኣሰር ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተስማዕሚዑ ምንባር ዝኽእለሉ ከባቢ ዝፈጥር ስለዝኾነ ኣጠናኺርና ክነቐፅሎ ይግባእ-ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓምለዋይ ኣሰር ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተስማዕሚዑ ምንባር ዝኽእለሉ ከባቢ ዝፈጥር ስለዝኾነ ኣጠናኺርና ክነቐፅሎ ይግባእ-ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ
ድሬዳዋ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተስማዕሚዑ ምንባር ዝኽእለሉ ከባቢ ዝፈጥር ስለዝኾነ ኣጠናኺርና ክነቐፅሎ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ፓርክ ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ተረኺቦም ዝተፈላለዩ ፈልስታት ብምትካል እቲ መርሃ ግብሪ ዘጀመሩ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳን ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ከድር ጁሃርን እዮም።
ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ብምንባር ሚዛን ተፈጥሮ ምሕላውን ምክንኻንን ቀዳማይ ስራሕ ኩላትና እዩ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወዲ ሰብ ንፁህ ኣየርን ማይን ንክረክብ ከምኡ እውን ምስ ተፈጥሮ ተስማዕሚዑ ንክነብር ዝገብር ስለዝኾነ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኣለና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ ሓምለዋይ ኣሰር መዐወቲ ጉዕዞ ምንስርራእ ሃገርናን ዘበን ተሻጋርን ፕሮጀክት እዩ።
እቲ ፕሮጀክት ሚዛን ተፈጥሮ ብምሕላው ናብ ብልፅግና ንምጉዓዝ ኣብ ንገብሮ ጉዕዞ መሰረታዊ እጃም እናበርከተ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ ኣባላት ካቢኔ እቲ ምምሕዳር ከተማ፣ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ድሬዳዋ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን በቢብርኩ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ይሳተፉ ኣለዉ።