ፅሩይቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ክኸውን ይግባእ-ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ፅሩይቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ክኸውን ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ ገሊፀን፡፡
ቁፅሪ ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ 1383/2017 ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምፅዳቑ ዝዝከር እዩ።
በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ኣግባብ ዝጠመተ ስልጠና ንመዳርግቲ ኣካላት ሂቡ።



ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ኣዋጅ ካብ ዝሓዞም ቀንዲ ጉዳያት ስርዓት ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክ እቲ ሓደ እዩ።
ውፅኢታት ፕላስቲክ ኣብ ውሽጢ መሬት ከይበስበሱ ንነዊሕ እዋን ስለዝፀንሑ ጠንቂ ብኽለት ከባቢ፣ንጥዕና ወዲ ሰብ ድማ ጉደኣት እናኾኑ ከምዝመፁ እውን ተዛሪበን።
ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝጠዓዓምን ነዚ ዘበን ዝምጥንን ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ ምድላዉ ሓቢረን።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ንሓደ ግዜ ጥራሕ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ፍርያታት ፕላስቲክ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው፣ምፍራይን ንዕዳጋ ምቕራብን ከምዘይከኣል ኣረዲአን።
እዚ ድማ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተፈፃሚ ከምዝኸውን ተዛሪበን።
ኣብ ከባቢ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘየብፅሑ ፍርያታት ንምቕራብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብቐረባ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ፀሪሐን።
እቲ ናይ ሎሚ ስልጠና እውን እቲ ኣዋጅ ብኣግባቡ ንክፍፀም መዳርግቲ ኣካላት ግንዛበ ንክሕዙ ዝዓለመ እዩ ኢለን።
ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ሓላፊ ዴስክ ክትትል ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ከተማ ዋሲሁን ኣለሙ ብግደኦም፤ ፅሩይን ንናብራ ምችውን ከባቢ ንምፍጣር እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም ኢሎም።
ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እኹል ግንዛበ ብምሓዝ እጃሞም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።



ተሳታፊ እቲ መድረኽ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተስፋዬ ደጀኔ፤ እቲ ስልጠና እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ሓባራዊ ቅዋምን ግንዛበን ንክንሕዝ ዝገብር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም