ልኡኽቶና ባህጊ ኢትዮጵያ ብምዕዋት ክንዕቅኖ ኣለና




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2017(ኢዜኣ) ባህጊ ኢትዮጵያ ብምዕዋት ልኡኽቶና ክንዕቅኖ ኣለና ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) 20 ሰነ 2017 /ብምትካል ምንስርራእኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 24 ሓምለ 2017 / ተሳሊጡ እዩ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ እውን ነዚ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ልኡኽትኡ ንምዕዋት ካብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ሃገራውን ጉዳያት ብምስታፍ ሓላፍነቱ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ።

እቲ ሎሚ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን ኣካል እዚ እዩ ኢሎም።

ሓምለዋይ ኣሰር መርኣያ ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ኣህጉር ተፀራሕን ምችውን ሃገር ኣብ ምፍጣር እቲ ትካል ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት እናተዋፅአ ከምዝኾነ ወሲኾም ተዛሪቦም።

ሽቶ እቲ ትካል ባህጊ ኢትዮጵያ ምዕዋት እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፤ ኣብዚ ከይዲ ንወለዶ ዝመሓላለፍ ስራሕ እናሳለጠ ብልፅግና ኢትዮጵያን ህዝባን ክውን ኣብ ምግባር ዝገብሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን 24 ሓምለ 2017 / ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኢትዮጵያ 714 ነጥቢ 7 ሚልዮን ፈልስታት ብምትካል ታሪኻዊ ዓወት ከምዘመዝገበት ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ እውን ኢንሼቲቭ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ሃገራዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ከምዝኾነ ብተግባር ዘርኣየ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታ ኢዜኣ ብግደኦም፤ ብምትካል ምንስርራእ ኣብ ዝብል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፎም ከምዝተሓጎሱ ሓቢሮም።

በዚ ድማ ብሞይኦም ካብ ዘሳልጥዎ ስራሕ ብተወሳኺ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም።

እቲ ሎሚ ብኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ እቲ በዓል ሞያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ንክሳተፍ ዕድል ዝፈጠረን ኣብ ኩለመዳያዊ ልምዓት ሃገር ዘለዎ ተሳትፎ ንክውስኽን ዝሓገዘ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም