ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ተሳልጦ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብመርኣያነት ዝግለፅ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ተሳልጦ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብመርኣያነት ዝግለፅ ከምዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
መበል 7ይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ብምትላም ኣብ መላእ እታ ሃገር ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሎሚ መዓልቲ እውን መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣካል 7ይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 700 ሚልዮን ፈልሲ ናይ ምትካል ስራሕ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
እቲ መርሃ ግብሪ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ምክልኻል፣ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅን ፍርያትን መፍረያይነትን ኣብ ምዕባይን ዝተፈላለዩ ረብሓታት ከምዘለዎ ሓቢሮም።
እቲ ህዝቢ እውን ረብሓ ሓምለዋይ ኣሰር ብምርዳእ እናተኸለ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብመርኣያነት ዝግለፅ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።





 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም