ስራሕቲ ማሕበረሰብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብ ማእኸል ሓበሬታ ንምእታው እናተሰርሐ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 8/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ሽሕን 800 ተፋሰሳት ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ናብ ማእኸል ሓበሬታ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምእታው ህንፀት ዓቕሚ ሓዊሱ ተዛመድቲ ስራሕቲ እናተሳጡ እዮም።
ኣብ ሚኒስቴር ግብርና ኣብ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ሓላፊ ዴስክ ምትሕብባር ማሕበረሰብ ፈቀደ ኣዳነ ከምዝበልዎ፤ ነቲ ስራሕ ዘድልዩ ላፕቶፕ፣ዘይተገደበ ኢንተርኔትን ተዛመድቲ እታዎታትን ብደገፍ መሓዙት ትካላት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ተገዚኦም ንሰብ ሞያ ክከፋፈሉ እዮም።
እዋኑ ዝሓለወ፣ተኣማንነቱ ዝተረጋገፀ ትልሚ፣ክትትልን ፀብፃባትን ንምልውዋጥ፣ስራሕቲ ልምዓት ምስ ዝርከብሉ ከባቢ ንምቕማጥ ከምኡ እውን ንወሃብቲ ውሳነ፣ተመራመርትን ሚድያታትን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምሃብ ማእኸል ሓበሬታ ኣድላይ እዩ ኢሎም።
ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ኣብ ዘለዉ 492 ወረዳታት ዘለዉ 11 ሽሕን 800 ተፋሰሳት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ሓበሬታ ንዝእክቡን ናብ ማእኸል ሓበሬታ ንዘእትዉን ሰብ ሞያ ወረዳ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ቀንዲ ዕላማ ማሕበራዊ ስራሕቲ ተቓላዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምቕናስን ስራሕቲ ህንፀት ሃፍቲ ቤተሰብ ንምድጋፍን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብስራሕቲ ማሕበረሰብ ካብ ዝሳለጡ ስራሕቲ፤ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ስራሕቲ ምውህላል ማይ፣ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኣናእሽተይ መስኖ፣ስራሕ መንገዲ፣ህንፀት መሰረተ ልምዓት ማሕበረሰብ፣ንስርዓተ ምግቢ ዝሕግዙ ስራሕቲ ምስራሕን ካልኦትን ከምዝኾኑ እውን ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም